እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 104 guests and no members online

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምኽንያቱ ብልክዕ ብዘይተነጸረ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝኣተወት ሓንቲ ካብ ማእከሎት ሓለፈቲ ጃንዳ ህግደፍ ዝኾነ ወ/ሮ ፋና ተስፋማርያም፡ 5 ቤተ-ሰባ’ውን ኣብ ቀይዲ ከም ዝወዓሉ ተፈሊጡ

ወ/ሮ ፋና ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወት፡ ብኣሰራርሓ ጃንዳ ህግደፍ ብዘይተለምደ ኣገባብ ቀልጢፋ ኣብ ቤት ፍርዲ ከም ዝቐረበት፡ ካብ ሃገራዊ ድሕነትን ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንትን ብርክት ዝበለ ክስታት ቀሪቡላ ከምዘሎ፡ ጉዳያ ካብ ሃገራዊ ድሕነት ናብ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ተሰጋጊሩ ምህላዉን ረድዮ መድረኽ ጸብጺባ።

ገለ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ወ/ሮ ፋና ቀሪቡ ዘሎ ክስታት ትብል ረድዮ መድረኽ፡ ምዝውዋር ገንዘብ፤ ምውህሃድ መርበብ ስግረ-ዶብን ምሃብ ናይ ቪዛ መሰነይታን ዝብል ከም ዝርከቦ፡ 5 ኣባላት ስድራ ቤታ ብኣባላት ጸጥታ ተታሒዞም ናብ’ቲ ብዙሓት ግዳያት ዝሰክሕሉ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣበይቶ ከም ዝተወስዱን ኣረጋጊጹ።

ወ/ሮ ፋና ምስ ዝተፈላላዩ ብልዕሊኣ ዘለው ሓለፍቲ’ውን ዘይምቅዳው ከምዝነበራ እቲ ዜናዊ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ህዝቢ ዓዲቀ ቤተ ክርስትያን ብዓዲ ‘ምበር ብታቦት ክጽዋዕ የብሉን ንዝብል

መምርሒ ብትረት ከም ዝነጸጎ ተገሊጹ።

ሮሞዳን ኣውሊያይ ዝተባህለ ሓደ ህግደፋዊ ጀነራል፡ ብመሰረት ኣብ 1994 ዝወጽአ ኣዋጃ ኩለን ኣብያተ ክርስትያናት፡ ኣብ ክንዲ ታቦታት ዝጽወዓ፡ ቤተ-ክርስትያን ዓዲ ክስቶ ተባሂለን ክጽወዓ ኣለወን ክብል ንህዝቢ ዓዲቀ ኣኪቡ ዘውረዶ መምርሒ፡ ንስኻ ሮሞዳን ‘ዩ ስምካ፡ በዚ ናተይ ብርሃነ ተባህሊካ ክትጽዋዕ ኣይትኽእልን ስለዚ ዘይነበረ ኣይንገብርን፡ ማዕተብና ኣይንበትኽን። ስም ታቦትናን ኣብያተ ክርስትያናትናን ብዓድታት ኣይንጽውዕን። ዝመጽአ ይምጻእ ክሳድና ንኻራ ክብሉ ብቅሉዕ ነድሪ ከም ዝተቃወምዎን ምንጭታት ሓቢሮም።

ሓንቲ ካብ ኣኼበኛ እዚ ጉዳይ ልቦና ዝጎደሎ’ዩ ድሕሪ ምባል፡ ሓላፍነት ኮነ ስርዓታት ተቐያየርቲ’ዮም   ስሩት ኣወንታዊ ባህልናን ሃይማኖታዊ መምርሒናን ግን ኣይንቕይርን። ወለድናን መራሕቲ ሃይማኖትናን ከምኡ ክገብሩ ኣይረኣናን ከምኡ ኣይመሃሩናን። ስለዚ ታቦትና ዝጽወዓሉ ስም ሎሚ ኣይንቕይር ጽባሕ ኣይንቕይር። ሃይማኖትና ብናቱ መምርሒ ደኣምበር ብተጽዕኖ መንግስቲ ኣሰራርሓኡ ኣይቅይርን።   ክትግበርዎ ትኽእሉ ክንርኢ ኢና ከም ዝበለት፡ ብድሕሪ’ዚ ኣኼባና ናይ ተቓውሞ ድምጺ ኣስሚዑ ኣኼባ ከምዝተበተነን ኣብ ናይ ኤርትራውያን መርበብ ሓበሬታ ዝወጸ ዜና ኣረዲኡ።

ስርዓት ህግደፍ ንኤርትራ ብጀነራላት ኣብ ዝምራሕ ሰለስተ ዞባታት ከፋፊልዋ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።

ስርዓት ህግደፍ ሓዲሽ ምምሕዳራዊ ምቅይያራት የተኣታቱ ከም ዘሎ፡ በዚ መሰረት ኣብ ትሕቲ ዞባታት መኸተን ልምዓትን ዝብል መጸውዒ፡ ዞባ ሓደ ከተማ ኣስመራ፡ ኣውራጃ ኣከለ ጉዛይ፡ ሰራየን ሓማሴንን፣ ዞባ ክልተ፡ ኣውራጃታት ሰምሃርን ደንከሊያን፣ ዞባ ሰለስተ፡ ሰንሒት፡ ሳሕልን ጋሽ ባርካን፣ ከምኡ’ውን ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ኤርትራውያን ንምቁጽጻር ዞባ ኣርባዕተ ክብል ሰይምዎ ከም ዘሎን ተገሊጹ።

ኣብተን ሕጂ ዘጣይሰን ዘሎ ዞባታት ዝግበር ስቪላዊ ኮነ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ዝምልከት ጸብጻብ ናብ’ቶም ኣመሓደርቲ ተባሂሎም ተመዲቦም ዘለው ወተሃደራዊ ጀነራላት ክቐርብ ከም ዘለዎ እቲ መምርሒ ከም ዝእዝዝ፡ እዚ ኤርትራ ከም ሃገር ኣብ ትሕቲ ፍጹም ወተሃደራዊ ቁጽጽር ከም ዝወደቐት ከም ዘመልክትን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣረዲኡ።

ዝምራሓሉ ሃገራዊ ቅዋም (ሕገ-መንግስቲ) ዘይብሉ ጉጅለ ህግደፍ፣ ቅድም ክብል ንታሪኻዊ ኣውራጃዊ ምምሕዳራት ኣፍሪሱ ዞባታት ብዝብል ኣብ ሽዱሽተ መቓቒሉ ክሰርሕ ምጽናሑ፡ እነሆ ድማ ሕጂ ብተመሳሳሊ፣ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝኣመተ ሓድሽ ምምቕቓል የተኣታቱ ኣሎ ይብል ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብ6 መጋቢት 2017 ዝዘርገሖ ዜና።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 10-03-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel