እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 32 guests and no members online

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዓሰብ ኣብ ሓደ ናይ ሓለዋ ቦታ ተመዲቦም ዝነበሩ ወተሃደራቱ ብምሉኦም ከም ዝኣሰሮም ተገሊጹ

እቶም ብሃንደበትን ብሓደግ ግዜን ዝተኣስሩ ወተሃደራት ብዝሖም ኣስታት 30 ከም ዝበጽሕ፡ መብዛሕቲኦም ብኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝፍለጡ ከም ዝኾኑን ረድዮ ኤረና ብ10 መጋቢት 2017 ሓቢራ።

ምኽንያት መእሰሪኦም ብወግዒ ዝተሓበረ ከም ዘየለ፡ እንተኾነ ግን ክትሃድሙ ውጥን ነይርኩም ዝብል ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት ዝበለት ረድዮ ኤረና፡ ብዘይካ ናብ ባጽዕ ገጾም ተወሲዶም ዝብል ኣበይ ተኣሲሮም ከም ዘለው ከም ዘይፍለጥ፡ ካብ’ቲ ዝገርም፡ ሰበስልጣን እቲ ስርዓት ወሰኽ ደሞዝ ስለ ዝተገበረ ማሕበራዊ ህይወት ወተሃደራት ይመሓየሽ ኣሎ እናበሉ ኣብ ዝጉስጉስሉ ዘለው ግዜ፡ ውጹዓት ወተሃደራት መዓልታዊ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይስግሩ ከም ዘለውን ወሲኻ ኣረዲኣ።

ብካልእ ዜና፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2016፣ ልዕሊ 2700 ኤርትራውያን ቆልዑ፣ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ኢጣልያ ከምዝኣተዉ፡ ብድምር 5096 ኤርትራውያን ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ከም ዝሞቱ፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ማለት UNHCR ኣብ ዘቕረቦ ዓመታዊ ጸብጻብ ምግላጹ ረድዮ ኤረና ብ9 መጋቢት 2017 ኣፍሊጣ።

ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዝሃለወ፡ ብዛዕባ ስደት ኤርትራውያን ምዝራብ ኮነ፡ ብዛዕባ ሞቶም ኣውያት ምስማዕ ኣይቋርጽን ክብል ሓደ እንግሊዛዊ በዓል ስልጣን ሓቢሩ።

ሚኒስተር ምትሕግጋዝ ሃገራት ስግር ባሕሪ ዝኾነ ጄርሚ ሪፕሎይ ዝተባህለ እንግሊዛዊ፡ ብ10 መጋቢት 2017 ምስ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ኣትኩሮ ንኣፍሪቃ ዝብል መደብ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ ብኢሳያስ ዝመራሕ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዝሃለወ፡ ብኤርትራውያን ስደተኛታት ምዝራብ፡ ብሞቶም ከኣ ኣውያት ምስማዕ ኣየቋርጽን ክብል ዝሓደሮ ስግኣት ገሊጹ።

ካብ ሊቢያ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪየ መጺኣ ዝበለ እቲ ሚኒስተር፡ ኣብኡ ዝረኣኽዎም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣዝዮም ብዙሓት’ዮም ብፍላይ ከኣ ቁጽሪ ዜጋታት ኤርትራ መላእ ሃገር ዲያ ናብ’ዚ ግዒዛ ዘብልን ዘሰንብድን’ዩ። እቶም ኣብ ሊቢያ ዝረኣኽዎም ኤርትራውያን ህጻናት፡ ደቂ-ኣንስትዮም፡ መንእሰያት፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታት ዘጠቓልል’ዩ። ኣብኡ ዘሎ ባህርያውን ሰብ ዝሰርሖን ብደሆ ቀሊል ኣይኮነን። ስለምንታይ ከም’ዚ ኮይኖም ኢልካ ምስ እትሓትት ትረኽቦ መልሲ፡ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ስርዓት ኣብ ሊቢያ ካብ ዘሎ ስቓይ ዝኸፍአ ብምዃኑ’ዩ ዝብል’ዩ ኢሉ።

ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ንፍትሒ

ካብ ዝወርደና ዘሎ ግፍዒ ክንገላገል እንተደኣ ኮይና ውደባ ወሳኒ ኢሉ።

ኣብ ስዊትዘርላንድ ዝመደበሩ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ንፍትሒ ስዊዘርላንድ ዝተባህለ ማሕበር፡ ብመሰረት ብ10 ታሕሳስ ናይ 2016 ዘመሓላለፎ ውሳነ፡ ብ3-4 መጋቢት 2017 ኣኼባ ኣካይዱ ዕውት ስራሓት ከም ዘሰላሰለ ብ8 መጋቢት 2017 ኣብ ዝዘርገሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ’ቲ ዓውደ ዘተ ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኤውሮጳ ዝመጽኣ ደቂ-ኣንስትዮን ዕድመ ዝተገብረሎም ኣባላት ፖለቲካዊ ውድባት፡ ስቪክ ማሕበራትን ስነ ጥበኛታት ተሳቲፎም ከም ዝነበሩ ፡ ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝወርዳሎ ዘሎ ድርብ ጭቆና ብቃልሲ ጥራሕ ከም ዝውገድ ኣሚና ኣረኣእያኣ ከተማዕብል፡ ክትጥርነፍን ስጡም ውደባ ክህልዋ ምግባር መተካእታ ዘይብሉ ምዃኑ ከም ዝተሓበረን ኣረጋጊጹ።

ኣብ መወዳእታ ምስ ካልኦት ማሕበራት ናይ ምውህሃድ ዕማም ዝተዋህባ፡ ሓደ ዓመት ድማ ዝዕድሚኣ 5 ዝኣባላት ሽማግለ ካብ ተሳተፍቲ ከም ዝተመዘት፡ እቲ ዓውደ ዘተ ክካየድ ሞራል ንዝሃቡን ዝተሓጋገዙን ብምምስጋን ብጽቡቕ ከም ዝተዛዘመን ኣረዲኡ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኒ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 13-03-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel