Written by: በርሀ ዑቅባዝጊ
Hits: 870

ዓዲ ሕግን ፍትሕን ክትከውን ሃገረይ

ልሳነይ ኣይዓጽፍን ሐንቲ ያ ቃለይ

ንሃገሮም እዮም ተበጅዮም ደቂ ኤረይ

ጭርሖኦም ኣሞራ ይብልዓዮ ስጋይ

ኣውሊዔይ ጽላለይ ኣለኹልኪ ባዕለይ’’

ካብ ራስ ቄሳር ክሳብ ራስ ዲሜራ

ንኤርትራዊያን ገነትያ ኤርትራ

ካብ ወረርታ ብደም ደቃ ዝኾነት ሐራ

ኣብ ከርሳ መጽነቲኣ ተምቤናይ ጸራ’’

ክንዲ ብኢደይ ኢድካ ምጉያይ

ማልያ ምቅይያር ቀጽሉ ጥራይ

ዕላማኻ ሲሒትካ ቪቫ ወያናይ’’

ጀጋኑ ከፊልካስ ሕጂ ምጅጃው

ኤርትራዊ ኤርትራዊ ምጭናው

ዋጋ ከፊልካ ንህግደፍ ንምፍናው’’

ኣዲኣ ገዲፋስ ሐትነኣ ትናፍቕ

ካብ ደቂ ኣሉላ ኣይረኤናን ጽቡቕ

ብቕልጽምና ኢና ንህግደፍ ነውድቕ’’

ማፍያዊ ጉጅለ ንዓዲ ጀጋኑ ኣህሲሱ

ንመሰል ህዝቢ ኤርትራ ጊሂሱ

ዓረብያ ጀበሊ ኮይነን ኣውተቡሱ

ብውዲት እንድዩ ደጀና ፈሪሱ’’

ህዝቢ ኤርትራ ዝብል ዘሎ

ንዓሻ ጥዒምዎሎ

ዘበድ ዓሻ ከፊእዎሎ

መን ንበሎ ይገብር ቃሕ ዝበሎ

ደላይ ፍትሒ ክንዲ ባዕልና ያዕ ንበሎ

ቪቫ ህወሐት ክብል ይውዕል ኣሎ’’

ጭጉራፍ ሃሪማ ተእዊ

ኣንፈትካ ሲሒትካ ሃገራዊ

ብውዲት ዝተኣጎደ ሐዊ

ኣይምልከቶን ዩ ንኤርትራዊ

ተሐታቲ ተምቤናዩ ፋሽሽታዊ’’

ካብ ናይ ሳሕል ኣትማን

ህዝቢ ኤርትራ ሐራ ክኸውን

ሕጂ ውን ኤርትራ ንኤርትራዊያን

መርገጽኩም ኣነጽሩ ሃገራዊያን’’

ቃልስና ንፍትሒ ዝሐረሞ ህዝቢ

ምስ ሃብቱ ዝሐረሞ መግቢ

ን29 ዓመት ዘይረኸበ ዓስቢ

ቲፎዞ ኣይንኸውንን እንቢ’’

ቃልስና ኣንፈቱ ጠፊኡኒ ኣነ

ነብሳ ይምሐር ተበርህ ተስፋሁነ

ቲ ገዛና ዓቢ ህድሞ

ትዃን ቁንጪ መሊኦሞ

ጭርሖኹም ንኣዳም ገረሞ’’

ካብ ሩጉም ጎረበትን

ካብ ተናኻሲ ከልብን

ካብ ሕብሮም ዝለዋውጡን

የድሕነና ኣሜን ኣሚን’’

ዓመት ፍትሕን ራህዋን’ኣብ ነብስኻ ምትእምማንን’’ዝመልኦ

ዓመት ክገብረና እምነ’’ጥሪ 01 09 2021።

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ‘‘ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና,ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን‘‘ ካብ ሰናይ ግርብትና ዝምነ‘‘ኣባል ተ,ሐ,ኤ,በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን።