እዋናዊ ዜናታት
- ኣባላት ጸጥታ ጉጅለ ህግደፍ ቤተ-ሰቦም ናብ ወጻኢ ካብ ዘህደሙ ኤርትራውያን ዝተፈላለየ ተጽዕኖ ብምግባር ገንዘብ ይዘምቱ ከም ዘለው ተፈሊጡ።
- ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ብሓደጋ መኪና ህይወቶም ስኢኖም።
- ንግስነት ቀጠር ኣብ ስዋኪን ሱዳን ሓድሽ ወደብ ክሰርሕ ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሐ ይግለጽ ኣሎ
- መንግስቲ ሱዳን ኣባላት ህግደፍ ዝርከብዎም ሒዝዎም ዝጸንሐ 27 ኤርትራውያን ካብ ሃገሩ ኣባሪሩ
- ህግደፋዊ ዓፈና ኣብ መደብ ሽንግርዋ ብግልጺ ተነጸባሪቑ፡-
- ማሕበር ረድኤትን ምዕባለን ኤርትራ ሓገዝ ንምርካብ ትነጥፍ ኣላ።
- ዑደት ንረድኤት ብማሕበር ረድኤትን ምዕባሌን ኤርትራ
- The Afar cultural genocide in Eritrea prompts new united efforts against Eritrean government
- ደምዳሚ መግለጺ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) ዞባ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ
- ጋዜጣዊ መግለጺ፣ 18 ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡
- ህግደፍ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ህዝባዊ ዝተስምየ ግዱድ ኣኼባ፡ ዝተዋህበካ መምርሒ ተቐቢልካ ካብ ምውጻእ ወጻኢ ዝርከብ ትምህርቲ ከም ዘየለ ተገሊጹ
- ፍሉይ ቤት ፍርዲ እስራኤል ካብ መሳርዕ ሰራዊት ኤርትራ ዘምለጡ ሕቶ ፖለቲካዊ ዕቑባ ንምርካብ ብቑዕ ምኽንያት’ዩ ክብል ወሲኑ።
- በዓልቲ ቤቱ ንሚኒስተር ገንዘብ ህግደፍ ዝነበረ ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ ከም ዝተኣስረት ተገሊጹ
- لبيانالختاميلمؤتمرشبابعفرالبحرالأحمر_إقليمأروبا اللجنة
- ኣብ ከተማ ካለ ፈረንሳ ኤርትራውያንን ኣፍጋኒስታናውያንን ተባኢሶም ኣርባዕተ ሰባት ብከቢድ ተጎዲኦም።
ኣብ መርበብ ዘለዉ
We have 28 guests and no members online
- Details
- Written by ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
- Published: 06 January 2017
ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-ኤርያ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሓድሽ ዓመት 2017 ኣብ ከተማ ኦክላንድ ካሊፎርኒያ ብሓባር ጸንቢሎም
ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባት፡ በርገስ ማሕበራትን ካልኦትን ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማታት በይ-ኤርያ ኣብ ከተማ ኦክላንድ-ካሊፎርንያ ተኣኪቦም ንሓድሽ ዓመት 2017 ብሓባር ከም ዘኽበርዎ፡ ዝበዝሑ ተሳተፍቲ ናይ’ቲ ጽንብል ኣብ ናይ ንእስነት ዕድመ ዝርከቡ ደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ምንባሮምን ቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ2 ጥሪ 2017 ሓቢሩ።
እቲ በዓል ብወናማት ኤርትራውያን ስነ-ጥበበኛታት ዝማዕረገን ዝማሞቐን ከም ዝነበረ ዝገለጸ እቲ ዜና፡ ሓድሽ ዓመት ብሆይ ሆይታን ግዝያዊ ናይ ደስ ደስ መግለጺታትን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብደሆታትን ዓወታትን ብገምጋም ብምዕጻው፡ ካብኡ ክርከብ ዝከኣል ትምህርቲ ወሲድካ፡ ብሓድሽ መነፈስን ምድላዋትን ናብ ሓድሽ ዓመት ትኣትወሉ ክብል ድማ ኣረዲኡ።
ዓዲ-ሓርሽን ማይ ዓይኒን ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ከባቢኦም ምስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ንሕውነታዊ ጉብትናኦም ዘድመቐ ናይ ምዝንጋዕ መደብ ኣዳልዮም ከም ዝተሃደሱ ተፈሊጡ።
እቲ ናይ ሓባር ናይ ምዝንጋዕ መደብ ብ25 ታሕሳስ 2016 ከም ዝተኻየደ፡ መልእኽቲ ናይ’ቲ መደብ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ኣብ’ቲ ከባቢ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያንን ዘሎ ፍቕርን ስኒት፡ ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓፈሻ ከም ጽቡቕ ኣብነት ንምንጽብራቕ ዝዓለመ ከም ዝኾነን ኣብ ኣሰና ብ3 ጥሪ 2016 ዝተዘርገሐ ዜና ኣረጋጊጹ።
መደብ ሓበራዊ ምዝንጋዕ ንሓድሽ ዓመትን 2017ን በዓል ልደትን ምኽንያት ዝገበረ ኮይኑ፡ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ዓዲ ሓርሽን ማይ ዓይኒን ዝመጽኡ ብዙሓት ኤርትራውያን ከምኡ’ውን ካብ ከተማ ማይ ጸብርን ከባቢኣን ዝመጽኡ ኣመሓደርትን መራሕቲ ሃይማኖትን ዝርከብዎም ኢትዮጵያውያን ዝተሳተፍዎ ድሙቕ ምዝንጋዕ ምንባሩን ሓቢራ።
መደብ ሓባራዊ ምዝንጋዕ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ካብ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ብዝኸዱ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ስነ-ጥበበኛታት ዝተዓጀበ ከም ዝነበረ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኮይኖም ናብ’ቲ መዓስከራት ካብ ዝመጽኡ ክሳብ ሕጂ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብጽቡቕ የተኣናግድዎም ምህላዎም ብምግላጽ፡ ንሕና ከም ስደተኛታት ኮይና ነኽብሮ ምህላውና’ኳ ሕማቕ ዝስመዐና እንተኾነ ከም’ዚ ዝበለ ሓባራዊ ተበግሶ ምክያዱ ግን ዝድነቕን ክቕጽል ዘለዎን’ዩ ከም ዝበሉን ጸብጺባ።
ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 06-01-2017
ኣገዳሲ ቆጸራታት
- ዝኽሪ ንፈላሚት ባሕቲ መስከረም ሰውራ ኤርትራ ኣብ ሽቱትጋርት
- ጻውዕት ንሰፊሕ ልዝብ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኤውሮፓ/ኸ ኣብ ጀርመን
- በዓል 8 መጋቢት 2017
- በዓል 8 መጋቢት 2017
- SECOND EASE CONGRESS ANNOUNCEMENT - ምልክታ : ካልኣይ ጉባኤ ዝምልከት
- ኣገዳሲ ሓበሬታ ዝኽሪ መበል 25 እዮብያላዊ ዓመት ናጽነት ኤርትራ Firande av 25 års av Eritreas Självständighet.
- ኣገዳሲ ሕዝባዊ መፍለጢ Important Public Announcement دعوة لإجتماع هام
ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here
This is the right module position, which is not using any module suffix.
To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.