Written by: በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን
Hits: 1155

ወዲ ዓሻ ክልተ ግዜ ይውቃዕ

ኣያክል ብሐሶት ምልኻዕ

ሐላፍነትካ ዘይምዝንጋዕ‘‘

ኣቃላልሳና ስለ ዝለስለሰ

ገለ ሽርሒ ሒዙ ዝተሐወሰ

ቃልሲ ብውዲት ምስ ተረመሰ

ብዘዝመጸ ሽምና ሽዑዩ ዝሃሰሰ‘‘

ካድራት መራሕቲ ቃልሲ

ተሳኢንዎ ዶ ፈውሲ

ንጠቕሚ መንዩ ባእሲ

ገሪሙና እኳ ሎምሲ‘‘

ሃየንታ እዩ ደቂ ኤረ

ክብገስ ምስ ጀመረ

መንዩ ፈንጂ ዝተቐበረ

ዕንቅፋት ነት ዝነደረ

ብዝበልዔት ከብዲ ክንዝረ‘‘

ኣብ ተቃውሞ ደንበ

ጥዑም እንዳ ተዛረበ

ገለ ናብ ጽገና ዘድሃበ

ብውሽጢ ክጽዋዕ ዝጽበ‘‘

ናይ ኣርዮስ ነገር ዘይትነገር

ናይ ህዝቢ ይህግር ይፈግር

ህዝቢ ሰኣን ሕክምና ይቕበር

ንሱ ብልሳን ሱዳናዊ ይምድር

ንሽሙ ምልዮናት ይዝርዝር

ንሕና ኣብ ተባህለ ንነብር‘‘

መንዩ ኣብ ትምክሕቲ ዝነቅጽ

ሐደ ካብቲ ሐደ መዓስ ይበልጽ

ካብ ብዘረባ ጥራይ ንውርጽጽ

ኣብ ባይታ ቃልሲ ዘይንመርጽ‘‘

ካብ ሎሚ ንደሐር ኮለል

ደለይቲ ፍትሒ ኢና ምባል

ገመል ጉዕዙኡ ይቅጽል

ናይ ሐባር ጽላል ክንተከል

ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ነትክል‘‘

ንኤርትራዊት ኣደ ያኣኽላ

ንሃገርና ኤርትራ ብኹላ

ካብ ጭፋ ናብ ጭፋ ንሐበላ

ሃገርና ክትከውን ሰላም ዝዓሰላ

ንጭፍራ ህግደፍ ንእለየላ‘‘

ደቂሱ ኢልኩም ኣይተላግጹ

ዝደቀሰ ኣንበሳ ዓጽሚ መወጹ

ክሳብ ማዓስ ብህዝቢ ክተላግጹ‘‘

ጎቦዝ ዶ ይዋዘ ዓዲ ከይሐዘ

ህዝቢና ብህግደፍ ይጓዛዘ

ኤርትራዊያን ብማዕዶ ንዋዘ‘‘

ደወል ተደዊሉ ምስ ተባህለ ክተት

እታ መዓልቲ ደበኽ ምስ በለት

ድሕሪ ናይ ጭፍራ ህግደፍ ስዕረት

ብደገን ብውሽጥን ብዙሕ ኣሎ ዝሕተት‘‘

ጃንዳ ህግደፍ ኣይትቅሰኑ

ሐለውቲ ወሰን ምስ ወሰኑ

ከም ደርጊ ነበረ ነበር ትኾኑ‘‘

ካብ ራስ ቄሳር ክሳብ ራስ ዲሜራ

ምስቲ ኩሉ ዝሃርፎ ሰማያዊ ባሕራ

ኤርትራዊያን ርእሲ ከተማና ኣስመራ

ሃገርና ኤርትራ ወደባት እዩ ዝሰፍራ‘‘

ብእንካ ሃባ ወደባታ ክጥቀማ

ማዕቢላ ክንርእያ ከም ዓለማ

ኤርትራ ሃገርና ዶባታ ዓቂባ

ምስ ተጋላገልና ካብ ጸበባ

ንጽቡቕና ዝምነ ንብሎ መርሐባ‘‘

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ ብኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።