እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 43 guests and no members online

ሓምሻይ ውድባዊ ጉባኤ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ (ደምሓኩኤ)

ብ28 መጋቢት 2017 ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ተኸፊቱ

ሓሙሻይ ውድባዊ ጉባኤ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ (ደምሓኩኤ) ካብ ሱዳንን መዓስከር ስደተኛታት ሽመልባን ዝመጽኡ ጉባኤተኛታት ኣብ ዝተረኽበሉ፡ ብ28 መጋቢት 2017 ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ብዝኽሪ ሰማእታት ከም ዝተኸፍተ ብ29 መጋቢት 2017 ኣብ መርበብ መሰል ብሄራት ዝረኸብናዮ ዜና ኣረጋጊጹ።

መድረኽ ኣሰናዳኢት ሽማግለ 5ይ ውድባዊ ጉባኤ ተረኪባ ናይ ስራሕ ጸብጻባ ምስ ኣቕረበት፡ ኣቦ-መንበር ደምሓኩኤ ተጋ/ ቀርነልዮስ ዕስማን ንጉባኤኛታት ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፈ፡ ጉጅላ ባህሊ ኤርኩ መሳጢ ሙዚቃዊ ምርኢት ብምቕራብ ድምቀት ከምዝሃበቶ፡ ቀጺላ ካብ ጉባኤኛ ዝወጸት ሓሙሽተ ዝኣባላታ ፕረዚዲዮም መድረኽ ከም ዝተረከበት እቲ ዜና ሓቢሩ።

ጉባኤ ኣብ ናይ 29 መጋቢት 2017 ውዕሎኡ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ጸብጻብ ማእከላይ ኮሚቴ ሰሚዑ ብምምይያጥ፡ ውሳነ ዘድልዮም ኣገደስቲ ዛዕባታት ኣልዒሉ ድሕሪ ኣድላዪ ክትዕ ብምሉእ ድምጺ ከም ዘጽደቐን ኣረዲኡ።

ባይቶ ዓባይ ብሪጣኒያ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ከም ዝተዛተየ ተገሊጹ።

ኣባላት ባይቶ ዓባይ ብሪጣኒያ፡ ካብ ደገፍቲ ህግደፍ፡ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ስቪክ ማሕበራት፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ከምኡ’ውን ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራን ካልኦትን ብምዕዳም ብ28 መጋቢት 2017 ኣብ ጉዳይ ኩነታት ኤርትራ ዘትኮረ ዘተ ከም ዘካየዱ ረድዮ ኤረና ብ29 መጋቢት 2017 ኣብ ዝዘረገሓቶ ዜና ኣፍሊጣ።

ዜጋታት ኤርትራ ብብዝሒ ናብ ምድሪ ኤውሮጳ ይስደዱ ከም ዘለዎ፡ በዚ ዝተሻቐላ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ንኣብነት ባይቶ ጀርመን፣ ሆላንድ፣ ፈረንሳ፣ ስዊዘርላንድ፣ ኣብ በበይኑ ኣጋጣሚታት ኣብ ኤርትራዊ ህልዊ ኩነታት መሰረት ዝገበረ ዘተ ከም ዘካየዱ፡ ሕጂ ድማ ኣባላት ባይቶ ዓባይ ብሪጣኒያ ከም’ዚ ዝበለ ዘተ ምክያዶም፡ ነቲ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ተኸሲሱ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ፍሉይ ትርጉም ከም ዘለዎን ሓቢራ።

ስርዓት ህግደፍ ብዕድመን ብትምህርትን ዘይበሰሉ ዜጋታት ብሓውሲ ግፋ ናብ ሞያ መምህርና የእትዎም ኣሎ

ኣብ ኤርትራ ኣብ ምምሃርን ምስትምሃርን ምዝባዕ ካብ ዝፍጠር ነዊሕ ዓመታት ከም ዘቑጸረ፡ እዚ እቲ መንግስቲ ኮነ ኢሉ ካብ ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ ዝምንጩ ምዃኑ ዝገለጹ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ኣብ’ዚ ጉዳይ ኣመልኪታ ዘዛራረበቶም ኤርትራውያን፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ናይ’ቲ ስርዓት ኣብ’ዚ እዋን ሕጽረት መማህራን ከም ዘጋጠሞ ኣሚኑ፡ ብዕድመን ብትምህርቲን ዘይጸገቡ ህጻናት ብሓውሲ ግፋ ብጃምላ ናብ ‘ቲ ሞያ ብምእታው ንምሽፋኑ ዝገብሮ ዘሎ ንጥፈታት ብሓደ ወለዶ ምሉእ ምሽክዕላል’ዩ ክብሉ ገሊጾም።

ምዝባዕ ምምሃርን ምስትምሃርን እቲ ስርዓት ብሃገር ደረጃ ካብ ዝኽተሎ ዘሎ ግጉይን ኣዕናውን ፖሊሲ ዝብገስ ክንሱ፡ ኣብ ፖሊሲኡ፡ ኣተሓሓዛ መማህራን፡ ህጻናትን መንእሰያትን ዝኾነ ናይ ፖሊስን ኣሰራርሓን ለውጢ ከይተገበረ፡ ብኣስገዳድ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሳዋ ብጅሆ ተታሒዞም ካብ ዝርከቡ ዜጋታት ብሓውሲ ግፋ ናብ መሰልጠኒ መማህራን ኣእትየ ክፍትሖ’የ ምባሉ ላግጺ ብህዝቢ ደኣምበር ካልእ ፋይዳ የብሉን ክብሎም ዝተሰመዖም ጓሂ ሓቢሮም።

ብሰንኪ’ቲ ስርዓት ዝኸተሎ ዘሎ ኣዕናዊ ፖሊሲ፡ ካብ ኤርትራ ክሃድም ድኣምበር ኣብ ኤርትራ ተማሂሩ ክሓልፈሉ ዝጽበ ትውልዲ ከም ዘይለ፡ ሞያ መምህርና እቲ ዝኸበረ ሞያ ክንሱ፡ ክብሪ ስእኑ ወዲቑ ከም ዘሎ፡ ኣብ’ዚ ሞያ ዝኣትው መማህራን ብሞራልን ብክፍሊትን ክብሪ ስኢኖም፡ ብዙሓት ተስፋ ቆሪጾም ይስደዱ ከም ዘለውን ዝፍለጥ’ዩ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 31-03-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel