እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 84 guests and no members online

ህዝባዊ ግንባር /ህግደፍ ብተፈጥሮኡ ኣብ ሰለያን ግርጭታትን ዝነብር ናይ ዕንወት ሓይሊ’ዩ።

ብዙሓት ውሽጣዊ ድኽመት ናይ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ዘተሓሳስቦም ዜጋታት እምበር’ዶ እዝስ ውሽጣዊ በዓል ቤታዊ ሽግር ጥራሕ’ዩ? ጸረ-ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ ዝጸፈዮም መርበባት ስለያ ኣህልውን’ዶ ዝብሉ ሕቶታት፡ ብተደጋጋሚ ኣብ ዝፈተፈላለየ መድረኻት ከልዕሉ ይስምዑ። እዞም ሃገራውያን ወገናት ካብ ዝሓደሮም ስኽፍታ ተበጊሶም ዘልዕልዎም ሕቶታት፡ ንጥርጠራታቶም መሊሱ ክዓቢ ካብ ዝገብሮ ሓደ ተርእዮ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት ኣብ ውሽጢ’ቲ ስርዓት ዝጸንሑ ገለ ኣካላት፡ ጭብጥታቱ ክሳብ ክንደይ’ዩ ብዘየገድስ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘዋፈሮም ናይ ስለያ መሳርሒታት ኣለው’ዮም ኢሎም ክዛረቡ እንከለው ነቲ ጥርጠራታት መሊሱ ዘራጉዶ ምዃኑ ሓደን ክልተን ዘይበሃሎ ሓቂ’ዩ።

ይኹን ‘ምበር ከም’ዚኦም ዝኣመሰሉ ናይ ጸላኢ ላሕኲታት እንተልዮም’ውን ነቲ በዓል ቤታዊ ሕመቕ ናይ ደምበ ተቓውሞ ዘቃልሎ ወይ ዘፋኹሶ ዘይኮነስ፡ መሊሱ ዘራጉዶ’ዩ ዝኸውን። ከም’ዚ ዝኣመሰለ ንናይ ጸላኢ ሰልኩታት ምቹእ ባይታ ዝፈጥር ኩነታት ንከይህሉ፡ ካብ ግዝያዊ ረብሓን ድሕረትን ዝተናገፈ፣ ህዝባዊ ረብሓን ሃገራዊ ክብርን ዘቐድም፡ ግልጽነትን ተሓታትነትን ዘለዎ፡ ናይ ደሞክራስያዊ ጥርናፈ ኣሰራርሓ መርሆ፡ ቅኑዕ ኣረኣእያ፡ ጽፉፍ ውደባን ስሩዕ ውድባዊ ህይወትን ክህሉ ምግባር’ዩ። እዚ መሊኡ ክሳብ ዘይተሃንጸን ብተግባር ዘይተዘውተረን ግን ክሳብ ውድቀት ህግደፍ ይዕበ ይንኣስ ሰልኲታት ክህሉ ከም ዝኽእል ከም ህውብ ዝውሰድ ጉዳይ’ዩ።

ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ይኹን ኩሎም ጸረ-ህዝቢ መለኽቲ ስርዓታት ብተፈጥሮኦምን ታሪኻዊ ኣመጻጽኣኦምን ዕድመ ስልጣኖም ከናውሑ፡ ሓንሳብ ብሓሶት ነብሶም እናኾሓሉ፡ ሓንሳብ ማካቬላዊ ሽርሕታት እናተጠቕሙ፡ ንድሕረት ናይ’ቲ ሕብረተ-ሰብን ግርጫታቱን ከምኡ’ውን ግርጭታት ናይ’ቲ ተቓላሳይ ውድባትን እናባልሑ፡ ንንጹሃት ኣመራርሓታት ይኹኑ መሰረታት፤ ብሃይማኖት፣ ብወገን፣ ብዓሌት፣ ብቦታ፣ ብገንዘብ፣ ብመስተ፣ ብደቂ-ኣንስትዮ፣ ብስልጣንን ዝተፈላለዩ ጠቕሚታትን ኣብ ጸረ-ህዝቢ ናይ ሰላያ መርበባቶም ብምእታው፡ ናይ እኩይ ተግባራቶም መሳርሒ ክገብርዎም ዘይፍትንዎ ነገር የለን። ከም’ዚኦም ዝኣመሰሉ መለኽቲ ውድባትን ስርዓታትን ይቃወመና’ዩ ንዝብልዎ ውልቀ ሰብ፡ ጉጅለ ይኹን ውድብ ብዘለዎም ወተሃደራውን ስለያውን መሳርሒታት ተጠቒሞም ብምእሳር፡ ብምጭዋይ፡ ብምቕንጻል፡ ኣብ ውሽጢ ውድቦም ይኹን ኣብ’ቲ ሕብረተሰብ ራዕዲ ብምእታው ዝነብሩ ናይ ዕንወት ሓይልታት’ዮም።

ጸረ-ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ ከኣ እዚ ከም’ዚ ዝኣመሰለ መጥፍኢ ህዝቢ ዝኾነ ሰለያዊ መርበባት’ዚ ኣብ ኩሎም ትካላቱ፡ ውድባዊ ይኹን መንግስታዊ መሓውራት ማለት እደ ቤዛኡ ዝኾና ማሕበራትን ማሕበረ-ኮማትን እንኮላይ ኣብ ሃይማኖታዊ ትካላት፡ ክሳብ እታ ዝነኣሰት ኣሃዱ ስድራ ቤት ከይተረፈ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ጸፍዩ፡ ኣብ ሕድሕዶም ተኣማሚኖም ከይነብሩ ዝገብር፡ ካብ ናይ ፋሽሽታውያን ተግባራት ዘይፍለ ማፍያዊ ኣረሜናዊ ኣሰራርሓ ዝኽተል ስርዓት’ዩ። እዚ ባህሪ’ዚ ከኣ፡ ድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት ዘምጸኦ ወይ ዝመሃዞ ሓድሽ ተግባር ዘይኮነስ፡ ከም ውድብ ፍጥር ክብል እንከሎ ኣትሒዙ ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ከዘውትሮ ናይ ዝጸንሐ ተግባር መቐጸልታ’ዩ። እዚ ውድብ’ዚ ሓደ ካብ’ቲ ኣብ ሜዳ ከም ቀንዲ ናይ ስለያዊ መሳርሒኡ ገይሩ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ሓለዋ ሰውራ ዝተባህለ ትካል’ዩ። ወሳኒ ጃንዳዊ መሪሕነታዊ ጉጅለ ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ንጸቢብ ድሌታቱ ከርዊ ክብል ነዚ ትካል’ዚ ከም ቀንዲ መሳርሒ ብምጥቃም፡ ክንደይ ኤርትራዊ ምሁር ዓቕሚታትን ገባርን፡ ብሓፈሻ ኣብ ምሉእ ሃገር ብፍላይ ከኣ ኣብ ስንጭሮታትን ጎቦታትን ሳሕል ዘይጠፍአ። ዝተፈልየ ሕቶ ዘልዓሉ ወገናት፡ ብስም መንካዕ፣ የሚን፣ ቆራሻ፣ሲኣይ ኤ፣ ናይ ዓማ ስለያ ..ወዘተ እናተባህሉ ውልቀ-ሰባት፡ ጉጅለታትን ምንቅስቓሳትን ተቐንጺሎም’ዮም። ካብ’ዚ ሓሊፉ ከኣ፡ ንተቓወምቲ ውድባት ክሳብ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት እንታኣተወ ክንደይ መራሕትን ላዕለዎት ካድራትን ብናይ ስለያ መርበባቱ ዘይተጨወየን ዘይቀንጸለን።

ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ብተመሳሳሊ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኩሎም ይቃወሙኒ’ዮም ንዝብሎም ወገናት፡ ብስለያዊ ትካሉ ጸልማት ተጎልቢቦም ብለይቲ ማስኬራ ተሸፊኖም ክንደይ ንጹሃት ሃገራውያን ዘይጨወየን ዘይቀንጸለን። ካብ’ዚ ሓሊፉ ከኣ ብሰላማዊ መንገዲ ሕቶ ንዘቕረቡ ናይ ሓርነት ውጉኣት፣ ተመሃሮ ኣስመራ ዩኒቨርስቲ፣ ናይ 1993 ናይ ሰራዊት ምንቅስቓስ፣ ምንቅስቓስ ጉጅለ 15 ተኣሲሮምን ተቐንጺሎምን’ዮም። ስለዚ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውሽጡ ብብዝሒ ናይ ስለያ ሰኪዔታቱ ስለ ዝጸፈየ’ዩ በቒዑ ክሰርሕ ዘይኽእል ዘሎ ዝብል፡ እዚ ሓደ ካብ’ቲ ዕንቅፋት ክኸውን ይኽእል ደኣምበር ብወሳኒስ እቲ ምኽንያት ንሱ ኣይኮነን።

ንሕቶ ሓድነትን ሕቶ ፖለቲካዊ ደሞክራስን ዝዕንቅፍ፡ ቅድሚ ሃገራዊ ረብሓ፡ ጸቢብ ውልቃውን ጉጅላውን ረብሓ ዘቐድም ኣተሓሳስባ ልዕልነት ኣብ ዝሓዘሉ፡ ትምክሕትን ጽበትን ድሑር ኣሰርራሓታትን ዝሰብር ባህሊ ናይ ደሞክራሲ ኣብ ዘይዓኾኸሉ፡ ወሳኒ ተራኡ ክጻወት ዝኽእል መሪሕ ደሞክራስያዊ ሓይሊ ልዕልናኡ ኣብ ዘየረጋገጸሉ፡ ዘለዎ ባዕላዊ ድኽመታትን ወድዓዊ ጸገማትን ዘይተሰግሩ ምህላዎም’ዩ እቲ ቀንዲ ናይ ደምበ ተቓውሞ ጸገም። ብዝተረፈ ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ብተፈጥሮኡ ብናይ ስለያ መርበብ ተጸፍዩ ዝዓበየ፡ ብስለያን ግርጭትን ድማ ዝነብር ናይ ዕንወት ሓይሊ ክሳብ ዝኾነ፡ ኣብ ኩሎም ክፍልታት ሕብረተ-ሰብና ይኹን ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ንህላወኡን ቀጻልቱን ውሕስነት ዝኾኖ ባይታ ከጣጥሕ፡ ይተዓወተሉ ኣይተዓወተሉ ናይ ስለያዊ መርበባት ካብ ምውፋር ዓዲ ከምዘይውዕል ተገንዚብና፡ ነዚ ድኽዒ ዝኾኖ ባይታ ኣብ ውሽጥና ከይረክብ፡ ጸገማትና ብብቅዓት እናፈተሽናን እናፈታሕናን ሓቢርካ ምምካት’ዩ እቲ ቅልጡፍ ናይ ዓወት መንገዲ።

ብሓልዮት ደሞክራስያኢው ግንባር ሓድነት እIአርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 17-03-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel