እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 58 guests and no members online

ካብ ዘለዋ ሃብቲ ነዳዲ ተበጊሳ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናታ ጽልዋታት ንምስፋሕ ትዋሳእ ዘላ

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንመራሕቲ ኤርትራን ሱዳንን ብገንዘብ ትነስዖም ከም ዘላ ተሓቢሩ።

መጀመርያ ምስ ስዑዲያ ደሓር ድማ ምስ ኢራን ብዘይወግዓዊ ኣገባብ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ መን ጽልዋ ፈጠረ ኣብ ህልኽ ካብ እተኣቱ ነዊሕ ዓመታት ዘቑጸረት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ብፍላይ ንመራሕቲ ሃገረ ኤርትራን ሱዳንን በብግዜኡ ናብ ሃገራት ብምጽዋዕ፡ ኣነ ብገንዘብ ንሳትኩም ብሰብኣዊ ቀረብ ዓይነት ኣብ’ተን ሃገራት ናታ ኣገልገልቲ ብምፍጣር፡ ጥጡሕ ባይታ ክህልዋን ንስዑዲ ዓረብያን ኢራንን በሊጻ ላዕለዋይ ኢድ ንመሓዝን ገዚፍ ገንዘባዊ ወጻኢ ተፍስስ ከም ዘለና ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ምስፋሕ ወደባትን ቀረባት ነዳድን ካልእን ክትድግፍ ምዃና ኣቐዲማ ቃል ኣትያ ገለ ክፋሉ ከተተግብሮ ከም ዝጀመረት ዝገለጹ እቶም ምንጭታት፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ መንግስቲ ሱዳን ንዘጋጠሞ ሕጽረት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንምሽፋን ኣብ ባንኪ ሱዳን ፍርቂ ቢሊዮን ዶላር ብምቕማጥ፡ ኣብ’ታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ንምርግጋእ ከም ዝወሰነት፡ ብዘይካዚ ናይ ዝተወሰነ ግዜ ቀረብ ነዳዲ ክትሽፍን ከምኡ’ውን ኣብ ምምንጫው ሓይሊ ጸዓት ምሉእ ደገፍ ክትገብ ድልውቲ ከም ዘላ ምርግጋጻን ኣፍሊጦም።

ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ሃገረ ሽወደን ንኤርትራዊ ሃገርነትን ጉዕዞ ናይ’ቲ ዝተናወሐ ብረታዊ ቃልስን ዘላለየ መድረኽ ከም ዝተኻየደ ተፈሊጡ

ብሽወደናዊ ኤርትራዊ ምሕዝነት ባህላዊ ማሕበር ዝተባህለ ትካል ተጸዊዑ ንሃገረ ኤርትራን ህዝባዊ ቃልሱን ንምልላይ ቅድሚ ትማሊ፡ ትማሊ፡ ሎሚ ብዝብል ብሰነዳዊ መግለጺታት ዝተሰነየ መድረኽ፡ ኤርትራውያንን ኣዕሩኽ ኤርትራውያንን ኣብ ዝተረኽብሉ ብ7 ታሕሳስ 2016 ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ከም ዝተኻየደ፡ ቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ9 ታሕሳስ 2016 ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ብዝተፈላለየ ምድላዋት ማዕሪጉ ዘምሰየ መድረኽ፡ ብፍላይ ሓው ጸሃየ ቀለታ ንኩንታት ኤርትራ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ትሓልፎ ዘላ ኣሰቃቒ ፖለቲካዊ ህይወትን ኣመልኪቱ ብስእልታት ዝተሰነየ ሰፊሕ መግለጺ ከም ዘቕረበ፡ ኣብ’ቲ መድረኽ ካብ ዝተረኽቡ ኣዕሩኽ ኤርትራውያን ነቲ ድሙቕ ምሸትን ንኤርትራ ዝምልከት ዝተዋህቦም ገለጻታትን ኣመልኪቶም ናብ መድረኽ እናደየቡ ርእይቶ ከም ዝለገሱን፡ እቲ ምድላው ብጽቡቕ ከም ዝተዛዘመን እቲ ሰልፊ ኣረጋጊጹ ሎ።

ሰለስተ ኤርትራውያን ካብ ፈረንሳ ናይ ምብራር ሓደጋ የንጸላልዎም ከም ዘሎ ተገሊጹ።

እዞም ናብ ሃገሮም ናይ ምጥራዝ ሓደጋ ዘንጸላልዎም ዘሎ ኤርትራውያን፡ ካብ’ቶም ኣብ ካለ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ንምስጋር ፈተነ ከካይዱ ዝጸንሑ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ምዃኖም፡ ካብ 26 ሕዳር 2016 ንደሓር ግን መኒል ኣመሎ ኣብ ዝተባህለ ሰሜናዊ ክፋል ፈረንሳ ተቐይዶም ከም ዝርከቡ፡ ምኽንያት መቐየዲኦም ድማ፡ ኣብ ፈረንሳ ፖለቲካዊ ዕቑባ ሓቲቶም ንምንባር ፍቓደኛታት ስለዘይኮኑ ከም ዝኾነን ንጉዳይ ስደተኛታት ዝከታተል ትካል ንዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር ረድዮ ኤረና ብ8 ታሕሳስ 2016 ሓቢራ።

እዞም መዕለቢኦም ዘይፈለጡን ናይ ምጥራዝ ሓደጋ ዘንጸላልዎም ዘሎን ሰባት፡ ኣብ ሚያዝያ 2016 ናብ ፈረንሳ ከም ዝኣተው ኣብ ፈረንሳ ዕቑባ ኣይንሓትት ብምባሎም ካብ ፈረንሳ ክወጽእሉ ዘለዎም ግዜ ስለ ዝሓለፈን መንግስቲ ፈረንሳ፡ ዋላ’ኳ ኤርትራ መሊስካ ናብ ኤርትራ ክጥረዙ የብሎምን ዝብል መርገጽ እንተሃለዎ፡ ናበይ ሃገር ብዘይንተነጸረ፡ ንምጥራዞም ኣብ’ታ ሃገር ምስ ዝርከብ ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ይዘራረብ ከም ዘሎን ኣረዲኣ። ይኹን ‘ምበር ሰለስተ ኤርትራውያን ከም ዝኾኑ ዝተገልጹ ካብ ምባል ሓሊፋ፡ በዓል መን ከም ዝኾኑ ግን ኣስማቶም ኣይሓበረትን።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 12-12-2016

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel