እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 89 guests and no members online

ኣማሓዳሪት ዞባ ደቡብ ፋና ተስፋማርያም፣

ኣብ ሓምሻይ መደበር ፖሊስ ኣስመራ ተኣሲራ !!

ኣማሓዳሪት ዞባ ደቡብ ወ/ሮ ፋና ተስፋማርያም፣ ኣብ ሓምሻይ መደበር ፖሊስ ኣስመራ፣ ካብ ቅድሚ 10 መዓልታት ይኸውን፣ ብስርዓት ህግደፍ ተኣሲራ ምህላዋ ካብ ኤርትራ ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ። ቀጥታዊ ምኽንያት መእሰሪኣ’ኳ ብደቂቕ ተፈሊጡ እንተ ዘይሃለወ፣ ምንጭታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ከም ዝሓበርዎ፣ እቲ ቀንዲ ምኽንያት መእሰሪኣ፣ ኣብ ዞባ ደቡብ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ብቐጻሊ ዝድይብ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ክትኣልዪ ኣይበቓዕክን ዝብል ኢዩ።

ብመሰረት ናይ ስርዓት ህግደፍ ኢደ ወነናዊ ምምቓል ምምሕደራት ኣውራጃታትና ብዞባ ደቡብ ኣብ ዝፍለጥ ክሊ ዝነብር ህዝብና፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ሰራየን ኣከለ ጉዛይን፣ ደቕኻ ናብ ግዴታዊ ዕስክርና ኣረክብ ዝብል ትእዛዝ ስለ ዝነጸገ፣ ሕርሻዊ ማእቶትካ ናብ ትካላት ህግደፍ ክትሸጦ ጥራሕ ኢዩ ዝፍቀደካ ዝብል መቕጻዕቲ ተበይንሉ ዝነበረ ዓማጺ ውሳነ ነጺጉ፣ ንኣዋርሕ ጽዒሩ ዘእተዎ ሕርሻዊ ማእቶት ኣብ ክንዲ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብሓይሊ ዝምንዝዖ፣ ሓረስቶት ሃገርና ምስ’ቲ ኩሎ ከጋጥሞም ዝኽእል ናይ መነባብሮ ጸጋማት እናፈለጡ፣ እቲ ማእቶት ከቃጽልዎ መሪጾም። ርእይቶ ህዝቢ ዘየኽብርን፣ ደገፍ’ምበር ምቅዋም ከም ሓጥያት ዝቚጽርን፣ ስርዓት ህግደፍ፣ ንብዙሓት ዜጋታትና ክኣስር ከሎ፣ ንተቐማጦ “ዓዲ ወደርኪ” ከኣ፣ ብጃምላ ከም ዝኣሰሮም ኣብ ኩሉ ኤርትራዊ ዝከታተሎ ዘሎ ጉዳይ’ዩ።

ወ/ሮ ፋና ተስፋማርያም፣ ድሕሪ’ቲ ብ21 ጥሪ 2013 ብስዒድ ዓሊ ሕጃይ (ወድ ዓሊ) ዝተመርሐ ስሪሒት ፎርቶ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሙስጣፋ ኑርሒሰን ስለ ተኣሰረ፣ ከም መተካእትኡ ብስርዓት ህግደፍ ዝተሾመት ኢያ። ኣመሓዳሪት ዞባ ደቡብ ቅድሚ ምዃና’ውን፣ ከንቲባ ከተማ ምጽዋዕ ከም ዝነበረት ዝተፈልጠ ኢዩ።

“ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” !!

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

01 መጋቢት 2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel