Written by: ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
Hits: 991

Eritrean National Salvation Frontሓደ ካብ’ቶም ታሪኻውያን መራሕቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝኾነ ኣቶ ስየ ኣብርሃ፣ ብዛዕባ ቃለ መሕትት ወልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝምልከት ዝሃቦ ግብረ መልሲ ቃለ መሕትት ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ተኸታትሎምዎ ይኹኑ’ዮም። ብርግጽ በበይኑ ትዕዝብቲታትን መርገጻትን ኣንብሮምሉ’ውን ይኹኑ’ዮም።

መንግስታት ይኹና ፖለቲካዊ ሰልፊታት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ካልኣት ኢድ ምትእትታው ካብ ዝነጽግ ጽኑዕ መርግጺና ብምብጋስ፡ ኣቶ ስየ ቃለ መሕትቱ እንከይገበረ ከሎ፡ ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ናይ ኢሳያስ ቃለ መሕትት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ቅሉዕ ኢድ ምትእትታው ምዃኑ ኣቀዲሙ ኣብርሁ ከምዝነበረ ዝዝከር’ዩ። ኣብ ናይ ሎሚ ሓተታና ድማ፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ልዕሊ ርኢቶ ስየ ኣብርሃ ዘሎና ጽኑዕ መርገጺ ክነብርህ ግድን’ዩ።

ኣቶ ስየ ኣብርሃ ኣብ ልዕሊ ርኢቶ ኢሳያስ ይኹን፡ ኣብ ልዕሊ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ርእይቶኡ ክገልጽ መሰሉ’ዩ። ኣብ ምጥቓም መሰሉ ኣይንዳፈኦን ድማ። ብዛዕባ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፣ ወይ ብዛዕባ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ዝምልከት ጉዳያት ቀንዲ ዝምልከቶም ኢትዮጵያውያን’ዮም። እንገልጾ መርገጺና ኣብ መላእ ቃለ መሕተቱ ኣይኮነን። እቲ ዝምልከተና’ምበኣር፡ እቲ ብቐጥታ ንህዝብናን ሃገርናን ዝትንክፍ ክፍለ ዘረባኡ’ዩ። ስየ ኣብርሃ ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን ዝምልከት ቃል ብቃል “ ከበሳ ማእከል ዘይገበረት ኤርትራ፣ ኤርትራ ኣይትኸውንን ……..” ወዘተ ኢሊ። / መስመር ናትና’ዩ /። እዚኣ ነጥቢ’ዚ ንመላእ ህዝቢና ብቐጥታ እትምልከትን እትትንክፍን’ያ። ኣቃልቦ ጌርናላ’ውን ኣሎና።

እዚ ኣበሃህላ’ዚ ብግሩህ መንፈስ ላዕላይ-ላዕላይ ክረኣ እንከሎ፡ ኣብ ውሽጡ ዓሚቚ ማሕበረ ፖለቲካዊ ኣበሳ ዝተሸከመ ምዃኑ ዘይመሰሎም መጠኖም ብዘየገድስ ኤርትራውያን ይኹኑ ኣሕዋትና ተጋሩ ኣይሰኣኑን ይኾኑ’ዮም። በቲ ካልእ ወገን ድማ ከም ሓደገኛ ዘረባ ዚወሰዱዎ’ውን ኣይሰኣኑን’ዮም። እዚ ዘረባ’ዚ ብዓይኒ ታሪኻውን ፖለቲካውን መነጽር ክረአ እንከሎ፡ ኣብ ውሽጡ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ቐጥታዊ ግዳማዊ ሓደጋ ዝሓቖፈ ወስታ’ዩ። “ከበሳ ማእከል ዘይገበረት ኤርትራ፣ ኤርትራ ኣይትኸውንን” (ከም ኣበሃህላኡ) ማለት፡ ፖለቲካዊ ዓብላሊ ስልጣን ትግርኛ ማእከላ ዘይገበረት ኤርትራ፡ ኤርትራ ኣይትኸውንን ማለቱ’ዩ። ከበሳ ማለቱ ትግርኛ ማለቱ’ዩ። ስለዝኾነ ማሕበረ ባህላውን ሃይማኖታውን ታሪኻውን ጽዑቕ ትርጉም ኣሎዎ። ምኽንያቱ እቲ ንሱ ንካልኦት ኣዋሲኑን ኣግልሉን ማእከል ፖለቲካዊ ስልጣን ኤርትራ ክኸውን ዝጽውዖ ዘሎ ከበሳ/ ትግርኛ/፡ ከም ዝኾነ ህያው ሕብረተ ስብ ውርሻታት ታሪኽ፣ ተውፊት፣ ሃይማኖት፣ ባህልን ቋንቋን ዘሎዎ ህዝቢ’ዩ። ኣብ ሕሉፍ ሓርነታዊ ተጋድሎን፡ ኣብ ህልው ቃልሲ ንድሞክራስያዊ ለውጥን ዘይስገርን ብካልኦት ዘይትካእን ዓቢ ሃገራዊ ግደ ዝነበሮን ዘሎዎን’ዩ። ከምኡ’ውን ኣብ ኤርትራ ብርግጽ ገዚፍ ፍቕዲ ዘሎዎ ህዝቢ’ውን’ዩ። እዚ ናይ ስየ ዘረባ ቀንዲ መልእኽቱ፡ ፖለቲኮ ቁጠባዊ ልዕልና፣ ፖለቲካዊ ስልጣን ትግርኛ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ክፍልታት ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ብሓይሊ ምጽዓን’ዩ። ብግዲ ወይ ብውዲ ብናይ ትግርኛ ብሔራዊ ፖለቲካዊ ማእከላይ ስልጣን ዘይተመእከለት ኤርትራ፡ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ክትከውን

ይትረፍሲ ከም ሃገር ኮይና ክትቅጽል ኣይትኽእልን ማለቱ’ዩ። ኣብ ልዕሊ ካልኣት ብሄራት ኤርትራ፣ ናይ ትግርኛ ብሕታዊ ፖለቲካዊ ስልጣን፣ ታሪኽ፣ ቋንቋ፣ ሃይማኖት፣ ባህሊን ቁጠባን ዓብላልነት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ብሄራት፣ እምነታት፣ ቋንቋታት፣ ባህልታትን ታሪኽን ኤርትራውያን ምጽዓን’ዩ እምበኣር፡ ንኤርትራ ከም ሃገር ኮይና ከይትቕጽል ዘገብር። ከምኡ’ውን ካልእ ዝኾነ ብሄር ንካልኦት ብሄራት ምዕብላል ምህቃን ብኡ ንብኡ ኤርትራ ከም ሃገር ክይና ከይትቕጽል ዝገብር’ዩ። ናይ ኤርትራ ዓይነት ምሕደራን መልክዑን ንምውሳን መሰል ዘሎዎ ህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ’ዩ። ነዚ ናይ ህዝቢ ኤርትራ መሰል’ዚ ዝውክል፣ ወይ ዝትክእ ካልእ ግዳማዊ ሓይሊ ፍጹም ክህሉ ኣይግባእን።

ብዓይኒ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፣ ናይ ኢሳያስ መርሓን፡ ናይ ስየ ዘረባን ኣብ ኣቀራርባኦም በበይኑ መልክዕ እንተሓዘ፡ ብትሕዝቶኦም ናይ ሓደ ቅርሺ ክልቴ ገጻትዮም። ንነፍሱ ከም ማእከል ጌሩ ዝወስድ ዝኾነ ፖለቲካዊ ሓይሊ ብቅሉዕ ይኹን ብስቱር ብዘየገስድ፡ ንካልኣት ሰፊሕ ማሕበራውን ፖለቲካውን ሓይልታት ናብ ወሰን (ምሕዱግ) ጫፍ ዘጸግዕ ኣግላሊ ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኮነን።

እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ንገዛእ ርእሱ መቓቓሊ’ዩ። ካብ ከበሳ ኣየናይ ኣውራጃ ማእከል ኤርትራ ንምግባር፡ ንከበሳ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ውሽጠ-ውሽጢ ብኣውራጃውነት ብስንጣቅ ዘመቓቕል’ዩ። ናይ’ዚ ዘረባ’ዚ ቐጥታዊ ሓደጋኡ ክረኣየና ዝኽእል ኣብ ውሽጢ መሕቕፎ ህልው ፖለቲካዊ መድረኽ ኤርትራ ከነእትዎ እንከሎና’ዩ። ነዚ ሕጂ ዝጓሃሃር ዘሎ ምንቅስቓሳት ህዝባዊ ተቓውሞ ኤርትራ በሪኹ ብሃገር ከደን ደረጃ ሃገራዊ መሪሕነት ከይፍጥር ምእንቲ፡ ብስዉር ይኹን ብቅሉዕ ብቐዳምነት ብትግርኛን ዘይትግርኛ፣ ኣስላምን ክርስቲያንን፣ ከበሳን መታሕትን ምክፍፋል፣ ድሒሩ ካኣ ነቲ ናይ ትግርኛ ብሕታዊ ኣመራርሓ ዝተባብዕ ዝመስል ብውሽጣ ውሽጢ ብኣውራጃ ምክፍፋልን’ዩ። እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ጸረ ሓድነት ብሄራት ኤርትራ፣ ጸረ ማዕርነት ሃይማኖታት፣ ጸረ ማዕርነት ቋንቋታት፣ ጸረ ሰናይ ስኒትን፣ ምክብባርን ባህሊን ህዝቢ ኤርትራ’ዩ። ኮታ ጸረ ሓድነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ’ዩ። ንሱ ኮነ ኢሉ ወቅቲ ሓሪዩ ዘቅረቦ’ውን’ዩ። ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ክምልሰሉ እንክብል ብወዝቢ ዝበሎ ኣይኮነን። ስለዝኾነ ድማ፡ ሓደጋእ እንከይዓበየ እንከሎ ብኣጋኡ ንምግታእ አዐሪና ከነስተብህለሉን ሓድነት ሃገራዊ መሳርዕና ዓቂብና ኪንብድሆን ይግባኣና። እዚ ናይ ስየ ኣዕናዊ ዘረባ’ዚ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኤርትራ ቅሉዕ ኢድ ምትእትታው ካብ ምዃን ሰጊሩ፡ ብውሽጠ ርዱእ ሓዲሽ ካርታ ትግራይ ትግርኚ ምስኣል ዝህቅንን ብቐጥታ መርሓ ኣግኣዚያውያን ዝውክልን ዘገልግልን መቕድም ሕንፍሽፍሽ ዝዕድምንዩ። እዚ ኣብ ልዕሊ ሓድነት ህዝብናን ሃገርናን ዘነጻጸረ ዘረባ ስየ ኣብርሃ ኣብ ጊዜኡ ንምብርዓንን፡ ኣብ ክሊ ብሄራውን ሃይማኖታውን ባህላውን ብዙሕነት ኤርትራ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ እትሓቚፍ ዲሞክራስያዊት ሓዳስ ኤርትራ ንምህናጽን፡ ውድብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ምስ ኩሎም ሃገራውያን ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ሃገራዊ ስሙር መስርዕ ብምስላፍ ብትሪ ክቃለስ ኢዩ።

ኣብ መድረኽ ተቓውሞ ሓይልታት ኤርትራ ተምበን ማእከል ዘይገበረት ትግራይ፡ ትግራይ ኣይትኸውንን ዝብል እንተዝቅልቀል፡ ህዝቢ ትግራይን ፖለቲካውን ማሕበራውን ሓይልታቱ፡ ነዚ ኣበሃህላ’ዚ እንታይ ከ ምበልዎ? ኣብ ኣየናይ መስርዕ ከ መሰለፍዎ? ብርግጽ ሓቀኛ መልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝህቦ’ኳ እንተኾነ፡ ንሕና ግን፡ ከም ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ህዝቢ ትግራይ ኢድ ምትእትታው ምዃኑ ንኣምን። ኣብ ርእሲኡ ድማ ዓይነትን መልክዕን ግዝኣት ትግራይ እንታይ ከምዝኸውንን ማእከል ኣየናይ ከምዝገብርን ዝውስን ህዝቢ ትግራይ በዕሉ ጥራሕ ምዃኑ ዘይማታእ ተሪር እምነት ኣሎና። ህዝቢ ትግራይን ፖለቲካውን ማሕበራውን ሓይልታቱ፡ ነዚ ከምዚ ናይ ስየ ዝኣመሰለ ሰናይ ጉርብትናን ድልዱል ምሕዝነትን ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ዘቋስል ርኢቶታት ዓገብ ክብልዎም ንጽዊዕ።

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

21 መጋቢት 2020