እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 79 guests and no members online

መሬት ምስ ህይወት ዜጋታት ዝተኣሳሰረ ክንሱ፡ ጉጅለ ህግደፍ ግን  ፖለቲካዊ እምነት ምስምስ ገይሩ ንዝደገፎ ይህብ ንዘይደገፎ ይኽልክል ኣሎ።

ዋንነትን ተጠቃምነትን መሬት ካብ’ቶም ኣብ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም ክሰፍሩን፡ እቲ ቅዋም ብዝእዝዞ መሰረት ክመሓደሩን ዝግበኦም ዓበይቲ ቁጠባዊ ክፍልታት ሓደን ኣብ ቀዳማይ ቦታ ዝስራዕን ክንሱ፡ ስማዊ ስርዓት ህግደፍ ግን ኣብ ዘይ ህላወ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም፡ ከም ተራ ኣቕሓ ፊን ከም ዝበሎ፡ ሓንሳብ “ኩሉ ዜጋ ማዕረ መሰልን ተጠቃምነት ኣለዎ፡ ስለዚ ከኣ ሰሪሑ ከልምዕ ንዝኽእል ናይ ወፍሪ ዋንነቱ ውሑስ’ዩ ክብል ይስማዕ፡ ካልእ ግዜ ከኣ፡ ምስ ፖለቲካዊ እምነት ብምትእስሳር ንዘይድግፍዎ ናይ መሬት ተጠቃምነት ከም ዝነፍጎም ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ቁጽሪ 84 ዘሰፍሮ ዜናዊ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

ኣመሓዳሪ ከተማ ባረቱን ንነብርቲ ከርካሻ ኣኺቡ፡ ብዛዕባ ዋንነትን ተጠቃምነት መሬትን ኣመልኪቱ መምርሒ ከም ዝሃበ፡ እቲ እምነትን ፖሊስን መንግስቲ’ዩ ብዝብል ዝተዋህበ መምርሒ፡ ሕድሕዱ ዘይቃዶን ዝላተምን ከም ዝኾነ፡ ሓደ ካብኡ መሬት ዝዕደሉ ሃገራዊ ግቡኦም ዘማልኡ ጥራሕ ከም ዝኾኑን ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣረዲኣ።

ብካልእ ዜና ብ1948 ብወግዒ ካብ ዝተኣወጀሉ፡ ዓመት መጽአ ዝዝከር ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ብ10 ታሕሳስ 2016 ተዘኪሩ ከም ዝወዓለ፡ ኣብ ኤርትራ ብመንግስቲ ህግደፍ ዝፍጸም መሰረታዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ከመይ ከ ክግታእ ዘለዎን ኣብ ዝብል ብትኹረት ካብ ዝረኣዮም ሓደ ከም ዝነበረን ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

መንግስቲ ግብጺ ኣብ ሓውሲ ደሴት ሲናን ካልእ ቦታን ኣብ መሸጣ ውሽጣዊ ኣካላት ደቂ-ሰባት

ተዋፊሮም ዝጸንሑ ሰብ ሞያ ሕክምና ዝኾኑ ዜጋታቱ ከም ዝኣሰረ ተፈሊጡ።

መንግስቲ ግብጺ፡ ጸረ ብልሽውና ብዘጣየሶ ፍሉይ ኣካል ኣቢሉ፡ ኣብ መሸጣ ህዋሳት ደቂ-ሰባት ተዋፊሮም ዝጸንሑ፡ ፕሮፌሰራት፣ ዶኳትር፣ ነርሳት ዝርከብዎም ግብጻውያን ኣብ ቁጽጽር ኣውዒሉ ብገበን ከሲስዎም ከም ዘሎ፡ ንማዕከን ዜና ቢቢሲ ብምጥቃስ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ብ12 ታሕሳስ 2016 ሓቢራ።

እቲ ብልሽውና ንምቁጽጻርን ገበነኛታት ናብ ሕጊ ብምቕራብ ክቕጽዑ ንምግባርን ዓሊሙ ዝተጣየሰ ትካል፡ 25 ኣብ ገበን መሸጣ ውሽጣዊ ናውቲ ኣካላት ተዋፊሮም ዝጸንሑ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣብ ዘእተወሉ፡ ብሚሊዮን ዶላር ዝግመት ከም ወርቂ ዝበለ ክቡር መዓድናት ከም ዝሓዘን ገሊጻ።

መንግስቲ ግብጺ ነዚ ስጉምቲ’ዚ ዝወስድ ዘሎ ኣብ ሓውሲ ደሴት ሲና መብዛሕቲኦም ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ሰባት ግዳያት ይኹን ኣለዎ ዝብል ድሕሪ ክቐርበሉ ዝጸንሐ ቀጻሊ ክሲ ምዃኑን እቲ ኣብ ኣሰና ዝተረኽበ ዜና የረድእ።

 

 

ኣብ ህልቂት ናይ’ቶም ብ18 ሚያዝያ 2015 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ

ኣማኢት ስደተኛታት ኢድ ኣለዎ ዝተባህለ ቱኒዝያዊ 18 ዓመት ተፈሪዱ

ብ18 ሚያዝያ 2015 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ዝጠሓሉ ኣማኢት ሰባት ኢድ ኣለዎ ብዝብል ተጠርጢሩ ኣብ ኢጣልያ ተቐይዱ ዝጸንሐ መሓመድ ዓሊ ማሌክ ዝተባህለ ቱኒዝያዊ 18 ዓመት ከም ዝተፈርደ ተለቪዥን ኣልጀዚራ ጸብጺባ።

እቲ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ኢጣሊያ ካታኒያ ኣብ ዝተባህለት ከተማ   ከም ዝተኻየደ፡ ነዚ ጉዳይ ሒዝዎ ዝጸንሐ ቤት ፍርዲ ብ13 ታሕሳስ 2016 ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ፡ ነዚ ቱኒዝያዊ ቀንዲ ገበነኛ ኮይኑ ስለ ዝተረኽበ ብ18 ዓመት ጽኑዕ ማእሰርቲ፡ ሓደ ተሓባባሪ ነይሩ ዝተባህለ ሶርያዊ ድማ ን5 ዓመት ክእሰር ብይን ከም ዝሃበን ኣረጋጊጻ።

ኣብ’ቲ ብ18 ሚያዝያ 2015 ዘጋጠመ ሓደጋ ኣስታት 700 ሰባት ኣብ’ታ ዝጠሓለት ጃልባ ተሳፊሮም ከም ዝነበሩ ብዘይካ ኣዝዮም ውሑዳት እቶም ዝበዝሑ ከም ዝሃለቑ፡ ናይ’ዚ ተሓታቲ ድማ እዚ ሕጂ ን18 ዓመት ዝተፈርደ መራሒ ናይ’ታ ጃልባ ዝነበረ መሓመድ ዓሊ ማልክ ዝተባህለ ወዲ 27 ዓመት ቱኒዝያዊ ምዃኑ ኣብ እዋኑ ተገሊጹ ምንባሩ ወሲኻ ኣረዲኣ። በቲ ሓደጋ ኣማኢት ኤርትራውያን ግዳያት ከም ዝኾኑ ተጸብጺቡ ምንባሩ’ውን ዝዝከር’ዩ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 16-12-2016

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel