እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 71 guests and no members online

ኣብ ኤርትራ መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈታት፡ ከም ዓዳጋይ ዝሰኣነ ዱኳን ዝኣቱን ዝወጽእን ሰብ ዘይረአየሉ ብዘይዝኾነ ኣገልግሎት ተኸፊቱ ከም ዝውዕል ተፈሊጡ።

ኣብ ኤርትራ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ መንግስቲ ዝበሃል ትካል ከም ዘሎ ትርደኣሉ፡ ግፋ፡ ማእሰርቲ፡ ራስያ ንብረት፣ ምፍራስ ኣባይቲ እንክትርእን ወዲ እከለ ወይ ጓል እከለ

ተጨውዩ/ተጨውያ ወይ ተቐቲሉ/ተቐቲላ ዝብል ወረ ክትሰምዕ እንከለኻን’ዩ ዝበሉ ንስለ ድሕነት ቤተ-ሰቦም ኣስማቶም ክግለጽ ዘይደለዩ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ናይ 2016 መወዳእታ ናብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ዝሰገሩ ኤርትራውያን፡ መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈታት ዝበሃል ንማለቱ ኣሎ ዝኾነ ኣገልግሎት ክህብ ግን ኣይረአን ክብሉ ምስክርነቶም ሂቦም።

ስለምንታይ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዘይህብ ንዝብል ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ድማ፡ ሓደ’ቶም ሓለፍቲ መንግስቲ ዝበሃሉ ኣብ ውልቃዊ ሃብቲ ምኽዕባት’ዮም ተጸሚዶም ዘለው ካልኣይ ከኣ እቲ ህዝቢ ዝተባህሎ ክገብር ደኣምበር ጥርዓኑ ዝሰምዕ በዓል ስልጣን ከምዘየለ ካብ ግብራዊ ተመክሮኡ እኹል ኣገንዝቦ ስለ ዝወስደ፡ ኣብ መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈት ከይደ እንታይ ፍታሕ ክረክብ ኢለ ካብ ዝብል ተስፋ ምቑራጽ ብዘይወግዓዊ ኣገባብ ስለ ዘቋረጾ’ዩ ክብሉ ኣረዲኦም።

ብርግጽ እቲ ቤት ጽሕፈታት ይኽፈት’ዩ። ጸሓፍቲ ተባሂለን ዝምደባ ኣብ ቅድሚ ኮምፒተር ኮፍ ዝበላ’ውን ይረኣያ’የን ኣገልግሎት ክረክብ ኢሉ ዝኣቱን ዝወጽእን ሰብ ግን ኣይትርእን። ገዛ ተኸፊቱ ንሳተን ጌይም ክጻወታ’የን ዝውዕላ። እቲ መንግስቲ ዝበሃል ወይ እንታይ ከም ዝገብር መርሆ ጠፊእዎ ኣሎ ወይ ከኣ ዘቤታዊ ዋኒን ገዲፉ ኣብ ግዳም ይሰርሕ ኣሎ ክብሉ ኣግራሞቶም ገሊጾም።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነብር ሙኒር ሓሰን መሓመድ ዝተባህለ ኤርትራዊ

ብግብረ ሽበራ ተኸሲሱ ኣብ ቤት ፍርዲ ከም ዝቐረበ ተገሊጹ።

ምቕማጡ ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያ ዝኾነ ወዲ 35 ዓመት ኤርትራዊ ሙኒር ሓሰን መሓመድ፡ ምስ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብግብረ ሽበራ ተኸሲሶም ኣብ ቤት ፍርዲ ከም ዝቐረቡ፡ ብመሰረት’ቲ ቢቢሲ ዝዘርገሖ ሓበሬታ እቶም ጥርጡራት፡ ነታጒ ንምጽዋድ ዘገልግል ስነ-ቀማማዊ ነገራት ሒዞም ከም ዝጸንሑ፡ ካብ 7 ሓምለ 2016 ክሳብ 12 ታሕሳስ 2016 ኣብ ዘሎ ግዝያት ኣብ ዝመረጽዎ ዕላማ ሽበራዊ ተግባር ክፍጽሙ መደብ ነይርዎም ዝብል ክሲ ቀሪብሎም ከም ዘሎን ብ30 ታሕሳስ 2016 ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ዝተረኽበ ዜና ኣረጋጊጹ።

ሙኒር ሓሰን ብፍላይ ኣባል ናይ’ቲ ብዳዕሽ ወይ እስላማዊ መንግስቲ ዝፍለጥ ኣሸባሪ ጉጅለ ኣባል ምዃኑ ዘረጋግጽ፡ ንግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዘገልግል ሓበሬታን ነቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ዘላሊ ጽሑፋት ዘርጊሕካ ዝብል ክሲ ቀሪብሉ ምህላው ዝገለጸት ኣሰና፡ ጥርጡራት ን12 ጥሪ 2017 ዳግማይ ተቖጺሮም ምህላዎም ኣረዲኣ።

ሙኒር ሓሰን መሓመድ ከም ኤርትራዊ ናይ መጅመርያ ጥርጡር ብግብረ ሽበራ ከምዘይኮነ፡ ብ2005 ኣብ ከተማ ለንደን 52 ንጹሃት ሰባት ኣብ ዝቐዘፈ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ብምስታፉ ስራጅ ያሲን ዓብደላ ዓሊ ዝተባህለ ኤርትራዊ 12 ዓመት ተፈሪዱ ከም ዝነበረ፡ ካልኦት’ውን ካብ ዓዲ እንግሊዝ ንሶርያ ተጓዒዞም ምስ’ቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ተጸንቢሮም ክዋግኡ እንከለው ዝሞቱ ኤርትራውያን ከም ዘለው ዘዘኻኸረት ኣሰና፡ ወለዲ ደቆም ካብ ከም’ዚ ዝበለ ተግባራት ክርሕቁ ንቑሕ ተበግሶ ክወስዱ ይግባእ ክትብል መኺራ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 02-01-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel