እዋናዊ ዜናታት
- ኣባላት ጸጥታ ጉጅለ ህግደፍ ቤተ-ሰቦም ናብ ወጻኢ ካብ ዘህደሙ ኤርትራውያን ዝተፈላለየ ተጽዕኖ ብምግባር ገንዘብ ይዘምቱ ከም ዘለው ተፈሊጡ።
- ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ብሓደጋ መኪና ህይወቶም ስኢኖም።
- ንግስነት ቀጠር ኣብ ስዋኪን ሱዳን ሓድሽ ወደብ ክሰርሕ ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሐ ይግለጽ ኣሎ
- መንግስቲ ሱዳን ኣባላት ህግደፍ ዝርከብዎም ሒዝዎም ዝጸንሐ 27 ኤርትራውያን ካብ ሃገሩ ኣባሪሩ
- ህግደፋዊ ዓፈና ኣብ መደብ ሽንግርዋ ብግልጺ ተነጸባሪቑ፡-
- ማሕበር ረድኤትን ምዕባለን ኤርትራ ሓገዝ ንምርካብ ትነጥፍ ኣላ።
- ዑደት ንረድኤት ብማሕበር ረድኤትን ምዕባሌን ኤርትራ
- The Afar cultural genocide in Eritrea prompts new united efforts against Eritrean government
- ደምዳሚ መግለጺ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ዞባ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ
- ጋዜጣዊ መግለጺ፣ 18 ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡
- ህግደፍ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ህዝባዊ ዝተስምየ ግዱድ ኣኼባ፡ ዝተዋህበካ መምርሒ ተቐቢልካ ካብ ምውጻእ ወጻኢ ዝርከብ ትምህርቲ ከም ዘየለ ተገሊጹ
- ፍሉይ ቤት ፍርዲ እስራኤል ካብ መሳርዕ ሰራዊት ኤርትራ ዘምለጡ ሕቶ ፖለቲካዊ ዕቑባ ንምርካብ ብቑዕ ምኽንያት’ዩ ክብል ወሲኑ።
- በዓልቲ ቤቱ ንሚኒስተር ገንዘብ ህግደፍ ዝነበረ ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ ከም ዝተኣስረት ተገሊጹ
- لبيانالختاميلمؤتمرشبابعفرالبحرالأحمر_إقليمأروبا اللجنة
- ኣብ ከተማ ካለ ፈረንሳ ኤርትራውያንን ኣፍጋኒስታናውያንን ተባኢሶም ኣርባዕተ ሰባት ብከቢድ ተጎዲኦም።
ኣብ መርበብ ዘለዉ
We have 34 guests and no members online
- Details
- Written by ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
- Published: 30 December 2016
ኣብ ከሰላ ዝርከብ ማእከል ኣካለ ጽጉማን ኣብ ስዊስ ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ሓገዝ ከም ዝረኸበ ተገሊጹ።
ኣብ ከተማ ሎዛን (ሃገረ ስዊስ) ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ መጀመርያ ናይ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ታሕሳስ 2016 ኣብ ከሰላ ንዝርከቡ ኣካለ ጽጉማን ወገናቶም ንምሕጋዝ ብዝወደብዎ ሓገዝ ናይ ምውፋይ መደብ፡ ካብ ዝተረኽበ ኣታዊ 2,000 ዶላር ንማእከል ኣካለ ጽጉማት፡ 300 ዶላር ድማ ኣብ ሓዘን ንትርከብ ስድራ ቤት ስውእ ዑስማን ኣሕመድ ከም ዝለገሱ ኣብ ንሓርነት ኦርግ ዝተረኽበ ዜና ኣመልኪቱ።
ስዉእ ዑስማን ኣሕመድ፡ ነቲ መደበር ኣካለ-ጽጉማን ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ከገልግሎ ድሕሪ ምጽናዕ፡ ኣብ ዝሓለፈ 26 መስከረም 2016 ብሞት ከም ዝተፈለየ ዝገለጸ እቲ ዜና፡ ኣብ’ቲ ንመእከቢ ሓገዝ ዝተገብረ መደብ ኩሉ ኤርትራዊ ካብ ነጻ ሕልንኡን ዜግነታዊ ሓላፍነቱን ተበጊሱ ከክንዲ ዝዓቕሙ ዘወፈየሉ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ምቖት ዝተንጸባረቐሉ፡ ንቕድሚት’ውን ካባና ንዝጽበዩ ወገናትና ብዘይኣፈላላይ ክንሕግዝ ኣለና ብምባል ቃል ዝኣተውሉን ዕውት ምሸት ከም ዝነበረን ሓቢሩ።
እቲ ኣብ ከሰላ ዝርከብ መደበር ኣካለ-ጽጉማን ልዕሊ 35 ዓመት ዘቑጸረን፡ ካብ ለገስቲ ደቂ ሃገርን ተሓባበርቶምን ደገፍ ዝጽበ ማሕበር ምዃኑ፡ ስለዚ ከኣ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ዝርከቡ ግዱሳት ኤርትራውያን ክድግፍዎ ምጽናሖምን ምሕላዎምን ንኣብነት ኣብ’ዚ ወርሒ’ዚ ኣብ ከባቢ ፍራንክፈርት ጀርመን ዝርከባ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ናይ ድራር ምሸት ብምድላው 1,400 ዩሮ ከም ዘተኣኻኸባን ኣረጋጊጹ።
ዓለምና ብግሎቫላዜሽን ናብ ደረጃ ቁሸት ክትቅየር’ያ ዝብል ዝነበረ
ገዛኢ ኣተሓሳስባ ብሃንደስቱ ይህርም ኣሎ ተባሂሉ።
ኣስታት ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ዝኣክል ፖለቲካዊ፣ቁጠባውን ወተሃደራውን ቀላጽም ብዘለዎም ብምዕራባውያን ሃንደስቱን ሰፊሕ ኣህጉራዊ ሽፋን ብዘለወን መራኸቢታቶምን ዘመኑ ዘመን ግሎቫላዜሽን’ዩ፡ እዛ ሰፋሕ ዓለም ብግሎቫላዜሽን ክትጸብብ’ያ። ናብ ደረጃ ቁሸታት ክትቀራርብ’ያ እናተባህለ ክዝመረሉ ዝጸንሐ ወፍሪ፡ ከምዘይሰርሕ ዘመላኽቱ ሓደሽቲ ምዕባሌታት ይኽሰቱ ከምዘለው ምሁራት ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት ኣመት ሂቦም።
እቶም ምሁራት፡ ግሎቫላዜሽን ኮነ ፖሊሲ ነጻ ዕደጋ ብኣመሪካ ብዝምራሕ ምዕራባዊ ዓለም ተሃዲሱ፡ ብኣታቶም ዝምራሕን ንዓታቶም ድማ ዝጠቅምን ደኣምበር፡ ክፍለ ዓለምና ኣፍሪቃ ሓዊስካ ዘይማዕበላ ዝበሃላ ክፍለ ዓለማትሲ ስለ ዝተባህለ ክቕበላን ክትግብራን ተገዲደን ዝጸንሓ ‘ምበር ብተግባር ኣይተጠቕማን፡፡ እነሆ ድማ ሕጂ ኣብ ገዛእ ርእሶም ኣብ’ቶም ዋናታት ናይ’ዚ ፖሊስታት’ዚ ቅድሚ ኩሉ ሃገራውነት ዝብል ሓድሽ ሓሳባት ብዝምርሑ የማናውያን ሰልፍታት ከም ከምዘይሰርሕ ወይ ከም ዝፈረሰ ዘመላኽቱ ክስተታት ጸለውቲ ኮይኖም ኣለው ክብሉ ኣረዲኦም።
ሓንቲ ካብ’ተን ግሎቫላዜሽንን ነጻ ዕዳጋን ብዓለም ደረጃ ገዛኢ ኣተሓሳስባ ክኸውን መንግስታት ድማ ብተግባር ኣብ ፖሊሲታቶም ኣስፊሮም ክሰርሕሉ ጸቕጢ ትገብር ዝነበረ ዓባይ ብሪጣኒያ ብስደተኛታት ተወሪርና ባህልና ብካልእ ባህልታት ይብረዝ ኣሎ፡ ቁጠባና ኣብ ሓደጋ ይወድቕ ኣሎ ብማለት ንልዕሊ 40 ዓመት ብኣባልነት ካብ ዝነብረትሉ ሕብረት ኤውሮጳ ብምውጻእ ዝጀመረ ፍሽለት፡ ሓድሽ ተመራጺ ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ንኣመሪካውያን ስደተኛታት ክኣትውና የብሎምን ዝብል ሒዝዎ ዘሎ ፖሊሲ፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ኤውሮጳ ዝቀላቐሉ ዘለው የማናውያን ሰልፍታት ዝገብርዎ ዘለው ጎስጓሳትን ግሎቫላዜሽንን ነጻ ዕዳጋን ግዜኡ ኣኺሉ ብሃንደስቱ ይህረም ከምዘሎ ርኡይ ምልክት’ዩ ክብሉ ዘለዎም ትዕዝብቲ ሓቢሮም።
ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 30-12-2016
ኣገዳሲ ቆጸራታት
- ዝኽሪ ንፈላሚት ባሕቲ መስከረም ሰውራ ኤርትራ ኣብ ሽቱትጋርት
- ጻውዕት ንሰፊሕ ልዝብ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኤውሮፓ/ኸ ኣብ ጀርመን
- በዓል 8 መጋቢት 2017
- በዓል 8 መጋቢት 2017
- SECOND EASE CONGRESS ANNOUNCEMENT - ምልክታ : ካልኣይ ጉባኤ ዝምልከት
- ኣገዳሲ ሓበሬታ ዝኽሪ መበል 25 እዮብያላዊ ዓመት ናጽነት ኤርትራ Firande av 25 års av Eritreas Självständighet.
- ኣገዳሲ ሕዝባዊ መፍለጢ Important Public Announcement دعوة لإجتماع هام
ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here
This is the right module position, which is not using any module suffix.
To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.