ኤርትራዊ ፍልልያት ብምጽባብ ንሓድነትን ለውጥን ዝነጥፍ ምዃኑ ዝተገልጸ፡ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያ ዝተባህለ ማሕበረ ከም ዝተመስረተ ተገሊጹ።

ብመድረኻት ፓልቶክ ኣቢሎም ዝፈጠርዎ ለይላ ደረጃ ብደረጃ ብምስፋሕን ኣብ ሕድሕዶም ምትእምማን እናፈጠሩን ከም ዝመጽኡ፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓባይ ብሪጣኒያ ተወኪሎም ብዝመጽኡ ሽማግለታት ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ዓባይ ብሪታኒያ ዝተባህለ ማሕበር ከም ዝመስረቱ፡ ሽማግለ ናይ’ቲ ዝተመስረተ ማሕበር፡ ብ6 ጥሪ 2016 ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ዕማም ሽማግለ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ኣብ ቀረባ መጻኢ ሽግር ኤርትራውያን ኣብ ምቅላልን ምፍታሕን ኣወንታዊ ተራ ክጻወት ዝኽእል፡ ብደረጃ ዓባይ ብሪጣኒያ ሓደ ድልዱል ኮሚቴ ናይ ምጥያስ መደብ ከም ዘሎ፡ እቲ ዝቐውም ኮሚቴ ብኩለንተንኡ ህዝባዊ ኮይኑ፡ ብሕጋውን ግሉጽነትን ዝዋሳእ ምዃኑን እቲ ዝተዘርገሐ ዜና ግልጺ ገይሩ።

እዚ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ዝተባህለ ትካል፡ ኤርትራውያን ዘለዎም ፍልልያት ብምጽባብን ብምብላይን፡ ብስኒትን ሕውነታዊ ፍቕርን ከም ዝሰርሕ፡ ነቶም ክሳብ ሕጂ በብመንገዶም ክነጥፉ ዝጸንሑ ይኹን ንብሕጂ ክብገሱ ወይ ክፍጠሩ ዝኽእሉ እንትርፎ ሓቢሩ ምስራሕን ብዓቕሙ ምትሕግጋዝን ዝኾነ ዕንቅፋት ከምዘይኾኖም ኣስሚርሉ።

ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ እንዳ-ማርያም ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዘለዎም ዘይዕግበት ከም ዝገለጹ ተፈሊጡ

ተማሃሮ ቤት ትምህርቲ “እንዳ ማርያም” ኣስመራ፣ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ምእታው ሓድሽ ዓመት ናይ 2017 ኩነታት ሃገር ዘመሓይሽ ግብራዊ ስጉምቲ ክወስድ’ዩ፡ ብዙሓት ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑ’ዮም ዝብል ወረ ከናፍስ ምጽንሑ፡ በዚ ልዑል ተስፋ ኣንቢሮም ከም ዝነበሩ እንተኾነ ግን ውጽኢት ዘይብሉ ኮይኑ ምስተረፈ ኣብ ልዕሊ’ቲ ስርዓት ዝነበሮም ሕዱር ቅሬታ መሊሱ ከም ዝወሰኸን ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብ4 ጥሪ 2017 ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ኣረዲኡ።

ብካልእ ዜና ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ስልጣን ዝርከቡ ህግደፋውያን ሓለፍቲ ብሓፈሻ፡ ጀነራል ሑመድ ካሪካሪ ምስ ብርጋደር ጀነራል ፍጹም ወዲ መምህር ከኣ ብፍላይ ብምዃን ኣብ ፍሸ ምራር ማለት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ሰፊሕን ልሙዕን መሬት ካብ ትሕጃ ሓረስቶት እቲ ከባቢ ብሓይሊ ወሲዶም፡ ጫት ዘሪኦም ድሮ ኣብ ምሻጥ ከም ዝርከቡን ጸብጺቡ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 09-01-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel