Written by: ርስቶም ኣሮን
Hits: 1023

ኣህጉርና ኣፍሪቃ ዋላ’ኳ ካብ’ተን ናይ ዓለምና ምንጪ ስልጣኔ ተባሂለን ዝግለጻ ሃገራት ዘስረዓ፡ ኣኽሱማዊ ስቪላዜሽን (ስልጣኔ) ኣብ ውሽጣ ዝሓቖፈት፡ ከምኡ’ውን ተመራመርቲ መበቆል ወዲ-ሰብ፡ መሰረት ዘርኢ ወዲ-ሰብ ኢሎም ኣብ ታሪኽ ዘስፈርዎ ዘኹርዕ ገጽ ዘለዋ ክፍሊ ዓለም እንተኾነት፡ ብኣንጻሩ ከኣ ካብ ጥንቲ ክሳብ ሎሚ ካብ ድሕረትን ድኽነትን፣ ካብ ቀጥታዊ መግዛእትን ስውር መግዛእትን፣ ካብ ምጽወታን

ተጸባይነትን ግን ዝተገላገለት ኣህጉር ኣይኮነትን። ኣብ ህዝቦም፡ ውሽጣዊ ሕጊ ሃገሮምን ምርኩስ ገይሮም ዝሰርሑ፡ ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎም ኣብነታውያን መራሕቲ ዛጊት ከም’ቲ ዝድለን ክኸውን ዝግበኦን ዝተዓደለት ኣህጉር ብዘይምዃና የሕዝን።

ብርግጽ ውሑዳት ከም ጸረ-ዓሌታዊ ስርዓት ተቓላሳይ ነበር ደቡብ ኣፍሪቃዊ ነፍስሄር ኔንሰን ማንዴላን ነብስሄር ተጋዳላይ መለስ ዜናውን ዝበሉ፡ ኣብ ገዛእ ርእሶም፡ ኣብ መትከሎምን ህዝቦምን ዝተኣማመኑ ከም ተርእዮ ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ፡ መራሕቲ ፖለቲካ፣ ደረስቲ፣ ስነ-ጥበበኛታት ኣይነበርዋን ወይ የብላን ማለት ኣይኮነን። ነይሮምን ኣለውን’ዮም። ይኹን ግን ብመንጽር እዛ ኣህጉር ዝሓለፈቶን ገና ትሓልፎ ዘላን ብጻህያይ ጽግዕተኛታት ዝተዋሕጠ ዘንጸላልዋ ዘሎ ፖለቲካዊ ሓደጋ ገና ከማታቶም ዝበሉ ከተፍሪ ዕረፍቲ ብዘይህብ ዝያዳ ትሰርሓሉ ‘ምበር፡ እፎይ ትብለሉ ኣይኮነን። እወ ዘይጻሒ ድኽነትን ኲናትን፣ ተነበርካኽነትን ተለኣኣኽነትን ብዙሓት መራሕቲ እናረኣኻ በቶም ውሑዳት ደቂ-ህዝቢ ጥራሕ ክትንየት ዘኽእል ኣይኮነን።

ሃገራት ኣፍሪቃ ቅድሚ 2ይ ኲናት ዓለም ዳርጋ ኩለን ክበሃል ዝከኣል ኣብ ትሕቲ ቀጥታዊ ኤውሮጳዊ መግዛቲ’የን ነይረን። ድሕሪ ምዝዛም 2ይ ኲናት ዓለምን ንዓለምና ኣብ ክልተ ደምበ ዝፈለየ መድረኽ ዝሑል ኲናት (ስነ-ሓሳባዊ ኣረኣእያ) ከኣ፡ ኣብ ትሕቲ ስውር መግዛእቲ ምእታዋ ዝፍለጥ’ዩ። ካብ 1989 ወይ 1990 ኣብ ዝነበረ ግዝያት መድረኽ ዝሑል ኲናት ብሰዓራይነት ኣመሪካ ሰዓብታን ብስዕረት ሕብረት ሶቬትን ሰዓብታን ተደምዲሙ።

ዓለም ናብ ደረጃ ቁሸት ተቐይራ’ያ። ሓንቲ ኮይና’ያ። መድረኹ፡ መድረኽ ዓውሎማን ነጻ ዕዳጋን’ዩ። ዝኸኣለ ይጒየ ዘይከኣለ ይተኣለ’ዩ መምርሒና። ድሕሪ ደጊም ሃገራዊ ፍቕሪ፡ ሃገራዊ ልኡላውነት፡ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ፍልልይ ዝበሃል፡ ዘመን ዝሰገሮ ዝኣረገ ኣተሓሳስባ’ዩ ተበሂሉ ክኹነን ሰሚዕና። ብዙሓትን ግሩሃትን ዓለምና ንኹሉ ብማዕረ ትርኢ፣ ዘይተዳሉ፣ ጸጋታታ ብፍትሓዊ ኣገባብ ንኹሉ ተካፍል፣ ብሓሳብ ይኹን ብተግባር ጸቓጥን ተጸቃጥን ዘይብላ ውሕስቲ መሲላ ክሳብ ትረኣዮም፡ ብዙሕ ኣዝዩ ብዙሕ ተዘሪቡሉ፡ ተዘሚርሉን ተጻሒፍሉን። ግብራዊ ውጽኢቱ ኣብ ባይታ ግን ካብ’ቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዝገደደ ኮይኑ። ትማሊ ቅድሚ ትማሊ ንዝነበረ ብዝኸፍአ መልክዑ ዝደግም ባዶ ፕሮፖጋንዳዊ ምውዕዋዕ ( ጭርሖ) ኮይኑ።

ዓለም ሓንቲ ኮይና’ያ። ናብ ደረጃ ቁሸት ተቐራሪባ’ያ እናተባህለ ዝተዘመረሉ ዓውለማን ነጻ ዕዳጋን ንስሩት ባህላዊ ክብርታት ዘፍርስ፡ ንዝሃብተሙ ዝያዳ ዘሀምብትም፡ ንዝደኸዩ ድማ ዝያዳ ዘድኪ ኮይኑ ተረኺቡ። ትማሊ ባርነት ብቀስመን ነይሩ። ሎሚ ባርነት ንደላሎ ገንዘብ ከፊልካ ባዕልኻ ትደልየሉ ኮይኑ። ድሕረትን ድኽነትን ዓሚቑ። ህዝባውን ግዝኣታውን ልኡላውነት ተደፊሩ። ሃብታምን ድኻን ክንዲ ሰማይን መሬትን ተረሓሒቑ። ዘይረዊ ስሰዐ ዝማዕበላ ሃገራት ዝያዳ ሃነፍነፍ ኢሉ። ብድኽነት ዝማሰነት ኣፍሪቃዊት ነፍሲ ከኣ ዝያዳ ብዓጸቦ ተጠቒዓ። ኮታ ዓለም ንውሑዳት ገነት፡ ንብዙሓት ሲኦል ኮይና ቁልቁል ትሕምበብ ኣላ።

ብውሽጥን ብግዳምን ብዝተዋደደ እኩይ ወፍሪ ቁልቁል ካብ ዝሕምበብ ዘሎ ዞባታት ሓደን ቀንድን ከኣ፡ ንሕና ንነብረሉ ዘለና ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ዩ። ኣብ’ዚ ዞባ ዝሕቆፋ ሃገራት ብርክት ዝበላ’የን። ቁጽሪ ህዝበን ኣስታት ናብ ፍርቂ ቢሊዮን ከም ዝጽጋዕ ይንገር። ኣብ’ዘን ሃገራት ኣብ ትሕትን ልዕልን መሬት ዝርከብ ባህሪያዊ ጸጋታት ዘሕብን ‘ምበር ዘሰክፍ ኣይኮነን። ጂኦግራፊካዊ ኣቀማምጣ’ውን ካብ’ቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝርከብ ዕቁር ጸጋታት ዝንእስ ተደላይነት ዘለዎ ኣይኮነን። ዓለማዊ ንግዳዊ መስመር ዝመሓላለፈሉ ብምዃኑ ሰላም ጥራሕ ዝደሊ ስሩሕ እንጀራ’ዩ። ዞባና ብዋዕን ዛዕል ኣየር ዘይሽገር፡ ብባህሪ ተመጢኑ ዝተዋህበ፡ ንምንባር ዘመኒ ምቹእ ዞባ’ዩ። ምዑዝ ኣየር፣ ኣብ ልዕሊ መሬት ዝርከብ ልሙዕ መሬት፣ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝርከብ ገና ዘይተመዝመዘ በብዓይነቱ ክቡር መዓድናዊ ሃብቲ፣ ኣፍራዩ ሰብኣዊ ዓቕሚ ….ሓቊፉ ክንሱ፡ ብዓሚቕ ድሕረትን ድኽነትን፡ ስእነት ሰላምን ኲናት ክቆራመድ ክሳቐ ምርኣይ ግን ይገርም። የሕፍር ድማ።

እዚ ባህሪያዊ ጸጋታት’ዚ እናሃለዎ ስለምንታይ ብድሕረትን ድኽነትን ይእሰር፡ ይማስን? ስለምንታይ ኣብ ዘይጻሒ ኲናትን ከልበትበትን ይነብር? ከምኡ ክኸውን ዝገብር ዘሎ ብቐንዱ መን’ዩ? መን’ዩ ተሓታቲ? ኣብ በብሃገሩ ዝነበሩን ዘለውን መራሕቲ ወይስ፡ ብዘይካ ንዓና ንኹልና ዘይፈልጡ ብዓለም ደረጃ ልዑል ጸቕጢ ዝፈጥሩ ስልጡናት ዝበሃሉ ሃገራትን መንግስታትን?

ኣብ’ዚ ዞባ ናይ ዘሎ ዓይነት ብዙሕ ጸገማት ቀንድን ቀዳሞትን ተሓተቲ፡ ኣብ ገዛእ ነብሶም፡ ህዝቦምን ሕጎምን ተኣማሚኖም ዘይሰርሑ፡ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምሕረት ግዳማውያን ዓሰብቶም ኣዕቂሎም ክነብሩ ዝወሰኑ ጽግዕተኛታት መራሕቲ ሃገራት እዚ ዞባ’ዮም።

ብባህልና ኣብ ገዛእ ርእይቶኡ ዘይተኣማመን ሰብ፡ ንረዚን ስራሕ ኣይሕጸን። ስለምንታይ ባህሪኡ ተለዋዋጢ፡ ለኣኺኡን ጸፋዒኡን ብዙሕ’ዩ። በዓል ቤቱ፡ ደቁን ወለዱን ብግቡእ ዘይኣልን ዘየመሓድርን ብግዳም ረኣዩኒ ስምዑኒ ጥራሕ ዝብል ውሽጠ ባዶ በዓል ሓዳር’ውን ከምኡ። ናይ ገዛእ ርእሶም ዝተኣማመንነሉ ክሳብ መስዋእቲ ንምኽፋል ዝተቐረብሉ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ መስመር ዘይብሎም፡ ምስ ውልቀ ክብረ ዝናኦም፡ ውልቃውን ጉጅላውን ነገራዊ ረብሓኦም ጥራሕ ዝሪኡ መራሕቲ ዝዝውርወን ሃገራት ብርግጽ፡ ኣፍ ደገአን ንኹሉ በዓል ገንዘብ ርሑው’ዩ። ልኡላውነተን ኣብ ወረቐት ጥራሕ ዝሰፈረ ስማዊ’ዩ።

ስለዚ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘንጸላሉ ዘሎ ስውር ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ባህላዊ ወራር ብዕሱባት መራሕቲ ሃገራት ተዓዲሙ ዝመጽእ ዘሎ ምዃኑ ብግቡእ ምግንዛብ የድሊ። እቶም ብሰላሕታ ህዝባዊን ግዝኣታውን ልኡላውነት ሃገራት ንምውራር ዝተፈላለይ ወስታታት ዘርእዩ ዘለው ግዳማውያን ሓይልታት፡ ብዛዕባ ክብረት ሰብኣዊ መሰል፡ ደሞክራስያዊ መሰል፡ ሰላም፡ ቁጠባዊ ዕቤት፡ …ወዘተ ንግደስ ኢና በሃልቲ’ዮም። ዝካፈል ሃብቲ፡ ፍልጠትን ክእለትን ስለ ዘለና፡ መንገዲ ዕቤት ከነርእየኩም፡ ውሽጣዊ ሰላም ፈጢርና ካብ ድሕረትን ድኽነትን ከነውጸኣኩም ድልዋት ኢና በሃልቲ’ዮም። ብወግዒ ኣብ መድረኻት ወጺኦም ዘስምዕዎ መደረ፡ ብማዕከናት ዜናታቶም ዘቃልሕዎን ብርግጽ እዝን ከምዚ ዝበለን’ዩ።

ይኹን ግን እቲ ዝብልዎ ነጻ ምትሕግጋዝ፡ ክብረት ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት፡ ሓቂ ዘለዎ ይመስል ‘ምበር ብግቡእ ንዝፍትሾን ዝግምግሞን’ሲ ብቐጥታ ምስ ሓቂ ዝላተም’ምበር ዝቃዶ ኣይኮነን። “ሳግላ ብላዕል ኣይትቕላዕ” ዝዓይነቱ’ዩ። እቲ ክንተሓጋገዝ ኢና ዝብል መግለጺ ከም ሓሳብ ስትራተጂካዊ ሸቶኡ “ዓሻ መሲልካ ድራሮም ወደኣኣሎም” ዓይነት ከንቱ ምምጽዳቕ’ዩ። እቲ ብተግባር ገይርናዮን ንገብሮ ኣለናን ዝብልዎ’ውን ከምኡ፡ ማእከሉ ኣብ ረብሓ ከደምቶም ወይ ኮራኹሮም ዝኾኑ መራሕቲ ሃገራት ዝውዕል’ዩ። ብዝተናወሐ ከኣ ከም ዜጋታት ፍቕሪ ሃገራውነትን ባህሊ ስራሕን ዝቐትል፡ ከም ህዝብታት ድማ፡ በተሓሳስባን ኣካልን ኣልሚሱ፡ ተጸበይቲ ንምግባርና ዝዓለመ ርኹስ ምህዞ’ዩ። ነቶም ሰብ ቤት ቀስ ብቐስ ብ”ገረብ ብሓኽላ” ሞራሎም፡ ሓድነቶም በጣጢስካ ህዝባውን ግዝኣታውን ልኡላውነቶም መንዚዕካ ምሉእ ንምሉእ ኣብ ትሕቲ ስውር መግዛእቲ ኣእቲኻ ሰብኣውን ባህርያውን ጸጋታቶም ምጉሕጓሕ’ዩ።

ስለምንታይ’ሲ እቲ ንሳቶም ዝምክሕሉ፡ ግሎባላዜሽን ዝበሃል ብተግባር ምዕሩይ ኣይኮነን። ብትሕዝቶ ደረጃ እንተተ መዚኑ ከኣ ኣወንታዊ ሰረተ እምነት ዝቐትል፡ ብዘይ ንቡርን ዘይቅቡልን ሓድሽ ባህልታት ክውረር ዝገብር’ዩ። ፖሊሲ ነጻ ዕዳጋ ብተመሳሳሊ ሓሶትን ዘይሰርሕ ምዃኑ፡ ሃገርና ትቕደም ዝብሉ ዘለው መራሕትን መንግስታትን ኣብነት’ዮም። ሃገርና ትቐድም ብየዋህ ፖለቲካዊ ኣጠማምታ ዝኾነ ኣሉታዊ መልእኽቲ ዘይብሉ፡ ሰብ ሰሪሑ እንተሃብተመ እንተቐደመ እንታይ ኣለዎ ዝብል መልእኽቲ ክውሰድ ይከኣል። እንተኾነ ግን ሃገርና ትቐድም ዝብሉ ዘለው ወገናት ሓደ ኣመንጨውትን መራሕትን ናይ ግሎባላዜሽንን ነጻ ዕዳጋን ንሳቶም’ዮም። ካልኣይ ብደረጃ ዓለም ዘለዎም ጽልዋ፡ ዝኸተልዎ ፖሊስን ተገንዚብካ ፖለቲካዊ ዕብለላ ‘ምበር ፖለቲካዊ ጥዕና ኣይመልክትን።

ኣብ’ዚ ወቕቲ’ዚ ሃገርና ትቐድም ዝብሉ ወገናት ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ብዘለው ናይ ገዛእ ርእሶም ፖለቲካዊ ሩሕ ዘይብሎም ግን ከኣ ብገንዘብ ዝሓበጡ መጋበርያታቶም ዝኾኑ መንግስታት፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ክሳብ መሬት ብምክራይን ምግዛእን እግሪ ይተኽሉ ከም ዘለው ስውር ኣይኮነን። ንስማውያን መራሕቲ ሃገራት ብገንዘብ፡ ብጸጥታ፡ ብዲፕሎማሲ፡ ብመራኻቢ ብዙሓን ብምድጋፍ፡ ንህዝብታቶም ብዕፋንን ብምጭፍላቕን ሓያላት መሲሎም ክረኣዩ ይረባረቡ ከም ዘለው ግሁድ’ዩ። ዞባና ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ መጻወቲ ሜዳ ርእሰ ሓያላን ይቕየር ኣሎ። ሰላም፡ ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ ይርሕቕ ኣሎ። ኢድ ኣእታውነት፡ ኣሰላልፋኡ ዘይተነጸረ ፖለቲካዊ ንጥፈታት፡ ሓደጋ ሕድሕድ ኲናት፡ ዓሚቕ ድኽነትን ብኣሰካፊ መልክዑ ኣብ ባይታ ይረአ ኣሎ።

ዜጋታትን ህዝብታትን እዚ ዞባ ነገሩ ካብ ዘለዎ ከይ ከፍአ ኣገንዝበኦም ከስፍሑ፡ ፖለቲካዊ ንቕሓቶም ከበርኹ፡ መጀመርያ ኣብ በብሃገሮም ዘሎ ዘቤታዊ ጸገም ብግቡእ ከለልዩን ክፈትሑን፡ ሓድነቶም ኣስጢሞም ንቕሉዓትን ስውራትን መሳርሒ ባዕዲ ዝኾኑ መራሕቲ ከወገዱ ኣለዎም። ኣእዳው ስውር መግዛእቲ ከካብ ሃገሮም ክሰሓብን ወነንቲ ህዝባውን ግዝኣታውን ልኡላውነቶም ክኾኑን ብምሉእ ዓቕሞም ክረባረቡ ይግባእ።

ነዚ ከቢድ ሓደጋ’ዚ ብግቡእ ኣብ ምልላይ ቀዳምነት ዝወሃቦ ቀዳምነት ሂብካ ኣብ ምስራሕ ምዝንጋዕ ወይ ሸለልትነት ክህሉ ኣይግባእን። ምኽንያቱ እቲ ዘንጸላሉ ዘሎ ወራር “ገረብ ብሓኽላ” መሓውሩ ዘርጊሑ ኣጣጢሑ ኮፍ ክብል’ዩ። ኣብ መሬትና ብጉልበትና ብህይወትና ብጸጋታትና ክጻወት ዕድል ክረክብ’ዩ። ኣብ’ዚ እቲ ቀንዲ ሃንዳስን ደገዝማትን ንጎባጢ መደቡ፡ ገንዘብን ኣጽዋርን ኣሰኒዩ ብእምነ ዋንጭፍ ናብ ስማውያን መራሕቲ ሃገራት ብምልእኽዩ ከዳኽመና ተዳልዩ ዘሎ። ሃገርና ትቕደም ብዝብል ትምክሕታዊ ኣረኣእያ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ብዘይስኽፍታ መሰል ህዝብታትን ልኡላዊ ስልጣን ሃገራት ጥሒሱ፡ ልጓም ኣልቦ ዝሃልል ዘሎ መንግስቲ ልዕለ ሓያል ሃገር ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ኣብ ኤርትራ ኣትዩ እግሪ ካብ ዝተኽል ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ማያትን ገምጋም ቀይሕ ባሕርን ወደብ ዓሰብን ዘሎ ኩነታት ምርኣይ ዝያዳ ሓጋዚ’ዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ውድቀት ካብ ኩሉ ዝኸፍአ’ዩ። ኣብ ምሕረት ሓደ ሰብ ዝወደቐ ድማ’ዩ።

ኣብ ሰሜን ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማሊያ፣ ኬኒያ፣ ኡጋንዳ፣ ጅቡቲ ዘሎ ግዳማዊ ኢድ ኣእታውነት፡ ዳርጋ ቅሉዕ ብዝኾነ መልክዑ ዝስውዱ ዘለው መጋበርያታት “ገረብ ብሓኽላ” ዝጎሃሃር ዘሎ ፖለቲካዊ፣ ጸጥታዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ፣ ባህላዊ ቅልውላው ብኣጋጣሚ ዝተኸስተ ዘይኮነስ፡ ብውጥን ዝስረሓሉ ዘሎ ምዃኑ ምርዳእ ኣገዳሲ’ዩ። ሃገራት ቻይና” ሩስያ” ኤውሮጳዊ ሕብረት፣ ቱርኪ፣ እንግሊዝ፣ እስራኤል ኣብ’ዚ ዞባ ንሃገራዊ ረብሓታቶም ዝሕልውሉ መንጠሪ ባይታ ዝኾኖም መሰረት ከንጽፉ ላዕሊ ታሕቲ ይብሉ ምህላዎም’ውን ክዝንጋዕ የብሉን። “ገረብ ብሓኽላ” ፖለቲካ ኣዝዩ ሓደገኛ ኣንፈት’ዩ። ካብ ኣብራኽና ብዝወጽኡ ብቋንቋና ዝዛረቡ ታሪኽና ባህልና ብዝፈልጡ ሽዩጣት መራሕቲ ምሉእ ንምሉእ ኣብ ትሕቲ ስውር መግዛእቲ ኣቲና፡ መራኸቢ ገመዳትና ከይተበጣጠሰ ንስለ ሰብኣዊ ክብርናን ፖለቲካዊ ልኡላውነትናን ተናቢብና ክንሰርሕ እዋኑ’ዩ። መዓስ ሕጂ።

                                             ካብ ርስቶም ኣሮን።

                                                 05-02-2020