እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 28 guests and no members online

መበል 29 ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንጎ ሃገረ ጅቡትን ስርዓት ህግደፍን

ዝደገሰ ግርጭት ኣመልኪቱ ከም ዝተዘራረበን ውሳነ ድማ ከም ዘሕለፈን ተገሊጹ።

እቲ ግጭት ብሃላሊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ 2008 ከምዝተጀመረ፡ ንግስነት ቀጠር ካብ 2010 450 ዓቀብቲ ሰላም ወተሃደራት ኣዋፊሩ፡ ብመነጎኝነት ክሽምግሎ ምጽንሑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንግስነት ቀጠር መስርሕ ሽምግልና ኣቍሪጹ ወተሃደራቱ ምስ ሰሓበ፡ ህግደፍ መሊሱ መሬት ጅቡቲ ከም ዝወረረ፡ መንግስቲ ጅቡቲ ብዘቕረቦ ናይ ተወሪረ ጥርዓን መሰረት ድማ፡ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት፡ ኮሚሽን ሰላምን ጸጥታን እቲ ሕብረት ነቲ ዝተፈጥረ ሃጓፍ ብምምላእ ነቲ ጉዳይ ብሽምግልና ንምፍታሕ ውሳነ ከም ዝመሓላለፈ ካብ ኣዳራሽ እቲ ሕብረት ዝተቓለሐ ዜና ኣረዲኡ።

መንግስቲ ጅቡቲ ህግደፍ ብዝገበሮ ሓድሽ ወራር ኣብ ዶብ ክልቲኣተን ሃገራት ሓድሽ ጸጥታዊ ስግኣት ይፍጠር ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ቀልጢፉ ሓላፍነቱ ክዋጻእ ብዝሃቦ መተሓሳሰቢ መሰረት፡ ሕብረት ነቲ ድሕሪ ሃገረ ቀጠር ዝተፈጥረ ሃጓፍ ክመልእ፡ ሰላም ዝሰፍነሉ ባይታ ንምፍጣር ብትግሃት ክሰርሕ፡ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ሓምለ 2017 ድማ ሓደ ልኡኽ ናብ ኤርትራ ክሰድድ ከም ዝወሰነን ግልጺ ገይሩ።

የመናውያን እሱራት ኣብ መሬት ኤርትራ ይሳቐዩ ኣለው።

ብዋጋ ክብሪ ህዝብን መሬትን ኤርትራ ገንዘባዊ ደገፍ ክረክብን ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕን ዝባኑ ቀሊዑ ምስ ሃገረ ኢራን ዝነበሮ ናይ ተለኣእኽነት ዝምድና ሃንደበት በቲኹ፡ ንተመሳሳሊ ተግባር ኣብ ትሕቲ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ዝተዓስበ እንኮ ሰባዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ንከም በዓል ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝበላ መሻርኽቲ ስዑዲ ዓረብ ዝኾና ሃገራት ንወተሃደራዊ መደበር ከም ዘካረዮ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ መሳኪን የመናውያን ካብ ሃገሮም ተዓፊኖም ብእሱር ናብ ምድሪ ኤርትራ ተወሲዶም ይሳቐዩ ከም ዘለው ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይሕብሩ።

ካብ’ተን ንየመናውያን ኣብ መሬት ኤርትራ ኣምጺአን ዘሳቕያ ዘለዋ ሃገራት ሓንትን ቀንድን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምዃና፡ እቲ መሳቐዪ ቦታ  ኣብ ከባቢ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ከም ዝኾነ፡ እዚ ከም’ዚ ዝበለ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ኣስታት ናብ ክልተ ዓመቱ ይቃረብ ምህላው፡ ምኽንያት ኣባላት ኣሽበርቲ ጉጅለታት’ዮም ዝብል ከም ዝኾነን ይገልጹ።

ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣህጉራዊ ጽልዋ ዘለዎም መራኸቢ ብዙሓንን ነዚ ሓበሬታ’ዚ ብኣካል ቀሪቦም ከረጋግጹ ከም ዝሓተቱ፡ ይኹን ግን ብእንኮ ሰባዊ ስርዓት ናብ ኤርትራ መእተዊ ፍቓድ ከም ዝተኸልከሉን ህዩማን ራይትስ ዎች ዝርከቦም ትካላት ኣረጋጊጾም።

Loading...

You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ኣብ ኣለሻ ወርቂ ተዋፊርክን ብዝብል ምኽንያት ኣዴታት ምስ ህጻናት ደቀን ከም ዝተኣስራ ተፈሊጡ።

ብባህላዊ ኣገባብ ኣብ ኣለሻ ወርቂ ተዋፊርኩም ዝተባህሉ ተወለድቲ መቐርካን ደምበ ዛውልን ብ 26 ሰነ 2017 ብትካል ጸጥታ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ ከም ዝተወስዱ፡ ካብ’ቶም ዝተኣስሩ 4 ኣዴታት ምስ ህጻናት ደቀን ከም ዝርከባኦም፡ እሪ መድረኽ ሓቢሩ።

እቶም ዜጋታት ኣብ’ታ ሃገር ነጊሱ ብዘሎ ክብሪ መነባብሮ ካብ ኣዝዮም ዝተጠቕዑ ኮይኖም፡ ዕለታዊ ጠለብ መግቢ ንምምላእ ክብሉ ኣብ ኣለሻ ወርቂ ዝተዋፈሩ ምንባሮም፡ መሳርሒኦም ኮነ ዝረኸብዎ ወርቂ በቶም ኣባላት ጸጥታ ከም ዝተወስደ፡ ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ምስ ኣተው፡ ወዲ ከበደን ሚካኤል ብዝተባህሉ ጨካናት ሓለፍቲ ቤት ማእሰርቲ ከቢድ ምርመራ ከም ዝተገብረሎምን ገሊጹ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 07-07-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel