ኤርትራውያን ከም ህዝቢ ኣብ ኣሰካፊ ፖለቲካዊ ኩነታት ከም እንርከብ ዘከራኽር ኣይኮነን። መጀመርያ ኣብ ኣሰካፊ ፖለቲካዊ ኩነታት ከም እንርከብ ዘረጋግጸልና፡ ኣብ ሰብኣዊ ክብርና ዝፍጸም ዘሎ ቅሉዕ ጥሕሰት’ዩ። ብካልኣይ ኣብ ኣሰካፊ ፖለቲካዊ ኩነታት ከም እንርከብ ዝምስክረልና ድማ፡ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ኣብ ልኡላውነት ሃገርና ንሰምዖን ንሪኦን ዘለና

ድፍረት’ዩ። ኣብ ሃገራዊ ልኡላውነትና ዘነጻጸረ ንሰምዖን ንሪኦን ዘለና ድፍረት ከኣ፡ ምንጩ ወይ ቀለስቱ ብወሳኒ መልክዑ ካብ ቀረባና ዘይኮነ፡ ካብ ርሑቕ ርሕቀትና’ዩ።

መሰረታዊ ጠንቂ ናይ’ቲ ኣብ ሰብኣዊ ክብርናን ልኡላውነት ሃገርናን ዝፍጸም ዘሎ ጥሕሰትን ድፍረት ድማ ካብ ቤትና ዝምንጩ’ዩ። ማለት ንኹሉ ሽግራት ዝዕድመልና ዘሎ፡ ከም ህዝቢ ባዕላዊ ዘቤታዊ ዘይደሞክራስያዊ ባህሪናን ፖለቲካዊ ዘይብቕዓትናን’ዩ። ብቀጥታ ከም ህዝቢ ሰብኣዊ ክብርና ዘዋርድ፡ ኣብ ዕዳጋ ኣውሪዱ ዝዋገየልና ዘሎ መን’ዩ እንተተባሂሉ ከኣ፡ ስማዊ መንግስቲ ህግደፍ’ዩ። እቲ ብግብርን ብሓሳብን ካብ ግዳም ዝመጸና ዘሎ ኣሰካፊ ወስታታት ድማ፡ ብወግዓውን ብዘይወግዓውን ኣገባብ ብስማዊ መንግስቲ ህግደፍ ዝተዓደመ ምዃኑ ክንርዳእ ይግባእ።

ብግልጺ ፖለቲካዊ ቋንቋ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ሃገራዊ ልኡላውነት ‘ምበር ህዝባዊ ልኡላውነት የብልናን። ህዝባዊ ልኡላውነት ኣብዘይተኸብረሉ ልኡላዊ ግዝኣት ክኽበር ምጽባይ ድማ ፖለቲካዊ የዋህነት’ዩ። ኩሉ ነናቱ መንገዲ ኣገባብን ኣገጣጥማን ስለ ዘለዎ፡ ናይ ገጢሙና ዘሎ ሽግር ጠንቅን ሳዕቤንን ብቀደም ሰዓብ ሰሪዕና፡ ምሉእ ኣቓልቦና ናብ ጠንቂ ኣነጻጺርና ክሳብ ዘይተዋሳእና፡ ብግዝያዊ ስምዒት፣ ብሰናይ ድሌት፣ ብተራ ጽልእን ህልኽን ዝመጽእ ክብረት ኣይህሉን። ንሰብኣዊ ክብረትናን ህዝባዊ ልኡላውነትናን ድሕሪት ሰሪዑ፡ ሃገር ሃገር ዘቐድም ስብከት ናይ ጥዕና ኣይኮነን። እቶም ኣብኡ መሰረት ገይሮም ዝጎስጉሱ ወገናት እንታይ’ዩ ዕላማኦም? ንመን የርብሕ ንመን’ከ ይጎድእ ርግእ ኢልና ክንግምግሞ ክንትንትኖ ይግባእ። ጠንቂ ገዲፍካ ንሳዕቤን ምቅዋም፡ ምኽሳስን ምንቃፍን ፖለቲካዊ ሚዛና ዘፍኩስ እንተዘይኮይኑ፡ ከም ህዝብን ሃገርን ርዝነት ዝህበና ኣይኮነን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብዝረኸቦ 130 ሚሊዮን ዶላር (5 ቢልዮን ብር) ነጻ ደገፍ ቤተ-መንግስቱ ኣብ ምሕዳስን ንመስሕብ በጻሕቲ ዝኸውን ገዚፍ ፕሮጀክትን ይሃንጽ ከም ዘሎ ይፍለጥ። ካብ’ቲ ሒዝዎ ዘሎ ገዚፍ ፕሮጀክት፡ ብዘይካ መራሒ ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኩሎም መራሕቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ (ኢጋድ) ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ብ10 ጥቕምቲ 2019 ኣንድነት ፓርክ ዝተሰምየ መደብ ኣብ ዘመረቐሉ፡ “ፕረዚደንት ኢሳያስ ድማ ንዓይ ወኪሉኒ ኣሎ፡ ዝምድናና ከኣ ኣብ ምውኽኻል በጺሑ ኣሎ” ክብል ገሊጹ ነይሩ። ከምኣ ስለ ዝበለ ብገለ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ብ15 ጥቕምቲ 2019 ግሉጽ ተቓውሞ ቀሪብሉ። ነቲ ናይ ተቓውሞ ደብዳቤ ምስ ኣንበብኩ ድማ ተገሪመ።

ኣብ’ቲ ብ2018 ሕጋውነትን ግልጽነትን ብዘይብሉ ኣገባብ ኣብ መንጎ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን መንግስቲ ኢትዮጵያ ተገይሩ ዝተባህለ ናይ ሰላም ስምምዕ፡ ኢሳያስ ንዶ/ር ኣብይ ኣብ ኩሉ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ንኤርትራ ወኪልካ ክትሰርሕ ምሉእ ሓላፍነት ሂበካ ኣለኹ። ኣብ ዝደለኻዮ ግዜ ናብ ኤርትራ ብዘይ ዝኾነ ሕቶ ክትኣቱ ድማ ምሉእ መሰል ሂብካ ኣለኹ ምባሉ ዝዝከር’ዩ። ስለዚ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ መራሕቲ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ዝተመረቐ ኣንድነት ፓርክ፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንስኻ ወከለኒ ስለዝበለኒ ወኪለዮ ኣለኹ ብምባሉ፡ ብኤርትራውያን ኣንጻሩ ተቓውሞ ዘልዕል ምኽንያት እንታይ’ዩ? ኢሳያስ ልኢኽዎ መልእኽቱ ድማ ብወግዒ ኣብጺሑ ኣሎ። ስለምንታይ ኣይውክለካን እምቢ ዘይትብሎ ድዩ’ቲ ተቓውሞ? ብናተይ ርእይቶ ከምኡ ኣይበሃልን’ዩ። ብውልቀ-ሰባት ደረጃ እንተዝበሃልስ ከም እንደነገሩ ሸለል ኢልካ ምተሰግረ፡ ብደረጃ ፖለቲካዊ ውድባት ብወግዒ ብሰነድ ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር ክንሳ ናይ ካልእ ሃገር መራሒ ኮይንካ ንኤርትራ ወኪለ ኣለኹ ምባልካ ንልኡላውነትና ዝዳፈር ስለ ዝኾነ ተቓውሞና ንገልጸልካ ኣለና ማለት፡ ሚዛን ዘይብሉ ፖለቲካዊ መልእኽቲ’ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ብርእይቶይ ኣብይ ኣሕመድ ከምኡ ምባሉ ኣይተጋገየን። ተላኢኹ መልእኽቱ ኣብጺሑ ይውዳእ። ምስ ድፍረት ልኡላውነት ሃገረ ኤርትራ ዘተኣሳስር መልእኽቲ ኣለዎ እንተተባሂሉ፡ ነቲ ዝለኣኾ ንኤርትራ ይመርሕ ኣለኹ ዝብል ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ምሕታት’ዩ። ንምዃኑ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ወይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ስማውያን ወከልቱ፡ ኣብ ስነ-ስርዓት ምምራቕ ኣንድነት ፓርክ ኣብ መንጎ መራሕቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ተረኺቦም መደረ እንተዘስምዑኸ ኤርትራ ተወኪላ ኣላ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ድማ ተኽቢሩ ኣሎ ማለት’ድዩ? ህዝባዊ ልኡላውነትናን ሃገራዊ ልኡላውነትናን ብቕሉዕ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቑ ዘሎ መን ድዩ? ኢሳያስን ህግደፍን’ዶ ኣይኮነን? ኣይሕጋውን ኣይውክለናን ህዝባዊ ኮነ ሃገራዊ ልኡላውነትና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእተወ ዘቤታዊ ጸላኢ’ዩ ኢልና ዶ ኣይኮናን ንምውጋዱ ንቃለስ ዘለና? ብወገነይ እዚ ተዘርጊሑ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ደብዳቤ ንደምበ ተቓውሞና ኮነ ንልኡላውነት ኤርትራ ካብ ዝህቦ ርዝነት፡ ኣብ ትዕዝብቲ ዘውድቖ ስለ ዝዓቢ ቀልጢፉ ክእረም ኣለዎ ዝብል ተረድኦ ኣለኒ።

ይኹን ግን መበገሲ ናይ’ዚ ደብዳቤ ከም ህዝቢ ከም ሃገር የንጸላልወና ካብ ዘሎ ኣሰካፊ ኩነታት ዝነቐለ’ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ። ዋላ ሃገራዊ ልኡላውነት ተደፊሩ ካብ ዝብል ቅኑዕ ሕልና ዝመንጨወ ሓሳብ ይኹን ግን ፖለቲካዊ መልእኽቱ መሰረታዊ ጌጋ ዘለዎ’ዩ። ገጢሙና ዘሎ ሽግር ብኹሉ ሸነኹ ዘቕስን ኣይኮነን። ካብ ክሳብ ካብ ቤትና ዝተበገሰ ምዃኑ ግን ክንጠራጠር የብልናን። ንህዝባዊ ብርሰትን ድፍረት ልኡላውነት ሃገርን ኣሳጢሑና ዘሎ ህግደፍ ምዃኑ ተረዲእና ኢና ክንቃለስ ዘለና። ክንቃለስ እንከለና ከኣ ነገራት ከነዛብዕ የብልናን። ቅድሚ ሰብኣዊ ክብሪ፡ መሬታዊ ክብሪ ምስራዕ ሓቂ ምዝባዕ’ዩ። ቅድሚ ጠንቂ ሳዕቤን ምስራዕ’ውን ነገራት ምዝባዕ’ዩ። ቅድሚ ናብ ውሽጢ ቤትካ ምጥማት፡ ክንዮ ዶብ ሰጊርካ ንካልእ ብዓይኒ ጥርጠራ ምርኣይ ቅኑዕ ኣይኮነን። ብዝተዛበዐ ርእይቶ ዝምለስ ህዝባዊ ልኡላውነትን ዝኽበር ሃገራዊ ልኡላውነት ከኣ የለን። ብኣንጻሩ ንፖለቲካዊ ኣንፈትናን ብቕዓትናን ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ’ዩ ዝኸውን።

30 ዓመት ምሉእ ከም ህዝቢ ኣላሽ ከይበልና ተቓሊስና፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቁጸሩ ሰማእታትን ልዕሊኦም ጀጋኑ ውጉኣት ሓርነትን ከፊልና፡ ሰራዊት ባዕዲ ጸሪግና፡ ሃገራዊ ልኡላውነትና ብሕግን ብወግዕን ኣረጋጊጽና። ግን “ተሓጺብካ ናብ ጭካ” ዓይነት ናይ ነጻነት ኣየር ከየስተማቐርና ኣስታት ን30 ዓመት ኣብ ትሕቲ ዘቤታዊ መግዛእቲ ተቖሪና ንርከብ ኣለና። ነዚ ኣብ ክንዲ ስነ-ሓሳባዊ ፖለቲካዊ ኣንፈትና ኣነጺርና፡ ባዕላውን ውድዓውን ኩነታት ገምጊምና፡ ጠንቅን ሳዕቤንን ፈላሊና ናብ ዓወት ዘብጽሕ መሳርዕና ኣዋዲድና ንወፍር፡ ብግዝያዊ ስምዒት ተገዚእና፡ ውሽጣዊ ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ሕመቕና ንግዳም ሂብና ክንገብሮ ዝጸናሕና ንጥፈታት ፍረ ከምጸአልና ኣይከኣለን። እዚ ንለኣኺ ገዲፉ ንመልእኽተኛ ዝቃወም ዝኸስስ ደብዳቤ’ውን ብዓይኒ ዝተበገሰሉ ሕልና ዘይኮነ፡ ብፖለቲካዊ ትሕዝቶኡ ክሳራ ‘ምበር ንልኡላውነት ኤርትራ ዝህቦ ፖለቲካዊ መኽሰብ ስለ ዘይብሉ ዋናታቱ ብወግዒ እንተዝእርምዎ ምሓሸ እብል።

                                                                       ካብ ዛራ ማና

                                                20-10-2019