Written by: ደሞክራስዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/
Hits: 999

DFfEUˆ

ብቐዳምነት ንህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ነቲ ብሰንኪ መዕነዊ ፖሊሲታት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሃገሩ ክነብር ዘይከኣለ ኤርትራዊ ስደተኛ እናተቐበለ ክሳብ ሕጂ ብሰላም ክነብርን፡ ኣብ ላዕለዎት ኣብያተ-ትምህርቲ ክመሃርን ክገብሮ ዝጸንሐ ምድግጋፍ ልዑል ምስጋናና ነቕርበሉ፡፡ ከምኡ’ውን ንተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት UNHCR ንስዱድ ህዝብና እናተኣናገደ ክገብሮ ንዝጸንሐ ናይ ረድኤት ሰብኣዊ ሓገዛት ከነምስግኖ ንፈቱ፡፡

ድሕሪ እዚ ኩሉ ናይ ከባቢ 20 ዓመታት ጉዕዞ’ዚ ግልጽነት ዘይብሉ ናይ ኢትዮ-ኤርትራ ናይ ሰላም ስምምዕ ካብ ዝኽተም ናብ ከባቢ ክልተ ዓመታት ኣብ ዝተገማገመሉ፡ ኣብ ኣፈጻጽማ እቲ ስምምዕ እታ እንኮ ዝተፈትሐት ናይ ዶብ መስመር ብዙሕ ከይጸንሐት ንናህሪ ዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራወያን ክዓግት ጨካን ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ በይናዊ ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ከም ዝወሰደ ዝፍለጥ እዩ፡፡

እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩሉ-መዳያዊ ሕሰም ንዝኾነ ጭቁን ኤርትራዊ ክሳብ ቆልዓ-ሰበይቲ ዝሓዘን ብዕድመ ዝደፍኡን ኣካለ-ስንኩላን ኬተረፉ እዚ ናይ ዶብ ምዕጻው ስጉምቲ’ዚ ክዓግቶ ከም ዘይክእል ሕሉፍ ተሞኩሮ ዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራውያን እኹል ኣብነት እዩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ሕጂ ዶብ ምስተዓጸወ’ውን ጠጠው ክብል ከም ዘይከኣለ ኩሉ ፈታውን ጸላእን ዝፈልጦ ሓቂ እዩ፡፡

ስርዓት ህግደፍ እዚ ከም ዘየዋጽኦ ምስ ረኣየ እቲ ብስቱር ክገብሮ ዝጸንሐ ስምምዓት ከምቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንህዝብና ዝብትኖ ዘሎ፡ ብሓፈሻ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ካኣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መደበራት ስደተኛታት ንዝተዓቕቡ ኤርትራውያን ክብትኖምን ዛሕዛሕ ኢሎም ኣብ ዘይመውደቒኦም ክወድቁን ንመንነት ህዝቢ ኤርትራ ከህስስን ንሉእላዊት ሃገረ-ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከውድቕን ሓደ ካብቲ እኩይ ውዲታቱ ምዃኑ ጸሓይ ዝወቕዖ ሓቂ እዩ፡፡

እቲ ወድዕነት ከምዚ ስለ ዝኾነ ካኣ እዩ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ኣብ ክልል ትግራይ ካኣ ብፍላይ ተዓቚቡ ብሰላም ክነብር ዝጸንሐ ዘሎን ስደተኛ ህዝብና፡ ብመሓውራት ኣተኣናጋዲት ሃገር ኢትዮጵያ ገይሩ ንምብታኑ ዝተፈላለዩ ምስምሳት ሓንሳብ ባጀት የለን፡ ሓንሳብ እነማሓድረሉ ዓቕሚ-ሰብ የለን፡ ሓንሳብ ትሕቲ ሓሙሽተ ሺሕ ብዝሒ ዘለዎ መደበር ስደተኛ ክዕጾ እዩ ዝብል ሓሳባት ክወሃብ ጽኒሑ እዩ፡፡

በዚ ካኣ ካብ መደበር ሕንጻጽ ናብ መደበራት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ክሰፍር ኣለዎ ዝብሉ ምኽንያትን ሽፋናትን እቲ ስደተኛ ክርበሽን ዓቕሉ ኣጽቢቡ ናይ ምብትታን ሰጉምትታት ክወስድን ኣብዚ ቅሩብ መዓልታት ከሻቕልዎ ጸኒሖም ከብቅዑ፡ ድሒሮም ካኣ “መን ኢሉኩም ሓቅነት ዘይብሉ ናይ ፌስቡክ ዘረባታት ሰሚዕኩም ሸበድበድ ትብሉ” ብዝብል ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ብምሃብ ንምርግግኡ ክፍተን ጸኒሑን ኣሎን እዩ፡፡ ይኹን’ምበር እዚ ኣብ ስደተኛ ህዝብና ከንጸባርቕ ዝጸንሐን ዘሎን ስግኣታትን ተረእዮታትን ሓቅታት ዘይብሉ ኣይኮነን፡ ኣለዎ እዩ፡፡

ናይዚ ሓቂታት እዚ ካኣ ነዚ ኣብ መደበር ስደተኛታት ተዓቚቡ ዘሎ ስደተኛ’ዚ ቀልጢፍካ ካብዚ መዓስከራት’ዚ ክብተን ዝግበር ፈተነታት ብስም ጥርናፈ /ዋሕስ ዝኾኖሰብ ብመርካብ/ ሰሪሑ ክበልዕ ብዝብል መኽንያታት ናብ ከተማታት ኢትዮጵያ ብጻዕቂ ክብተን፡ ናይ ስደተኛ ምዝገብኡን ሰነዳቱን ክዕጾ ይግበር ኣሎ እዩ፡፡ ኣቐዲሙ’ውን ነቲ ክንደይ ጸበባ ሓሉፉ ዶብ ሰጊሩ ንዝመጸ ኤርትራዊ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት እናምጻእካ ተመዝጊቡ ናብ መዓስክር ስደተኛታት ከይኣቱ ዝገብር ቀይድታትን ተጽዕኖታትን ጸኒሑን ኣሎን እዩ፡፡ እዚ ካኣ እቲ ኣብ መደበራት ተዓቚቡ ዘሎ ስደተኛ ኣብ ርእሲ’ቲ ሕጂ ዘሎ ተኣፋፊ ኩነታት ተደማሚሩ ሂወቱ ክመርሓሉ ዝኽእል ዕድላት ናይ ስራሕ ኣብ ዘይተመደበሉ /ዘይተዳለወሉ/ ከምኡ’ውን ናብ ሳልሳይ ሃገር ክሰጋገር ዘኽእሎ ዕድል እንተረኺቡ ሕጋዊ ሰነዳት ናይ ሕቡራት መንግስታት ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ዘይብሉ፡ እቲ ዝበዝሐ ዝሕግዞ ዘይብሉ ክሳብ ቆልዓ-ሰበይቲ ዝሓዘ ዝርከቦ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ሕቡራት ምንግስታት እትዋሃቦ ውስንቲ ራሽን ገለ ስራሕ እንተረኺቡ የማነ-ጸጋም ፋሕተርተር ኢሉ ተዓቚቡ ክነብር ዝጸንሐ ተበቲኑ ኣብ ጎደናታት ወጺኡ ክልምን እንተዘይኮይኑ፡ ካልእ ኣማራጺ የብሉን፡፡

ብሽነኽና እዚ ይኹን እቲ ብዘገድስ፡ ንኣህጉራዊ ውዑላት መሰላት ስደተኛታት ዝዳፋእ፡ ካብ ዝኾነ ሽነኽ ብበይናዊ ይኹን ብክልተኣዊ ስምምዓት ይምጻእ ብዘየገድስ፡ ንመንነት ህዝብናን ልኡላውነት ሃገርናን ዝዳፋእ፡ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ብሰላም ዝነብር ዝነበረን ዘሎን ስደተኛ ህዝብና፡ ግዳይ ጸቢብ ፖለቲካዊ ሕሳባት ንምግባሩ ዝህቀን፡ ዝኾነ ይኹን ምኽንያት ይወሃቦ ቅቡል ክኸውን ኣይክእልን፡፡ ነዚ ካኣ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያን፡ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ዓለምን ብጽሞና ክርእይዎን መሰል ስደተኛ ህዝብና ከምቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣኽቢረሞ ዝጸንሑ ሕጂ’ውን ኣኽቢሮም ክቕጽልዎ ደግሓኤ ልዑል ምሕጽንተኡ የቕርብ፡፡

ደሞክራስዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/

9/መጋቢት 2020