እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 57 guests and no members online

7ይ ውድባዊ ጉባኤ ሰውራዊ ደሞክራሲያዊ ግንባር ኤርትራ /ሰደግኤ/ ኣገደስቲ ውሳኔታትን ለበዋታትን ብምምሕልላፍ ተዛዚሙ።

ምልኣተ ጉባኤኛታት፡ ወከልቲ መሓዙት ፖለቲካዊ ውድባትን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸብሉ፡ ህዝብን ሃገርን ካብ ሓደጋ ብርሰት ንምድሓን ኣብ ቅኑዕ መትከላዊ መርሆ ዝተሰረተ፡ ልፍንቲ ንምቛም ንቃለስ! ዘላቒ ረብሓታት ህዝብታትና ንምላእ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዓቕምታት ሰውራና ይጠርነፍ! ቅኑዕ መስመርን ሓፋሽን ሒዝና ንጽንኩር መድረኻት ብምስጋር ክንዕወት ኢና! ብዝብል ስትራተጂካዊ ጭርሖታትን ካልኦትን ማዕሩጉ፡ ብ17 ለካቲት 2017 ብድሙቕ ስነ-ስርዓተ ዝጀመረ 7ይ ውድባዊ ጉባኤ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ሰደግኤ፡ ኣገደስቲ ውሳኔታትን ለበዋታትን ብምምሕልላፍ ኣብ ዝተመደበሉ ግዜ ከም ዝተዛዘመ ተፈሊጡ።

መሓዙት ፖለቲካዊ ውድባት፡ 7ይ ውድባዊ ጉባኤ ሰደግኤ ከትኲረሎም ይግባእ ዝበልዎም ኣብ ሓባራዊ ሃገራውን ገድላዊ ዛዕባታት ኣመልኪቶም ንዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ኣቦ መንበር’ቲ ውድብ ብጻይ ብርሃነ የማነ፡ መሓዙት ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ዘቕረብዎ ነቐፌታዊ ደገፍ ኣብ ውሳኔታት ጉባኤና ኣወንታዊ ብጽሒት ክህልዎ ምባሉን ንውዕሎታት ጉባኤ ኣመልኪቱ ዝተቓለሐ ዜና ኣረዲኡ።

ጉባኤኛ፡ ኣብ’ቶም ዓበይቲ ውድባዊ ሰነዳት ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮን ሕገ-ህንጻን ብዓሚቕ ተዛትዩ ከምዘጽደቐ፡ ብተመሳሳሊ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ብምሉእ ድምጺ ምስ ተቐበለ፡ ነዚ ስትራተጂካዊ ዕላማታት’ዚ መሪሖም ዘዕውቱ ማእከላይ ሽማግለ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ብምምራጽ ብ21 ለካቲት 2017 ከም ዝተዛዘመን ሽማግለ ዜናን ስነዳን 7ይ ውድባዊ ጉባኤ ኣፍሊጡ።

ትካል ጸጥታ ጉጅለ ህግደፍ ንልክተ ጋዜጠኛታት ከም ዝኣሰረ ተፈሊጡ።

ጉጅለ ህግደፍ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ጋዜጠኛታትን ኣብ ምዕፋንን ምእሳርን ከይተሓጽረ፡ ኣብ’ተን ብሒቱወን ዘሎ መራኸቢ ብዙሓን ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ምስምስ እናፈጠረ ብዘይ ሕግን ፍርድን ከም ዝኣስር ዝገለጸ ጋዜጣ ሱዳን ትሪቡን፡ ከም መቐጸልታ ናይ’ዚ ብ14 ለካቲት 2017 ናብ ስደት ክትከዱ ሓሲብኩም ብዝብል ምኽንያት ኣብራሃም ይትባረኽን ሰናይት ዑቕባይን ዝተባህሉ ጋዜጠኛታት ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወን ሓቢራ።

ስርዓት ኣስመራ ምህዳንን ምእሳርን ጋዜጠኛታት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ተኲስካ ቅተል ዝብል ፖሊሲ ሓንጺጹ፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ዘራኽቦ ቦታታትን ንከንቱ ዘጥፈኦም ኤርትራውያን ኣዝዮም ብዙሓት’ዮም ክትብል ኣብ’ቲ ብ19 ለካቲት 2017 ዝዘርገሓቶ ዜና ገሊጻ።

ጋዜጣ ሱዳን ትሪቡን ብዘይካ’ዚ ንመሰል ስደተኛታት ንዝጣበቕ ሲፒጄይ ዝተባህለ ኣህጉራዊ ትካል ብምጥቃስ፡ ካብ ሓደ ታሕሳስ 2014 ንነጀው ኣብ ዘሎ ግዝያት ጥራሕ፡ 23 ጋዜጠኛታት፡ መቕርብን ተጠበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብዘይርኢሉ ስውር ቦታ ኣሲርዎም ከም ዘሎ ኣረዲኣ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 24-02-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel