Written by: በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን
Hits: 1179

ኣብ ኦስሎ ዝበሃል ዘሎ

ኣቢዪ ከምዘይ ውክሎ

ህዝቢ ክቃወም ከሎ

መንዩ ዝፍትን ክሕንኩሎ‘‘

መንዩ መቃልስተይ

መንዩ ዳላይ ፍትሒ

ናይ ኣቢዪ መሳርሒ

ኣቤት ጉርሒ ኣቤት ሸርሒ‘‘

ደለይቲ ፍትሒ ክመስሉ

ንሰላማዊ ሰልፊ ክብክሉ

ኣብ ፍርንክፈርት ከምኡ ዝበሉ

ሕጂ ውን ኣብ ኦስሎ ክይትካፈሉ

ኢሎም ዝካላኸሉ

ኤርትራዊ ንመሰሉ

መታን ከይጥቀመሉ‘‘

ኣንፈቶም ስሒቶም

ኣንፈትና ክስህቱ

ኣብ ዓዲ መሰል

መሰል ኣይትሕተቱ

ክንዲ ኣቢዪ ዝማጎቱ

ብዕላምኦም ይተሐተቱ‘‘

ንደለይቲ ፍትሒ ኣጆና

ኣሕሊፋና ኣይንህብን ኢና

ኤርትራዊያን ባዕልና ኣለና

ኣይነፈቅድን ኣቢዪ ክውከለና

ንባሕርና ኣይንህብን ኣሕሊፍና‘‘

መዝሙር ሰላም ኢሉ ዝጀመረ

ገለ ንጠቕሙ ገለ ብገርሁ ዝመደረ

ንኤርትራዊያን ኣዳናጊሩ ዶብ ዝሰገረ‘‘

ኣቢዪ ብጀካ ምድማር ምጭራሕ

ንህዝቢ ኤርትራ ኣየምጸኤን ፍታሕ

ኣይነፍቅድን ዳግማይ ዝባና ክፍሕፋሕ

ብውዲት ንህዝቢ ኤርትራ ከብሉ ፋሕ ፋሕ

ኣይንፍቅድን ድኽመትና መዝሚዙ ዝምካሕ‘‘

ኣጆኹም ንተኻፈቲ ሰላማዊ ሰልፊ

ደግሲ ንዳግማይ ወራር ዘለዎ ወልፊ

ንልሳን ኣቢዪ ኣሕመድ ግበሩሉ ቁልፊ

ዝያዳ ደቀባት ኤርትራ የብሉን ሕልፊ‘‘

ባሕሪ ባሕሪዩ ናይ ኤትዮጵያዊያን ደርፊ‘‘

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ ብኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።