እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 88 guests and no members online

ኣብ ሊቢያ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ግዳይ ጾታዊ ዓመጽን ባርነታዊ ዕዮን ይኾኑ ከም ዘለው ትካል ህጻናት ኣድሕን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማለት ዩኒሴፍ ሓቢሩ።

ኣህጉራዊ ትካል ህጻናት ኣድሕን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ማለት ዩኒሴፍ ሓደገኛ ጉዕዞ ህጻናት ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ከም ዘነጸሮ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኾኑ ኣላዪ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ህጻናት፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ከም ዝሳቐዩ፡ ክፍሊት ኣልቦን ካብ ዓቕሞም ንላዕልን ኣብ ግዱድ ባርነታዊ ዕዮ ከም ዝዋፈሩ፡ ብፍላይ ከኣ ደቂ-ኣንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝፍጸመንን እቲ ጸብጻብ ኣረዲኡ።

እዚ ሓበሬታ’ዚ ነቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ሰጊሮም ንስክላ ኣብ ዓዲ ጣልያን ንዝኣተው ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዝኾኑ ደቂ-ኣንስትዮን ህጻናትን ብምዝርራብ ዝተረኽበ ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ እቲ ዓመጽን ግዱድ ዕዮን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ኣተኻ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እንኮላይ ኣብ ገማግም ባሕሪ ምስ በጻሕካ በቶም ኣሰጋገርቲ ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ዘስካሕክሕ ተርእዮ ምዃኑን ኣረጋጊጹ።

ብብዝሒ ዜጋታታን ካብ ዝስደዱለን ሃገራት፡ ኤርትራን ናይጀርያን ኣብ ቀዳማይ ቦታ ከም ዝስረዓ

ተጻዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ

ኣብ’ዚ እዋን እዚ ብብዝሒ ዜጋታተን ካብ ዝስደዱለን ሃገራት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ ኤርትራን ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ናይጀርያን ቅድሚት ከም ዝሰረዓ፡ ዜጋታት እዘን ሃገራት ናብ ኤውሮጳ ንምእታው ኣዝዩ ሓደገኛ ብዝኾነ መስመር ከም ዝጓዓዙ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር ጨንፈር ኤውሮጳ ኣቶ ቪንሴንት ኮቼቴል ከም ዝሓበረ ብ28 ለካቲት 2017 ዝተዘርገሐ ዜናዊ ጸብጻብ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ሓላፊ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ናይ’ቲ ኣህጉራዊ ትካል ዘቕረቦ ጸብጻብ ከም ዝኾነ፡ ንሱ እቲ ጉዕዞ ሓደገኛ ምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት’ውን ዝሓቁፍ ብምዃኑ ኣዝዩ ዘስካሕክኽ ከም ዝገብሮ ኣብሪሁ።

ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ወይ ዝተሓተትክሞ ገንዘብ ትኸፍሉ፡

እንተዘየለ ብህይወትኩም ኣብ ትሕቲ ዝብል ሕማቕ ሃለዋት ከም ዝርከቡ ተገሊጹ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ኮነ መስመር ሱዳን ሊቢያ ዘጋጥሞም ዘሎ ሓደጋታት ፍጹም ካብ ሰብኣውነት ዝረሓቐ ጨካንን ዘስካሕክሕን’ዩ ዝበለ ጋዜጠኛ ማርቲን ፕላውት፡ ነዞም መሳኪን ብፍላይ መንግስቲ ሱዳን ኣይመባልዕቶምን፡ ብሓልታት ጸጥታን ፖሊስን ገይሩ’ዩ ዘሳቕዮም ኢሉ።

ንኣብነት ይብል ጋዜጠኛ ማርቲን ፕላውት ብነጋዶ ሰብ ተታሒዞም ዝጸንሑ 4 ደቂ-ተባዕትዮን 2 ደቂ-ኣንስትዮን ኤርትራውያን ብተኣምር ካብ ጨካናት ነጋዶ ሰብ ኣምሊጦም ናብ ከተማ ካርቱም እናምርሑ እንከለው፡ ኣድብዮም ብዝጸንሑ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ቀይዲ ይኣትው፡ ናብ’ቲ ራሕሪሐሞ ዝወጹ ብኢሳያስ ዝምራሕ በላዒ ሰብ ዝኾነ ስርዓት ከረክብዎም ምዃኖም ድማ ይሕብርዎም።

እዞም መሳኪን ካብ ሞት ከምልጡ ካብ ሃገሮም ወጺኦም ተሰዲዶም፡ ኣብ ኢድ ነጋዶ ሰብ ወዲቖም ተሳቕዮም፡ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ድማ ኣብ ክንዲ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ኢሉ ብዓይኒ ሰብኣዊ ርህራሄ ዝቕበሎም፡ ኣሲሩ ወይ ገንዘብ ትኸፍሉ ኣይኮነን ከኣ ናብ ህግደፍ ትርከቡ ብዝብል ኣብ ከቢድ ጭንቀት ክኣትው ገይርዎም። ይኹን ‘ምበር 6 ጠበቓታት ሱዳን ብዝገብርዎ ናይ ህይወት ኣድሕን ጻዕሪ፡ 1,200 ፓውንድ ሱዳን ከፊሎም ከም ዝተለቁ፡ እቲ ዝኸፈልዎ ገንዘብ ብዘለዎም ጭቡጥ ቁጠባዊ ዓቒሚ ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ዝጠቐሰ ጋዜጠኛ ማርቲን፣ ፖሊስን ትካል ጸጥታን ሱዳን ንኤርትራውያን ስደተኛታት ከም ምንጪ ቁጠባዊ እቶት’ዮም ዝቆጽርዎም ይብል ኣብ’ቲ ብ28 ለካቲት 2017 ዝዘርገሖ ዜናዊ ጸብጻብ።

ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ብመኪና ዝጎዓዙ ዝነበሩ ኤርትራውያን ሓደጋ ከም ዘጋጠሞም ተፈሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ብደላሎ ተኣኻኺቦም ብመኪና ናብ ሱዳን ካብ ዝተበገሱ ኣስታት 78 ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብ25 ለካቲት 2017 ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ብዘጋጠሞም ናይ ምግልባጥ ሓደጋ፡ 51 ሽዑ ንሽዑ ከም ዝሞቱ፡ ብከቢድን ፈኲስን ቆሲሎም ናብ ሕክምና ይጎዓዙ ካብ ዝነበረ ድማ ንካልኣይ ግዜ ናይ ምግልባጥ ሓደጋ ኣጋጢምዎም 25 ሰባት ከም ዝሞቱን ካብ’ቶም ብሓንሳብ ዝተበገሱ 2 ሰባት ጥራሕ ቆሲሎም ብህይወት ከም ዝተረፉን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ገረገር ዝተዘገሐ ዜና ሓቢሩ።

ሓላፊ ጸጥታ ገዳርፍ ኣቶ ኣልዳውድ ስዒድ መሓመድ ኣልሃሚ ነቲ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ህይወተይ ከም’ዚ ዓይነት ርእየን ሰሚዐን ኣይፈልጥን ክብል ብመሪር ሓዘን ከም ዝገለጾ፡ ኣብ’ዚ ጉዳይ ኢድ ኣለዎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ዮናታን ወልደኣብ ዝተባህለ መራሒኦም ዝርከቦም 7 ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ከም ዘለውን እቲ ዜናዊ ሓበሬታ ገሊጹ።

ይኹን ‘ምበር እቲ ኣብ መርበብ ገረገር ዘሕዝን ዜና ብዝብል ዝተዘርገሐ ሓበሬታ፡ እቶም ዘሕዝን ሓደጋ ዘጋጠሞም ግዳያት፡ ካብ ኢትዮጵያ መዓስ ተበጊሶም፡ እቲ ሓደጋ ኣበይ ቦታ ኣጋጣሙ፡ ኣስማቶም በዓል መን ይበሃሉ ዝርዝር ሓበሬታ ኣየስፈረን።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 03-03-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel