እዋናዊ ዜናታት
- ኣባላት ጸጥታ ጉጅለ ህግደፍ ቤተ-ሰቦም ናብ ወጻኢ ካብ ዘህደሙ ኤርትራውያን ዝተፈላለየ ተጽዕኖ ብምግባር ገንዘብ ይዘምቱ ከም ዘለው ተፈሊጡ።
- ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ብሓደጋ መኪና ህይወቶም ስኢኖም።
- ንግስነት ቀጠር ኣብ ስዋኪን ሱዳን ሓድሽ ወደብ ክሰርሕ ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሐ ይግለጽ ኣሎ
- መንግስቲ ሱዳን ኣባላት ህግደፍ ዝርከብዎም ሒዝዎም ዝጸንሐ 27 ኤርትራውያን ካብ ሃገሩ ኣባሪሩ
- ህግደፋዊ ዓፈና ኣብ መደብ ሽንግርዋ ብግልጺ ተነጸባሪቑ፡-
- ማሕበር ረድኤትን ምዕባለን ኤርትራ ሓገዝ ንምርካብ ትነጥፍ ኣላ።
- ዑደት ንረድኤት ብማሕበር ረድኤትን ምዕባሌን ኤርትራ
- The Afar cultural genocide in Eritrea prompts new united efforts against Eritrean government
- ደምዳሚ መግለጺ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ዞባ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ
- ጋዜጣዊ መግለጺ፣ 18 ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡
- ህግደፍ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ህዝባዊ ዝተስምየ ግዱድ ኣኼባ፡ ዝተዋህበካ መምርሒ ተቐቢልካ ካብ ምውጻእ ወጻኢ ዝርከብ ትምህርቲ ከም ዘየለ ተገሊጹ
- ፍሉይ ቤት ፍርዲ እስራኤል ካብ መሳርዕ ሰራዊት ኤርትራ ዘምለጡ ሕቶ ፖለቲካዊ ዕቑባ ንምርካብ ብቑዕ ምኽንያት’ዩ ክብል ወሲኑ።
- በዓልቲ ቤቱ ንሚኒስተር ገንዘብ ህግደፍ ዝነበረ ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ ከም ዝተኣስረት ተገሊጹ
- لبيانالختاميلمؤتمرشبابعفرالبحرالأحمر_إقليمأروبا اللجنة
- ኣብ ከተማ ካለ ፈረንሳ ኤርትራውያንን ኣፍጋኒስታናውያንን ተባኢሶም ኣርባዕተ ሰባት ብከቢድ ተጎዲኦም።
ኣብ መርበብ ዘለዉ
We have 45 guests and no members online
- Details
- Written by ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
- Published: 19 December 2016
ዋሕዚ ስደት ዝግተኣሉ እንኮ ሜላ ጠንቂ ምልጋስ ምዃኑ ተገሊጹ።
ሕብረት ኤውሮጳ ከም ትካል ኮነ ኣባል ሃገራቱ፡ ካብ ሞት ኣምሊጦም ህይወቶም ከድሕኑ ናብ ምድሪ ኤውሮጳ ንዝሳግሙ ዘለዎ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንምግታእ፡ ጠንቂ ስደት ንዝኾነ ስርዓት ዘይግበኦ ገንዘብ ብምሕቋፍ፡ ዝያዳ ካብ’ቲ ዝጸንሖ ንፖሊሲ ተኲስካ ቅተል ዘተግብሩ ዕሱባት ኣዋፊሩ፡ ክኣስርን ክቕትልን ዝገብርዎ ዘለው ድፍኢት ካብ ሰብኣውነት ዝረሓቐን ምስ ኤውሮጳዊ ስልጣነ ዘይኸይድ ጸሊም ታሪኽን’ዩ ክብሉ ኣስማቶም ክግለጽ ዘይደለዩ ኤርትራውያን ካብ ጣሊያን ሓቢሮም።
መንግስቲ ጣልያን ሓደ ካብ’ቶም ምኽንያት ስደት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብደቂቕ ኣፍልጦ ዘለዎም መንግስታት ክንሱ፡ ብብዝሒ ስደተኛታት ተጎቢአ ብዝብል ምስምስ፡ ጠንቂ ገዲፉ ዕድል ግፉዓት ንምጽባብ ዝኽተሎ ዘሎ መስመሩ ዝሰሓተ ፈተነ፡ መንነቱ ካብ ምቅላዕን ንግዜኡ ስደተኛታት ካብ ምስቓይን ሓሊፉ ነቲ ዋሕዚ ክገትኦ ፈጺሙ ኣይከኣሎን ኢሎም።
ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ጣልያን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾነ ኣምባሳደር ሉቺያኖ ፔዞቲ፡ መንግስቲ ህግደፍ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክዓግት፡ መንግስቲ ጣልያን ከኣ ከም ናይ’ዚ ግነዖ ብስም ልምዓት መጠበሪ ዝኸውን ገንዘብ ክህቦ ድልዊ ምዃኑ ንምሕባር ብ14 ታሕሳስ 2016 ኣብ ኤርትራ በጺሑ ይምልከቶም ምስ ዝበሃሉ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ተራኺቡ ከም ዝተመልሰን ካብ ምንጭታቶም ንዝረኸብዎ ጭቡጥ ሓበሬታ ብምጥቃስ ኣረዲኦም።
መንግስቲ ጣልያን ብተነጻል ዝገብሮ ዘሎ፡ ኣካል ኣምሳል ናይ’ቲ ሕብረት ኤውሮጳ ስደተኛታት ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ናብ ኣህጉሩ ከይመጽእዎ ንምዕጋት ኣማኢት ሚሊዮናት ገንዘብ ሰሊዑ መንግስታት ናይ’ዚ ዞባ ዋርዲያ ክገብሮም ዝፍትኖ ዘሎ ጨካን ግን ከኣ መኻን ጅማሮ ክብሉ ብትሪ ኮኒኖሞ።
መንገዲ ኣየር ቀጠር ናብ ኤርትራ ዝገብሮ ዝነበሮ በረራ ዘቋረጸሉ ምኽንያት፡ ብጉዳይ ጅቡቲ ምስ ኤርትራ ዝነበራ ርክብ ከም ዝተዛዘመ ዘመልክት’ዩ ተባሂሉ።
መንገዲ ኣየር ቀጠር ናይ ኣስመራ በረራታቱ ዘቋረጸሉ ምኽንያት፣ ቀጠር ብጉዳይ ጅቡቲ ምስ ኤርትራ ዝነበራ ርክብ ከምዝዛዘመት ዘንጸባርቕ'ዩ ክብሉ ዲፕሎማሰኛታት ሓቢሮም ትብል ረድዮ ኤረና ኣብ ናይ 15 ታሕሳስ 2016 ዜናዊ ጸብጻባ።
ብመሰረቱ እቲ መንገዲ ኣየር፣ ናብ ኤርትራ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ዝጀመረሉ ምኽንያት፣ ብጉዳይ ጅቡቲ ምስ ኤርትራ ተጀሚሩ ዝነበረ ዲፕሎማሲ ብዘይዕንቅፋት ንምቕጻሉ ደኣ'ምበር ካብ ናይ ኤርትራ በረራታት መኽሰብ ንምርካብ ከምዘይነበረ ምንጭታታ ከም ዘረጋገጹላ ዝገለጸት ረድዮ ኤረና፡ ቀጠር፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ዘሰሓሕብ ዝነበረ ጉዳይ ከምዝተዛዘመ እኳ ብወግዒ እንተዘይሓበረት፣ ምቁራጽ መንገዲ ኣየር ግና ሓደ ምልክት ክኸውን ከምዝኽእል ልዑል ግምታት ከም ዘሎ ኣመት ሂባ።
ስማዊ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስርዓት ህግደፍ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንውደብ ዓሰብ ን30 ዓመት ተኻሪያቶ ንዝብል ዜና ኣሉታ ከም ዝሃበሉ ተገሊጹ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንወደብ ዓሰብ ን30 ዓመት ዝጸንሕ ከም ዝተኻረየቶን ንወተሃደራዊ መዓላ ክትግልገለሉ ምዃናን ካብ ቅድሚ ገለ ዓመታት ጀሚሩ ብሰፊሑ ከዛርብ ንዝጸንሐ ኣብ ባይታ ዝረአ ሓቂ፡ ኣብ በይሩት ዝመደበራ ማይዳኒያ ዝተባህለት ተሌቪዥን ሕቡረት ኢማራት ንወደብ ዓሰብ ተኻሪያቶ ክትብል ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ንዘቃልሓቶ ዜና፡ ብጋዜጣዊ መግለጺ ኣሉታ ከም ዝሃበሉ ኣሰና ብ17 ታሕሳስ 2016 ሓቢራ።
ኢማራት ዓረብ ኣብ ወደብ ዓሰብ ወተሃደራዊ መደበር ትሃንጽ ከም ዘላ ፍሉጣት ማዕከናት ዜና ብምስሊ ኣደጊፎም ከቃልሕዎ ምጽናሖም፡ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተኸታተሊ ጉጅለ ብወገኑ ብቐጻሊ ኣብ ጸብጻቡ ክጠቕሶ ምጽንሑን ብሩህ ክንሱ፡ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት እቲ ስርዓት ኣብ ሎሚ በጺሑ ሓሶት ክብል ዝሃቦ ኣሉታ ዘተዓዛዝብ’ዩ ኢላ።
ብካልእ ዜና ሕብረት ኤውሮጳ ዘይምርግጋእን ዘይ ስሩዕ ዋሕዚ ስደተኛታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ንምዕጋት ዘኽእል ናይ 170 ሚሊዮን ዩሮ ከም ዘጽደቐ ንወግዓዊ መግለጺኡ ብምጥቃስ ኣሰና ሓቢራ።
ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 19-12-2016
ኣገዳሲ ቆጸራታት
- ዝኽሪ ንፈላሚት ባሕቲ መስከረም ሰውራ ኤርትራ ኣብ ሽቱትጋርት
- ጻውዕት ንሰፊሕ ልዝብ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኤውሮፓ/ኸ ኣብ ጀርመን
- በዓል 8 መጋቢት 2017
- በዓል 8 መጋቢት 2017
- SECOND EASE CONGRESS ANNOUNCEMENT - ምልክታ : ካልኣይ ጉባኤ ዝምልከት
- ኣገዳሲ ሓበሬታ ዝኽሪ መበል 25 እዮብያላዊ ዓመት ናጽነት ኤርትራ Firande av 25 års av Eritreas Självständighet.
- ኣገዳሲ ሕዝባዊ መፍለጢ Important Public Announcement دعوة لإجتماع هام
ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here
This is the right module position, which is not using any module suffix.
To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.