ብኣቢዪ ከይተተከኤ

ህዝቢ እንዳ ጠፍኤ

ዋጉኡ ከይበዝሔ

ኣማዕዲና ኣይንርኤ‘‘

ኤረና ንወዲ መን ንበሎ

ናይ ሰማእታትና ውዕሎ

ንሱ ኣይነበረን ንበሎ‘‘

ነበር ያ ነበረ ዘይተርፍ

ምልኪ ጭፍራ ህግደፍ

ሕብኡኒ እድማ ደርገፍገፍ

ከም ደርጊ ጽባሕ ይጸድፍ‘‘

ነጻነትና ሪኢና ሲኢናዮ

ንኣርዮስ ከምታ ዘምጻእናዮ

ንማፍያዊ ጉጅለ ባዕላና ንእለዮ‘‘

ሰብ ናብ ሰቡ ዝብኢ ናብ ገርቡ

ከምዚ ሎሚ ኣዚሮም ዘይሐስቡ

ዝበረቀ ጸሐይና እንዳበሉ ዝዛረቡ

ፈተውቲ ነብሶም ምስ ተረኸቡ‘‘

ብመረብ ሩት ጓል ስግር ሩባ

ደገፍ ግራዝማጃት ደቀባት ረኺባ

ገዛና ኣትያቶ ብኽንደይ ዓጀባ‘‘

ኤረና ኩሑሎ ዶ ብህግደፍ ትሕሎ

ኣዕጽምቲ ጀጋኑ ፋሕ ኢሉ ኣብ ሩባ

ኣብ ፈቐዶ ስንጭሮታት ምስ ኩርባ

ን30 ዓመታት ተራባሪባ

ደምና ውሒዙ ሃገር ተርኺባ‘‘

ናይ ኤርትራዊያን ደም ፈሲሱ

ህግደፍ ሕልሚ ጀጋኑ ኣህሲሱ

ማዕጾና ዓጽዩ ህድሞና ኣፍሪሱ‘‘

ጠላም ወትሩ ሐደ ደርፉ

ኤርትራዊ ንነጻነት ከም ቆጽሊ ረጊፉ

ንዓገብ ዝበሉ ዓበይትን ናእሽቱን ቆሊፉ

ኣይከሰርናን ኢሉ ትንፋስ ዕሸላት ኣሕሊፉ‘‘

ውሕጅ ከመጸ መንገዲ ውሕጅ ጽረግ

ዝጸረየ ማይ ከይብከል ከሕምሮግ

ምስ ውድቀት ህግደፍ ሕማምና ክጽረግ‘‘

ሕጂ ድማ ካብ ጸባ

ዘይተረኸበስ ካብ ማይ ጸባ

ራዛ ናይ ኣቡኡ ሐዛ ግርም እባ

ኣባይ ትግራይ እንዳ በልካ ዘረባ‘‘

ጉሁይ ልበይ ዓቲርና ዋልታ

ኣሕ ገዲፍና ክንብል ቱታ

ደቂ ኤረይ ሕጂ እያ ሰዓታ‘‘

ኤረና ሜሬታ ባሕራ ምስ ሰማያ

ደምና ኣፍሲስና ሐራ ዝገበርናያ

ብጉጅለ ህግደፍ ኣይትጓዝዛዘይንያ

ኤርትራ ናይ ኤርትራዊያን እያ

ቀሪቡዩ ክምሖ እሾኻ ጻህያያያ‘‘

ደቂ ኤረይ ብስኒት ንበል ጉያ ጉያ‘‘

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን‘‘ 26 10 2019‘‘ብኣባል ተ.ሐ.ኤ. በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።