Written by: Kibreab Misghina
Hits: 1524

አብ'ዚ እዋን'ዚ ዓለምና ብተኸሲቱ ዘሎ ሐደገኛ ዝኾነ ተላጋቢ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ብኮቪድ-19 (COVID-19) ዝፍለጥ ትሕመስ ከምዘላ ንነብሲ ወከፍ ሰብ ብተግባር ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ንጥፈታቱ ክድረትን ከረኻኽበሉን ሂውቱ ከይትቕዘፍ ድማ ጠቕሊሉ ክሰግእን ገይርዎ አሎ። ኩላትና ደቂ ሰባት ንገብሮ ጻዕርታት ከአ ንምንባር ማእከል ዝገበረ ከም ምዃኑ መጠን፡ ንኸይንነብር ዝፈታተነና ሐደጋ ክመጽእ ከሎ አንጻሩ ደው ኢልና፡ ክንካላኸሎ ባህርያዊ ነገር ይኸውን። ስለዚ ህይወት ክትህሉ መታን፡ ኩሉ ገዲፍና ብቐዳምነት ኩሉ'ቲ ንህይውት ንምድሓን ክግበር ዝከእል ናይ ምክልኻል ጥበብ ከነተግብርን ከነማዕብልን ናይ እዋኑ ቀንዲ ዕማምና ክኽውንን ናይ ግድን ይኸውን።

እዚ ለበዳ ሕማም'ዚ መንነት፥ ዘጊነት፥ጾታ፥ ሃይማኖት፥ ሕብርን ዶብን...ወዘተ ከይፈለ ብዝረኸቦ ዝቐዝፍ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ሽግር ናብ ምሉእ ህዝብታት ዓለም ዘቕነዐ ንሰባእዊ ብርሰት ኣቃሊዑ ዘሕልፍ ሐደገኛ ሕማም ለበዳ እዩ። ስለዚ ንኹሉ ህዝቢታት ዓለም ብሓባር ኣብ ሐደ ናይ ወጥሪን ቅልውላውን ዓውዲ ኣኪቡ ብሓባር ክወቕጠና ወይ ድማ ከጽንተና ብስፍሓት ተዋፊሩ ዘሎ ምስቅልቅል ዝበለ ባህሪ ዘለዎ ሕማም'ዩ። ነዚ ከቢድ ሕማም'ዚ ክንከላኸል ከም ህዝብታት ዓለም ብሓባር ከም ትካልት ከአ ብማሕበረሰብ ዓለም፥ ብመንግስታዊ፥ ዘይመንግስታዊ፥ ሞያውን... ወዘተ ትካለተን አቢለን ብሓባር ክብድህ ግድን ኮይኑ አሎ። እቲ ዘሎ ውድዕነት ከምዚ ዝምስልን ይኹን እምበር፡ ዓልምና አብ መስርሕ ፍትሓውን ምዕሩይን ምሕደራ ከምዘይ ተስተኣናገድ ኣብ ሕሉፍ ተሞኩሮና ተረጋጊጹ እዩ። ናይዚ መኽንያት ከአ ፖሎቲካዊ፥ ቁጠባዊን ማሕበርራውን ጠንቂ መበገሲ ዝገበረ ምዃኑ ንተቓለስቲ ህዝብታት ዓለም ከም ጽሓይ ዝውቕዖ ቀትሪ ብሩህ'ዩ። ከም ሳዕበኑ ከአ ኣብ ዓለምና ኣብ ሞንጎ ሃብታምን ድኻን ዘሎ ጋግ አጸቢቑ ክሰፍሕ ኮይኑ። ተፎጥራዊ ጸጋትት ዓለምና ከም ሕሱም እናተምዝመዘ ንቡር ባህርያዊ ጠባያቶም ክዛናባዕ ብግብሪ ንግንዘብ አሎና። ሕሉፍ ሓሊፉ ከአ ጽሩይ ኣየር ከይነተንፍስ ናይ ምብካል አንፈት ምልክታት ንርኢ አሎና። ካብ መዓቱ ይሰውረና ዘብል'ዩ።

ንሕና ከም ህዝቢ ኤርትራ ነዚ አብ ዓለምና ወሪዱ ዘሎ ምዓት ከም ሰብና ምስ ዓለምና ክንብደሆ ክንከላኸሎን ባህርያዊ ኮይኑ፡ ካልእ ካብኡ ፈሊኻ ዘይርኤ ብሕመቕና ዝተፈጥረ ን27 ዓመታት ብቕሉዕ ከም ህዝቢ ከብርሰናን ከጽንተናን ዝጸንሐ ባሓቲ ስርዓት ጉጅለ ኢሰያስ አሎ። ቅድሚ ኮሮና ቫይረስ ብሰንኪ ፖሎትካዊ ዓፈናን ዝለመሰ ሃገራዊ ቁጠባን ዝተማዛበለ ሕብረተሰብን ብምዃና ድሮ ተጎዲእናን ማሲናን ጸኒሕናን አሎና። አብ ሃገርና ዘሎ ህዝብና ግደፍዶ ንኮሮና ቫይረስ ዝከላኽል መድሃኒትሲ ይትረፍ፡ ዝአክል ቀረብ ናይ ጽሩይ ማይን መግብን ካልኦት መባእታዎ ህዝባዊ አገልግሎት ዝረክብ አይኮነን። ካብኡ ዘይሓይሽን ዝኸፍኤን ከአ ስደተኛ ኮይኑ፡ ኣብ ፈቐዶ በረኻታት ዓዲ ሃገር ከም አቕሓ ዛሕዛሕ ኢሉ ዘሎ ነዚ ለበዳ ሕማም'ዚ ብስፍሓት ንሓደጋ ዝተቓልዐ ህዝቢ'ዩ ዘልና።

ነዚ ወሪዱና ዘሎ ድርብ ሕሰም ክብደቱ ብግቡእ ተረዲእና ኩሉ ዓቕምታት ህዝብና ብምሕባር ኢድ ንኢድ ተጣሚርና ክንብድሆ መድረኽ ማዕጽኡ ከፊቱ ይጽበያና አሎ። ከም ህዝቢ አብ ሃገርና፥ ከባቢና፥ ኣብ ኩሉ ንነብረሉ ቦታን ብቅኑዕ አንፈት ተመሪሕና ንድሕነት ህዝብናን ሃገርናን ተዓጢቕና ጊዜ ከይወሰድና ዳግም ቅያን ታሪኽን ክሰርሕ ብተግባር ዝግለጽ ፍጻሜታት ክንሰርሕ ንላዓል።

ንሕሰመ-መከራ ብግቡእ እንተድአ ተቓሊስካዮ፡ ኻልእ ሓድሽ ናይ ራህዋ አንፈት ከም ዝኸፍት ብንቕሓት ፈሊጥና፡ ብናይ ኮሮና ቫይረስ ለበዳ ተጠቒዕና ከይንጠፍእ ኩሉ እቲ ዝድለ ጥንቃቐን ምክልኻልን ንግበር። ብናይ ባሓቲ ስርዓት ኢሰያስን ጉጅልኡን ውዲትን መጻውድያን ተታሊልና ደንዚዝናን መታን ከይንጸንት ከአ፡ ንናይ ክልቲኦም ብልሒ ዘጉድምን ዝስዕርን ጥብብ ዝመልኦ ውሕሉል ቃሊሲ ተጠቒምና አብ ናይ ራህዋ ደምበ ክንሰጋገር ብዕቱብ ንረባረብ። ስለዚ ኩሉ ዜጋ አብዛ ጽንክርቲ መድርኽ ንህዝብና ክድገፈሉ ዘሎዎ ምብላሓትን ሕድሕዳዊ ምትሕብባርን ክገብር ሃገራዊ ግደታ ምዃኑ ፈሊጡ ክዋሳእን ክገብርን ይህልዎ ንብል። 2

አብ ዝሓለፈ ሰሙን ብ6 ፖሎቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ አብ'ዚ መዳይ'ዚ አመልኪተን ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዘቕነዐ ካብዚ ተላጋቢ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ልዑል ጥንቃቀ ክገብር፡ ነዚ ጽንኩር መድርኽ ከኣ ኩልና ተሓጋጊዝናን ተሓባቢርናን ክንውጾ መጸዋዕታ አቕሪቡ። በቲ ካልእ ውገን ድማ ናብ ዝምልከቶ ዓለም ለኻዊ ትካላትን ማሕበረሰብን ንህዝቢ ኤርትራ አብ ግዚኡን ህጹጽን ዝግባእ ኩሉ መዳያዊ ረድኤት ክረክብን አመልኪተን ዝጸሓፍኦ አገድስቲ ሰነዳት ኣብ መድያ ተቃላሑን ተጻሒፉን ሪእና። ብፍላይ ከአ ነቲ አብ ስደት ዛሕዛሕን ተዛናቢሉን ዘሎ ህዝብና ፍሉይ ትኹረት ተዋሂብዎ ትርጉም ዘሎዎ ፍታሕ ክረክብ ንማሕበረሰብ ዓለምን ብፍላይ ከአ ንናይ ገበርቲ ሰናይ ትካላትን መዛኻኽሪ ጽሑፍ ብምቕራቡ፡ ዝምስገን ስራሕ እዩ። ትሕዝቶ ናይ'ቲ ክልቲኡ ሰነዳት ከአ ወድዓውን ነቲ መድርኽ ዝምጥንን ዘንጸባርቕን ብምዃኑ ካብ ህዝቢ ኤርትራን ካብ ዓለም ለኻዊ ትካላትን ግቡእ ግብረ መልሲ ክረክብ ተስፋ ይንበረሉ። ስጋብ ትርጉም ዘለዎ መልሲ ዝርከብ ከአ እቲ ጉዳይ ብዕቱብ ተታሕዙ ናብ ዝድለ ሽቶኡ ክብጽሕ ዝካአል ምርብራብ ክግበረሉ ንላበው። ብዝተረፈ ንተጀሚሩ ዘሎ ጽቡቕ ተስፋ ዝህብ ስራሕኩም አገናዕ ንብለኩም። ንሕና ድማ አብ ጎኖኹምን አብ ጎኖ ህዝብናን ተሰሊፍና ንምዕዋቱ አብ ከባቢና ዝከአለና ክንገብር ምዃና በዚ አጋጣም'ዚ ከነረጋግጽ ንፍቱ።

ንሕና አብ ጀርመን እንርከብ አባላት 14 ፖሎቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ነቲ ጀሚርናዮ ዘሎና ናይ ሓባር ስራሐት ስምምዓት ንምዕዋት ንኩሉ መሰረታት ውድባትናን ሰልፍታትናን ሰጢሙ ክሕዞ ዓቕምታቱ ከሕይልን መታን ከአ አገደስቲ ሰሚናር እና አከይድና ንርከብ አሎና። አብ ዝለዓለ ድረጅኡ ከነብጽሖ ከአ ጽቡቕ ናይ ምትእምማን እምነ መሰረት አናቐመጥና ኣሎና። ናብ ዝበረኸ ተርጅኡ ከነሰጋግሮ ጽቡቕ ዝኾነ አንፈት ሒዝና ንጓዓዝ አሎና። ቀንዲ መደብ ስራሕና ከአ ውድባትናን ሰልፍታትናን ብሕጋዊ ማሐውራተን አቢልን አብ ሐደ ጽላል ዓሲለን ብዝቐልጠፈ ብሓደ ዝተዋሃሃደ አንፈት እናተመርሓ ንባሓቲ ስርዓት ኢሰያስን ጉጅልኡን ክአልያሉ ዝኽእላ መልክዕ ውደባ ክቐርጻን ከተግብራን ጸቕጢ ምግባር'ዩ። ድሮ ከአ አቐዲሙ አመራርሓ ውድባትናን ሰልፍታትናን ከተግብሮ አብ መስርሕ ይላዘብ ከምዝሎ ተሓቢርና አሎና። ኮሮና ቪሮስ ግን ስሉጥ ርኽክባት ከይግብር ዕንቅፋት ኮይኑ መጺኡ አሎ። ይኹን እምበር ካብዚ ናይ ኮሮና ቫይረስ ስግአት'ዚ ምስ እንገላገል ቀዳማይ አጀንዳ ተስሪዑ ከም ዝርኤ ከአ አይንጠራጠርን።

ነዚ ናይ ሞት ትንፋስ ሕዙ ተላኢኹና ዘሎ ኮሮና ቪሮስ ኩሉ ዝካአል ምክልኻል እናገበርና ንውጹዕ ህዝብና ዝግበር ድጋፍ ክንገብር ሰባአዊን ሃገራዊን ግደታና'ዩ። ይኽን እምበር እዚ ብወጽዓ ህዝብና ዝጉልብት መጽነቲ ህዝብና ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ኢሰያስን ጉጅለኡን ዝገብርዎ ዘለው ከም አመሎም ናይ ገንዘብ ምእካብ ዘመተ ክኹነን ይግባእ ንብል። አመሳያኡ ከአ ንህዝብና ብሓፈሻ ብፍላይ ከአ ንቶም አብ ስደት ከርተት ዝብሉ ዘሎው ወግናትና ዝኸውን ትርጉም ዘለዎ ሓገዝ ብቅርጥውን ምእኩልን አተሓሕዛ ተሰንዩ ክትግበር ንጽውዕ። ብፍሉይ ከአ እዚ አብ ጀርመን ዝቕመጥ ህዝብና ነዚ አብ ግምት ዘእተወ ስሉጥ ምድላዋትን ምትሕብባራትን ክግብር ንላበው። ንሕና ከአ አብዚ ተረኽቦ'ዚ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ኩሉ ንህዝብና ዝምልከት ጉዳይ፡ ምስ ኩሎም አብ ጀርመን ዝርከቡ ፖሎቲካውን ማሕበራውን ሞያውያንን ውዳበታት ሓቢርና ክንሰርሕ ከምንደሊ በዚ አጋጣሚ'ዚ ደጊማና ከነረጋግጽ ንፈቱ።

ሽማገለ ምጥርናፍ ፖሎቲካዊ ውድባትን ሰልፍታት አብ ጀርመን

ዕለት 13.04.2020

ንህላወና ዝሕግዝ ፈውሲ ንምርካብ ንረባረብ!

ወጽዓና ዝፍትሕ ብውሕሉል ቃልሲ ጥራሕ'ዩ!