Written by: ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
Hits: 1136

ሰብን መሬትን ብትምህርቲ፣ ምርምር፣ ህርኩትነትን፣ ሓርበኝነት፣ ወዲ-ሰብ ዝተማህዙ ኣይኮኑን። ሰብ ገዛእ ርእሱ ኣይፈጠረን። ናይ ተፈጥሮ ሰብ’ዩ። መሬት’ውን ናይ ተፈጥሮ ህያብ’ያ። መሬት ብዘይ ሰብ ክነብር ዝኽእል ግኡዝ ነገር’ዩ። ናይ ተፈጥሮ ሰብ ግን ብዘይ መሬት ክነብር ኣይክእልን።

ንናይ ተፈጥሮ መሬትን ትሕዝቶኣን ተመቓሪሑ ክውንና፡ ከመሓድራ፡ ክከናኸና፡ ከልመዓ ኣለዎ። ንልግሲ ተፈጥሮ ናብ ረብሓኡ ንምልዋጥ ወይ ርብሑ ምህርቲ ንምሕፋስ ናይ ግድን ምስ መሬት ክራኸብ ኣለዎ። ምስ መሬት ክራኸብ ኣለዎ ማለት፡ ኣብ መሬት ይነብር የለን ማለት ኣይኮነን። ኣብ መሬት’ዩ ዝነብር ዘሎ። ካብ መሬት’ዩ ዝጥቀም ዘሎ። ኣብ መሬት ምንባሩን ካብ መሬት ምጥቃሙን ንበይኑ ግን፡ እኹል ኣይኮነን። ብፍላይ ኣብ ከም ኤርትራ ሃገርና ዝበላ ብኩለንተንአን ኣብ ድሕረት ዝርከባ ሃገር፡ ሰብን መሬትን ብግቡእ ተራኺቦም ኣለው ኢልካ ምዝራብ ዝከኣል ኣይኮነን። ብወሳኒ መልክዑ ፖለቲካዊ ምኽንያት ኮይኑ ሰብን መሬትን ኣይተራኸቡን። ብግቡእ እንተዝራኸቡ ነይሮም ግዳይ ጥሜትን ዓጸቦን ኣይምኾናን። ትርፊ ፍርያት ሓፊስና ምስ ለገስቲ ምተመደብና’ምበር ኣካል ተመጽወቲ ኣይምኾናን።

ገለ ጠቕሚ መሬት ብግቡእ ዝርድኡ ሰባት፡ ክመሃሩ ክመራመሩ እንከለው፡ ዝያዳ ናብ መሬት ክቐርቡ፡ ኣብ ልዕልን ትሕትን መሬት ዘሎ ጸጋታት ናብ ረብሓኦም ለዊጦም፡ ነገራዊ ድሌቶም መሊሶም ብመስተርሆት ክነብሩ ይረኣዩ። ገለ ኸኣ፡ ብኣካዳሚያዊ ትምህርቲ ኣብ’ቲ ዝለዓለ ናይ ሊቅነት ርኻብ ምርጋጽ ምስ ጀመሩ፡ ኣብ መሬትን ኣብ ውሽጢ ሕብረተ-ሰብን እናነበሩ፡ ብኣካልን ብሕልናን ኣብ ካልእ ፕላኔት ከም ዘለው፡ ኳሌታኦም ኣጽሬዮም፡ ክራባታ ኣሲሮም፡ ካብ ሓመድን ጭቃን ካብ ንፋስን ጸሓይን ርሒቖም ብቕሩብ ቁራቦ ወርሓዊ ክፍሊት ካብ መሬት ርሒቖም ይነብሩ።

ምንጪ ነገራዊ ሃብቲ መሬት’ያ። ኣብ መሬት እንስሳ ዘቤትን ዘገዳም ኣለዋ። ካብኣተን ዝርከብ ንህይወት ወዲ-ሰብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ረብሓታት ኣሎ። በብዓይነቱ ኣዝርእትን ኣእዋምን ኣሎ። ካብ’ዚ ዝርከብ መድሓኒት መግብን ኣሎ። ዝኸበረ መዓድናዊ ሃብቲ’ውን ኣሎ። እዚ ልዑል ምንጪ ገንዘባውን ነገራውን እቶት’ዩ። እዚ ጸጋ’ዩ። ውሑስ ሃገራዊ ሰላም፡ ሕጋዊ ተሓታትነት ኣብ ዘረጋገጻ ሃገራት ዝነብሩ ምሁራትን ተመራመርትን ብግቡእ’ዮም ዝጥቀምሉ። ንኣብነት፡ ከም ዩራኔም፣ መርኲሪ፣ ኣልማዝ፣ ወርቂ ….ወዘተ ዝበሉ ዝኸበሩ መዓድናዊ ሃብቲ ኣብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ብብዝሒ’ዮም ዝርከቡ። ዕዳጋ ዓለም ኣብ ምርግጋእን ምዝባዕን ልዑል ተጽዕኖ ዘለዎ ነዳዲ ብወሳኒ መልክዑ ኣብ ሃገራት ኤስያ’ዩ ዝርከብ።

እቲ ኣብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ዝርከብ መዓድናዊ ጸጋታት ኮነ ኣብ ኣህጉር ኤስያ ብሓፈሻ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ድማ ብፍላይ ዝርከብ ነዳዲ ግን፡ ብልኡላውነት ደረጃ እንተተ ወሲዱ፡ ዋንነቱ ኣብ’ተን ሃገራት ናይ ዝርከቡ ህዝብታት’ዩ። ብተጠቃምነት ደረጃ ግን ካብ ካልእ ዝመጽኡ ብኣካል ኣብ መሬት ወሪዶም ዝሰርሑ ዝመራመሩ ምሁራት ተመራመርትን ሰብ ሃብትን’ዩ። ብሰሪ ስእነት ውሑስ ሰላምን ዘስርሕ ፖሊስን ብግቡእ ምስ መሬት ዘይራኸቡ ተንሳፈፍቲ ምሁራትን ተመራመርትን ዘለውወን ሃገራት ኣፍሪቃን ኤስያን ድማ ዜጋታተን ብጥሜትን ድኽነትን ክሳቐዩ፡ ተመጽወትን ባራዩን ናይ’ቶም ምስ መሬት ቀጥታ ርክብ ዘለዎም ምሁራትን ተመራመርትን ኩባኒያታቶም ብምዃን ምስ ናይ ሕልናዊ ውርደቱ ከርፋሕ ህይወት ይመርሑ።

ብኣንጻሩ ዜጋታት ናይ’ተን ምስ መሬት ቀሪቡ ዝሰርሑ ምሁራትን ተመራመርትን ዘለውዎን ሃገራት፡ ኣብ ልኡላዊ ግዝኣቶም ኮነ ግዝኣቶም ወጻኢ፡ ካብ መሬት ዝርኸብዎ ርቡሕ ምህርቲ፡ ብዘይ ዝኾነ ጸገም ኣብ ምቾት ኣስተርህዮም ይነብሩ ኣለው። ንገዛእ ርእሶም ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንካልኦት ዝምጽውትሉ ዘዐንግልሉ ሃብቲ ኣዋህሊሎም ከይተሰከፉ ይነብሩ ኣለው። እዚ ሰብን መሬትን እንተተራኺቦም ርቡሕ ምህርቲ ምሕፋስ ከም ዝከኣል የገንዝበና።

ኤርትራ፡ ብሓያል ቀዝሕን በረድን ካብ ዝጥቀዓ ሃገራት ሓንቲ ኣይኮነትን። ኤርትራ ብብሩቱዕ ምቖት ምስ ዝሽገራት ሃገራት’ውን ኣይትምደብን። ብተፈጥሮ ንኹሉ ዝሰማማዕ ምጡን ኩነታት ኣየር ዝተዓደለት ሃገር’ያ። ከም ህዝቢ ድማ ኣወንታዊ ክበሃል ዝከኣል ባህሊ ስራሕ ዘለዎም ህዝብታት ዘለውዋ ሃገር’ያ።ብድኽነት ምሁራትን ተመራመርትን ካብ ዝሓመያ ሃገራት’ውን ኣይኮነትን።

እንተኾነ እቲ ህርኩት ባህሊ ስራሕ ዘለዎ ህዝባን ምሁራት ደቃን፡ ፍልጠቶም ጉልበቶም ገንዘቦም ኣወሃሂዶም ምስ መሬት ተራኺቦም ብቅሳነት ሃገሮም ከልምዑ ዘተባብዕ ፖለቲካውን ጸጥታውን ኩነታትን ከስርሕ ዝኽእል ቁጠባዊ ፖሊስን ስለ ዘየለ ግን፡ ዳርጋ ኩሎም ገለ ብኣካል ገለ ብሕልና ካብ መሬት ኤርትራ ርሒቖም ይርከቡ። ዋናታቱ ዝረሓቕዎ መሬት ድማ ገለ ቃዲሩ ካብ ፍርያት ወጻኢ ኮይኑ ኣሎ። ገለ ከኣ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ናይ ደገ ምሁራትን ኩባኒያታትን ተሻሪኹ ይግሕጦ ኣሎ። ዜጋታት ኤርትራ ከኣ፡ ኣብ መሬትና ኣብ ሕቑፍና ኣብ ኢድና ዘሎ ጸጋ ክጥቀምሉ ዘኽእል ሰላምን ቅኑዕ ፖሊስን ብምስኣና ብድሕረትን ድኽነትን ንማስን ኣለና። ስደት ከም ኣመራጺ ክንወድ ንግደድ ኣለና።

ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ምስ እንመጽእ ድማ፡ ዓፋኒ ፖለቲካዊ ምሕደራ፡ ብሓደ ሰብ፣ብሓደ ፖለቲካዊ ውድብ፣ ብሓደ ወለዶ ጥራሕ ምውጋድ ዘይከኣል ምዃኑ’ዩ። ሃገር ለኸ ፖለቲካዊ ዓፈና፡ ናይ ኩሎም ውጹዓትን ግሉላትን ወገናት ሕቡር ቅልጽም ዝጠለብ ምዃኑ’ዩ። ዝኾነ ሕብረተ-ሰብ ብወለዶታት ዝተኣሳሰረ’ዩ። ንወለዶታት ካብ ዘተኣሳስሩ ረቓሒታት ከኣ ናይ ዝተፈላለዩ ፍጻሜታት ታሪኽን ተመክሮን፡ ባህልን ሓርበኝነትን ተጠቀስቶ’ዮም። ብታሪኽን ተመክሮን ዘይተኣሳሰር ወለዶ ምልኣት የብሉን። ጎደሎ’ዩ።

ስለዚ ቀዳማይ ወለዶ ታሪኸይ ተመክሮይ ባህለይ ኣነ ክሳብ ዝሃለኹ ይጥቀመሉ ብድሕረይ ባዕሉ ይፈልጥ ዝብል ሓላፍነት ዝጎደሎ ዕሙት ተረድኦ ክሕዝ የብሉን። ብዝተኻእለ መጠን ሕማቕን ጽቡቕን ፈላልዩ ኣወንታዊ ታሪኹ ተሞክሮኡ ባህሉ ብድሕሪኡ ናይ ዘሎ ወለዶ ናይ ምርካብ ሰናይ ድሌት ጥራሕ ዘይኮነ ግዴታ ከም ዘለዎ ፈሊጡ፡ ብመጽናዕቲ ብውጥን ብተግባር ናብ መንእሰያት ቀሪቡ ከረድእ ኣለዎ። እዚ ዕማም ኣንጻር መላኺ መንግስታዊ ጉጅለ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንዝቃለሳ ዘለዋ ነበራት ፖለቲካዊ ውድባት ብሓፈሻ፡ መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ደሞክራስያውያን ምሁራትን ከኣ ብፍላይ ብቐዳምነት ዝምልከት’ዩ።

ነበራት ፖለቲካዊ ውድባት መራሕተንን ደሞክራስያውያን ምሁራትን ቀዳማይ እዋናዊ ተግባሮም፡ ምስ ተረካቢ ህዝብን ሃገርን ዝኾነ መንእሰይ ወለዶ ተቐራሪቦም፡ መደባት ሰሪዖም፡ ነጥቢ ብነጥቢ ብነጻነት ናይ ምብህሃል፡ ምልዛብ፡ ምንባብ፡ ኣወንታዊ ተመክሮኦም ብስምናቕ ብምዕሩይ ፖለቲካዊ ኣንፈት ክቃለሱ ምሕጋዝ ክኸውን ይግባእ። ስለምንታይ’ሲ ምልጋስ ፍጹም መላኺ ስማዊ መንግስታዊ ጉጅለ ንዓኣተን ንበይነን ዝምልከት ኣይኮነን። ብወሳኒ መልክዑ ‘ኳ ደኣ ነቲ ገና ኣብ ውዑይ ዕድመ ዝርከብ መንእሰይ ሓይሊ’ዩ ዝምልከት።

ተካኢ ወለዶ ወይ መንእሰይ ሕድሪ ቀዳሞት ተቐቢሉ ዜግነታዊ ግብኡ ክገብር ድማ፡ ሓቀኛ ታሪኽ ክፈልጥ፡ ቅኑዕ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ መስመር ክዓጥቕ፣ ሓርበኝነት ክወርስ ዘኽእል ግሉጽን ተኸታተልን ፖለቲካዊ ትምህርቲ ክረክብ ኣለዎ። እዚ ብወገን ነበራት ፖለቲካዊ ውድባትን ደሞክራስያውያን ምሁራትን ክፍጸም ዘለዎ ዋኒን’ዩ። ገለ ሓላፍነት ዘይስመዖም ሰባት ከም ዝብልዎ “ከላእ” እዚ ወለዶ’ዚ ዝሰምዕ እዝኒ ዘገናዝብ ኣእምሮ የብሉን። ብህግደፋዊ ናይ ጥፍኣት ስብከት ተበኪሉ’ዩ። ንገዛእ ርእሱ ኣይኾን ንሃገር ኣይኾን ምናምን ዝተረፈ ኣንፈቱ ናበይ ዘይፈልጥ ዝተዘርጎ መንእሰይ’ዩ። ኣነ ዝከኣለኒ ገይረ ኣለኹ፡ ብድሕሪ ሕጂ ህዝቢ ባዕሉ ይፈልጥ። ሃገር ባዕላ ትፈልጥ። “ኣነ እንተሞይተላ ዳንዴር ኣይትብቆላ” ዓይነት ካብ ዝብል ዘይሃናጺ ኣተሓሳስባ ምውጻኢ የድሊ።

መንእሰይ ብባህሪኡ ኣብ ተግባራዊ ዕዮ’ምበር ኣብ ሓሳባዊ ምርምር፡ ህዝባዊ ወገናውነት ቀልጢፉ ዝኣቱ ኣይኮነን። ብሓደ መግለጺ፣ ብሓደ ኣኼባ፣ ብሓደ ሰሚናር፣ ብዘመን ኣምጸኦ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጥራሕ፡ ቅኑዕ ፖለቲካዊ ኣንፈት ክሕዝ፡ ኣወንታዊ ታሪኽን ባህልን ቀዳሞት ክፈለጥ፡ ፈሊጡ ድማ ናተይ ኢሉ መበገሲኡ ክገብር፡ ሓርበኝነት ክወርስ፡ ሓቀኛ ፍቕሪ ህዝብን ሃገርን ክውንን ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝተኣማመን ክኸውን ኣይክእልን። መንእሰይ ሓቅን ሓሶትን ክፈልጥ፣ ህዝባዊ ወገናውነት ክህልዎ፣ ዝተጸንዐ፡ ዝተሰርዐ፡ ንኣዋርሕ ዘይኮነ ንዓመታት ዝቕጽል ፖለቲካዊ ኣስተምህሮ ክረክብ ኣለዎ።

ብኸምዚ ተደኺምሉ ዘይሰምዕ ሓቂ ዘይቅበል ሓላፍነት ዘይስመዖ መንእሰይ ድማ ክህሉ ኣይክእልን። ነበራት ፖለቲካዊ ውድባት ክሳብ ሎሚ ንህንጸት መንእሰያት ዝዓለመ ቀጻልነት ዘለዎ ፖለቲካዊ ስራሕ ሰሪሖም’ዮም ዝበሃሉ ኣይኮኑን። ብጅምር ግድፍ ወይ ሕዝ ልቕቕ ዝግለጽ ተበግሶታት ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን። ነይሩ’ዩ። እዚ ግን ዝድለ ስነ-ኣእምሮኣዊ ህንጻት ዘምጽእ ኣይኮነን። ኣየምጸአን ድማ። ኣብ ህንጸት ተካኢ ወለዶ ካባኻ ዝጥለብ ጸንቂቕኻ ከይፈጸምካ ተስፋ ብዝቖረጸ ስምዒት “ከላእ” እናበልካ ነቓፊ ምዃን ዝድለ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ዓወት ኣየምጽእን።

ብካልእ መልክዑ ድማ እቲ ኣነ መንእሰይን ሓድሽ ወለዶን’የ፡ ኣብ’ቲ ይሃሉ ኣብ’ቲ ቅድመይ ዝነበረ ወለዶ ዝሓለፎ ታሪኽን ተመክሮን ኣየድልየን ዝብል ዝተዛበዐ ድምጺ ንሰምዕ ኣለና ኢና። እዚ ከም’ዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ጌጋ’ዩ። ናይ ወለዶታት ታሪኻዊ ሰንሰለት ቆሪጸ፡ ብናተይ ርእይቶን መደብን ጥራሕ ተቓሊሰ መላኺ መንግስታዊ ጉጅለ ኣልጊሰ ህዝባዊ ዓወት ከምጽእየ ማለት ፖለቲካዊ የሃዋነት’ዩ። ነዚ ብሓላፍነታዊ ስምዒት ግን ከኣ ብግልጺ ኣይፋልካን ክበሃል ይግባእ። ታሪኽን ተመክሮን ቀዳሞት ኣይርእን ኣይሰምዕን ብናተይ ጥራሕ ዝብል ኣተሓሳስባ፡ መበገስን ሸቶን ዘይብሉ፡ ፖለቲካዊ ደምበርበር ምዃኑ ክርደኦ ምግባር የድሊ። ታሪኽን ተመክሮን ቀዳሞት’ኮ ኣብ እንተ ዝተመስረተ ኣይኮነን። ሓቂ’ዩ። ዝተፈጸመ’ዩ። ቅድሜና ክንበጽሖ ንደሊ ሸቶ ግን ትምቢት’ዩ። ባህጊ’ዩ። ሕልሚ’ዩ። ንበጽሖ ኣይንበጽሖን ይኸውን ኣይኸውንን ኣብ ኢድ ዘይተጨበጠ ጉዳይ’ዩ። ጭቡጥ ታሪኽን ተመክሮን ቀዳሞት ከም መወከሲ ኣይጥቀምን፡ ምስ ቅድመይ ኣንጻር መላኺ መንግስታዊ ጉጅለ ህግደፍ ክቃለሱ ዝጸንሑን ገና’ውን ኣብ ቃልሲ ዝርከቡን ፖለቲካዊ ውድባት ተላዚበ ሓቢረ ኣይሰርሕን ማለት፡ መግለጺ ፖለቲካዊ ብስለትን ትብዓትን ኣይኮነን። ናይ’ዚ ዓቀኛ ፖለቲካዊ ትርጉም ብኣንጻሩ’ዩ።

ስለዚ ከም ውጹዓት ካብ’ዚ ዘለናዮ መንቀራቕሮ ክንወጽእ፡ ተላዚብካ፣ ተናቢብካን ብሓባር መደባት ኣውጺእካ ምስራሕ ኣማራጺ ዘይብሉ ኣመራጺ’ዩ። እቲ ግድምና ገድሊ ኣለኒ ዝብል ሓላፍነቱ ዘንጊዑ “ከላእ” እናበለ ንመንእሰይን ሓድሽ ወለዶን ከነኣእስ፡ እቲ ገና ብዕድሚኡ ‘ምበር ብፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ኣረኣእያኡን ህዝባዊ ወገናውነቱ ዘይጎልበተ መንእሰይ ድማ፡ ንሰባት ኣብ ክንዲ በተሓሳስባኦም ብዘቑጸርዎ ዕድመን ባህሪያዊ እርጋንን ከም ዝተፈልየ ፖለቲካዊ ዕላማ ወሲዱ ኣነ ንበይነይ እናበለ ኣንፈቱ ብዘይፍለጥ ጣሕ መሽ መሽ እናበለ ይቃለስ ኣለኹ ክብል፡ ከም ህዝቢ ጭቡጥ ፖለቲካዊ ዝርገትና ‘ምበር፡ ፖለቲካዊ ብስለትናን መንገዲ ዓወትና ኣየመልክትን። ሰብን መሬትን ከይተራኸቡ ርቡሕ ምህርቲ፡ ቀዳማይን ካልኣይ ወለዶ ከይተላዘቡ ሃገር ለኸ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ዓወት ኣይርከብን’ሞ፡ ኣብ ኩሉ ተላዚብናን ተናቢብናን ንስራሕ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 11-11-2019