እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 52 guests and no members online

ተስፎም ዑ/ማርያም ዝተባህለ ኤርትራዊ ስፖርተኛ፡ ብሉጽ ተወዳዳሪ ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2016 ኮይኑ ተሸሊሙ።

ሻርጃ ምስ ዝተባህለት ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክለብ ኮይኑ ዝቐዳደም ኤርትራዊ ተስፎም ዑቕባማርያም “ብሉጽ ተቐዳዳማይ ብሽኽለታ ኣፍሪቃ 2016" ኮይኑ ከም ዝተሸለመ፡ ተስፎም፡ ነዚ ብኣካየድቲ ውድድር ብሽክለታ ቱር ኣሚሳ ቦንጎ ጋቦን ዝተዳለወ ሽልማት 98 ነጥቢ ብምውህላል ቀዳማይ ኮይኑ ከም ዝተዓወተ፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ልዊስ ሜንከዝን ብ91 ነጥቢ፡ ኤርትራዊ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ድማ፡ 41 ነጥቢ ብምርካብ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዞም ከም ዝተዓወቱን ተፈሊጡ።

ነዚ ሽልማት 20 ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ተሓጽዮም ከም ዝነበሩ። ኣቦ መንበር መማይት ሽማግለ፡ ስም ዕዉት ምስ ተፈልጠ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ተስፎም "ተውህቦ ዘለዎ ተቐዳዳማይ እዩ። ንምስሊ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ኣመልኪዕዎ እዩ። ብደረጃ ፕሮፌሽናል ምስ ዓበይቲ ክለባት ቅድድም ብሽኽለታ እዩ ክወዳደር ዝግብኦ" ብምባል ከም ዝገለጾን ረድዮ ኤረና ሓቢራ።

ሽልማት “ብሉጻት ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኣፍሪቃ” ኣብ 2012 ከም ዝጀመረ፡ ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ ኣብ 2012፣ ደቢቡ ኣፍሪቃዊ ልዊስ ሜንከዝ ኣብ 2013፣ መኽሰብ ደበሳይ ኣብ 2014፣ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ 2015፣ ተስፎም ዑቑባማርያም ተሸላሚ 2016 ብምዃኑ ከም ዝተዓወቱ፡ በዚ መሰረት ኤርትራውያን ተወዳደርቲ ብሽክለታ ይውጽኢታውያን ይኾኑ ከም ዘለው መረጋገጺ’ዩ።

ኣብ ባንክ ዘሎ ዓቐን ገንዘቡ ምስጢር ብምምላቕ ምኽንያት ሞት ኤርትራዊ ዳኒኤል ወልዱ ምዃናን ዝተጠርጠራ ክልተ ባንክታት ኡጋንዳ ፖሊሲ ምርመራ የካይደለን ኣሎ።

ካብ 27 ጥቅምቲ 2016 ንደሓር ደሃይ ከም ዘጥፈአን ድሒሩ ሬሳኡ ኣብ ዶብ ኬኒያ ከም ዝተረኽበን እንተዘይኮይኑ፡ ብልክዕ ኣበይናይ ዕለትን ሰዓትን ከም ዝተቐትለ ዛጊት ዘይተሓበረ ኤርትራዊ ነጋዳይ ዳኒኤል ወልዱ፡ ብሓደ ናይ ካፒተን መዓርግ ዘለዎ ኡጋዳዊ ወተሃደራዊ መኮነን ምስ ክልተ ተሓባበርቱ ከም ዝተቐትለን ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተውን ንኣፈኛ ፖሊስ ኡጋንዳ ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ምቅላሐን ዝዝከር’ዩ

እነሆ ድማ ምስኡ ተተሓሒዙ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ማለት ካምፓላ ዝርከባ ክልተ ባንክታት፡ ባንክታት ዓለም ካብ ዝምረሓሉ ውሽጣዊ ስነ ምግባራዊ ሕጋታት ወጻኢ፡ ኣብ ሕሳቡ ዘቐመጦ ዓቐን ገንዘብ ንቐተልቲ ምስጢር ብምውጻአን ተጠርጢረን ብፖሊስ ክሲ ተመስሪቱለን ኣብ ሰራሕተኛታተን ጽዑቕ ምርመራ ይካየድ ከም ዘሎ፡ ካብ ካምፓላ ዝወጹ ዘለው ሓበሬታት ኣረጋጊጾም።

መዋቲ ኣስታት ክልተ ሚሊዮን ዩሮ ኣብ ባንክ ከም ዘለዎ ምስጢር ዝረኸበ ኡጋንዳዊ ወተሃደራዊ መኮነን፡ ናብ ሃገረ ጀርመን ትኣትወሉ ቪዛ ክተሓባበረካ ብዝብል ኣታሊሉ ምስ ክልተ ተሓባበርቱ ከም ዝቐተሎ ንፖሊስ ኡጋንዳ ብምጥቃስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣቃሊሕና ምንባርና ዝዝከር’ዩ።

ብምርጫ ስዕረቱ ኣሚኑ ስልጣኑ ክረከብ ምዃኑ ብወግዒ ድሕሪ ምሕባር፡ ተገልቢጡ ኣይወርድን ዝበለ ፕረዚደንት ጋምቢያ ያሕያ ጃምህ መዛረቢ ማዕከናት ዜና ዓለም ኮይኑ

ኣብ’ታ ሃገር ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ 2016 ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ስዕረቱ ተቐቢሉ ብሰላም ክወርድ ምዃኑ ቅዱስ ቁርዓን ሒዙ ብወግዒ ሓቢሩ ዝነበረ፡ ነታ ሃገር ን22 ዓመት ዝመርሐ ፕረዚደንት ያህያ ጃምህ፡ ካብ ብዙሓት ናእዳ እናቐረበሉ እንከሎ ድሕሪ ዝተወሰነ መዓልታት ቃሉ ዓጺፉ፡ ካብ ስልጣነይ ኣይወርድን ኢሉ ብምሕንጋዱ ንኣህጉር ኣፍሪቃ ዘዋረደ ነውራም መራሒ ብዝብል መዛረቢ መራኸቢ ብዙሓን ኮይኑ ኣሎ።

ጋምቢያዊ ፕረዚደንት ያህያ ጃምህ ቅድሚ 22 ዓመት ብወተሃደራዊ ዕልዋ ኣብ ስልጣን ከም ዝደየበ ዝገለጻ ማዕከናት ዜና ዓለም፡ ኣብ ምርጫ ከም ዝተሳዕረ ዘየከራኽር ምዃኑ፡ ባዕሉ’ውን ስዕረቱ ተቐቢሉ ናብ ሕርሻኡ ክኸይድ ምዃኑ ብምርግጋጹ ኣብ’ታ ሃገር ደም ዘፋስስ ዘይተደልየ ነገር ከይተኸስተ ብዘይ ወዓል ሕደር ስልጣኑ ኣረኪቡ ክወርድ ብኣፍሪቃ ሕብረት ብዝተወከለ ኣካል፡ ብውብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሕብረት ኤውሮጳን ጸቕጢ ይገበረሉ ከም ዘሎ፡ ይኹን ‘ምበር ኣየረክብን ኣብ ዝብል መርገጹ ጸኒዑ ምህላውን ብ23 ታሕሳስ 2016 ዝተቓለሐ ዜና የረድእ።

ብካልእ ዜና ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኣል ሲሲ ኣብ ኡጋንዳ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምክያድ ኣብ ካምፓላ ድሕሪ ምእታው፡ ዓጀብቱ ምስ ዓጀብቲ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሴቬኒ ከም ዝተሰሓሓቡ፡ ምኽንያት መሰሓሓቢ ድማ ዓጀብቲ ዓብደል ፋታሕ ኣል ሲሲ ምስ ምሉእ ዕጥቆም ደድሕሪ መራሒኦም ናብ ቤተ መንግስቲ ክኣትው ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ምዃኑን ኣብ’ታ ሃገር ዝሕተማ ጋዜጣታት ሓቢረን።

ብ19 ታሕሳስ 2016 ኣብ በርሊን ዓባይ መኪና ጨውዩ ናብ ዕሙር ዕዳጋ ብምእታው

ን12 ሰባት ሞት ን48 ሰባት ድማ መጉዳእቲ ምኽንያት ዝኾነ ቱኒዝያዊ ኣብ ኢጣልያ ተቐጢሉ።

ብርክት ዝበለ ህዝቢ ንበዓለ ልደትን ሓድሽ ዓመትን ዝኸውን ኣስቤዛ ኣብ ዝገዛኣሉ ዝነበረ ዕሙር ዕዳጋ ኮነ ኢሉ ናይ ካልእ ዓባይ መኪና ሰሪቑ ኣብ ህይወትን ንብረትን ከቢድ ጉድኣት ኣወሪዱ ተሰዊሩ ዝጸንሐ ቱኒዝያዊ፡ ካብ ጀርመን ናብ ፈረንሳ ካብ ፈረንሳ ናብ ኢጣልያ ምስ በጽሐ ኣብ ሓደ መፈተሺ ኬላ ብዝነበሩ ኣኽበርቲ ጸጥታ ብዓይኒ ጥርጠራ ተራእዩ መንነት ወረቐት ከርኢ ኣብ ዝተሓተተሊ ሽጉጥ ኣውጺኡ ንሓደ ኣባል ጸጥታ ድሕሪ ምቑሳሉ፡ ብኣኽበርቲ ጸጥታ ከም ዝተቐትለ ረድዮ ጀርመን ክፍሊ ኣምሓርኛ ሓቢራ።

ፖሊስ ጀርመን ተሓታቲ ንምርካብ ኣብ ከቢድ ስራሕ ተጸሚዱ ከም ዝጸንሐ፡ መጀመርያ ንሓደ ባኪስታናዊ ኣብ ቀይዲ ኣውዒሉ ምንባሩ፡ ድሕሪ ዘካየደሉ ምርመራ ከም ዝለቐቖ፡ ፈጻሚ ወዲ 24 ዓመት ቱኒዝያዊ ምዃኑ ፍንጪ ምስ ረኸበ ድማ፡ ኣሰሩ እናተኸተለ ዳህሳስ ክገብር ምጽንሑ፡ ክሳብ’ውን እዚ ተደላዪ ዘለዎ ቦታ ንዝሓበረ 100 ሽሕ ዩሮ ክኸፍል ምዃኑ ብወግዒ ሓቢሩ ምንባሩን ዝገለጸት እታ ረድዮ፡ ገበነኛ ኣብ ሚላኖ ኢጣልያ ብ23 ታሕሳስ 2016 ብሓለዋ ጸጥታ ከም ዝተቐትለ፡ ፖሊስ ጀርመን ካልኦት ተሓባበርቱ ንምርካብ ቀጻሊ ኣብ ከቢድ ስራሕ ተዋፍሩ ከም ዝርከብን ኣብ ናይ 23 ታሕሳስ 2016 ፈነወኣ ኣረጋጊጻ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 26-12-2016

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel