Written by: Super User
Hits: 1016

ብመስዋእቲ ብጻይና ገዲም ተጋዳላይ ዘርኢሰናይ ተወልደ ቀላቲ ፣ዝተሰምዓና ሓዘን ወሰን የብሉን። ብጻይና ዘርኢሰናይ ምእንቲ ናጻነትን ሓርነትን ሃገሩ ብጅግንነት ዝተቓለሰን፡ ቀጺሉ እውን ደኺመ ከይበለ ንፍትሓውን ሓርነታውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብቆራጽነት ክቃለስ ዝጸንሐ ሓርበኛ ብጻይ ኢዩ። ብጻይ ዘርኢሰናይ ብጸንዓት ዘተቃለሰሉ ዕላማ ክውን ንምግባር ብምሉእ ሕልናን ጻዕርን ኣብ መዕረፊኡ ንመብጻሕ ቃልሰና ቀጻሊ ኢዩ።

ንብጻይና ዘርኢሰናይ መንግስተ ሰማያት የዋረሶ፣ ንሰድራቤቱን ብጾቱን ጽንዓት ይሃቦም።

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)

ዞባ ካናዳ