Written by: ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
Hits: 1448

ምዕባሌታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብቐረባ ዝከታተል ኩሉ ከም ዝርደኦ፡ “ፊልድ ማርሻል” ዖመር ሑሴን ኣልበሽር ብዕልዋ ኣብ ስልጣን ደይቡ ንሃገረ ሱዳን ኣስታት ንሰለስተ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ምምራሕ ይርከብ ኣሎ። ካብ ዝሓለፈ ቀረባ ኣዋርሕ ግን ሓያል ተቓውሞ ይገጥሞ ኣሎ። ኣቦ-መንበርነት ናይ’ቲ ንሱ ዝመርሖ “ሃገራዊ ጉባኤ” ዝተባህለ ሰልፊ ንሓደ ካብ እሙናቱ “እሺ” በሃልቱ ኣረኪብዎ ኣሎ።

እዚ ኣቦ-መንበርነት ሰልፊ “ሃገራዊ ጉባኤ” ተረኪቡ ዘሎ ሰብ ኣሕመድ ሓራን ይበሃል። ኣብ ሓደ እዋን ኣማሓዳሪ ዞባ ሰሜን ኩርዶፋን ዝነበረን ልክዕ ከም ዖመር ሑሴን ኣል በሽር ብምጽናት ዜጋታት ዞባ ሰሜን ኩርዶፋን ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ጸረ ገበነኛታት ( ኣይ ሲ ሲ) ክሲ ተመስሪትሉ ዘሎ ሰብ’ዩ።

ዖመር ሑሴን ኣል በሽር ብድሌቱ’ዩ ካብ ኣቦ-መንበርነት ሰልፊ ወሪዱ። ኣሕመድ ሓራን ከኣ ብኣል በሽር ተሓርዩ’ዩ ሓላፍነት ሰልፊ ክርከብ ክኢሉ ዘሎ። ብዙሓት ተዓዘብቲ ምዕባሌታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ሱዳንን ከም ዝብልዎ እንተደኣ ኮይኑ፡ ኣል በሽር ነዚ ምርጫ ዝወሰደ ፈትዩ ዘይኮነስ ተገዲዱ’ዩ። ማለት ነቲ ኣብ መንጎ ኣኽረርቲ እስላማውያንን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ወተሃደራትን ክረአ ጸኒሑ ዘሎ ወጥርን ምፍሕፋሕን ንምዕጋስ ወይ ንምህዳእ እንተ ሓገዘ ካብ ዝብል’ዩ።

ካልእ ክርሳዕ ዘይብሉ ግን ዖመር ሑሴን ኣል በሽር ኣብ መላእ ሱዳን ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ ህጹጽ ኩነታት ምእዋጁ’ዩ። ኩሉ ክሰረሓሉ ዝጸንሐ ስቪላዊ ምምሕዳራት ኣፍሪሱ ነተን 18 ኣውራጃታት ሱዳን ብኣዘዝቲ ሰራዊት ክምረሓ ጌሩ ኣሎ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ምዕባሌታት ምስ’ቲ ህዝቢ ሱዳን በሽር ካብ ስልጣኑ ንምውራድ ዝገብሮ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ብቐጥታ ዝተሓሓዝ ምዃኑ’ዩ። መንግስቲ ሱዳን ብሓቂ ኣብ ጭንቀት’ዩ ዘሎ። ኣብ’ዚ ኣኽረርቲ እስላማውያን ውድባት ጉዳይ ብጥንቃቔ ክተሓዝ ኣለዎ ሓይሊ ኣይንጠቐም ክብሉ እንከለው፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ግን ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝገበሩ ሰላማዊ ሰልፍታት ዓገብ ክበሃሉ ኣለዎም ብሃልቲ’ዮም። ስለዚ እቲ ስርዓት ንባዕሉ ተተፋኒኑ ምህላው’ዩ፡ ኣዝዩ ሓደገኛ ምትፍናን። ገለ ተዓዘብቲ ድማ ከም’ዚ ይብሉ፡ዖመር ሑሴን ኣል በሽር ልቢ ኣዕብዩስ ኣብ ሱዳን ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን ከዋድድ እንተኽኢሉ ጥራሕ’ያ እታ ሃገር የንጸላልዋ ካብ ዘሎ ኣሰካፊ ኩነታት ክትድሕን ትኽእል ዝብ ሓሳብ የቕርቡ ኣለው።

ብዝኾነ ህዝቢ ሱዳን ንኣል በሽር ኣይደልዮን’ዩ። ኣብ ጎደናታት ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፍታትን ዝኸፍልዎ ዘለው ክቡር ዋጋን ንበሽር ዘይምድላዮም ምዃኑ ደፊርካ ንምዝራብ ይከኣል። ኣል በሽርን ጸበብቲ ዝኸምኡን ብብልሽውና ይህመዩ’ዮም። ሎሚ ኣብ ሱዳን ፍርያት ክዝሕትል ማክሮ ኢኮኖሚያዊ ዕድላት ክዳኸም ፓውንድ ሱዳን ከንቁልቋል ዝረኢ ዘሎ ምንጩ ብልሽውና’ዩ። ህዝቢ ሱዳንን እዚ ስርዓትን ሕርሕራይ ገይሮም ተፋሊጦም ኣለው።

እዚ ስርዓት ስልጣኑ ብሰላም ከረክበሉ ዝኽእል ጎደና ግን ኣይተጸርገን ዘሎ። ሓደ ካብ’ቲ ቀንዲ ምኽንያት ኣል በሽር ኣቦ-መንበር ሰልፊ ኣሕመድ ሓራን ከምኡ’ውን ብዙሓት ካልኦት ኣባላት ሰልፊ “ሃገራዊ ጉባኤ” ዝወጽኣሎም ጸረ ምዕራብን ምዕራባዊ ክብርታትን ስለዝኾኑ ናይ ምዕራባውያን መንጎኝነት ዝቕበሉ ኣይኮኑን።

ኣሕመድ ሓራን ብዛዕባ ምዕራባውያን ክዛረብ እንከሎ ተስፋ ኢኻ ትቖርጽ። ገዚኦምና፡ ኣናቚቶምና፡ ኣቃቲሎምና። ይኹን ምበር ኤውሮጳያን ኮኑ ኣመሪካውያን ገና ኣይበለየሎምን ይብል ንሱ። ስለዚ ምስኣቶም ዘተ ዝበሃል ከምዘይህሉ ከኣ የጠንቅቅ። እዛ ሃገር ሱዳን ሰላም ክወርዳእ እንተደኣ ኮይኑ፡ ሃገራት ኣመንቲ ምስልምና ማለት ንግስነት ስዑዲያ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ቐጠር ሪፖብሊክ ቱርኪ፡ ኣወንታዊ ተራኣን ክጻወታ ኣለወን። ክሳብ’ዛ ሰዓትን ዕለትን ግን ከም’ዚ ንምግባር ዘእንፍት ምንቅስቓስ ይረአ የለን።

ትርጉም ዓ.ኢ

7 ሚያዝያ 2019

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡07-04-2019