እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 75 guests and no members online

ተጋደልቲ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ ካብ 14 ሕዳር 2016 ክሳብ 2 ታሕሳስ 2016፡ ኣብ በበይኑ ቦታታት ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ብዝፈነውዎ መጥቃዕቲ ሰብኣውን ነዋታውን ክሳራ ኣውሪዶም

ተጋደልቲ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ፡ ብ14 ሕዳር 2016 ኣብ ተቐራራቢ ሰዓታት ኣብ መንጎ ጎኘን ዴሌን ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ሞጎሎን ኣራዳን ኣብ ልዕሊ ወተሃደራትን ንብረትን ጸላኢ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ከቢድ ጉድኣት ከም ዘውረዱ ቤት ጽሕፈት ፕሮፖጋንዳን ዜናን እቲ ውድብ ኣፍሊጡ።

ጀጋኑ ተጋደልቲ ደሞክራስያዊ ምቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ በዚ ከይተሓጽሩ፡ ብ18 ሕዳር 2016 ኣብ መንጎ ገርገፍን ጎሉጅን ብ2 ታሕሳስ 2016 ድማ ኣብ መንጎ ዘርሰናይን ዓዲ ጊዲን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ ብድምር 13 ወተሃደራት ጸላኢ ከም ዝተቐትሉ፣ ኣርባዕተ መካይን ካብ ስራሕ ወጻኢ ከም ዝኾና፡ ሓደ ናይ ኮሌነልነት ማዕርግ ዘለዎ ብከቢድ ከም ዝቖሰለን ገሊጹ።

ብቕትለት ኤርትራዊ ዳኒኤል ወልዱ ዝተጠርጠረ

ኡጋንዳዊ ወተሃደራዊ መኮነን ተኣሲሩ።

ማእከሉ ደቡብ ሱዳን ገይሩ ኣብ ንግዲ ይነጥፍ ከም ዝነበረ ዝተነግረሉ ኤርትራዊ ዳኒኤል ወልዱ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ብዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት ሰጊኡ፡ ናብ ኡጋንዳ ኣምሪሑ ከም ዝነበረ፡ እንተኾነ ካብ 27 ጥቅምቲ 2016 ንደሓር ደሃይ ከም ዘጥፈአ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ተቐቲሉ ከም ዝተረኽበ፡ ፖሊሲ ኡጋንዳ መንነት ቀታሊ ንምርካብ ከካይዶ ዝጸንሐ መጽናዕቲ ሰሚሩ፡ ናይ ካፒተን ማዓርግ ዘለዎ ሓኪም ማንጃኒ ዝተባህለ ወዲ 32 ዓመት ኡጋንዳዊ ቀንዲ ተጠርጣሪ ኮይኑ ብምርካቡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትይዎ ከም ዘሎ፡ ደይሊ ሞኒተር ንዝተበሃለ ጋዜጣ ብምጥቃስ ረዲዮ ኤረና ብ20 ታሕሳስ 2016 ጸብጺባ።

ኣብ ቅትለት ዳኒኤል ወልዱ ኢድ ከም ዝነበሮም ዝተጠርጠሩ ቤን ሉማን ሩሲ ካቱራሙን ዝተባህሉ ክልተ ኡጋንዳውያን ምስ’ቲ ካፒተን ተቐይዶም ከም ዘለው፡ ደይሊ ሞኒተር ኣብ ናይ 20 ታሕሳስ 2016 ሕታማ ከም ዘስፈረት፡ ኣፈኛ ፖሊስ ኡጋንዳ ብወግኑ፡ ቀታሊ ኣብ ናይ ዳኒኤል ናይ ባንክ ሕሳብ ኣስታት 2 ሚሊዮን ዩሮ ከም ዘለዎ ምስ ኣረጋገጸ፡ ናብ ጀርመን ዘእትወካ ቪዛ ክትረክብ ክተሓባበረካ’የ ኢሉ ብምትላል ሳልሳይ ርእሱ ኮይኑ ከም ዝቐተሎ ምርግጋጹን ሓቢራ።

ብካልእ ዜና መንግስቲ ሱዳን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ገንዘብ የዘዋዋሩ ነይሮም ዝበሎም 4 ኤርትራውያን ካብ መወዳእታ ናይ ወርሒ ሕዳር 2016 ጀሚሩ ኣብ ቀይዲ ኣእትይዎም ከም ዘሎ፡ ኣብ ቀይዲ ክኣትዎም እንከሎ 10 ሽሕ ዶላር ኣብ ኢዶም ከም ዝተረኽበ፡ ቀንዲ ስራሕ ናይ’ዞም ቅዩዳት ንምፍላጥ ኣብ ዝገበረቶ ተፍትሽ፡ ኣብ ንግዲ ደቂ-ሰባት ዝነጥፉ ኣባላት ስለያ ስርዓት ህግደፍ’ዮም ዝብል ሓበሬታ ከም ዝረኸበትን ረድዮ ኤረና ኣረጋጊጻ።

ዝምድና ስዑዲ ዓረብን ግብጽ መሊሱ እናሓርፈፈ ይኸይድ ከም ዘሎ ተገሊጹ

ኣብ ታሪኽ ፖለቲካ ግብጺ ንመጀመርያ ብህዝቢ ዝተመርጸ ፕረሲደንት ምዃኑ ብብዙሓት ዝዛረብሉ፡ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ መሓመድ ሙርሲ ካብ ስልጣኑ ክውገድ፡ ስርዓቱ ክፈርስን መንግስቲ ዓብደል ፋታሕ ኣል ሲሲ ኣብ ስልጣን ክመጽእ ልዑል ገንዘባውን ነገራውን ደገፋት ዝገበረት ስዑዲ ዓረብያ፡ ምስ ግብጺ ዝነበራ ዝምድና እናሓርፈፈ፡ ትልግሶ ዝነበረት ሓገዛትን ካብ’ታ ሃገር ተእትዎ ዝነበረት ሸቐጣት ድማ ብተመሳሳሊ ይቕንስ ከም ዘሎ ማኸናት ዜና ዓለም የቃልሓ ኣለዋ።

ሚኒስተር ሚኒስትሪ ከባቢ ማይን ሕርሻን ስዑዲያ፡ ሃገሩ ካብ ግብጺ ተእትዎ ዝነበረት በርበረ ደው ከም ዘበለቶ ነዚ ምኽንያት ዝኾነ ከኣ፡ ኣብ’ቲ በርበረ መድሓኒት ጸረ-ባልዕ ስለ ዝተረኽበሉ ምዃኑ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ’ቲ ካብ ግብጺ ዝኣቱ ፍረታት፣ ኣሕምልቲ፣ ፍርያት ስጋን ጸባን ምክትታል ክገብር ከም ዝኾነ ብወግዒ ከም ዝሓበረ፡ ይኹን ደኣምበር እዚ ሽፋን’ዩ፡ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተበላሸወ ዝመጽእ ዘሎ ዝምድና ናይ ክልቲኣቶም መንግስታት’ዩ ዝብሉ እሙናት ምንጭታት ከም ዘለውን ሓቢረን።

ብመሰረት እቲ ካብ ማዕከናት ዜና ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ሓደ ግብጻዊ በዓል ስልጣን ነዚ ኩነታት ኣመልኪቱ ምስ ጋዜጣ ኣል ኣሕራም ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ ግብጺ ኣብ ዓመት 15 ሽሕ ቶን በርበረ ናብ ስዑዲያ ከም እትልእኽ፡ ሓፈሻዊ ካብ ኩሉ ውጽኢት ሕርሻን እንሳሳን ዓመታዊ ናብ ስዑዲያ ዝኣቱ 270 ሚሊዮን ዶላር ዝበጽሕ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ውሳነ ስዑዲ ዓረብያ ካብ መጀመርያ ኣዋርሕ ናይ 2017 ግብራዊ ክኸውን ከም ዝኾነ ምርግጋጹን ኣረዲአን።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 23-12-2016

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel