Written by: ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ)
Hits: 1156

Eritrean Revolutinary Democratic Front ፖሎቲካዊ ቅልውላው ቀርኒ-ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ከባቢና ድማ ብፍላይ፡ በብእዋኑ ሰማይ እናዓረገ ይኸይድ ኣሎ። ልዕለ ሓያላን ሃገራት ምዕራብን ናይ ማ/ምብራቕ ጎባልል ዝኾኑ መንግስታት ኣዕራብን፡ ንቀይሕ ባሕርን፡ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ትሕቲኦም ንምእታው ከካይዱዎ ዝጸንሑ ሕቡእ ወፍሪ፡ ውጽኢቱ ብቕሉዕ ክረአን፡ ኣሉታዊ ጽልውኡ ከዕርፍን ንርእዮ ኣሎና። ምስ'ዚ ብዝተኣሳሰረ፡ ካብ ጽባሕ ስምምዕ ሰላም ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስን ቀዳማይ ሚኒስቴር ዶር/ ኣብይ ኣሕመድን ጀሚሩ፡ ኣብ ከባቢና ዝተፈላለዩ ፖሎቲካዊ ተርእዮታት ክጋሃዱ ጸኒሖም ኣሎዉ። በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ኣብ ዝተፈላላያ ሃገራት፡ ኣብ ሂወት ደቂ ሰባት ከቢድ መቕዘፍቲ የውርድ ኣሎ፤ ኣብ ፖሎቲካዊ፣ ማሕበረ-ቁጠባውን ኩነታት ሕብረተ-ሰብ ዓለምና፡ ኣሉታዊ ጽልውኡ ኣዝዩ ገዚፍ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ህዝብታትና ዘውርዶ ዘሎ ጸገም ድማ፡ መፍቶት ስርዓት ኢሳያስን ጉጅልኡን ኮይኑ ምህላዉ ንከታተሎ ኣሎና።

ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብስምምዕ ሰላም ክልቲኦም ''መራሕቲ'' ሃገራት፡ ብዙሕ ተተስፍዮም ነይሮም። ምስ'ዚ ስምምዕ'ዚ ተታሓሒዙ፡ ርእሰ-ፋሽሽት ኢሳያስን ቀዳማይ ምኒስቴር ኣብይ ኣሕመድን ካብ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ንሻን ተሸሊሞም። ብተወሳኺ ንዶር/ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ኖርወይ ናይ ሰላም ኖቬል ሽልማት ተበርኪቱሉ። እዚ ድማ፡ ንማሕበረ ሰብ ዓለም፡ እቲ ናይ ሰላም ስምምዕ፡ ጽኑዕ መሰረት ክሕዝ'ዩ ዝብል ተስፋ ከሕድር ዝገበሮ ነበረ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ዝተሓሰበን ኣብ ባይታ እናኾነ ዝመጸን፡ ፈጺሙ ዘይራኸብ ኮይኑ ኣሎ።

ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስ፡ ልዑላውነት ሃገርና ኣይተዋሓሰን፤ ዶብና ኣይተመልከተን፤ ብዝብሉ ናይ 20 ዓመታት ናይ ኣምሰሉ ምስምሳት፡ ናይ ህዝብታትና መሰረታዊ ፖሎቲካውን ማሕበረ ቁጠባውን ሕቶታት ጨፍሊቑ፡ ኣብ ልዕሊኦም ዘውርዶ ሰብኣዊ ግህሰት ጠገለ ስኢኑ ጸኒሑ፤ እቲ ሽሕጣን ሓቂ መሲሉዎም፡ ልዕሊ ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገሮም ድማ፡ ዝርእዩዎ ስለዘይብሎም፡ ንኹሉ ኣደራዕ ግፍዒ ተጻዊሮሞ እናተሳሓጉ 10-ተታት ዓመታት ኣሕሊፎም። ካብ ስምምዕ ሰላም ንደሓር ግን፡ ኩሎም ሕቶታቶም ደረጃ ብደረጃ ክምለሱሎም ብሃንቀውታ ተጸበዩ። ቅድም ቀዳድም ግን፡ እቲ ኣብ ባይታ ከይተመልከተ ዝጸንሐ ውሳነ ኮምሽን ዶብ፡ ብህጹጽ ክትግበርን፡ ምስ ህዝብታት ኢትዮጵያ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ዝምድና፡ ናብ ንቡር ቦቱኡ ክምለስ ዓብይ ተስፋ ኣሕዲሮም ነበሩ። ይኹን'ምበር ሕልሚ ኢሳያስን ትጽቢት ህዝብታትናን ዘይራኸቡ፡ ሕቖን ከብድን ኮይኖም። ንከባቢ ሰለስተ ወርሓት ዝተኸፍተ ኣፍ ደገ ዶብ፡ ተመሊሱ ተሾጒሩ፤ ህዝብታትና ድማ፡ ናብ'ታ ን20 ዓመታት ተሸሚሞማ ዝነበሩ ጸልማት ሂወት፡ ወዲቖም ይርከቡ።

 

ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስ፡ ካብ ወጋሕትኡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኲናት ክእውጅ እንከሎ፡ ቀንዲ መበገሲኡ ጉዳይ ዶብ ፈጺሙ ኣይነበረን። ኣብ ድሮ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ''ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ትርጉም ዘይብሉ ደረጃ ክወርድ እዩ'' ኢሉ ምንባሩ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ካብኡ ንላዕሊ'ውን ጭርሖ ኮንፌደረሽን የልዕል ምንባሩ'ውን ኣጸቢቕና ንዝክሮ እዩ።

ናይ ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስን ናይ ኢህወደግን ፖሎቲካዊ ፍልስፍናን፡ ገና ካብ እዋን ዕጥቃዊ ተጋድሎ ጀሚሩ ዝተፈላለየ ነይሩ። ንፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ክድምስሱ ዝበቕዑ፡ ኣብ ዘራኽቡዎም እዋናዊ ዕላማታት ዓቕምታቶም ኣወሃሂዶም ስለዝተቓለሱ እዮም፡፡ ካብ ጽባሕ ሓርነት ክሳብ መወዳእታ ከባቢ 1997 ዓ.ም. ድማ፡ ኤርትራ ከም ሓዳስ-ውልዶ ሃገር፡ ብናይ ኢትዮጵያ ባጤራ እያ፡ ቁጠባውን ንግዳውን ንጥፈታታ ተካይድ ነይራ። ውልቀ-መላኺ ኢሳያስን ጉጅልኡን፡ ነዚ ዕድል'ዚ ተጠቒሞም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ከይተወሰኑ፡ ክሳብ ሃገራት ዓበይቲ ቃላያት መሓውራቶም ዘርጊሖም፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ተዋፊሮም ምንባሮም ዓለም-ብዓለሙ ዝፈልጦ እዩ። ካብ መወዳእታ 1997 ኣቢሉ፡ ቁጠባውን ንግዳውን ንጥፈታቱ፡ ብናይ ባዕሉ ገንዘብ ክመርሖ ስለዝወሰነ፡ ባጤራ ናቕፋ ኣሐተመ። መንግስቲ ኢህወደግ ድማ፡ ንነባር ብር ቀየሮ። ከም ክልተ ናጻን ልዑላውያንን ሃገራት፡ ዝምራሓሉ ፖሎቲካዊ ስትራተጂን ቁጠባውን ንግዳውን ፖሊሲታተን ስለዝፈላለ፡ መጻኢ ርክበን ብዓለም-ለኻዊ ሕጊ ክምእዘን ግድን ነበረ።

ንዕዳጋ ኤርትራ ናይ ብሕቱ፡ ናይ ኢትዮጵያ ድማ ናይ ሓባር ገይሩ፡ ብሕጋውን ብዘይሕጋውን መንገዲ ሃብቲ እታ ሃገር እናጓሕጎሐ ካዝንኡ ከካዕብት ዝሓለነ ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስ፡ ቁጠባዊ፣ ንግዳውን ናይ ገንዘብ ምቅይያርን፡ ብዓለም ለኻዊ ሕግታትን ዉዑላትን ክምራሕ ዝጠልብ ሓሳብ መንግስቲ ኢህወደግ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝተኣወጀ ኲናት ገይሩ ቆጸሮ። ስለዚ ከኣ ዝሕዞን ዝጭብጦን ስኢኑ ናብ ዓጀውጀው ጠሓለ። ንህዝብታት ኤርትራ ብሰፊሕ ወፈራ ሓሶት ብምልዕዓል፡ ጽልእን ቅርሕንትን ኣጓሃሃረ፤ ንፖሊሲታት መንግስቲ ኢህወደግ ብሓይሊ ዝዓጽፈሉ፡ ወይ ድማ፡ ንዕኡ ኣልጊሱ፡ ምስኡ ዝሰማማዕ ቧምቡላ መንግስቲ ክተክል፡ ብምስምስ ዶብ ኲናት ክውልዕ ጸጥታዊ ሸርሕታት ኣለመ፤ ወታሃደራዊ ሓይሉ ብምድልዳል ድማ፡ ብ12 ጉንቦት 1998፡ ብባድመ ብሃንደበት ኲናት ጀሚሩ። ከይዋዓለ ከይሓደረ ድማ፡ ንሙሉእ ዶብ ዝሽፍን ኲናት ኣባረዐ። እቲ ዝተኣጉደ ኲናት'ምበኣር፡ ናይ ኢሳያስ ውልቀ ዝና፣ ፖሎቲካውን ቁጠባውን ሒሳባቱ ዝደረኾ'ምበር፡ ጉዳይ ዶብ ፈጺሙ ከምዘይነበረ ዘይክወል ሓቂ እዩ።

ህዝብታት ኤርትራ ብምስምስ ዶብ ንክልተ ዓመታት፡ ኣብ ደማዊ ኲናት ተኣጒዶም፤ ንልዕሊ 16 ዓመታት ብኣይ-ሰላም ኣይ-ኲናት ኩነታት ኣብ መጻብብ ተቐርቂሮም፡ ገዚፍ ኩሉ መዳያዊ ዕንወት ወሪዱዎም፤ መበገሲኡ፡ ናይ ኢሳያስ ሕቡእ ጥሙሕ ንምትግባር'ምበር፡ ናይ ብሓቂ ናይ ዶብ ሕቶ ከምዘይነበረ፡ ስምምዕ ሰላም ሓምለ 2018 ዓ.ም. ብተግባር ኣቃሊዑዎ። ፈጻሚት ኢህወደግ፡ ንውሳኔ ኮምሽን ዶብ፡ ብዘይ ቅድመ ኩነት ክትግበር ድሉው ምህላዉ ምስ ኣረጋገጸ፡ ናይ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ሕቡኣት ሕልምታት ቀስ ብቐስ ክጋሃዱ ጀመሩ። ብ20 ሰነ 2018 ዓ.ም. መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ምስ ስምምዕ ሰላም ኣተኣሳሲሩ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ''ወያነ-Game Over(ጸወታ ኣብቂዑ)'' ኢሉ፤ እዚ ድማ፡ ናይ'ቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዓቚሩዎ ዝጸንሐ ቂም ነጸብራቕ'ምበር፡ ንሓቀኛ ሰላም ድሉው ዘይምዃኑ ንምግንዛብ ዘጸግም ኣይነበረን። ኣብኡ ጥራሕ ግን ዝተወሰነ ኣይኮነን። ንመሪሕነት ህወሓት ዳግም ከምዘይሓዊ ንምድሃኽ፡ ዝተፈላለዩ ስልቲታት ሓንጺጹ ከምዝዋፈር፡ ኣብ ሳዋ ምስ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ዘካየዶ ሰሚናር ብዕሊ ገሊጹዎ እዩ። ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ከምዝምልከቶ ኮይኑ፡ ንፌደራላዊ ዲሞክራስያውን ሕገ-መንግስታውን ስርዓት ብምፍራስ፡ ፖሎቲካዊ ሕጽቦ ከካይድ ውጥን ሓንጺጹ ከምዝዋፈር ኣዊጁ። ነዚ ንምትግባር ድማ፡ ቀዳማይ ዕማሙ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ምርግጋእን ምስፋን ምዃኑ ኣነጺሩ፤ ጉዳይ ምምልካት ዶብ ካልኣዊ ምዃኑ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ተገሊጹ እዩ፤ ን10-ተታት ዓመታት ብዘይ-ሕግን ፍርድን ኣብ ጎዳጉዲ ዳጒኑ ዘሳቐዮም ፖሎቲካዊ መራሕትን ላዕለዎት ካድራትን ሕጋዊ ብይን ክረኽቡ ወይ ድማ ብናጻ ከፋንዎም ድሉው ዘይምዃኑ ኣፍለጠ። ካብ ኣዋጅን መምርሕን ወጻኢ፡ ሸዊት ዕድሚኦም ኣብ ውትህድርና ዝበልዩ ዘለዉ መንእሰያትና፡ ናብ ገዝኦምን ማሕበራዊ ሂወቶምን ክምለሱ ከምዘይፈቕድ ጋህዲ ገበረ። ምስ ሃገራዊ ቅዋምን ጉዳይ መረጻን ዝተታሓሓዘ ድማ፡ እቲ ኣሽካዕላልን ላግጽን ቀጺሉ።

ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስ፡ ምስ ፌደራል መንግስትን ሓይልታት ትምክሕትን ኢትዮጵያ፡ ተዋዲዱ ከዐውቶ ዝወጠኖ ትልሚ ግን ኣይሰለጦን። ብኣንጻሩ ብቀዳማይ ምኒስቴር ኣብይ ኣሕመድ ክትማሓደር ዝጀመረት ኢትዮጵያ፡ ናይ መራሕታ ሕልሚ ብሓደ ወገን፡ ጭቡጥ ክውንነታ ድማ በቲ ካልእ ወገን፡ ኣብ ሕድሕዱ ዘይጣዓዓም እናኾነ ከደ። ኢትዮጵያ፡ ብፖሎቲካዊ ቅልውላው እናተሓቕነት፡ ሓደጋ ምብትታን ኣንጸላልዩዋ ይርከብ። ከም ውጽኢቱ፡ ስልጣን ቀዳማይ ምኒስቴር፡ በብእዋኑ ኣብ መዋጥር እናኣተወ ይኸይድ ብምህላዉ፡ ርእሰ ፋሽሽት ኢሳያስ ኣብ ከቢድ ጭንቀት ወዲቑ ኣሎ፤ ስለዝኾነ'ውን ንናይ ባዕሉ ድሕንነት ንምውሓስ ክብል፡ መራሒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ተሸኺሉዎ ዘሎ ዓዘቕቲ ንምውጻእ፡ ላዕልን ታሕትን ክብል ይረአ ኣሎ።

ምስ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ተታሓሒዙ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ዝነበረ ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስ፡ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ጉንቦት 2020 ዓ.ም. ብሃንደበት ናብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ክልተ ማዓልቲ ዑደት ከምዘካየደ ዝዝከር እዩ፤ መገሽኡ ኣብ ፉሉይ ፖሎቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ስለዝኾነ፡ ምስ'ቶም ድሕሪኡ ኣብ'ታ ሃገር እናማዕበሉ ዝመጹ ወጥርታት፡ ምትእስሳር ከምዘለዎ ዝላዓለ ግምት ኣሎ። ንምንታይ ግን፡ ብሃንደበት፡ ዘብዘብ ናብ ኣዲስ ኣበባ?

ከም ዝፍለጥ፡ ኢትዮጵያ ካብ ጽባሕ ውድቀት ደርጊ ጀሚራ፡ ንድፊ ሕገ-መንግስቲ ተዳልዩ፣ ብህዝብታት ኢትዮጵያ ተዘትዩሉ ካብ ዝጸድቕ ንደሓር፡ ንሓሙሽተ ጊዜ፡ ክልላውን ሃገራውን መረጻ ዘካየደት ሃገር እያ። ኣብ ነብሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት፡ መረጻ ዝካየደሉ እዋን ድማ፡ ወርሒ ጉንቦት ነበረ። መበል ሻዱሻይ ክልላውን ሃገራውን መረጻ፡ ኣብ'ዛ ሓሊፍናያ ዘለና ወርሒ ጉንቦት 2020 ክካየድ ናይ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ህዝብታት ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ናይ ተወዳደርቲ ፖሎቲካዊ ውድባቶም ድማ ብፍላይ፡ ትጽቢት ምንባሩ ንከታተሎ ዝነበርና እዩ።

ዶር/ ኣብይ ኣሕመድ፡ ናብ ቀዳማይ ምኒስቴርነት ካብ ዝተሸመላ ጽባሕ ጀሚሩ፡ ምስ ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስ ጥቡቕ ውልቃዊ ዝምድና ምምስራቱ ብተግባር እናስተውዓልና መጺና ኢና፤ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ ሓምለ 2018. ናብ ኣስመራ ገይሹ፡ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ድራር ግብዣ ኣብ ዝተገበረሉ እዋን፡ ውሳነ ኮምሽን ዶብ፡ ብህጹጽ ኣብ ባይታ ክትግበር፡ ከምዝሰርሕ፡ ንህዝብታትና ኣየረጋገጸን። ብኣንጻሩ፡ ''ዶብ ኣርቲፊሻል እዩ፤ ናይ ጽልኢ መንደቕ ኣፍሪስና፡ ብናይ ፍቕሪ ድልድል ክንሰግሮ ኢና'' ብምባል ከም ዝመደረ ዘይርሳዕ እዩ። እዚ ድማ፡ ምስ ትጽቢት ህዝብታትና ዝራጸም፡ ብትሕዝቶ ካብ መርገጺ ኢሳያስ ከምዘይፍለ ምግንዛብ ይካኣል። ዶር/ ኣብይ ኣሕመድ ናብ ኣስመራ ገይሹ ምስ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን፡ ዝነበረ ትርኢት ፉሉይ ነይሩ። ኣቐዲሙ ዝተመስረተ ዝምድና ዝነበሮም፡ ግን ከኣ ብኣካል ናይ ምርኻብ ዕድል ስኢኖም ዝጸንሑ፡ ትኽ-ትንፋስ ኣዕሩኽ ዝመስል ኣቀራርባን ሙዉቕ መንፈስን ዝዓሰሎም ነበሩ። ብርግጽ ከኣ፡ ቀዳማይ ምኒስቴር ኣብይ፡ ኣብ ናይ ፈለማ እዋን መገሽኡ፡ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ''ናይ ኤርትራ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስቴር ኮይነ ከገልግል፡ ብፕረዚደንት ኢሳያስ ሓላፍነት ተዋሂቡኒ ኣሎ. . .'' ብምባል መዲ`ሩ። ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ናይ ፈለማ ዑዶቱ፡ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ኣብ ዝተዳለወሉ እንግዶት ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ድማ፡ ''. . . . ንስኻ ወኪል ኢኻ፤ ንስኻ ክትመርሓና ሓላፍነት ሂበካ ኣሎኹ፤ እዚ ንቓል ዓለም ኢለ ዝብሎ ዘሎኹ ኣይኮነን'' ከም ዝበለ ኩላትና ተኸታቲልናዮ። ንክልተ ዓመታት ኣብ መሪር ኲናት ተጸሚደን፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሂወት ደቀን ዝተቐዝፉወን፡ ልዕሊኡ ኣካላቶም ዝሰንከሉወን፡ ን16 ዓመታት ብኣይ-ሰላም ኣይ-ኲናት ኩነታት ተፋጢጠን፡ ከቢድ ማሕበረ ቁጠባዊ ዕንወት ናይ ዝወረደን ክልተ ሃገራት መራሕቲ፡ ኣብ ናይ ፈለማ መገሻኦም፡ ክንድ'ዚ ዝኣክል ወኻዕካዕን ሕድሕድ ምሽይያምን ከመይ ኢሉ መጺኡ ዝብል ሕቶ ክተልዕል ዝገብር እዩ።

ቀዳማይ ምኒስተር ዶር/ ኣብይ ኣሕመድ፡ ከም ቃሉ፡ ናብ ሃገሩ ምስ ተመለሰ፡ እቲ ንዓመታት ኣብ ልዕሊ ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስን ጉጅልኡን ተበይኑ ዝነበረ ውሳነ ማዕቀብ፡ ክላዓል ጽዑቕ ምንቅስቓስ ኣካይዱ። ካብኡ ሓሊፉ፡ ኢሳያስን ጉጅልኡን ኣብ ልዕሊ ህዝብታትና እናውረዱዎ ዝመጹ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ብጭቡጥ መረዳእታታት ተሰንዩ፡ ብወኪል ኮሚቴ ሰብኣዊ መሰላት ው.ሕ.መንግስታት ዝቐርብ ዝነበረ ክሲ፡ ንምድብስባስ፡ ብጉጅለ ኣፍሪቃ ሕብረት ዝተኻየደ ጻዕሪ፡ ወኪል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተጻወቶ ኣሉታዊ ተራ'ውን እንርሰዖ ኣይኮነን።

 

ህዝብታት ኤርትራ፡ ጉዳይ ዶብ ነባሪ መዕለቢ ረኺቡ፡ ልዑላውነትን ናጽነትን ሃገሮም ተዋሒሱ፡ ምስ ህዝብታት ኢትዮጵያ ኣብ ምክብባርን ሓባራዊ ረብሓን ዝተመስረተ ሰናይ ጉርብትና ክምስርቱ ትጽቢቶም ነይሩ፡፡ ይኹን'ምበር፡ ቀዳማይ ምኒስቴር ኢትዮጵያ፡ ይትረፍ ዶብ ንምምልካት ዕቱብ ክኸውን፡ ብኣውርኡ ልዑላውነትን ናጽነትን ኤርትራ ብመስርሕ ናይ ምሕካኽ ሕቡእ ኣጀንዳ ከምዘለዎ ዝእምት ነበረ። ድሕሪኡ ዝሰማዕናዮም መግለጺታቱ ይኹን ተግባራዊ ምንቅስቓሳቱ ድማ፡ ተወሳኺ መርተዖታት'ዮም፡፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መመረቕታ ሓድነት ፓርክ፡ ንኢሳያስ ወኪለ ኢሉ ዘስምዖ መደረ፣ ምስ ቀዳማይ ምኒስቴር ጣልያን ዘካየዶ ዘተን ዝበጽሖ ስምምዕን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኢትዮጵያ፡ ካርታ ኤርትራ ምስ ካርታ ኢትዮጵያ ብምጥባቕ፡ ኣብ ኣደባባያት ዝስቀሉ ካርቶናት ይኹን ዝቃልሑ መደረታት፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ፡ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንምቛም ዝግበር ምንቅስቓስ፡ ከም ኣብነት ምጥቃስ ጥራሕ እኹል እዩ። ነዞም ኩሎም፡ ንናጽነትናን ልዑላውነትናን ዝዳፍኡ ምንቅስቓሳት ቀዳማይ ምኒስቴር ዶር/ ኣብይን ኣሕመድን ካልኦት ውልቀ ኢትዮጵያውያንን፡ ብሸነኽ ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስን ጉጅልኡን፡ ዓገብ ብምባል፡ ተቓውሞ ኣስሚዖም ከምዘይፈልጡ ክስመረሉ ዘለዎ እዩ።

ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስ፡ ኣብ'ታ ንበይኑ ብሒቱ ዝሓዛ ሃገረ ኤርትራ፡ ብዘይ ሃገራዊ ቅዋም ዝገዝእ ዘሎ፡ ሃገር ለኸ መረጻ ኣካይዱ ዘይፈልጥ ብምዃኑ፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ብሓፈሻ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ብፍላይ፡ እዚ መስርሕ'ዚ ኣብ ተግባር ምውዓሉ፡ ከም ሕማም መርዘን የንጸራሩዎ፤ ድቃስ ይኸልኦ። ንምፍሻሉ ካብ ምስራሕ ድማ፡ ሰለም ኣቢሉ ኣይፈልጥን። ካብ'ዚ ንላዕሊ ድማ፡ ብመሪሕነት ኢህወደግ፡ ምስ ብሄራውን ሃይማኖታውን ብዙሕነት ኢትዮጵያ ዝጣዓዓም፡ ፌደራላዊ ዲሞክራስያውን ሕገ-መንግስታውን ስርዓት ምትካሉ፡ ንኤርትራ ከም ሕማቕ ኣብነት ገይሩ ይርእዮ፤ ስለዝኾነ'ውን ናይ ሞትን ሕየት ሕቶ ኮይኑዎ ምጽንሑ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ። ነቲ ዝረኸቦ ኣጋጣሚ ተበሊጹ ድማ፡ ንመሪሕነት ህወሓት ብምድምሳስ፡ ንፌደራላዊ ዲሞክራስያውን ሕገ-መንግስታውን ስርዓት ኢትዮጵያ ንምፍራስ ዝሓንጸጾ ውጥን ንምትግባር፡ ተዋፊሩ ጸኒሑን ኣሎን። ኣብ ሚድያታቱ፡ ዓው ኢሉ፡ ንመስርሕ መረጻ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ነቲ ኢህወደግ ዝተኸሎ ስርዓት ንምፍራስ መዓንጥኡ ኣስጢሙ ክዋፈር ምዃኑ ኣዊጁ፤ ብፈላሊኻ ናይ ምህራም ስልቲ፡ ምስ ሓደ ሸነኽ ወጊኑ፡ ነቲ ካልእ ሸነኽ፡ ናብ ቅሉዕ ተጻብኦ ክዋፈር እንከሎ፡ ብቀዳማይ ሚንስተር ዶር/ ኣብይ ኣሕመድን ንሱ ዝመርሖ ሰልፍን፡ ተቓውሞ ኣጋጢሙዎ ኣይፈልጥን። እኳ ደኣ ዝምድነኦም በብእዋኑ እናተጠናኸረ፡ ዘካይዱዎም ርክባት፣ ዘልዕሉዎም ኣጀንዳታት ይኹን ዝበጽሑዎም ስምምዓት፡ ካብ ኩሉ ከም ምስጢር ሓቢኦሞ ጸኒሖምን ኣሎዉን። እዚ ድማ፡ እቲ ካልእ ክስመረሉ ዘለዎ ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ።

ከም ውጽኢቱ፡ ኣብ'ዚ እዋን'ዚ፡ እቲ ብዘይ ሃገራዊ ቅዋም፣ ህዝብታትና ቆጽሊ ከየንበሩሉ፣ ንልዕሊ 29 ዓመታት ንኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስን፡ ናይ'ታ ብሕገ መንግስቲ እትመሓደር፣ ንሓሙሽተ እዋናት ክልላውን ሃገራውን መረጻ ዘካየደት፣ ንብዙሕነታዊ ክውንነት ህዝብታታ ዝሰማማዕ ፌደራላዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ሃኒጻ፡ ብጎደና ሰላም፣ ዲሞክራስን ልምዓትን ንቕድሚት ክትምርሽ ዝጸንሐት ኢትዮጵያ፡ ክመርሕ ዝተመረጸ ቀዳማይ ምኒስቴር ዶር/ ኣብይ ኣሕመድን፡ ፈላሊኻ ክትርእዮም ብዘጸግም፡ ብተመሳሳሊ ኣንፈት ተዋሃሂዶም ክጓዓዙ ይረኣዩ ኣሎዉ። ኮታስ ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተሓላሊኹ ኣሎ። እዚ ኣንፈት'ዚ ድማ፡ ዕድመ ስልጣን ክልቲኦም መራሕቲ ብዘተኣማምን ንምውሓስ ዝዓለመ፡ ኣብ ልዕሊ ናጽነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ብሓደ ወገን፡ ንፌደራላውን ዲሞክራስያውን ስርዓትን ሕገ መንግስትን ኢትዮጵያ ድማ በቲ ካልእ ወገን፡ ከቢድ ሓደጋ ምዃኑ ዝሰሓት ኣይኮነን።

ዶር/ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኩለን ናይ ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስ ሸርሕታት ቀሲሙ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስልጣን ዕድሚኡ ከናውሕ እንተኾይኑ፡ ከም ቀንዲ ዕንቅፋት ገይሩ ዘቐመጦ ንመሪሕነት ህወሓት ምዃኑ፡ ጸሓይ ዝወቕዖ ሓቂ እዩ። ስለዝኾነ'ውን ምስ ኢሳያስ እናተማኸረ፡ ቀስ ብቐስ ንፈደራላዊ ዲሞክራስያውን ሕገ መንግስትን ስርዓት ናብ ምብሕጓግ ምውፋሩ ዘይሕባእ ምስጢር እዩ። ብዛዕባ'ቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ መደብ ክልላውን ሃገራውን መረጻ ድማ፡ ዝተፈላለዩ መግለጺታት ክህብ ተኸታቲልናዮ ኢና። መረጻ ምክያድ ሕገ-መንግስታዊ ግድነት ምዃኑ ሸለል ኢሉ፡ ''ካብ 20 ክሳብ 30 ዓመታት መረጻ ዘየካየዳ ሃገራት'ኮ ኣሎዋ'' ብምባል፡ ብውሽጡ ንፖሎቲካዊ ስልጣን ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስ እናዘኻኸረ፡ ንዘይተወሰነ እዋን ስልጣን ተቖጻጺሩ ክቕጽል ዘሎዎ ጥሙሕ፡ ከንጸባርቕ ሰሚዕናዮ ኢና። ''ምስ ኣድጊ ዝዋዓለ ዝራብዕ፡ ምህላል እንተዘይለመደ ጥራጥ ለመደ'' ዝባሃል ከምዚ እዩ።

ናይ ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስ ባህርያትን ምኽርን ዝወረሰ፡ ብዶር/ ኣብይ ዝምራሕ ሰልፊ፡ ብሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር መሰረት፡ መረጻ ኣብ እዋኑ ከካይድ ዘለዎ ቁሩብነት ትሑት ምዃኑ ኣብ ቅድመ-ምድላው ዘርኣዮ ምውልዋል ኩሉ ዝተኸታተሎ እዩ፤ እንተኾነ ግን፡ ብህዝብታት ኢትዮጵያ ይኹን ፖሎቲካዊ ሓይልታቱ ከጋጥሞ ዝኽእል ተቓውሞ ቀሊል ከምዘይከውን ኣይዘንገዐን። ምኽንያቱ፡ ኢትዮጵያ 'ዝል ኢላ'፡ ፖሎቲካዊ ባህሊ ህግደፋዊት ኤርትራ ክተሳሲ ኣይትኽእልን፤ ስለዝኾነ'ውን ውዒሉ ሓዲሩ፡ በታ ዘቖማ ምርጫ ኮምሽን ኣቢሉ፡ ሃገራውን ክልላውን መረጻ፡ ኣብ ወርሒ ናሓሰ 2020 ከምዘካይድ ዕላዊ ገበረ። እዚ ዕለት'ዚ፡ ካብ'ቲ ኣቐዲሙ ዝተለመደ ወርሒ ጉንቦት፡ ሰለስተ ወርሒ ብምንዋሕ ዝተወሰነ ምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ወቕቲ ክራማት ኣብ ዝሕይለሉ እዋን ስለዝነበረ፡ ኣብ መስርሕ መረጻ ዘዕርፎ ኣሉታዊ ጽልዋ ከቢድ እዩ ዝብል፡ ብዝተፈላለዩ ፖሎቲካዊ ሓይልታት ርእይቶታት ተዋሂቡዎ። እንተኾነ ግን፡ ኣብ ዓለምና ካብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ጀሚሩ፡ ኣብ ሃገረ ቻይና ከተማ ህዋን ዝተራእየ ሕማም ኮሮና ቫይረስ፡ ናብ መላእ ዓለም ከም ለበዳ ተስፋሕፈሐ። ኮምሽን መረጻ ኢትዮጵያ ድማ፡ ብሰንኪ'ዚ ለበዳ'ዚ፡ ክልላውን ሃገራውን መረጻ ኣብ እዋኑ ከካይድ ከም ዘይክእል ኣመልከተ።

ካብ ወጋሕትኡ መስርሕ መረጻ ኣብ እዋኑ ከካይድ ድሉውነት የብሉን ተባሂሉ ክሕመ ዝጸንሐ ቀዳማይ ምኒስቴር ኢትዮጵያ፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ መስርሕ መረጻ ንዘይተወሰነ እዋን ክሰጋገር ምሕታቱ፡ ብዝተፈላለዩ ፖሎቲካዊ ሓይልታት ተቓውሞ ኣጋጠሞ። ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ድማ፡ ኣይተቐበሉዎን። ፈጻሚት ኮሚቴ ህወሓት፡ ናይ ህዝቢ ትግራይ መሰል ርእሰ-ውሳኔ ክሕሎን፡ ብዘይካ ብዝመረጾ መንግስቲ፡ ብካልእ ክማሓደር ስለዘይግባእ፡ ፌደራል መንግስቲ ድሉው እንተዘይኮይኑ፡ ብደረጃ ክልል መረጻ ከካይድ ምዃኑ መርገጺኡ ኣነጸረ። እዚ ውሳነ'ዚ ንቀዳማይ ምኒስቴር ዶር/ ኣብይ ኣሕመድን ንሱ ዝመርሖ ሰልፍን ኣዝዩ በዳሂ ጉዳይ ኮይኑ። ብተመሳሳሊ፡ ንርእሰ ፋሽስት ኢሳያስ'ውን፡ ፈጺሙ ዘቕስኖ ኣይነበረን፤ ተጓይዮም ክማኸሩን፡ ንመስርሕ መረጻ ክልል ትግራይ ንምብርዓን፡ ስልትታት ከነጽሩ ጊዜ ዘይህብ ዕማም ኮኖም። ምኽንያቱ ኣብ ክልል ትግራይ፡ መስርሕ መረጻ ኣብ እዋኑ ተኻይዱ፡ ብዓወት ምስልሳል ማለት፡ ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንቀርኒ ኣፍሪቃ'ውን፡ ዓቢይ ጽልዋ ከምዘዕርፍ ዝስሕቱዎ ኣይኮኑን። ስለዚ ድማ፡ እቲ ኣብ ድሮ ባዓል ትንሳኤን ጾመ ሮሞዳንን ናብ ሚድያ ቅልቅል ኢሉ፡ ንለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል መፍትሒኡ 'ምርጋጥ እዩ' ብምባል ዳግም ደሃዩ ኣጥፊኡ ዝነበረ ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስ፡ ብሃንደበት ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገሸ፡ እዋናዊ ፖሎቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ፡ ኣዝዩ ስለዘሻቐሎ እዩ።

ኣብ ጽባሕ ርክብ ክልቲኦም ''መራሕቲ'' ሃገራት፡ ምስ ውሳነ መረጻ ኣተሓሒዙ፡ ቀዳማይ ምኒስቴር ዶር/ ኣብይ ኣሕመድ፡ ብሓፈሻዊ ኣቐራርባ፡ ናብ ህዝቢ ዘማሓላለፎ፡ ነድርን ምፍርራሕን ሓዘል መልእኽቲ፡ ናይ'ቲ ዝበጽሑዎ ስምምዕ ውጽኢት ምዃኑ ንምግማት፡ ዘጸግም ኣይኮነን። ይኹን'ምበር፡ መሪሕነት ህወሓት ይኹን ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ፡ ክልላዊ መረጻኦም ኣብ እዋኑ ንምስልሳል፡ ዝሓንጸጹዎም ውሳኔታት ንምዕዋት፡ ንቕድሚት ካብ ምግስጋስ ወጻኢ፡ ሰገጥ ኣይበሉን፤ ርእሶም'ውን ኣየድነኑን፤ እኳ ደኣስ ከጋጥሙዎም ንዝኽእሉ ብደሆታት እናመከቱ፡ ክልላዊ መረጻ ንምዕዋት ምድላዋቶም ይቕጽሉ ኣሎዉ።

ካልእ ንቀዳማይ ምኒስተር ዶር/ ኣቢይ ኣሕመድን ዝመርሖ መንግስትን ፈታኒ ኮይኑዎ ዘሎ፡ ጉዳይ ህንጸት ግድብ ህዳሰ እዩ። እዚ መራሒ'ዚ፡ ስልጣን ካብ ዝተቖጻጸረላ ዕለት ጀሚሩ፡ ህንጸት ግድብ ህዳሰ በቲ ዝጀመሮ ቅልጣፈ ክቕጽል ከምዘይመርሐ፡ ዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦ እዩ። ''እዚ ግድብ'ዚ ንፖሎቲካዊ ሒሳባት ተባሂሉ ዝተጀመረ እዩ፤ ኣብ'ዚ ዝመጽእ ዓሰርተ ዓመታት'ውን ዝውዳእ ኣይኮነን'' ብምባል፡ ሞራል ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝጎድእ መግለጺ ሂቡ። ሕሉፍ ሓሊፉ ናብ ሃገረ ግብጺ ከይዱ ኣብ ቅድሚ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ዝኣተዎ ቃለ መሓላ፡ ድሕሪኡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ 2018 ዓ.ም. ዘጋጠመ ቅንጸላ ዋና ኣካያዳ ስራሕ ህንጸት ግድብ ህዳሰ ኣባይ ኢንጂነር ስመኘው በቀለን ተደማሚሩ፡ ህዝብታት ኢትዮጵያ፡ ምዝዛም ግድብ ህዳሰ ክብሰሩ ዝነበሮም ዓብይ ሃንቀውታ ብኣሉታ ዝጸለወ ነበረ። ካብኡ ንላዕሊ ድማ፡ ጉዳይ ህንጸት እዚ ግድብ'ዚ፡ ካብ ሰለስተ ሃገራት ወጻኢ ሞንጎኛ ኣካል ክኣትዎ የብሉን ዝብል፡ ነባር መርገጺ መንግስቲ ኢህወደግ ብምጥሓስ፡ መንግስቲ ኣሜሪካን ዓበይቲ ዓለማዊ ናይ ገንዘብ ትካላትን ከም ተዓዘብቲ ክሳተፉ ምፍቃዱ፡ ተወሳኺ መዘዝ ወሊዱ፤ እቶም ተዓዘብቲ ድማ፡ ናይ ውሳነ ሓሳብ መቕረብቲ ኮይኖም፡ ንረብሓ ሃገረ ግብጺ ዘገልግል ሰነድ ኣዳልዮም፡ ክፍረመሉ ተጽዕኖ ከዕርፉ ተራእዮም። እዚ ናብ ሓደ ሸነኽ ዝወገነ፡ ናይ መፍትሒ ሓሳብ፡ ሃገራዊ ጥቕሚ ኢትዮጵያ ዝዳፋእ እዩ ብምባል፡ ብህዝብን ሙሁራትን ኢትዮጵያ ሓያል ተቓውሞ ከጋጥሞ ጀመረ። እዚ ኩነታት'ዚ ንዶር/ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ከቢድ ወጥሪ ኣእተዎ።

መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ ህንጸት ግድብ ህዳሰ፡ ኣብ ጎድኒ መንግስቲ ኢህወደግ ተሰሊፉ ምንባሩ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ይኹን'ምበር ዶር/ ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ ደየበ፡ ንተራ ሱዳን ጎስዩ፡ ናብ ሃገረ ግብጺ ክጓየ፡ መስርሕ ዘተ ድማ፡ ሳልሳይ ኣካል ክኣትዎ ብምውሳኑ፡ ቅሬታ እናሓዘ መጺኡ እዩ። ዋላ'ኳ ኣብ ፈለማ እዋን፡ ነቲ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝቐረበ መፍትሒ ሓሳብ እንተዘይደገፎ፡ ኣብ መስርሕ ግን ብዘይ ስምምዕ ሰለስቲኡ ሃገራት፡ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ኣባይ፡ ክጅመር ከምዘይቅበል መርገጺኡ ኣፍሊጡ። በቲ ካልእ ድማ፡ ኣብ ከባቢ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ወጥርታት ክዓቢ ተራእዩ። መንግስቲ ሱዳን ሰራዊቱ ናብ ዶባት ኣንቀሳቒሱ፡ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ዝነበረ መሬት ከምዝተቖጻጸረ በቲይ በቲይን ሓባሬታታት ክቃላሕ ጸኒሑ ኣሎ።

መንግስቲ ግብጺ ድማ፡ ነቲ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝተዳለወ ንድፊ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክፍርመሉ ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ ምሒር ቅሒሩ፡ ናይ ኣባል ሃገራት ዓረብ ሊግ ደገፍ ክረክብ፡ ብሕቡራት መንግስታት ኣቢሉ ድማ፡ ተጽዕኖ ከዕርፍ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓስ ከካይድ ተጓየየ። በቲ ካልእ መዳይ ድማ፡ ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክወስድ ምድላዋት የካይድ ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ክናፈስ ቀንዩ። እዚ ኹሉ ተደማሚሩ ንመንግስቲ ቀዳማይ ምኒስቴር ዶር/ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ከቢድ ፖሎቲካዊ መዋጥር ዘእተዎ ይመስል።

ሃገረ ኢትዮጵያ፡ ብሓደ ወገን ምስ መስርሕ መረጻ ብዝተኣሳሰረ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ ምስ ህንጸት እቲ ግድብን መደብ ምምላእ ማይን ተታሓሒዙ፡ ኣብ ከቢድ ፖሎቲካዊ ወጥሪ ኣብ ዝኣተወትሉ እዋን፡ ብ29 ሰነ 2020 ኣብ ከተማ ኣዲስ-ኣበባ ገላን ዝባሃል ሰፈር፡ ምሸት ሰዓት 9.00 ከባቢ፡ ወዲ ብሄረ ኦሮሞ ዉሩይ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ብዘይተፈለጡ ሰባት ከምዝተቐንጸለ ተሓበረ። እቲ ዝጸንሐ ፖሎቲካዊ ቅልውላው ኢትዮጵያ ናብ ዝኸፍአ ጥርዙ ዓሪጉ። እነሆ መንግስቲ ቀዳማይ ምኒስቴር ዶር/ ኣብይ ኣሕመድ፡ ካብ'ቲ ቅንጸላ ናጻ እየ ኢሉ፡ ንካልኦት ኣካላት ከሸክሞም፡ ኣብ ሚድያታቱ ካብ ምውፋር'ኳ እንተዘይዓረፈ፡ ዝኣምኖ ዝረኸበ ኣይመስልን። ኣብ ውሽጢ'ታ ሃገር፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ይኹን፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢ ዝቕመጡ ደቂ ኦሮሞ፡ ተቓውሞኦም ብዓውታ ክገልጹ ጸኒሖም ኣሎዉ። ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተወለዐ ግጭት፡ ናይ ደቂ ሰባት ሞትን መቕሰልትን ናይ ንብረት ዕንወት ከውርድ እንከሎ፡ ኣብ ወጻኢ ድማ፡ ንቀዳማይ ምኒስቴር ዶር/ ኣብይ ኣሕመድ፡ ከም ቀንዲ ተሓታቲ ብምቕማጥ፡ ካብ ስልጣኑ ክእለ መጸዋዕታ ከቕርቡ ጸኒሖም ኣሎዉ። ኣቐዲሞም ብዝተኻየዱ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ መቕዘፍትን ምዝንባልን ዜጋታት ኢትዮጵያ፡ እናኸሰሱ ዝጸንሑ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት፡ ከም ኣምኒስት ኢንተርናሽናልን ሁማን ራይትስ ዎችን ከምኡ'ውን ናይ ዓለም ጋዜጤኛታት ማሕበር(ሲፒጄ)ን፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክስታት ክድርድሩ ይስምዑ ኣሎዉ። ምስ ቅንጸላ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ተታሓሒዙ ዝተወለዐ ናዕቢ ንምቁጽጻር፡ ናይ ኢንተርኔት መሳለጥያ ብምዕጻዉ፣ ንጡፋት ፖሎቲከኛታት፣ መራሕቲ ውድባትን ጋዜጠኛታት ኦሮሞን፡ ካልኦት ዜጋታትን ስለዝተኣሰሩ፡ ወጥርታት ብዝሓየለ ይቕጽል ብምህላዉ፡ ስልጣን ዶር/ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ከቢድ ፈተና ዝኣተወ ይመስል።

እቲ ምስ መስርሕ መረጻ ኢትዮጵያ ተታሓሒዙ፡ ዝተኸሰተ ፖሎቲካዊ ቅልውላው ኣሻቒሉዎ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተጓይዩ ምስ ቀዳማይ ምኒስቴር ዶር/ ኣብይ ኣሕመድ ክማኸር ዝተገደደ ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስ፡ ካልእ ተወሳኺ ዕዮ ገዛ ተደሪቡዎ፤ ካብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ 2020 ጀሚሩ፡ ናብ ሃገረ ሱዳን፡ ቀጺሉ ድማ ናብ ሃገረ ግብጺ ዑደት ከካይድ ተገዲዱ። እዚ ዘበዘብ'ዚ፡ መበገሲኡ ከም ጸሓይ ቀትሪ ኣዝዩ ቡሩህ እዩ።

ከም ሓቂ፡ ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስ፡ ኣብ ጉዳይ ህንጸት ግድብ ኣባይ ይኹን ምጅማር ምምላእ ማይ፡ ካብ ግብጽን ሃገራት ዓረብ ሊግን ዝተፈለየ መርገጺ የብሉን። ይኹን'ምበር ኣብ ኢትዮጵያ ከዐውቶ ዝደሊ ፖሎቲካውን ቁጠባውን ረብሓ፡ ምስ ህልውናን ቀጻልነትን ዶር/ ኣብይ ኣሕመድ ዝተኣሳሰረ እዩ፤ እዚ መራሒ'ዚ ድማ፡ ብዝተፈላለዩ ፖሎቲካዊ ሕቶታት ኣብ መዋጥር ኣትዩ ይሕቆን ምህላዉ፡ ንርእሰ ፋሽስት ኢሳያስ'ውን ወሳኒ ናይ ህልውናን ቀጻልነትን ሕቶ ዘልዕል ምዃኑ ኣይንስሕቶን። ስለዝኾነ'ውን ምስ መንግስቲ ሱዳን ተኸሲቱ ዘሎ ዘይምርድዳእ ንምትህድዳእ ይኹን፡ መንግስቲ ግብጺ ምስ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኣተኣሳሲሩ ኣብ ልዕሊ ዶር/ ኣብይ ኣሕመድ ዘዕርፎ ዘሎ ተጽዕኖ ንምዝሕሓል፡ ከም ዓብይ ዲፕሎማስያዊ ዕዮ ተሸኪሙ፡ ላዕልን ታሕትን ክብል ቀንዩ ኣሎ። ዕላምኡ ድማ፡ ንቀዳማይ ምኒስቴር ዶር/ ኣብይ ኣሕመድ፡ ብግዳም ዝዓርፎ ዘሎ ተጽዕኖ ብምፍዃስ፡ ቀንዲ ኣትኩሮቱ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከቢቡዎ ዘሎ ብደሆ ኣብ ምፍሻል፡ ሙሉእ ሓይሉ ከቕንዕ ንምሕጋዝ ዝዓለመ እዩ። ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስ፡ ናብ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ድማ ብፍላይ፡ ዘዋፈሮም ናይ ጸጥታን ዓፈናን ጉጅለታት ጥራሕ ከይተወሰነ፡ ብምኽንያት ባድመ፡ ሓድሽ ናይ ኲናት ሃዋሁው ንምፍጣር ላዕልን ታሕትን ክብል ይረአ ኣሎ። እዚ ስርዓት'ዚ ጉዳይ ዶብ ንጎድኒ ደርብዩ፡ ውሽጣዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ከምዘገድሶን ናይ ስርዓት ለውጢ ከረጋግጽ ላዕልን ታሕትን ክብል ከምዘይጸንሐ፡ ''ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ መሬትና ኮፍ ኢሉ ኣሎ'' ብምባል፡ ተሓላቒ ልዑላውነት ኤርትራ መሲሉ፡ ዝበለየ ድራማ፡ ካብ ዝኣረገ ከብሒ ኣልዒሉ፡ ብሂወት፣ ንብረትን ጥሪትን ኤርትራውያን ክቋመር፡ ናብ ኲናት ክኣቱ፡ ክህንደድ ይረአ ኣሎ።

ኣብ ላዕሊ ክንጠቕሶ ከምዝጸናሕና፡ ናይ ርእሰ-ፋሽስት ኢሳያስን ቀዳማይ ምኒስቴር ዶር/ ኣብይ ኣሕመድን ዝምድና፡ ኣብ ልዕሊ ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገርና ይኹን፡ ኣብ ፌደራላዊ፡ ዲሞክራስያውን ሕገ-መንግስታውን ስርዓት ኢትዮጵያ ከቢድ ሓደጋ እናዕረፈ ዝመጸ ምዃኑ፡ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ። ብርግጽ፡ ህሉው ውሽጣዊ ኩነታት ኢትዮጵያ፡ ንብሄራት፡ ብሄረ-ሰባትን ህዝብታትን ፖሎቲካዊ ሓይልታትን እታ ሃገር ብቐንዱ ዝምልከት ምዃኑ፡ ዘይንስሕቶ ሓቂ እዩ። ብተመሳሳሊ ናጽነትን ልዑላውነት ኤርትራ ድማ፡ ብቐንዱ ንዓና ንህዝብታት ኤርትራን ፖሎቲካዊ ሓይልታቱን ዝምልከት ጉዳይ ምዃኑ ዘጣራጥር ኣይኮነን። ይኹን'ምበር ክልቲኦም ሃገራትን ህዝብታትን ኣተኣሳሲርና ክንርእዮምን፡ ብዛዕባ መፍትሒኡ ክንግደስን እንግደድ ዘሎና፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት እዩ። ክልቲኦም ''መራሕቲ'' ሃገራት፡ ማለት ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስን ቀዳማይ ምኒስተር ዶር/ ኣብይ ኣሕመድን፡ በብእዋኑ ዘቃልሑዎ መርገጽን ከካይዱዎ ዝጸንሑ ግብራዊ ምንቅስቓስን፡ ኣብ ልዕሊ ክልቲኦም ህዝብታትን ፖሎቲካዊ ሓይልታቶምን ተመሳሳሊ ሓደጋ ዘዕርፍ ኮይኑ ብምህላዉ ጥራሕ እዩ። ስለዝኾነ'ውን ሕልምታቶምን ትልምታቶምን ብዘየዳግም ንምፍሻል፡ ህዝብታት ኤርትራን ፖሎቲካዊ ሓይልታቶምን፡ ንበይኖም ዝሽከሙዎ ዕማም ጥራሕ ኣይኮነን። ወይ ድማ፡ ንብሄራትን ብሄረሰባትን ህዝብታት ኢትዮጵያን ፌደራላውን ዲሞክራስያውን ሓይልታቶምን ጥራሕ ዝግደፍ'ውን ኣይኮነን። ናይ ክልቲኦም ሃገራት፡ ህዝብታትን ፖሎቲካዊ ሓይልታቶምን፡ ዓቕምታቶም ኣዋሃሂዶም ዘካይዱዎ ግጥም፡ ኣማራጺ ዘይብሉ ቅኑዕ ናይ ቃልሲ ኣንፈት እዩ።

ህዝብታት ኤርትራን ደለይቲ ለውጢ ፖሎቲካዊ ሓይልታቶምን፡ ልዑላውነትን ናጽነትን ሃገሮም ብዘተኣማምን ብምዕቃብ፡ ብሩህ መጻኢኦም ጋህዲ ዝገብሩ፡ ምስ ዉጹዓት ብሄራት፣ ብሄረ-ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያን ፌደራላዊ ዲሞክራስያዊ ሓይልታቶምን ብሓፈሻ፡ ምስ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ድማ ብፍላይ፡ ቀላጽሞም ጠሚሮም ቃልሲ ብምክያድ እዩ። ብተወሳኺ ምስ'ቶም ኣብ ልዑላውነትን ናጽነትን ኤርትራ ጽኑዕ እምነት ዘሎዎም ካልኦት ፖሎቲካዊ ውድባት ትግራይ፡ ስጡም ናይ ቃልሲ ዝምድና ምምስራት የድሊ። ሎሚ ኣብ'ዚ ዘሎናዮ ተኣፋፊ ፖሎቲካዊ ኩነታት ኮይና፡ ንድሕነት፡ ቀጻልነት፡ ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገርናን መጻኢ ዕድል ህዝብታትናን፡ ካብ'ዚ ዝሓይሽ ናይ ቃልሲ ኣማራጺ የብልናን። ተደጋጋሚ ዘበዘብ ርእሰ ፋሽስት ኢሳያስ፡ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ምስ ዶር/ ኣቢይ ኣሕመድ ዝቛጸሮ ሰራም ዉዑል ንምዕዋት ዝዓለመ፡ ጸረ ሃገርን ህዝብን ኤርትራን ኢትዮጵያን እኩይ ትልሚ ብምዃኑ፡ ብንቕሓትን ብብቕዓትን ናይ ምግጣሙ ጉዳይ፡ ህጹጽን እዋናውን ሓባራዊ ኣጀንዳና እዩ። ውድብና ሰደግኤ ከም ኣባል ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር(ኤሃግ)፡ ነዚ ውዲት'ዚ ካብ ወጋሕትኡ ብንቕሓት ክከታተሎ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ፤ ኣብ ምፍሻሉ ድማ፡ ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ፖሎቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ተዋሃሂዱ፡ ንህዝብታት ኤርትራ ኣብ ጎድኒ ዲሞክራስያዊ ቃልስና ብምስላፍ፡ ብዕቱብነት ክሳብ መወዳእታ ዓወት፡ ዘይሕለል ተጋድሎኡ ክቕጽል እዩ።

ቤት-ጽሕፈት ዜናን ባህልን፡

ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ(ሰደግኤ)

ወርሒ ሰነ 2020 ዓ.ም.