እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 53 guests and no members online

ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ምስ ኣቦ-ምንበር ኦዲት ኮሚሽን

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ መ/ር ኣፈወርቂ ኣብራሃ ዝገበርቶ ቃለ-መጠይቕ፡

                                                          ካልኣይ ክፋል

ሕቶ፡- ዝኸበርካ መ/ር ኣፈወርቂ መድረኽ ብረታዊ ቃልሲ ተዛዚሙ ኤርትራ ነጻ ሃገር ካብ እትኸውን ልዕሊ ርብዒ ዘመን ተቖጺሩ’ሎ፡ ናይ ትማሊ ሕልምኻን ናይ ሎሚ ጋህድን ብምንጽጻር እንታይ ክትብለና ትኽእል?

መልሲ፡- ናይ ትማሊ ሕልመይ ነጻ ሃገረ ኤርትራ ክርኢ፡ እቲ ህዝቢ ድማ ከም ኩለን ደሞክራስያውያን ሃገራት ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ረኺቡ፡ ከይተሸማቐቐ ብነጻነት ተማሂሩ ተመራሚሩ፡ ሓሪሱ ነጊዱ ናብ’ቲ ዝለዓለ ጎደና ምዕባለ ክምርሽ ምርኣይ’ዩ ነይሩ። ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሕልሚ’ውን ካብ’ዚ ወጻኢ ኣይነበረን። እንተኾነ ግን ሕቶ ሓድነትን ፖለቲካዊ ደሞክራስን ብግቡእ ስለ ዘይተመለሰን ብፍላይ ካብ’ቲ ኣመራርሓ ኣካላት ርኡያት ዕንቅፋታት እናጋጠሞ፡ ህዝብን መሰረታት እቲ ውድብን ንስምረትን ምዕሩይ ፖለቲካዊ ደሞክራስን ክጠልብን ኣወንታዊ ድፍኢት ክገብርን እንከሎ ሰማዒ ስለ ዘይረኸበ ተደማሚሩ፡ እቲ ኤርትራ ከም ሃገር ነጻ ክትኮነልና፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ከም ህዝቢ ክረኽቦ ዝነበረ ሕልምታት፡ ኣብ ክንዲ እናተኾለዐ እናደብዘዘ ክመጽእ’ዩ ኮይኑ። ንኣብነት እቲ ኣብ መንጎ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ዝተፈጥረ ደማዊ ኲናት ሕድሕድ፡ ብስነ-ሓሳብ ብመስመር እንታዩ እቲ ናብ’ዚ ዘብጸሐ ኢልካ ሓጋዚ መረዳእታ ክትረክብ ሃስስ ኣብ እትብለሉ፡ ኣይኮነን ኣብ ኣዕናዊ ደማዊ ኲናት ሕድሕድ ዘእቱ፡ ሰሚሮም ብሓደ ከይቃለሱ ዝገብር ጭቡጥ ፖለቲካዊ ምኽንያት’ውን ኣይትረኽበሉን። ኮይኑ ግን እቲ ኣብ ቃልሲ ኤርትራ ጸሊም ታሪኽ ገዲፉ ዝሓለፈ፡ ብዙሓት ንጹሓት ተጋደልቲ ዝቐዘፈ ኲናት ሕድሕድ ብላዕለዋይ ኢድ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ምስተዛዘመ’ውን ዝሓሸ ናይ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ለውጢ ኣይመጽአን። ምኽንያቱ ናይ ስልጣን ቁርቁስ ደኣምበር ኣብ’ቲ ቃልሲ ፍሉይ ውዕውዕ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ መሰረት ዝገበረ ምፍሕፋሕ ስለ ዘይነበረ።

ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ናይ ሎሚ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ካብ መሬት ኤርትራ ምሉእ ንምሉእ ክትወጽእ ገይሩ፡ ሜዳ ኤርትራ ምስ ብሓተ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ባህርን ዝኽተሎ ስነ-ሓሳብን፣ ኣብ ውሽጢ ውድቡን ኣብ ህዝብን ዝነበሮ ኣተሓሓዛን መሰረት ገይሩ ብዙሕ ክተዓት ይካየድ ነይሩ’ዩ። ካብ’ቲ ዝካየድ ዝነበረ ክትዓት ህዝባዊ ግንባር ተራ ሃገራዊ ሓርበኛዊ ውድብ’ዩ። ኣብ ዓውደ ኲናት ዓወታት ከምዝግብን ሃገራዊ ነጻነት ኣብ ምምጻእ ድማ ልሉይ ተራ ክህልዎ’ዩ። እንተ ኣብ ድሕሪ ነጻነት ዘሎ ሰላማዊ ህዝባዊ ምምሕዳር ግን ስጉሚ’ውን ትኹን ነቲ ህዝቢ ብርግኣት ክመርሖ ኣይኽእልን ዝብል ሚዛናት’ዩ ነይሩ። ብሓቂ ከኣ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ዘላቶ ኣወንታ ተዋጋኣይ ምዃኑ ሓረበኛ ምዃኑ ኣረጋጊጹ’ዩ። ንሰራዊት ደርግ ስዒሩ’ውን ሃገራዊ ነጻነት ኣብ ምምጻእ መሪሑ ተዓዊቱ’ዩ። እቲ ናይ ኲናት ሓርበኝነት ተዛዚሙ፡ ጉዕዞ ናብ ሰላማዊ ህይወት ኣብ ዝተጀመረ መስርሕ ድማ ፖለቲካዊ ባዶነቱ ካብ መጀመርያ ተስዓታት ብብሩህ ክረአ ጀሚሩ። ስለዚ እቲ ህዝባዊ ግንባር ክዋጋእ ደኣምበር ህዝቢ ክመርሕ ከመሓድ ኣይክእልን ዝብል ዝነበረ ገምጋም ኣብ ቦትኡ ነይሩ። ካብ’ዚ ጭቡጥ ገምጋማት ተበጊሱ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት’ከ እንታይ ከጋጥሞ ይኸውን ዝብል ዝነበረ ሓላፍነታዊ ስኽፍታ ድማ እነሆ   ተጋሂዱ 25 ዓመታት ኣብ ኲናት፡ ድኽነትን እህህታን ይነብር ኣሎ።

መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ሜዳ እናሃለው ኣትሒዞም ሃገር ትምረሓሉ ንጹር ውጥን ኣይነበሮምን። ሃገር ምስ ተቖጻጸሩ’ውን ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ከተኣታትው ኣይተበገሱን። ካብ ካልኦት ደሞክራስያውያን ሃገራት ንህዝቢ ኤርትራ ዘርብሕ ተመክሮ ክወስዱ’ውን ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። እዚ ስቕ ኢሉ ካብ ባዶ ዝተበገሰ ኣይኮነን። ካብ’ቲ ዘለዎም ደርባዊ ፖለቲካዊ ኣነነትን በሓትነትን ዝመንጨወ’ዩ። ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ኣነነታዊ በሓቲ ፖለቲካዊ ባህርን ጸረ-ህዝቢ ኣሰራርሓኦም ድማ፡ ብሰንኪ መግዛእታዊ ግፍዕታት ዝተሰዱ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ዝምለስሉ ባይታ ኣብ ክንዲ ምፍጣር፡ ኣብ’ቲ ወቕቲ’ቲ ዘይተራእየ ንማሕበረ ሰብ ዓለም ዘስደደመመ፡ ባይቶታት ኤርትራ ብናይ ሰባት ደርቂ ክጥቃዕ ዝገበረ ዋሕዚ ስደት ክንርኢ’ዩ ገይሩ።                                                        

ሕቶ፡- ገለ ወገናት ነዚ ሎሚ ዘለናዮ ኣሰካፊ ፖለቲካዊ ኩነታት ክግምግሙ እንከለው፡ እቲ ቃልሲ ካብ እንክጅምር እንከሎ ኣትሒዙ ብዝተነጸረ ኣንፈት ስለ ዘይተበገሰ’ዩ፡ ህዝባዊ ግንባር ህግደፍ ከኣ ከም ውድብ ካብ ዝተወልደሉ ጀሚሩ ደሞክራስያዊ ባህርን ኣሰራርሓ ኣይነበሮን ስለዚ ኣብ’ዚ ርብዒ ዘመን ኮይናዮ ዘለና ክንከውን ዝገበረ ናይ’ዚኦም ድምር ውጽኢት’ዩ ኢሎም’ዮም ዝገልጹ። ብወገንካ እዚ ኣበሃህላ ሓቅነት ኣለዎዶ ትብል ወይስ ንኹሉቲ ወሪዱ ዘሎ ፖለቲካውን ቁጠባውን ቅልውላው ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ጥራሕ’ዩ ክስከመ ዘለዎ ዝብል ርእይቶ’ዩ ዘለካ?

መልሲ፡- እቲ ቃልሲ ኣብ 1961 ክጅመር እንከሎ ዝነበረ ሕጽረታት ካብ ዘይቅንዕና ጥራሕ ገይረ ኣይወስዶን። ፖለቲካዊ ዓቕሚታት ናይ’ቶም ቃልሲ ዘበገሱ ብጾትን ዝነበረ ሃዋህውን ኣብ ጸብጻብ ብምእታው ክረአ ዘለዎ’ዩ ዝመስለኒ። ብዛዕባ ሓደ ነገር ፍርዲ ክትህብ እቲ ተግባር ጥራሕ ዘይኮነ፡ ናብ’ቲ ተግባር ክትበጽሕ ዝገበረ፡ ፖለቲካዊ ብቕዓት፣ ናይ ቃልሲ ተመክሮ፣ ኣብ ሕግን ሕጋዊ ኣሰራርሓን ዝነበረ ኣገንዝቦ፣ ዞባውን ዓለማውን ጽልዋታት፣ ሓፈሻዊ እቲ መድረኽ እንታይ ይመስል ነይሩ ዝብሉን ካልኦትን ግምት ምሃብ ጽቡቕ’ዩ ዝመስለኒ። ቅንዕና’ኸ ነይሩ’ዶ ኣይነበረን ዝብል ግን ዝኾነ ምኽንያት ከይሃብካ ክፍተሽ ኣለዎ። ስለምንታይ’ሲ ቅኑዕ ሕልና እናሃለወ ኣብ ዝፍጠር ጉድለታት ደኣዩ ምሕረት ዝግበር’ምበር፡ ካብ መሰረቱ ቅንዕና ዝጎደሎ እንተደኣ ነይሩ፡ ከም’ዚ ስለ ዝኾነ ከም’ዚ ስለ ዘጋጠሞ’ዩ ኢልካ ከተፋኹሰሉ ኣይግባእን። ስለዚ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ክትብገስ እንከላ ዝነበርዋ ጎደሎታት ብኸምዚ ክምዘን ቅኑዕ ይመስለኒ።

ህዝባዊ ሓይልታት ቀጺሉ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ሕጂ ድማ መንግስቲ ህግደፍ ዝተወልደሉን ዝተጓዕዘሉን ኣብ’ዚ መስርሕ’ዚ ዝተፈጸሙ ገበናት ክንርኢ እንከለና ድማ ካብ’ቲ ኣብ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ዝነበረ ጎደሎታት ብዓይነቱ ዝተፈልየ’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ሰውራ ምስ ኩሉ ጸገማቱ ደረጃ ብደረጃ ተመክሮ እናረኸበ ጽመጽኣሉ፡ ብዛዕባ ዓለማዊ ስነ-ሓሳባዊ መስመር ኣብ ዝዝረበሉ፡ እቲ ቃልሲ ናብ ሰፊሕ ከባቢታት ኤርትራ ተኣታትዩ ካብ ህዝቢ ኩሉ ሸነኻዊ ደገፋት ዝረኸበሉን ሃዋህው ብምንባሩ፡ እቲ ዝተፈጸመ ገበናት ካብ ዘይኣፍልጦ ዘይኮነ ካብ ቅንዕና ዘይምህላውን ብሓቲ ኣረኣእያን ዝብገስ’ዩ ኢልካ ክትግምግም የኽእለካ። ህዝባዊ ሓይልታት ድሕሩ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ገዛእ ርእሱ ከም ዓቢ ዓሳ ንንኡሽቶ ዓሳ እናተቀነጻጸለ ዝመጽአ ውድብ’ዩ። ብከም’ዚ ዝዓበየ ፖለቲካዊ ውድብ ድማ ንህዝቢ ብሰላም፡ ብደሞክራስን ብሕግን ከማሓድር ዝሕሰብ ኣይኮነን። እዚ ውድብ’ዚ ዋላ ንሃገራዊ ነጻነት ዝቃለስ እንተነበረ፡ እቲ መሪሕነቱ ክሳብ ምስ ጸላኢ ናይ ምትዕራቕ ኣንፈት ከም ዝነበሮ ታሪኽ ይዛረብ’ዩ። ኣብ ዓላ ኣብ ቃኘው ስቴሽን ምስ ጸላኢ እንታይ ከም ዝተገብረ ኣዳቒቖም ዝፈልጡ ሰባት ብጭብጢ ዝትርኽዎ’ዩ። ህዝባዊ ግንባር ህግደፍ ብከም’ዚ’ዩ መጺኡ።

ድሒሩ እቲ ህዝባዊ ቃልሲ እናደልደለ ተዓዋተይነቱ ኣናረጋገጸ ምስ መጽአ ግን ንድሕሪት ከምዘይምለስ ፈሊጡ’ዩ ኣብኡ ሰጢሙ። ዋላ ከምኡ ይግበር ግን እቲ ጸረ-ህዝቢ ደርባዊ ባህሪኡ ክልወጥ ኣይከኣለን። ስለዚ እቲ ቀንዲ ተሓታቲ ናይ’ዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ፖለቲካውን ቁጠባውን ሕምስማሶ እዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓት’ዩ ዝብል ተሪር እምነት’ዩ ዘለኒ።

ሕቶ፡- ሕራይ ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ሕጂ ሃገር ኣብ ምምራሕ ይርከብ ስለ ዘሎ እቲ ዝዓበየ ክፋል ናይ’ቲ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ሕማም ክወስድ ባህሪያዊ’ዩ ዝኸውን። ምኽንያቱ ርብዒ ዘመን ኣብ መንግስታዊ ስልጣን ኣቑጺሩ ክነሱ ዝነበረ ካብ ምድምሳስ ሓሊፉ ካልእ ዘምጸኦ ለውጢ የለን። እኳ ደኣ ኮነ ኢሉ’ዩ ህዝቢ ናይ ምብታን ምስቓይን ስጉምቲ ዝወስድ ዘሎ ዝብሉ ወገናት ኣለው። ብወገንካ ከም መንግስቲ፡ ከም ህዝቢ ከም ሃገር ክገብሮ ዝነበሮሞ ዘይገበሮ ስለዚ ከኣ ናብ ውድቀት ኣምሪሑና ኢትብሎም ገለ ኣብነት ኣደጊፍካ ንሰማዕትና እንትገልጸልና?

መልሲ፡- እንታይ’ሞ እዚ ኣወንታዊ ጎኒ ኣለዎ ትብሎ ነገር የለን። ኣብ ኤርትራ ማሕበራዊ ፍትሒ የለን። ደሞክራሲ የለን። ናይ ምንቅስቓስ ነጻነታት የለን። ሃብቲ ናይ ምፍራይ ዕድላት የለን። ናይ’ዚ ኩሉ ገዛኢ ድማ ሃገራዊ ሰላም የለን። ዋሕዚ ስደት ዜጋታት ኤርትራ ከኣ ምስክር ናይ ህልዊ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ምስልና’ዩ። ከም መንግስቲ ንሓደ ህዝቢ ክህቦ ዝነበሮ ኣገልግሎ ዋላ ሓንቲ ነገር የለን። ህዝቢ ኤርትራ ተቓላሳይ ህዝቢ’ዩ። ነቲ ቃልሲ ኣብ መፈጸምታኡ ንምብጻሕ ኩሉ ክኽፈል ዘለዎ ክቡር ዋጋ ከፊሉ’ዩ። ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ መንግስቲ ኮይኑ ዘበርከተሉ ነገረ እንተሃለወ ግን ጥልመት’ዩ። ጭካነ’ዩ። ኣድልዎ’ዩ። ሕድሕድ ከይተኣማመን ርእሱ ከድድን ምግባር’ዩ። ኣብ ኲናት ሓዘንን ክነብር ምግባሩ ጥራሕ’ዩ። እዚ’ዩ እቲ ሓቂ። ህዝቢ ኤርትራ ዝነበረ ልዑል ኣብነታዊ ሃገራዊ ስምዒቱ ኣብ ዝወደቐሉ፡ ኣብ ባረኻን ባሕርን ንከንቱ ዝጠፍኣሉ ግዳይ ነጋዶ ሰብ ዝኾነሉ ናይ ጽልምትም ሃዋህው’ዩ ዝርከብ ዘሎ። ነዚ ከኣ ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ዘምጸኦ’ዩ። መንግስቲ መሰረታዊ ጠለባት ህዝቢ ዝምልስ ዘይኮነስ ንህዝቢ ኣምበርኪኹ ዝገዝእ ዘሎ ዓለም ዝፈለጦ መላኺ ስርዓት’ዩ።

ሕቶ፡- ገለ ዕሙታት ደገፍቱ ግን ኣብ ኤርትራ ናይ ደሞክራስያዊ መሰላት ጸገም የለን። ሰብኣዊ መሰላት ኣይጠሓስን’ዩ፡፡ ሃገር ብቑጠባ ትዓቢያ ዘላ። መንግስትን ህዝብን ከም ማይን ጸባን ተወሃሂዶም’ዮም ዝሰርሑ ዘለው። ክሳብ’ውን ዓለም ደሞክራሲ ካብ ኤርትራ ክትመሃር ኣለዋ እናበሉ’ዮም ዝገልጹ። ኮታ ንኹሉ ጠላባት ህዝቢ ዝመለሰ ብቑዕ፡ ውፉይ ሓላዪ ህዝቡ መንግስቲ ኢሎም’ዮም ዝገልጽዎ። ንስኻ ድማ ጠቕሊሉ ናይ ህዝቢ ሕቶ ክምልስ ዘይከኣለ ስርዓት’ዩ ትብል ኣለኻ። ኣየናይ’ዩ እቲ ሓቂ? ህዝቢ ንመን’ዩ ክኣምን ዘለዎ?

መልሲ፡- ኣነ እቶም ደገፍቱ ዝበሃሉ ዘለው ዝበዝሑ ናይ እምነት ደገፍቱ ገይረ ኣይወስዶምን። እቲ ስርዓት ኣብ ህዝቢ ዘውርዶ ዘሎ ግፍዕታት ዘይፈልጥዎን ዘይስመዖምን’ውን ኣይመስለንን። ስለምንታይ ደኣሞ ሓላዪ ህዝቡ መንግስቲ ዝብልዎ ንዝብል፡ ገለ ብፍርሒ፣ ገለ ብግርህና፣ ገለ ከኣ ብውልቃዊ ቁጠባዊ ረብሓታት ምስ’ቲ ስርዓት ካብ ዘለዎም ምትእስሳር ዝነቅል’ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ንኣብነት ካብ’ቶም ከም ደገፍቲ መንግስቲ መሲሎም ዝግዕሩ ዝነበሩ ክሳብ ዝለዓሉ ሰበ-ስልጣናት ዝነበሩ ከይተረፈ ዘርጠብጠብ እናበሉ ገዲፈሞ ይወጽኡ ኣለው። እቲ ገና ኣብ ትሕቲ ጨፍላቒ ስርዓት ህግደፍ ዘሎ ግን ብውሽጡ እናሓረረ ብኣፉ ደጋፊ ክመስል ናይ ግድን’ዩ። እቲ መንግስቲ ዝሃቦ ትእዛዝ ከይወሰኹ ከይነከዩ ከም ዘላታ ክደግሙን ክትግብሩን እንተዘይክኢሎም ክሕተቱ’ዮም። እንታይ ዓይነት ፍርዲ ከም ዝወሃቦም ከኣ ርዱእ ይመስለኒ።

ህዝብን መንግስትን ከም ማይን ጸባን ተወሃሂዶም’ዮም ዝንበሩ ይብሉ ንዝበልካዮ እወ ይብሉ። ስለምንታይ ከምኡ ይብሉ፡ በሉ ስለዝበሃሉ’ዮም። ብተግባር ንሪኦ ዘለና ዝምድና መንግስቲ ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራን ግን ከብድን ሕቖን’ዩ። ፈጺሙ ኣይራኸብን። እዞም ኣብ ደገ ኣብ ምዕቡላት ሃገራት እናነበሩ ነዛ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ትነብር ዘላ ሃገር ምዕብልቲ’ያ ንካልኦት ኣብነት ክትከውን ትኽእል’ያ …ወዘተ ዝብሉ ዘለው ስለምንታይ ከምኡ ይብሉ ኣለው ንዓይ ፖለቲካዊ ጽላለ’ዩ። ብርግጽ ኤርትራ ኣብ ሓጺር ግዜ ክትምዕብል እትኽእል ሃገርያ። ሕጂ ግን ኣይኮነን ምዕብልቲ ክትከውን ኣንፈተ ምዕባለ’ውን የብላን። ሰላም የብላን። ከምዚ ኮይናቶ ዘላ ክትከውን ዝገበርዋ ከኣ መራሕቲ ህግደፍ’ዮም። ኤርትራ ሎሚ ናይ ድሕረት፡ ድኽነት፡ ስርዓተ ምልኪ ብምንጋስ’ያ ኣብነታዊት ሃገር ክትከውን ትኽእል። ናይ ሰላም ናይ ደሞክራሲ ናይ ማሕበራዊ ፍትሒ ኣብነት ክትበሃል ግን መረዳእታ ዘይብሉ ዘረባ’ዩ። ኣብ’ዛ ዘለናያ መድረኽ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸፍአ ህዝባውን ደሞክራስያውን መሰሉ ዝተጨፍለቐ ህዝቢ የለን።

ብኣፍ ዝኾነ ሓላፍነት ዝጎደሎ መደረ ክወሃብ ይከኣል’ዩ። ኣብ ባይታ ብዘሎ ጭቡጥ ሓቂ ግን ይቃላዕ። ይህረም። ናይ መን ዜጋታት ድዮም ኣብ ምድረ በዳን ባሕርን ዝቕዘፉ ዘለው? ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ናውቲ ውሽጣዊ ኣካላቶም እናተመዝሓቐ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዝወርድ ዘሎ ናይ መን ዜጋታት’ዮም? ኤርትራውያን’ዮም። ኣብ’ዚ መዋእል’ዚ ኣብ ዓለም ክበሃል ይከኣል ዝኸፍአን ዝመረረን ግፍዒ ዝፍጸም ዘሎ ኣብ ኤርትራውያን’ዩ። ፈጻሚኡ ድማ መንግስታዊ ጉጅለ ህግደፍ’ዩ። ተሓታቲ ናይ’ዚ ኩሉ ኢ-ሰብኣዊ ግፍዕታት ከኣ ንሱ’ዩ። ብቐንዱ’ኳ ተጎዳእትን ሓተትን ንሕና እንተኾና፡ ንሕና ጥራሕ ንሓቶ ማለት ግን ኣይኮነን። ኩለን እተን ብሓቂ ብክብረት ሰብኣዊ መሰላት ዝግደሳ ሃገራት’ውን ብተዘዋዋሪ ይምልከተን’ዩ። ስለዚ ዝተበደሉ ፍትሒ ይርከቡ። ዝበደሉ ብሕጊ ይተሓተቱ ዝብል ድምጺ ከስመዓን ብተግባር ክዋሳኣን ኣድማሳዊ ቻርተር ወድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት የገድደን’ዩ። ብዙሓት ሃገራት፡ መንግስታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሎሚ ዘስምዕዎ ዘለው ድምጺ ከኣ ካብ ሕልናኦምን ካብ ኣድማሳዊ ቻርተርን ዝነቅል’ዩ።

መዓስ ይሕተት ንግዜ ዝግደፍ ይመስለኒ። ካብ ተሓታትነት የምልጥ ማለት ግን ዘበት። ብፍላይ እቶም ወሰንቲ ኣካላት ብህይወት እንከለው ጥራሕ ዘይኮነ ድሕሪ ሞቶም’ውን ክሕተቱን ክውቀሱን’ዮም። ኣብ ደቆምን መቕርቦምን ከኣ ሕማቕ በሰላ ክገድፉ’ዮም። ወዲ-ሰብ ነባሪ ስለ ዘይኮነ፡ ገለ ካብ’ቶም ብገበን ክሕተቱ ዘለዎም ሰበ-ስልጣናት ቅድሚ ዓወትና ብዝተፈላለየ ክመቱ ይኽእሉ’ዮም። ከም’ቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ ግን ንደቆምን መቕርቦምን ዘቕስን ኣይኮነን። ሕማቕ ዝገበረ ብሕማቕ፡ ጽቡቕ ዝገበረ ድማ ብጽቡቕ ስለ ዝሕተትን ዝዝከርን ብታሪኽ’ውን ክሕተቱ’ዮም።

ሕቶ፡- ስለዚ እዚ ናይ ሎሚ ፖለቲካዊ ሃገራዊ ጸገም መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ንሃገራዊ ነጻነት ዝነበረ ዘይደሞክራስያዊ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን’ዩ ‘ዶ ክንብሎ ንኽእል?

መልሲ፡- ከምኡ ኣይኮነን። እቲ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ዝነበረ ጉድለታት ወይ ጌጋታት ናቱ ፍሉነታት ኣለዎ። እዚ ድሕሪ 1991 ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ከኣ ናቱ ፍሉይነትን በዓል ቤትን ኣለዎ። ናይ ባህርን ተግባርን መምዘኒታት ኣለዎ። ብረታዊ ቃልሲ ክጅመር እንከሎ ብጽፉፍ ኣገባብ ኣይተበገሰን እናተባህለ ክዝረብ እሰምዕየ። ብሓቂ ከም’ቲ ዝተባህለ ሕጽረታት ነይርዎ ክኸውን ይኽእል። ኣበየናይ መድረኽ፡ ኣብ ከመይ ዝበለ ናይ ቃልሲ ተመክሮ፡ ኣተኣሳሲርካ ዝረአ ደኣምበር ቁንጽል ኣቢልካ ይመስለኒ እናበልካ ምኹናን ምኽሳስን ምስ’ዚ ናይ ሎሚ ከተተኣሳስሮን ሚዛናዊ ኮይኑ ኣይስመዐንን። እቲ ቃልሲ ህዝቢ ዝተሳተፈሉ ቃልሲ’ዩ። ብዙሕ ህይወት ዝተገበረሉ ቃልሲ’ዩ። ክንደይ መንእሰይ ዕድመ ንእሰነቱ ዘብለየሉ ኣካሉ ዝጎደለሉ፡ ደሙ ዝኸዓወሉ፡ በጃ ዝሓለፈሉ ቃልሲ’ዩ። እዚ ድሒሩ ንሜዳ ኤርትራ ብሓይሊ ብረት ዝበሓተን መሪሑ ነጻነት ኣምጺኡ ዝበሃል ዘሎ ወድብ ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ግን፡ ምስ ገፈጥ መፈጥ ፖለቲካዊ ባህሪኡን ኣሰራርሓኡን ስለ ዝኣተወ ናቱ ናይ በይኑን መቐጸልታ ታሪኹን ተግባሩን’ዩ። ብቕዓትን ህዝባዊ ሓይልዮትን እንተዝነብሮ ካብ ካልኦት ተመክሮ ወሲዱ’ውን ምተዓረየ ነይሩ። ብባህሪኡ ኣንፈተ ቅኑዕ መንገዲ ክኽተል ስለዘይደሊ ግን፡ ተራ ሃገራዊ ሓይሊ ኮይኑ ብወተሃደርን ወተሃደርነትን ሆ እናበለ ኣትዩ። ሆ እናበለ ድማ 25 ዓመት ተጓዒዙ። ኣብ’ዚ ክፍለጥ ዘለዎ ድማ፡ ኣብ ዓለም’ሲ ንሕና ጥራሕ ኣይኮናን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ነይርና። ንሕና ጥራሕ ኣይኮነን ንመሰልና ተቓሊስናን ተዓዊትናን፡ ንውሓት ግዜኡ፡ ዝሓተቶ መስዋእቲ ብደረጃታት ክፈላለ ይኽእል ይኸውን። ከማና ንመሰሎም ተቓሊሶም ዝተዓወቱ ህዝብታት ከም ዘለው ግን ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ክንዝንግዕ ኣይግባእን። ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ መን ከማና ንሕና ነጻነትና ብቓልስና ዘምጻእና ካልኦት ከኣ ብወርቂ ሸሓኒ ዝተበርከተሎም እናበለ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ መሰረት ኣልቦ ውጹእ ሓሶት ምዃኑ ክርደኣና ይግባእ። ምኽንያቱ ንሃገራዊ ነጻነቶም ኣንጻር ግዳማዊ ወይ ባዕዳዊ ሓይሊ ዝተቓለሱ ኣለው። ንደርባውን ብሄራውን ሓርነታዊ ደሞክራስያዊ ማዕርነቶም ዝተቓለሱን ዝተዓወቱን ህዝብታት ኣለው።

ስለዚ እቲ ባህሪኡ ዝዓደሎ ኣብ ሃገር ኣውሪድዎ ዘሎ ዕንወት ናብ ካልእ ከላግቦ ወይ መኻስስቲ መዋቕስቲ ክረኽበሉ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ዝገብሮ ወፍርታት ክንቀሓሉ ኣለዎ። ሓደ ንነጻነትን ሓርነትን ህዝቢ ዝጋደል ፖለቲካዊ ውድብ፡ ኣብ በረኻ እናሃለወ ኣንጻር መግዛእቲ ፊት ንፊት ምውጋእ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ድሕሪ ምብራር መግዛእቲ፡ ህዝቢ ከመይ ክመሓደር’ዩ ዝብል ዝተጸንዐ ውጥን ሒዙ ኣብ ህዝቢ ፖለቲካዊ ባይታ ፈጢሩ’ዩ ክጎዓዝ ነይርዎ። ብቕዓቱ ጥራሕ ዘይኮነ ድሌቱ ካብ’ዚ ሓቂ’ዚ ወጻኢ ስለ ዝኾነ ግን፡ ሕጂ ነቲ ሕቡእ ኣጀንዳኡ’ዩ ዘተግብር ዘሎ። ኣብ’ዚ ብብሩህ ክቕመጥ ዘለዎ ኣብ ጽላል እቲ ውድብ ዝተሓቑፉ መሳኪን ውፉያትን ሓርበኛታትን ተጋደልትን ብጃምላ ዘኽስሶም ዘይምዃኑ’ዩ። ንሳቶም ብንጹህ ሕልና ግቦኦም ዝገበሩ ዘሐብኑ ዜጋታት’ዮም። ንግዳማዊ ጸላኢ ብህይወት ደቂ-ህዝቢ ስዒርና ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ምስ ጨበጥና ንህዝቢ ከመይ ንመልኮን መሳርሒና ገይርና ንገዝኦን ንምዝምዞን ውልቃውን ጉጅላውን ሃብቲ ነኻዕብት ነገራት እናዋደደ ዝመጽአ ወሳኒ መሪሕነታዊ ኣካል ግን፡ በይኑ ተሓታቲ’ዩ። ስለዚ እዚ ናይ ሕጂ ምስ’ቲ ኣብ ምብጋስ ናይ’ቲ ቃልሲ ዝነበረ ሕጽረታት ክተኣሳሰር ኣይኽእልን ዝብል እምነት’ዩ ዘለኒ። እቲ ዳሕረዋይ ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ’ዩ ጠንቁ፡ ንሱ በይኑ ድማ’ዩ ዝሕተተሉ። እዚ ውድብ’ዚ ንህዝቢ፡ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ምስ ሓዘ ዘይኮነ፡ ኣብ ሜዳ እናሃለወ’ዩ ጠሊምዎ። መዓስ ኣእሚኑ የቃልሶ ነይሩ። ብሓይሊ ገፊፉ እኳ’ዩ ዘጋድሎ ነይሩ። ህዝቢ ብንጽህና ብዘልዕሎ ዝነበረ ሕቶ ሓድነትን ሕቶ ደሞክራስን እኳ’ዩ ዘሽካዕልል ነይሩ።

                                                            ሳልሳይ ክፋሊ ይቕጽል

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 11-11-2016

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel