እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 20 guests and no members online

ስማዊ ባይቶ ዞባ ማእከል’ቲ ስርዓት ዘተኣታተዎ ገንዘባዊ ፖሊሲ ከም ዘይሰርሐ ኣሚኑ፡

ጃንዳ ህግደፍ ናህሪ ዋጋታት ንምቁጽጻር ብዝብል ምኽንያት፡ ባጤራ ናቕፋ ብዘይተጸንዐ ኣገባብ ብሃውሪ ምቓያሩ፡ ኣብ ምምሕያሽ ህይወት ዜጋታትን ምቕናስ ናህሪ ዋጋታትን ዘምጸኦ ለውጢ ከም ዘየለ፡ ንብሕታዊ ወፍሪ ዘተባብዕ ኩነታት ከምዘይተፈጥረ፡ ስለዚ ከኣ ብዙሓት ትካላት፡ ገለ ይዓጽው ገለ ከኣ ንግዲ ፍቓዶም ክቕይሩ ይግደዱን ከም ዘለው እቲ ስማዊ ባይቶ ኣመት ከም ዝሃበ ኣብ መርበብ ኤርትራውያን ዝተዘርገሐ ጽሑፍ ኣመልኪቱ።

እቲ ኣብ ዘይህላወ ህዝባዊ ሃገራዊ ሕገ-መንግስቲ፡ ከም ሕጋዊ ዞባዊ ባይቶ ገይሩ ንነብሱ ዝገልጽ፡ ሕጊ ብዝፈቕዶ ዘይኮነስ፡ ተኣካብ ኣብ ዝተባህሎ ዝእከብ፡ ወስን ዝተባህሎ ድማ ዝውስን ስማዊ ባይቶ፡ ኣብ’ቲ መበል 16 ኣኼባ ኢሉ ዝገለጾ፡ ብሰንኪ ግጉይ ፖሊሲ መሬትን ምህናጽ ኣባይትን መንእሰያት ሓዳር ከይመስረቱ ብደዎም ይኣርጉ ከምዘለው፣ ህዝቢ ከም ቀረብ ማይ፡ ጸዓት፡ መራኸቢታት፡ ፍትሒ ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ይርከብ ከምዘየለ ገለ ብቐጥታ ገለ ድማ ብተዘዋዋሪ ምእማኑን እቲ ጽሑፍ ይሕብር።

ኣብ ገለ ፖለቲካዊ ውድባት ዝረአ ዘሎ ምፍንጫል፡

ኣብ ዕላማ ናይ ዘይተመሰረተ ውደባን ሓድነትን መርኣያ ምዃኑ ተገሊጹ።

ብዙሕ ግዜ ብምሕዝነትን ሓድነትን ክዝረብ፡ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ቅድሚ ኩሉ ክጭራሕ ምስማዕ ዝተለምደ’ዩ። ገለ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ፡ ብቐጻሊ ዘርእይዎ ምፍንጫልን ዘካይድዎ ሓላፍነት ዝጎደሎ ወፍሪ ምጥቕቓዕ ግን ብኣንጻር እቲ ጭርሖ’ዩ። ንጹር ህዝባዊ ዕላማ፡ ሕጋዊ ትካላዊ ተሓታትነት፡ ናይ ምጽውዋር ባህልን ብቕዓት ምሕደራን ናይ ዘይምህላው፡ ፖለቲካዊ ድኽነት ዝወለዶ ዘይመትከላዊ ምትእስሳራትን ምዃኑ ብሩህ መግለጺ’ዩ ክብሉ ናብ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ቅርበት ዘለዎም ኤርትራውያን ሓቢሮም።

ልዕሊ 25 ዓመት ኣብ ልዕሊ ጸላኢኡ ትርጉም ዘለዎ ውቅዒት ዘየዕርፍ ደላዪ ፖለቲካዊ ለውጢ ምርኣይ ልሙድ ኣይኮነን ዝበሉ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ፡ ኣብ ውሑዳት ዘይኮኑ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ሓንሳብ ዘይኮነ ብተደጋጋሚ ውሽጣዊ ምፍንጫላት ምርኣይ፡ ካብ ፖለቲካዊ ርዝነት ዝረሓቐ ኣዝዩ ድሑር ክስታትን ጸለመን ምስማዕ፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ምምስራቶም ብዙሕ ዝተዘርበሎም ብደረጃ ምሕዝነት ዝተመሰረቱ ግንባራትን ናይ ሓድነት ውዑላትን ነዊሕ ርሕቀት ከይተጓዕዙ፡ ንክትኣምኖ ብዘጸግም ኣዝዩ ፈኲስ ምኽንያታት ህልውናኦም ክሳብ ዘጥፍኡ ኣብ ደውታ ምእታዎም፡ ካብ ንጹር ህዝባዊ ዕላማን ዘይምህላውን ኣብ ዕላማኻ ዘይምጽናዕን ወጻኢ ካልእ መግለጺ የብሉን ኢሎም።

ደገፍቲ ህግደፍ፡ መንግስቶም ኣባይቲ ሰሪሑ ከረክቦም ዝኸፈልዎ ገንዘብ

ኣብ ሓደጋ ብምውዳቑ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ከም ዝርከቡ ተገሊጹ።

ጃንዳ ህግደፍ ካብ 2% ምኽፋል ጀሚሮም ኩሉ መዳያዊ ደገፋት ንዝገብርሉ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ደገፍቱ፡ ብናይ ህንጻ ትካላኡ ኣቢሉ ኣብ መንጎ ቀሓውታን ማይ ጨሆትን ዝርከብ ቦታ ኣባይቲ ክሃንጸልኩም’የ ብዝብል ቅድሚ ገለ ዓመታት ዘበገሶ ብ”ዳስ ሓሙስ” ዝፍለጥ ፕሮጀክት፡ ብዝኣተዎ ቃል መሰረት ሰሪሑ ከረክበሉ ዝነበረ ግዜ ብምሕላፉን ዝኾነ ዝረአ ንጥፈታት ድማ ይገብር ብዘይምህላውን ኣብ ሻቕሎት ወዲቖም ከም ዝርከቡ፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣረዲኡ።

እዚ ሕፍረት ዘይስመዖ መንግስታዊ ጃንዳ፡ ዝቐደመ ገንዘቦም ሒዙ ኣብ ሰንፈላል ኣእትይዎም እናሃለወ፡ መሊሱ ደስ ኣብ ዘዝበሎ ግዜ ክንድ’ዚ ክፈሉ እናበለ፡ ንዘይተጸበይዎ ዕዳ ይሳጥሖም ምህላው፡ ስለዚ ከኣ በቲ ንዓኻን ስለኻን ኢሎም ዝምክሕሉ ዝነበሩ መላኺ ስርዓት ከም’ዚ ምስ ኣጋጣሞም፡ ኣብ ከቢድ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጭንቀት ዝወደቑ ውሑዳት ከምዘይኮኑን ኣመልኪቱ፡፡

እዚ ከኣ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ምስ ኣብራሲ ኲናት ባድመ ተተሓሒዙ ብጉልባብ ቦንድ ዝዘረፎ ገንዘብ ደኣምበር ሓድሽ ኣይኮነን።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 27-02-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel