Written by: ካብ ሪምና ኣብራሃ
Hits: 1747

ትብጻሕ ናብ ዝኸበርካ ሜጀር ጀነራላ ኣበበ ተ/ሃይማኖት (ጀቤ)

ኣቐዲመ ናይ ኣኽብሮት ሰላምታይ ኣቕርበልካ። ምሉእ ጥዕናን ቅሱን ማሕበራዊ ህይወትን ክህልወካ ድማ እምነ። ብወገነይ ፈጣሪ ይመስገን ጽቡቕ ኣለኹ።

ዝኸበርካ ጀነራል ኣበበ፡ ብግምት ናይ ሎሚ ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ብሕጊ ካልኣይ ድግሪ (ማስተርስ) ኣጽኒዕካ ከም ዝተመረቕካ፡ ኣብ’ቲ ካልኣይ ድግሪ ዝሓዝካሉ፡ ዓለማዊ ሕጊ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ማያዊ ባሕሪ እንታይ ከም ዝብል፡ ቅድሚኡ ኣብ ኣእምሮኻ ዘይነበረ ሓድሽ ግንዛቤ ከም ዝረኸብካ፡ ካብ’ቲ ዝረኸብካዮ ሓበሬታ ተበጊስካ ድማ፡ ኢትዮጵያ ናይ ግድን ኣፍ ደገ ባሕሪ ክህልዋ ኣለዎ

ኣብ ዝብል መደምደምታ ከም ዝበጻሕካን ኣብ ሓንቲ “ኣዲስ ኣድማስ” ዝተባህለት ብኣምሓርኛ ትሕተም ሰሙናዊት ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ኣንቢበ ነይረ። ኣብ’ቲ ጋዜጣ ዘስፈርካዮ ጽሑፍ፡ ወደብ ዓሰብ ከም ቀዳማይ ምርጫ፡ ብሕጋዊ ኣገባብ፡ እዚ እንተዘይሰሊጡ ከኣ፡ ብሓይሊ ናብ ኢትዮጵያ ክምለስ ኣለዎ ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፍካ ነይርካ።

ኣብ’ቲ ንዂናት ዝዕድም ስሱዕ ናይ ጎበጣ መጸዋዕታኻ፡ ዓባይ ኢትዮጵያ ንንእሽቶ ኤርትራ ብስነ-መጎት ሓይሊ ኣንበርኪኻ ድሌታ ክትገብር ከም እትኽእል፡ ከም ጭቡጥ ናይ’ዚ ተኽእሎ’ዚ “እነሆ ኮሚሽን ዶብ ንኤርትራ ኣብ ዝወሰኖ ባድመ ብሓይልና ንነብር ኣለና። መን ኢኹም ዝበለና ሓይሊ የለን። ስለዚ ብተመሳሳሊ ንወደብ ዓሰብ ብሓይሊ ክንሕዛ ኣለና። ስርዓት ካፒታሊዝም ናይ ሓይሊ’ዩ። ኢትዮጵያ ድማ ብዙሕ ህዝቢ ዘለዋ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኸኣ ተጽዕኖ ትፈጥር ሃገር’ያ ዝብል ነይሩ።

እዚ ኣበሃህላ’ዚ ቃል ብቓሉ መንግስቱ ሃይለ ማርያም ኣብ’ቲ የመንግስቱ ሃይለ ማርያም ትዝታዎች ዝብል ብወ/ሮ ገነት ኣየለ ዝተደርሰ መጽሓፍ፡ ኣስፊርዎ ዘሎ መልእኽቲ ተመሳሲሉኒ። መንግስቱ ሃይለ ማርያም ብዛዕባ’ቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ጉጅለ ህግደፍን ዝተኻየደ ብዶብ ዝተመኽነየ ኣብራሲ ኲናት ዘለዎ ርእይቶ ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ፡ ወያኔዎች ኣሰብን ብሃይል መያዝ ይችሉ ነበር። ( ወያኔ ንዓሰብ ብሓይሊ ክሕዝዋ ይኽእሉ ነይሮም) ኢሉ። ሓታቲት ቀጺላ፡ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ተጽዕኖ ኣይገብረሎምን ዝብል ሕቶ ወሰኸት። መንግስቱ ድማ ኣለም የሓይል ቋንቋ ነው የሚገባት፡ በሃይል ከተያዘ በውሃላ ምን ይመጣል ያው ወደ ህግን ወደ ዲፕሎማሲም ነው የሚያመራ። ( ዓለም ናይ ሓይሊ ቋንቋ’ዩ ዝርደኣ። ብሓይሊ ድሕሪ ምትሓዙ እንታይ ይመጽእ። ናብ ሕግን ዲፕሎማስን’ዩ ዘምርሕ) ክብል ዝሃቦ ዓማጺ ግን ከኣ ስዑር ርእይቶ ዘኪረ ገሪሙኒ።

ዝኸበርካ ጀነራል ኣበበ፡ ንስኻን መንግስቱ ሃይለ-ማርያምን ብዜግነት ከም ትራኸቡ ኣየከራኽርን። ከከም ባህሪኹም ዝፈቐደልኩም ክብረት ሃገረ ኢትዮጵያ ዘረጋግጽ መሰል ዜጋታት ድማ ዘኽብር ኢልኩም ትሕዝዎ ርእይቶ ክህልወኩም’ውን ውሁብ’ዩ። ብመሰረተ ፖለቲካዊ ማዕበያኹም ግን፡ ናይ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳባዊ ባህርን ናብ ወሳንነትን ህዝብን ፍትሕን ዝዘንበለ ኣረኣእያ ፍልልይ ክህልወኩም’ዩ ትጽቢት ዝግበር። ብሓጺሩ ናተይ ትጽቢት ከምኡ’ዩ።

ብድሑር ባህላዊ መስፉናዊ ንጉሳዊ ስርዓት ተኾስኲሱ ዝዓበየ መራሒ ፋሽሽታዊ ስርዓት ደርግ ነበር መንግስቱ ሃ/ማርያምን፣ ብደርባውን ብሄራውን ወጽዓ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰሉ ዝተነፍገ ህዝቢ ሓራ ንምውጻእ፡ ፍትሓዊ ህዝባዊ ሕቶ ኣልዒሉ ብንጹር ፖለቲካዊ መስመሩን ህዝባዊ መትከላዊ ጽንዓቱን ብኣብነት ኣብ ዝጥቀስ ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ን17 ዓመታት ተጋዲሉ፡ ካብ መስዋእቲ ንስክላ ተሪፉ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ጀጋኑ ስውኣትን፡ ልዕሊኦም ዝቑጽሮም ሓርበኛታት ውጉኣት ሓርነትን ከፊሉ፡ ዝተበገሰሉ ህዝባዊ ዕላማ ዘዐወተን፣ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ኣመራርሓ ዝበጽሐ ጀነራል ኣበበን ልኡላውነት ኤርትራ ብሓይሊ ብምጉባጥ ብዋሕዚ ደም ኤርትራውያን ብልጽግትን ሕፍርትን ኢትዮጵያ ምርኣይ ኣብ ዝብል፡ ጸረ-ህዝብን ጸረ-ኣህጉራዊ ሕግን ኣብ ዝኾነ ባህሪ ተራኺቦምም፡ ኣብ ሓንቲ ናይ ምኩሓት ጃልባ ድማ ክሳፈሩ፡ ንምእማኑ ዘጸግም   ስጊንጥር ዝኾነ ክስተት’ዩ።

ዝኸበርካ ጀነራል ኣበበ፡ ኮለኔል መንግስቱ ብስነ-መጎት ሓይሊ፡ ደም ኤርትራውያን ክውሕዝ ብምግባር ብልጽግና ኢትዮጵያ እንተተመነየ ፍጹም ኣይገርምን። ስለምንታይ’ሲ ፖለቲካዊ ማዕበያኡ ከምኡ ስለ ዝኾነ። ካብ መጀመርያ ፖለቲካዊ ኣተሃናንጻኡ ንነገራት ብዓይኒ ፍትሕን ሕግን ክርእን ከመሓድርን ዘኽእሎ ህዝባዊ ባህሪ ኣይነበሮን። መዕቀኒ ናይ መንግስቱን ብጾቱን ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ይበዝሕ፡ ሰራዊትና ካብ ሰራዊት ኤርትራ ይበዝሕ፡ ኣጽዋርና ካብ ኣጽዋር ኤርትራ ይበዝሕን ይረቅቕን ዝብል ‘ምበር ነገራት ብዓይኒ ፍትሒ ዘርኢ ፖለቲካዊ መነጽር ኣይነበሮን። የብሉን ድማ። እዚ ዓማጺ ፖለቲካዊ ተፈጥሮ ንህዝብታት ኤርትራ ጥራሕ ዘይኾነ ነቲ ዝበቖለሉን ስለኻ ዝብሎ ዘሎን ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ህዝብታት ኢትዮጵያ’ውን ከም ዘይምሕር ብተግባር ዝተራእየ’ዩ። ንከም’ዚ ዓይነት ከኣ ከም’ቲ ብተግባር ዝተገብረ ተቓሊስካ ትስዕሮን ትፋረዶን ‘ምበር፡ ስለምንታይ ከም’ዚ ዓይነት ናይ ዓመጽ ርእይቶ ሒዙ ኢልካ ኣይትግረመሉን።

ውላድ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ጀነራል ኣበበ ተ/ሃይማኖት ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ሕሱር ዕዳጋ ወሪዱ ኣብ መስመር ትምክሕተኛታትን ወረርትን ተሓዊሱ ቆምጣዕጣዕ ክብል ምርኣይን ምስማዕን ግን ንኽብሪ ጅግና ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህ,ወ,ሓ,ት, ኣይምጥንን። ኣዝዩ ዘሕፍር’ዩ። ነቶም ህዝቢ ኣብ ዝሃለወ ህያሉ መሰሉ ክኽበር ኣለዎ። ዓመጽቲ ድማ ኣብ ዝሃለው ይሃልው ንህዝቢ ስለ ዘይውክሉ ብህዝባዊ ቃልሲ ክወገዱ ኣለዎም እናበሉ ብኽብሪ ዝሓለፉ ጀጋኑ ስውኣት ተጋደልቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ምርኻስ’ዩ። ካብ ህዝባዊ ሕድሪ ሰማእታት ምኽሓድ ዝዓቢ ሕልናዊ ገበን ድማ ዘሎ ኣይመስለንን። ጀነራል ኣበበ፡ ሰብ’ኮ መዋቲ ‘ምበር ነባሪ ኣይኮነን። ነባሪ፡ ጽቡቕ ግብርን ቅኑዕ ሕልናን ጥራሕ’ዩ። ብድሕሪ በዓል ቤቱ ኣፍ ኣውጺኡ ዝዛረብ ጽቡቕ ባህርን ተግባርን።

ጀነራል ኣበበ፡ ነዚ እከለ ዝተባህለ ደራሲ ከም ዝበሎ፡ ኣነ ድማ ከም ዘጽናዕክዎ እናበልካ ኣብ ጋዜጣ ኣዲስ ኣድማስ ዘስፍርካዮ፡ ንዳግማይ ጎበጣ ልኡላውነት ኤርትራ ዝጽውዕ መልእኽትኻ ኣብ እዋኑ መልሲ ክህበሉ ነይሩኒ። “ካብ እግሪ መልሓስ ይዕንቀፍ” ኣብ ዘይድሊ ግዝያዊ ስምዒት ኣትዩ ‘ምበር፡ ካብ ዝጸንሖ መሰረታዊ ናይ ባህሪ ለውጢ ገይሩ፡ ወራሪ ሕልና ኣማዕቢሉ፡ ብርግኣት ሓሲብሉ ከምዚ ኣይብልን ዝብል ተረድኦ ስለ ዝነበረኒን ኣፍኲሰ ድማ ስለ ዝረኣኽዎ ግን ኣይገበርክዎን። ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ዓይነት ወሪድካ ኣብ ደምበ ወረርቲ ተሰሪዕካ ኣብ ፖለቲካዊ ድሕረት ከረውረው ትብል ዝብል ግምት በፍጹም ኣይነበረንን።

ፖለቲካ ኢትዮጵያ ካበይ ናበይ? ናይ ድሕነት መጠንቀቕታ ደወል። ኣበበ ተ/ሃይማኖት (ሜጀር ጀነራል) ሓምለ 2011 ( ሓምለ 2019) ትብል መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ርእይቶኻ ዝኾነ፡ ንሕና ልዕሊ 100 ሚሊዮን ህዝቢ ስለ ዝኾና ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ተጽዕኖ ፈጠርቲ ክንከውን ኣለና። ከምኡ ክንከውን ከኣ ናይ ግድን ወደባት ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ወደብ ዓሰብ ከኣ ብፍላይ ኣብ ኢድና ከነእቱ ኣለና ዝብል መጸዋዕታ ትግብር መጽሓፍካ ምስ ኣንበብኩ ግን፡ ብፍልጠት ትግብሮ ከም ዘለኻ ኣሚነ። ማስተር ማይንድ ( ናይ ድሕሪት ቀላሲ) ኮይንካ ንልኡላውነት ኤርትራ ወሪርካ ካብ ኤርትራውያን ብዝነዝዕ ዋሕዚ ደም ብልጽግትን ሕፍርትን ኢትዮጵያ ክትርኢ ትሰርሕ ምህላውካ ብዘየደናግር ተረዲአ።

ጀነራል ኣበበ፡ ትማሊ ብስም ወጽዓ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኮይንካ ክትጋደል እንከለኻ፡ ዓማጺ ባህሪኻ ሓቢእካ ‘ምበር፡ በቲ ነቕ ዘይብል ህዝባውን ደሞክራስያውን መትከላት ህወሓትን ታሪኻዊ፡ ሕጋውን ፍትሓውን መርተዖ ዘለዎ ናይ ኤርትራውያን ናይ ሃገርነትን መንነትን ፍትሓዊ ሕቶን ልባዊ እምነት ዝወነነ ተጋዳላይ ኣይነበረን ኣብ ዝብል መደምደምታ ክበጽሕ ከኣ ደሪኹኒ። ስለምንታይ’ሲ ብኤርትራውያን ዝተላዕለ ናይ ሃገርነትን መንነትን ሕቶ ናይ ውጹዓትን ግፉዓትን ናይ መሰል ሕቶ’ዩ። ንጀነራል ኣበበ ዘዕበየ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ናይ መግዛእቲ ሕቶ’ዩ ኢሉ ካብ መጀመርያ ክሳብ ሕጂ ኣብ መትከሉ ክጸንዕ ዝገበሮ ብቐንዱ፡ ካብ ህዝባዊ ባህሪኡ ዝምንጩን፡ ንገዛእ ርእሱ ክብልን ‘ምበር ንኤርትራውያን ከሐጉስ ኢሉ ዝወሰዶ መርገጽ ከምዘይኮነ ርዱእ’ዩ። ህወሓት ብሓሳብ ጥራሕ ዘይኮነ ብተግባር ክሳብ ብናይ ህይወት መስዋእትነት ንፍትሓዊ ሕቶ ህዝብታት ኤርትራ ደጊፉ’ዩ። ሕጂ’ውን ካብ መትከሉ ፈልከት ኣይበለን። ቅኑዕ ህዝባውን ፖለቲካውን መርገጽ ዝበሃል እዚ’ዩ። ናብ ህዝቢ ዝወገነይ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ባህሪ ከም ሕብሪ ነፋሒቶ ኣይቀያየርን።

ዝኸበርካ ጀነራል ኣበበ፡ ህይወት መተካእታ ዘይብላ ሓንቲ’ያ። ፖለቲካዊ እምነት ወይ ኣረኣእያ ከኣ ክልተ ምርጫ ጥራሕ’ዩ ዘለዎ። ህዝባዊ፡ ደሞክራስያዊ፡ ፍትሓዊ ምዃን ወይ ድማ ጸረ-ህዝቢ፡ ጸረ-ደሞክራሲ፡ ወራሪ ዓማጺ ምዃን። ጀነራል ኣበበ ወዲ ውጹዓት ነይርካ። ሕቶ ውጹዓት ክትምልስ ተጋዲልካ። ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ እወ ናይ መግዛእቲ ሕቶ’ዩ። ፍትሓዊ ሕቶ’ዩ ኢሉ ብመትከል ኣብ ዝኣምን ብተግባር ድማ ናይ ህይወት ዋጋ ኣብ ዝኸፈለ ውድብ ህወሓት ዓቢኻ። ዕድመኻ ምስ ደፍኣ፣ ተመክሮ ምስ ወሰኽካ፡ ደረጃ ኣካዳሚያዊ ዓቕምኻ ኣዕቢኻ በዓል ክልተ ድግሪ እሞ ኸኣ ናይ ሕጊ በዓል ሞያ ምስ ኮንካ፡ መንገዲ ፍትሒ ገዲፍካ መንገዲ ዓመጽ ክትክተል ምምራጽካ፡ ሕልናኻስ ፈሊጥናዮ ግን ሕልናና ኣይግበሮ ዘብል’ዩ።

ጀነራል ኣበበ፡ የኢትዮጵያ ፖለቲካ ከየት ወዴት? ትብል 367 ገጽ ዝሓዘት መጽሓፍካ፡ ካብ ገጽ 34-ክሳብ ገጽ 149 ብዛዕባ ሃገረ ኤርትራ ባሕርን ወደባታን፡ ኢትዮጵያ ብከመይ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ትውንን’ያ ትገልጽ። ኤርትራ ቅድሚ ብመግዛእቲ ጣልያን ከም ሓንቲ ዶባታ ዝተነጸረ ልኡላዊት ሃገር ኮይና ዝተደኮነትሉ 1890 ዝነበረ ታሪኻዊት ምትእስሳር ናይ’ዞም ሎሚ ነናቶም ልኡላውያን ሃገራት ወኒኖም ዝርከቡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣመልኪትካ ዝገለጽካዮ፡ ነቲ ሽዑ ምእኩል ኢትዮጵያዊ ሃገርነት ከም ዝነበረ ዝትርኽ መደናገሪ ሸነኹ ገዲፍካ፡ እቲ ካልእ ዘመጉሶ ‘ምበር ዝፈላለየሉ ኣይኮንኩን። ምኽንያቱ ቅድሚ 1890 ኤርትራዊ ሃገርነት ኣይነበረን። ኢትዮጵያዊ ሃገርነት’ውን ኣይነበረን። እቲ ህዝቢ ግን ዝተነጸረ ልኡላውነትን ዶብን ብዘይብሉ ይራኸብ ነይሩ። ይደጋገፍ ነይሩ። ብመውስቦ ይተኣሳሰር ነይሩ። ተመሳሳሊ ባህሊ ሃይማኖት ቋንቋ ነይርዎ እዚ ኩሉ እወ ሓቅኻ። ሕጂ’ውን ከም ህዝብታት ተመሳሳሊ ባህሊ፡ ቋንቋ፣ ሃይማኖት፣ ትውልዲ ምትእስሳርን ምድግጋፍን ኣሎ። ንቕድሚት’ውን ክቕጽል’ዩ።

ጀነራል፡ መጽሓፍካ ሓቀኛ ታሪኽ ተዘንቱ’ያ። ብኣንጻሩ ከኣ ነቲ ናይ ሓሶት ድርሳናት ከም ጭቡጥ መረዳእታ ብምውሳድ መሳፍንትን ጸረ-ህዝብን መራሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝኽተልዎ ዝነበሩ ጎበጣ ከተቆናጁ ትፍትን’ያ። እዚ ከኣ ተገራጫዊ ባህርን ተገራጫዊ መርገጽን ከም ዘለካ’ዩ ዝምስክር። ብካልእ ኣገላልጻ ዝሃነጽካዮ ምፍራስ ማለት’ዩ። ካብ ተጋራጫዊ ፖለቲካዊ ባህሪኻ ዝምንጩ ተጋራጫዊ መርገጽካ እንታይ ከም ዝመስል ተመልከት፡-

ኣብ ገጽ 34 ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራ ስለምንታይ’ዮም ከም ሓንቲ ሃገር ሓቢሮም ክነብሩ ዘይከኣሉ? ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘመናዊ ታሪኾም ሓቢሮም ክነብሩን ዘይክነብሩን ኣብ ታሪኻዊ ምዕራፋቶም ወሰንቲ ዝነበሩ ኩነታትን ፍጻሜታትን ከምኡ’ውን ኣብ መመድረኹ ዝነበሩ ቀንዲ ተዋሳእትን ብግቡእ ምርዳእ የድሊ። ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣመልኪቶም ንዝለዓሉ ሕቶታትን ኣደናገርቲ መደምደምታታትን ተመሳሳሊ (ዝተቐራረበ) ናይ ኣገንዝቦ ኣንፈት ክሕብር ይኽእል ካብ ዝብል እምነት ተበጊሰ’የ እዚ መጽሓፍ ክጽሕፍ ዝመረጽኩ። ቀጺልካ ኣብ ገጽ 35 ድማ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከመይ ክፈላላዩ ከም ዝኸኣሉ፡ ብሓደ ክነብርሉ ዝኽእሉ ኣጋጣሚታት ከመይ ከም ዝባኸነ፡ ህዝብታት ኤርትራ ድሕሪ ነጻነቶም ምርግጋጾም ክልቲኦም ሃገራት ብዝተፈላለየ መልክዕ ዝምዕብልሉ ዕድል ንግዚኡ’ውን እንተኾነ ከመይን ብመንን ከም ዝተሰናኸለ ንምርኣይ ዘኽእል’ዩ። ናይ ህዝብታት ሓድነት ኣድላዪ ካብ ኮነ፡ እቶም ዝተረኽቡ ዕድላት ከመይ ፈሺሎም ዝብል ምርኣይ ጠቓሚ’ዩ ብዝብል’ያ ትጅምር መጽሓፍካ።

ኣብ’ቲ ብዙሕ ገጻት ዝሸፈነ ተንታን፡ ኣብ መንጎ ኢጣልያን ምኒልክን ብ1900፡ 1902፡ 1908 ዝተግብረ ናይ ወሰን ስምምዓት ኣብ መንጎ ሓቂ ምቕባልን ካብ ሓቂ ምህዳምን ተማቲእካ። ጣሊያን ንኢትዮጵያ ዳግማይ ኣብ 1928 ግእዝ ምስ ወረረታ እቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ስምምዓት ከምዘይሰርሕን ከም ዝፈረሰን፡ ስለዚ ከኣ ኢትዮጵያ በቲ ምስ ጣልያን ዝገበረቶ ስምምዓት መሰረት ኣፍ ደገ ባሕሪ ክትስእን የብላን። ናይ ግድን ኣፍ ደገ ባህሪ ክትውንን ኣለዋ ኢልካ። ኣብ ገጽ 41 ቲኦዶር ቮስታል (29) ዝተባህለ ተመራማሪ ፖለቲካዊ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡” ምኽንያቱ እንታይ ይኹን እንታይ ምኒልክ ጣልያን ናይ ኤርትራ ገዛኢ ኮይኑ ክቕጽል ምፍቃዱ፡ ንኢትዮጵያ ቀጻሊ ናይ ሽግር ምንጪ ፈጢሩ። ብተወሳኺ ውሕስነት ዘለዎ ኣፍ ደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ወርቃዊ ዕድል ኣምሊጥዎ’ዩ” ከም ዝበለ ብምግላጽ ድማ፡ ቀጺልካ፡ ህዝብታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ጣልያን ምውዳቖም፡ ነጻነቶም ኣረጋጊጾም ንዝቐጸሉ ህዝብታት ኢትዮጵያ ኣብ ሓዘን ዘእቱ ፍጻሚ’ዩ ነይሩ። ድሕሪ ዓወት ዓድዋ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ኣብ ሓደ ሃገር ዝነብርሉ ኩነታት ናይ መጀመርያ ዕድል መኺኑ ኢልካ። ኣብ’ዚ መጎተኻ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ በበይነን ሃገራት ከም ዝኾና’ውን ትኣምን። ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጣልያን ዝወደቑ ኤርትራውያንን ነጻነቶም ኣረጋጊጾም ዝቀጸሉ ህዝብታት ኢትዮጵያን ማለት ህላዌ ክልተ ህዝብታትን ሃገራትን ‘ምበር ህላዌ ሓደ ህዝብን ሓንቲ ሃገርን ከም ዝነበሩ ኣየመልክትን። እቲ ሓቂ ከኣ ንሱ’ዩ።

ኣብ ገጽ 42 ካልኣይ ወርቃዊ ዕድል ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ድማ፡ ናይ ሃገርና ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ወኪል ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣክሊሉ ሃብተወልድ ኣብ መንጎ ሓያላን መንግስታት ዝነበረ ዘይምድርድዳእ ተጠቒሙ፡ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት መሰረት ብምግባር፡ ናይ ኩሉ ኣይኹን ‘ምበር ብውሕዱ ብዝተወሰነ ደረጃ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ተሓዊስዎ፡ ኤርትራ ብመልክዕ ፈደሬሸን ናብ ኢትዮጵያ ተጸንበረት። እንተኾነ ግን እቲ ፈደሬሽን ድሌት ህዝብታት ኤርትራ ብረፈረንዱም ብዘይምክያዱ መብዛሕቲኦም ነቲ ረፈረንዶም ደጊፎም ወይስ ተቓዊመሞ ዝብል ንምፍላጥ ኣጸጋሚ’ዩ። ኣከራኻሪ ርእሰ ጉዳይ’ውን ኮይኑ። ይኹን ግን ብሰለስተ ምኽንያት ኣዕጋቢ ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ሓደ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሓደ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝነብርሉ ኩነታት ፈጢሩ።ግን እንታይ ይገበር እቲ ኩሉ ዝተደርፈሉን ናይ ህዝቢ ደገፍ ረኺቡ ዝነበረን መስርሕ፡ ገዛእቲ ዝሑል ማይ ክዕየምሉ። ንሃገርና ድማ ናብ ክትወጽኦ ዘይትኽእል ዘይጻሒ ጸገም ኣእትዮማ ኢልካ ድማ ትማጎት።

ቀጺልካ ኣብ ገጽ 43 ከኣ፡ “ባይ ባይ ፌደሬሽን” (ደሓን ኩኒ ፈደሬሽን) ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ድማ፡ ኣብ ኤርትራ መሰረቱ ዝገበረ ተመክሮ ክብረት ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰል ህዝብታት ነይሩ፡ ገዛእቲ ስርዓታት ሃገርና ኣገዛዝኣኦም ክሳብ ክንደይ ብጸልማት ዝተዋሕጠ ምዃኑ ስለ ዝተገንዘቡ ግን፡ ነቲ ኩነታት ቀልጢፎም ዓፈንዎ። ፈደሬሽን ብምፍራስ ድማ ኢትዮጵያ ክትወጽኦ ኣብዘይትኽእል ኲናት ኣእትዮማ። ገዛእቲ ኢትዮጵያ ንፈደሬሽን ኣብ ሳልሳይ ዓመቱ ብመንጽር ሕጊ ወሳኒ ዝበሃል ስጉምቲ ወሰዱ። ኣብ 1952 ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሕጋዊ ስምምዕ ብምግባር ዝተቐበልዎ ቅዋም ኤርትራ፡ ኣብ 1955 ኣብ ዝተመሓየሸ ሕገ-መንግስቲ መሰረት እቲ ፈደሬሽን ሕጋዊ መሰረት ከይህልዎ ገበሩ። ደሞክራስያዊ ዝኾነ ቅዋም ኤርትራ ዝጥሕስ፡ ናይ ኤርትራውያን ናይ ርእሰ ምምሕዳር መሰል ናብ ዜሮ ዘውርድ ብፍጹማዊ ናይ ሃይለ ስላሴ ዘውዳዊ ኣገዛዝኣ ዘካተተ’ዩ ዝኾነ። ባዕሎም ፈደሬሽን ክፈርስ ወሲኖም ክንሶም፡ ብመንገዲ ባይቶ ኤርትራ ክፈርስ ንምግባር ሽውዓተ ዓመት ከም ዝወሰደሎም ንግንዘብ ኢልካ ድማ ትመክር።

ጀነራል ኣበበ ኣብ ገጽ 51 ድማ ከምዚ ኢልካ፡- ኤርትራውያን እዚ ኩሉ በደል ክፍጸሞም እንከሎ፡ መሰሎም ምሉእ ንምሉእ ኣብተገፈሉ ግዜ፡ ኣይንግዛእን ኢሎም ዕጥቃዊ ቃልሲ ምጅማሮም ዘወድስ ወይ ዘኾንን? ኢልካ ትሓትት ‘ሞ፡ ኤርትራውያን ስለምንታይ ዓሪፎም ኮፍ ዘይብሉ ማለት፡ ህዝብታት ኢትዮጵያ ንስርዓት ደርግ ብዕጥቃዊ ቃልሲ ክገጥምዎ ኣይነበሮምን ከማለት ዝውሰድ’ዩ። እቲ ዝነበረ ኩነታት ንቃልሲ ስለ ዝዕድም’ዩ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ኢትዮጵያ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝመረጹ ኢልካ ድማ ባዕልኻ ትምልሶ። ኣብ’ዚ ሓቂ ተዛሪብካ።

ቀጺልካ ኣብ ገጽ 57፡ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ኣፈጻጽማ ዝነበሮ ጉድለት እንታይ ይኹን እንታይ ናይ ኩሎም ህዝብታት ናይ መሰል ተጠቃምነት ዘረጋግጽ ከም ብሓድሽ ሓቢሮም ዝነብርሉ ባይታ ካብ 1983 -1990 ግእዝ ተፈጢሩ ነይሩ። ግን እንታይ ይገበር ሻዕብያ ዘርጊዎ። ኣብ ገጽ 63 ድማ ኲናት ምስተጀመረ ኣብ ህዝቢ ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጎ ምሁራት ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ነይሩ። ገለ ሓይልታት ንኤርትራ ወሪርና ሓድነትና ነረጋግጽ ክብሉ እንከለው፡ ካልእ ከኣ ንሰራዊት ህግደፍ ኣላሽ ኣቢልና፡ ወደብ ዓሰብ ኣብ ኢድና ነእቱ ይብሉ ነይሮም። ገሊኦም ከኣ ንሻዕብያ ካብ ዶብና ኣባሪርና ናብ ልምዓትና ንመለስ ይብሉ ነይሮም። ንህዝቢ፡ ንሰራዊት፡ ከምኡ’ውን ንመንግስቲ ከርውዮን ዘይከርውዮን ዝውስን፡ ተፈጥሮ ናይ’ቲ ኲናት፡ ናይ’ቲ ኲናት ዕላማ፡ ናይ’ቲ ኲናት ኣካይዳን ኣብ ውጽኢቱ ዝህሉ ኣረዳድኣን’ዩ። ናይ’ቲ ኲናት ተፈጥሮ (ባህሪ) መንግስቲ ኤርትራ ወራሪ ስለዝኾነ እቲ ኲናት ንኢትዮጵያ ፍትሓዊ ኲናት’ዩ።

ዕላማ ናይ’ቲ ኲናት ብዝምልከት፡ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ኢህወደግ ድሕሪ ዓሚቕ ክትዕ ኣብ ውሳኔ በጺሑ ነይሩ። ናይ’ቲ ኲናት ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዝመርሖ ካብ በርገስን ላዕልዎት ወተሃደራውያን ሓለፍትን ዝተወጻጽአ፡ ሓደ ማእከላይ እዚ ተጣይሱ ነይሩ። ኣብ’ዚ ክሳብ ሕጂ ክርደኣኒ ዘይከኣለ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻእን ናይ ሃገራዊ ድሕነት ሓላፍን ኣብ’ቲ ማእከላይ እዚ ኣይተሳተፉን። ብመንጽር ሕጊ ማእከላይ እዚ ናይ’ቲ ጠቅላሊ ኣዛዚ ኣማኻሪ ክኸውን ‘ኳ እንተነበሮ ብተግባር ግን ብኣብዘሓ ድምጺ ይውሰን ነይሩ። ኣብ’ቲ ማእከላይ እዚ፡ ገለ ምትሕልላኻት የጋጥም ነይሩ። ብመጽር ዕላማ ናይ’ቲ ኲናት ከመይ ንወደብ” ከመይ ንተዓጠቕ፡ ከመይ ንዋጋእ፡ ኣብ ዝብሉ ናይ’ቲ ኲናት ስትራተጂ ፍልልይ ምኽሳቱ ኣይተረፈን። ዝሓየለ መጥቃዕቲ በየን ንጀምር ዝብል ገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ትርጉም ነይርዎ። እቲ ኲናት ከም ዘብቀዐ ክእወጅ እንከሎ፡ ብመንጽር ቀዳማይ ዕላማ ምሉእ ንምሉእ ተዓዊትና ኢና ክበሃል ይከኣል። ብመንጽር ናይ’ቲ ካልኣይ ዕላማ ግን ክንከዶ ዘለና ርሕቀት ኣይከድናን። እቲ ዕላማ ተጠሊፉ’ዩ ክበሃል ይከኣል። ዝገርም ኣበሃህላ’ዩ።

ኣጽዋር ኲናት ኣብ ምግዛእ ኣብ ዝለዓለ ምፍጣት ይብጻሕ ነይሩ፡ ምስ ኣቶ መለስ ብውልቀ ኣብ ዝገበርናዮ ዝርርብ ናይ ገዛእ ርእሰይ መርገጺ ምስ ገለጽኩሉ፡ ርእይቶኡ ድማ ብኸምዚ ገሊጹለይ። ስማይ ጀቤ ክልተ ጸላእቲ’ዮም ዘለውና። ሻዕቢያን ድኽነትን። ክልቲኦም ኣሸጊሮምና ኣለው። ንሻዕቢያ ሃሪምና ቀልጢፍና ናብ ልምዓትና ገጽና ክንምልስ ኣለና። ስርዓት ደርግ ኣብ ዝተናወሐ ኲናት ስለ ዝነበረ፡ ትሕቲ ዜሮ ቁጠባዊ ትሕዝቶ ኢና ተረኪብና። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ቅሩብ ክንፈሓኽ ጀሚርና ነይርና። ናብ ኣስመራ ንእቶ፡ ናቕፋ ንቐጽል ንብል እንተደኣ ኮይና ኣብ ዓዘቕቲ ክንኣቱ ኢና። ዕጥቂ ይገዛእ ኣይገዛእ ኣይኮነን እቲ መሰረታዊ ጉዳይ። ኣብኡ ምስ ኣተና መብዛሕቲኡ ሓይልና ኣብኡ ክጸንሕ ክግበር’ዩ ኢሉኒ። ኣነ ድማ ኣብኡ ዘጽንሕ ምኽንያት የብልናን ዘድልየና ፈጺምና ንመለስ ኢለዮ። ክልቲና ኣብ ዘዝሓዝናዮ መርገጽ ጸኒዕና ተፈላሊና ክትብል ኣስፊርካ ኣለኻ ጀቤ።

ኣብ ገጽ 92 ከኣ፡ ስእነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ዝሸፈኖ ፈታኒ ድኽነት ኣብ ትሕቲ ዝብል፡- ሓፈሻዊ ናይ ኤርትራ ምግንጻል ዝቃወሙ ኣለው። ናይ ኤርትራ ጉዳይ ኣቐዲሙ ዝተወደአ’ዩ ዝብሉ ድማ ኣለው። ካልኦት ከኣ ናይ ኤርትራ ናይ ባዕልኻ ዕድል ባዕልኻ ናይ ምውሳን መሰል ክሳብ ምንጻል ይወሃብ ደኣምበር፡ ሀ. ናይ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ዝምልከት፣ ለ. ናይ መሰጋገሪ ቻርተር (ሰነድ) ኣፈጻጽማ፣ ሐ. ኢትዮጵያ ሕጋዊ ኣፍ ደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ መሰል ዝነፈገ ውዑል ኣልጀርስ ኣይቅበሉን። ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ዝርከበሉ መፍትሒ ምድላይ ወሳኒ ጉዳይ ስለ ዝኾነ፡ ክንዮ’ዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ክረእ ይግባእ። ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ካብ ዝኣተወትሉ ግዜ ንደሓር፡ ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ረኺባትሉ ዝነበረት ብሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ውሳኔ መሰረት ኣብ 1952’ዩ። እዚ ልኡላዊ መሰል’ዚ ን40 ዓመታት ዝኣክል ክጥቀመሉ ጸኒሓ። እንደገና ናይ መወዳእታ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኣብ ትስእነሉ ጫፍ በጺሓ። ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ኣብ ስልጣን ዝነበረ መንግስቲ ኢህወደግ፡ ኣፍ ደገ ባሕሪ ዘስኣነና ውዑል ኣልጀርስ ተቐቢሉ ፈሪሙ። ጀነራል ካበይ ናበይ ኢኻ ትኸይድ ዘለኻ። ወይ ፍትሓውን ሕጋውን ሰብ ኩን ወይ ድማ ወራሪ ጎባጢ ኩን። ዶባዊ ግርጭት ባድመን ዋንነት ኤርትራ ዝኾነ ወደባት ዓሰብን ብጻዕን ናብ ልኡላዊ ዋንነት ኢትዮጵያ ምስግጋርን እንታይ ኣራኸቦ? ኢትዮጵያ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዘለዋ ናይ ግድን ዘይናታ ጎቢጣ ዋንነት ከረጋግጽ ትሓልም ብኸመይ? ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ሃብታማት ኣለው። ካብ’ቶም ሃብታማ ኣዝዮም ዝበዝሑ ድኻታት ድማ ኣለው፡ በዚ ናትካ መጎተ እቶም ድኻታት ንሕና ስለ ንበዝሕ ትካላትኩም ብሓይሊ ክንወስዶ ኢና ክብሉ ኣለዎም ማለት’ዩ። እዚ ሓደገኛ ርእይቶ’ዩ። ብዳግማይ ዋሕዚ ደምን መስዋእትን ኤርትራውያን ብልጽግቲ ኢትዮጵያ ክርኢ ዝሕልን ክፉእ ሕልሚ።

ኣብ’ዛ ሃገር ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ስልጣን እንተዝሕዙ ነይሮም፡ ንውዕል ኣልጀርስ ብወግዒ ደርብዮም እዛ ሃገር ኣፍ ደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ መሰላ ዝቕበል ሓድሽ ኣሰራርሓ ክህሉ ኣለዎ ኢሎም ምሕታቶም ነይሮም። ኣብ 1952 ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዘቕረቦ ሓሳብ መሰረት ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ክህልዋ ዝብል ኣፍልጦ ሂቡ’ዩ። ናይ ህዝብታት ኤርትራ ናይ ባዕልኻ ዕድል ባዕልኻ ናይ ምውሳን ኣፍልጦ ምሃብ ጉዳይ ናይ መትከል ጉዳይ’ዩ። ናይ ኤርትራ ነጻነትን ናይ ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ መሰልን ሕድሕዱ ከምዘይተሃራረም ድማ ግልጺ’ዩ። ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዶብ ዝዳኒ ሕጋዊ ኣካል (Legal Regime) ኣብ መንጎ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኢትዮጵያን ዝተገብረ ስምምዕ’ዩ። ብግልጺ ንምቕማጥ ኣብ 1952 ፈ ንኤርትራ ብፈደሬሽን ምስ ኢትዮጵያ ክትወሃድ ዝገበረ ተዓወቲ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝኾና ኣርባዕተ ሓያላን ሃገራትን ኢትዮጵያን ዝገበራኦ ስምምዕ’ዩ።

ህዝብታት ኤርትራ ናይ ባዕሎም ዕድል ባዕሎም ወሲኖም ነጻ ወጺኦም። ባህጎም ንነጻነት ብዘካየድዎ ቃልስን ዘፍሰስዎ ደምን ኣዐዊቶም። ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኣርባዕተ ሓያላን ሃገራትን ዝተግብረ ውዑል ግን ብዛዕባ ናይ ህዝብታት ኤርትራ ድሌት ጥራሕ ተባሂሉ ዝተገበረ ኣይኮነን። ንሱ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ናይ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ኣፍ ደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ድሌትን ንምስኻዕ ተባሂሉ ዝተገብረ ስምምዕ’ዩ። ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ናይ ዶብ ግርጭት ንምፍታሕ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ተበግሶ፡ መሰረት ክኸውን ዘለዎ ብቀንዱ ናይ ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ መሰል ዘረጋገጸ 1952 ውሳኔ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጠቕላላ ጉባኤን ዓለም ለኻዊ ሕግን ክኸውን ኣለዎ…..ወዘተ ዝብል ጻውዒት ኣቕሪብካ። እቲ ሕድሕሩ እናተሃራረመ ዝውሕዝ መልእኽቲ ዝርዝሩ ብዙሕ’ዩ። ሸቶኡ ግን ዓባይ ኢትዮጵያ ናይ ግድን ወናኒት ኣፍ ደገ ባሕሪ ክትከውን ኣለዋ። ክትውንኖ ዘለዋ ኣፍ ደገ ባሕሪ ከኣ ኣብ ትሕቲ ልኡላውነት ኤርትራ ዝርከብ ወደብ ዓሰብ’ዩ። ጣልያን ብሓይሊ’ዩ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኣስኢኑና። ብሓይሊ ዝተሳእና ከኣ ብሓይሊ’ዩ ክምለስ ዘለዎ ዝብል ዓማጺ ሰረተ እምነት ዘለዎ መልእኽቲ’ዩ።

   ኣይፋልካን ጀነራል ኣበበ። ማስተር ማይንድ ናይ ወረርቲ ክትከውን ምስ ዝመጻእካዮ ተሓጺብካ ጭካ’ዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ቀቲልካ ንኢትዮጵያ ከተዕቢ ሓሊንካ። ሓቅኻ ኢኻ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ዘይተጸበናዮ ረኺብና ኣብ ድኹም ኩነታት ስለ ንርከብ ንተወራዘይትን ወርርትን ፍኒሕኒሕ ዘብል ኩነታት ፈጢርና ኣለና ኢና ከም ህዝብን ሃገርን። እዚ ግን ኣባና ጥራሕ ዝተጀመረ ኣይኮነን። ኣይኮነን ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣብ’ተን ዝሰልጠና ዝበሃላ ሃገራት’ውን ውልቀ ምልክነትን ፋሽሽትነትን ተራእዩ፡ ምዕባሌ ህዝብታት ንድሕሪት ዝዓጽፍ ውድቀት ኣጋጢሙን’ዩ።

ነገራት ብመንጽር ፍትሕን ሕግን እንተዘይተራእዩን ተመሓዲሩን ብኸምዚ ንስኻን ንዓኻ ዝመስሉን ናይ ግድን ኢትዮጵያ ዋንነት ኣፍ ደገ ባህሪ ክረክብ ኣለዋ ትብልዎ ዘለኹ ናይ ወራርቲ ሕልሚ ሰላም ይርከብ ማለት ዘበት’ዩ። ጀነራል ኣበበ፡ ማስተርስ ድግሪ ክትጽዕን ናይ ፈረንጂ መጻሕፍቲ ስለ ዘንበብካስ፡ ነቲ ኤርትራውያን ስለ ዝተግፍዑ ንመሰሎም ተቓሊሶም ደምዮም ተሰዊኦም ክውን ዝገበርዎ ልኡላዊ ግዝኣት ክትጎብጥ ተበጊስካ። ኩሉ ኣካይዳኻ ኮር ተገልበጥ ኮይኑን። ጀነራል እዛ ዓበይ ኢትዮጵያ ትብላ ዘለኻ ምኒልኪ መይቱ’ዶ ኣይመርሓን’ዩ። ሃይለ ስላሴ ኣነ ካብ ፈጣሪ ዝተለኣኽኩ’የ እናበለዶ ኣይገዝኣን’ዩ። መንግስቱ ን17 ሓመድ ድፋጫኣ ኣየስተያን ድዩ።በዚ ዝሓለፈት ገና’ውን ርጉእ ፖለቲካዊ ህይወት ዘይብላ ኢትዮጵያ ሒዝካ፡ ኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙ ብዘሎ ግዝያዊ ልዕልነት ውልቀ ምልክን ዘይርጉእ ኩነታት ተበሊጽካ ሓንሳብ ብሕጋዊ ካልእ ግዜ ከኣ ብሓይሊ ዝብል ዕንደራ ብደም ኤርትራ ብልጽግቲ ኢትዮጵያ ክትርኢ ኢልካ ሓሊምካ።

ዝኸበርካ ጀነራል ኣበበ፡ ሱር ስደደ ድኽነት ናይ ኢትዮጵያ’ኮ ጠንቁ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ‘ምበር ኣፍ ደገ ባህሪ ዘይምህላው ኣይኮነን። ኢትዮጵያ ‘ኮ ብተፈጥሮ ሃብታም ሃገር’ያ። ጻዕራም ህዝቢ ድማ ኣለዋ። ከም’ቲ ነፍስሄር መለስ ዜናዊ ዝበሎ ርጉእ ፖለቲካዊ ኩነታት ብቑዕ ህዝባዊ ኣመራርሓን እንተሃልዩ ኣፍ ደገ ባህሪ ከይወረርካ ብገንዘብካ ትሽምቶ ግኡዝ ነገር’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ቅልጡፍ ዕቤት ከኣ ጭቡጥ መረጋገጺ’ዩ። ኤርትራ ክልተ ባህሪ፡ ክልተ ወደባትን ደሴታት ትውንን ክንሳ፡ ህዝባዊ ሕጋዊ ብቑዕ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ብዘምርካባ’ቲ ጭቡጥ ምንጪ ቁጠባዊ ኣታዊ ክኸውን ወደባት ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ካብ ጠቕሚ ወጻኢ ኩይኑ ህዝብታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ድኽነት ይነብሩ ምህላዎም ድማ ካልኣይ መረጋገጺ’ዩ። እሞ ጀነራል ኣበበ፡ ምስኩሉ ተመክሮኻ፡ ደረጃ ትምህርትኻ፡ ወተሃደራዊ መዓርግካ ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ረሳሕ ረግረግ ምውዳቕካ ኣዝየ እሓዝን። ሕልምኻ ኣዝዩ ሕማቕ ስለ ዝኾነ ሓይሊ ኣይሃብካ ድማ እብለካ። እንተ ተገራጫዊ ባህሪኻ ብተገራጫዊ መርገጽካ ምግላጽካ ግን የቐኒየልና። ኤርትራውያን ጉዳይና ናበይ ይኸይድ ኣሎ ብኣንክሮ ክንከታተል፡ ክንወደብን ዘቤታዊ ጸላኢና ኣብ ዝሓጸር ግዜ ክነባርር ድማ ኣጽውዕ።

                                 ካብ ሪምና ኣብራሃ

                                 22-11-2019