እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 97 guests and no members online

ኣብ መንጎ ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን እናማዕበለ ዝኸይድ ዘሎ ዝምድና፡

ንሰበስልጣን ህግደፍ ጭንቀት ፈጢርሎም ከም ዘሎ ፈለጥቲ ውሽጢ ሓቢሮም።

ውሕስነት ቀጻልነቶም ኣብ ጽልእን ኲናት ዝገብሩ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ፡ ኤርትራዊ ሰላም ዘሪጎም ሰላም ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምብልሻው፡ ካብቲ ናብቲ እናተላኽዑ ጸረ-ህዝቢ ባህሪኦም ሓቢኦም ከሳስዩ ዝነበሮም ሕልሚ ተቓሊዑን ፈሽሉን ትርጉም ዘለዎ ፈታውን መሓዛን ስእኖም፡ ብሓያል ናይ ተነጽሎ ቀዝሒ ኣብ ዝህረምሉ ዘለው ወቕቲ፡ ኣብ መንጎ ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ደረጃ ብደረጃ እናደልደለ ዝኸይድ ዘሎ ወግዓዊ ዝምድና ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሮም ኣሎ ይብሉ፡ ኣብ’ዚ ቀረባ ካብ ኤርትራ ዝወጽኡ’ሞ ንድሕነት ስድራ ቤቶም ኣስማቶም ክገልጹ ዘይደለዩ ኤርትራውያን።

ዞባዊ ሰላም እናሃወኹ፡ ንዞባዊ ሰላምን ንሰርሕ ኣለና፡ ብፍላይ ምስ ቀረባ ጎረቤትን ፈታውን መንግስቲ ሱዳን ስትራተጂካዊ ዝምድና ኣለና፡ ንክልተኣዊ ረብሓታት ኣብ ዘገድሱ ጉዳያት ተሰማሚዕና ብሓባር ንምርሽ ኣለና እናበሉ ዝገልጹ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ፡ እቲ ዝምድና ብሓሳብ ኮነ ብተግባር ናይ ክልተ ጎረሓት ሓሙኽሽቲ ስንቆም ዓይነት’ዩ። ኣብ ጸጥታውን ግዝያዊ ነገራዊ ረብሓን ዝተሰረተን ከም ኩነታቱ ዝረስንን ዝዝሕልን’ዩ። ብኣንጻሩ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ዘይደልይዎ፡ ረብሓ ህዝብታት ማእከሉ ዝገበረ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝምዕብል ዘሎ ወግዓዊ መንግስታውን ህዝቢ ንህዝብን ዝምድናታት፡ ምውሓጥ ኣብይዎም፡ ስለምንታይ? ከመይ ከምኡ ይኸውን? ስርዓት ሱዳን’ኮ መርገጽ የብሉን እናበሉ ውሽጣዊ ስምዒቶም ብኣንጸርጽሮት ኣብ ጎደናታት የስምዑ ከም ዘለውን ኣረዲኦም።

ስርዓት ህግደፍ ንእገዳ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ከም ዝጠሐሰ ተገሊጹ።

ሓንሳብ ኣብ ልዕሌና ዝተመሓላለፈ እገዳ ዘይሕጋውን ዘይፍትሓውን’ዩ፡ ይኹን ደኣምበር ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዝርከቡ ደገፍቲ መንግስቶም ዝኾኑ ኤርትራውያን ብዝገበርዎ ብርቱዕ ናይ ተቓውሞ ድምጺ ፈሽሉ’ዩ። ካልእ ግዜ ድማ እገዳ ኣልዕሉልና እናበለ ተገላባጢ ርእይቶ ከቃልሕ ዝጸንሐን ዘሎን ስርዓት ህግደፍ፡ ንውሳና ናይ’ቲ ብ2009 ኣብ ልዕሊኡ ዝተመሓላለፈ ብይን ቤት ምኽሪ ጸጥታ ብምጥሓስ ካብ ሰሜን ኮርያ ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝውዕል ንዋት ከም ዝሸመተ ተረጋጊጹ።

ኣባል ሃገራት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡   ቤት ምኽሪ ባይቶ ጸጥታ ዘመሓላልፎ ውሳነ ከኽብራ ግዱዳት’የን። ይኹን ‘ምበር ኣህጉራዊ ሕግታት ብምጥሓስ ዝፍለጡ መንግስቲ ህግደፍን መንግስቲ ሰሜን ኮርያን ሸያጥን ሸማትን ወተሃደራዊ ነዋት ኮይኖም ከም ዝተረኽቡ፡ ብምስሊ ተደጊፉ ካብ ኣመሪካ ዝተቓለሐ ዜና ሓቢሩ።

መንግስቲ ኣመሪካ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢኡ ኣቢሉ ብ30 መጋቢት 2017 ዘውጸኦ መግለጺ ከም ዘመልከቶ፡ መንግስቲ ህግደፍ ንሓይሊ ባሕሪ ዘገልግል ወተሃደራዊ ናውቲ ካብ ሰሜን ኮርያ ከም ዝሸመተ፡ እዚ ድማ ንውሳነ ባይቶ ጸጥታ ዝጥሕስ ብምዃኑ፡ ንሱ ብመንገዱ ብፍሉይ ከም ዝከታተሎን እገዳ ከም ዝገብረሉን ኣረዲኡ።

ኣብ መንጎ መንግስታት ህግደፍን ሰሜን ኮርያን ኮይኑ፡ ነዚ ዘይሕጋዊ ጉዳይ ዘሳለጠ ሓደ ናይ ማሊዥያ ትካል ከምዝኾነን፡ መንግስቲ ማሊዥያ ነዚ ጥሕሰት ሕጊ ምስ ሰምዐ ነቲ ትካል ከምዝዓጸዎን’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 07-4-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel