Written by: Super User
Hits: 1001

ዘሪኢሰናይ ተወልደ

1952 – 2020

ሓጺር ታሪኽ ሂወት ተቓላሳይ

ብዛዕባ ቐብሪ ስነስርዓት ሓበሬታ ንምርካብ ኣብዪ ጠውቑ

 

                                           ልቕሶ   ንተቓላሳይ ዘሪኢሰናይ

ወደቦይ ተወልደ ቐላቲ ሓብኛ                                      

ቖልሕታኡ ግሩም ሸፋሽፍቲ ዓይኑ

     በል ድሓን ኩን መዓብይተይ   
አብ ጎድነይ ነርካ መቓልስተይ

     አብ ጽንኩር እዋን መማኽርተይ

   አብ ሓደ መአዲ መባለዕተይ መሳትይተይ

ጸሊአኪ ዓለም ኮንቶ

ናዓቢ አይትብሊ ንነሽቶ

ተዘንገዒ ብዘይ ሕቶ

   መስቐል ክብራ ሓብተይ

   ሃይማኖት ጉዋለይ ከአሎኦ

ብዝካአለክን አሊኽን ኦ

ከድኩ ካብ በልካ

ካብ ጨከንካ

ለዑል እግዚአብሐር

አብ ገነቱ ይቐበልካ

ተኻፋሊ ሓዘን ጆርጆ ሃብተ

ዘይዋሃጠሉ ስራዓት ገበነኛ

       አብ መግዛእቲ ከይትነብር ሃገር

       ንመሰል ህዝቡ ዝካራኽር

ነእስነቱ ዘሕለፈ አብ ቓልሲ

ንስራዓት ንፍትሒ ደሞክራሲ

ንብዷዓት ጨቖንቲ ዘየናሕሲ

ዘሪኢሰናይ ምሩጽ ተቓላሲ

       ንውልቀ መላኺ ስራዓት

       መኪቱ ብትባዓት

ብረት ተሓንጊጡ ከበሳ ቖላ

ዋላ ውገእ ይጻዕጸዕ ንዘሪኢሰናይ ጓይላ

ንኹሉ ይገጥሞ ተዓጻጻፊ መላ

     ውጋአት ካዕላይ በነት ሓርማዝ

     ምስ ዕሱባት ጦርሰራዊት ምትሕሓዝ

ወለድ ተባርቕ ከባቢ አቑርደርት

ሩባ ባርካ ጀራዲን ተኽረረት

ተኻፊልካዮ ኩሉ ቓልሲ ምረት

     አንታ ወደከለ ወዲ እምባሶይራ

     ብጸላእቲ ዘይተደፍረ ስፍራ

     ጠባቢርካ እምበር ዘይፈቱ ኩራ

ተቓላሳይ ከይዱዋ ንመላእ አርትራ

     ወዲ ማይ ዓጋምለ ዘይነጽፍ ዒላ

     መቓይሖ ዱኻ መረት ጋብላ

     አይጥ ዕምትን ቓልሲ ንስኻ ዘይብላ

አታ ሓለንጋይ ቑመት

ብማዕዶ ትጥመት

ጽቡቅ ደርጊ ስኑ

ቖልሕታኡ ግሩም ሸፋሽፍቲ ዓይኑ

     በል ድሓን ኩን መዓብይተይ

     አብ ጎድነይ ነርካ መቓልስተይ

     አብ ጽንኩር እዋን መማኽርተይ

   አብ ሓደ መአዲ መባለዕተይ መሳትይተይ

ጸሊአኪ ዓለም ኮንቶ

ናዓቢ አይትብሊ ንነሽቶ

ተዘንገዒ ብዘይ ሕቶ

   መስቐል ክብራ ሓብተይ

   ሃይማኖት ጉዋለይ ከአሎኦ

ብዝካአለክን አሊኽን ኦ

ከድኩ ካብ በልካ

ካብ ጨከንካ

ለዑል እግዚአብሐር

አብ ገነቱ ይቐበልካ

ተኻፋሊ ሓዘን ጆርጆ ሃብተ