እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 24 guests and no members online

ናይ ዕቑባ ሕቶኦም ተቐባልነት ምስ ረኸቡ፡ ብዝተፈላላዩ ሽፋናትን ምስምሳትን ናብ ኤርትራ ዝምለሱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጉዳይ ኣዛራቢ ይኸውን ኣሎ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ኣትዮም ብስርዓት ህግደፍ ዝተገፋዕና ኢና’ሞ ፖለቲካዊ ዕቑባ ይወሃበና ኢሎም ብዘቕረብዎ ጥርዓን ተቐባልነት ምስ ረኸቡ: ናብ’ቲ ገፋዒ ዝበልዎ ስርዓት ዝምለሱ ገለ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ብዙሓት ኤውሮጳውያን ኣግራሞት ፈጢሩ፡ እቶም መንግስታት ቅድም ክብል ዝነበሮም ኣቀባብላን ኣተሓሓዛን ዳግም ክፍትሹ ይግደዱ ከም ዘለውን ተሓቢሩ።

ሚኒስትሪ ፍትሕን ድሕነትን ሆላንድ፡ ክላስ ሀንሪከስ ድዮኮፍ ካብ’ቶም ብመሰረት ዘቕረብዎ ጥርዓን ተቐቢልና ዕቑባ ዝሃብናዮም ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ይመላለሱ ከም ዘለው ሓበሬታ በጺሑና ኣሎ። ሓቅነቱ ብመርተዖ ንምርግጋጽ ድማ ንሰርሕ ኣለና። ጭብጢ እንተረኺብና ከኣ ካብ ሕጊ ወጻኢ ስለ ዝኾነ ክንጥርዞም ኢና ከም ዝበለን ምንጭታት ካብ’ቲ ቦታ ገሊጾም።

ፖለቲካዊ በደል በጺሑኒ ሰብኣዊ መሰለይ ተጣሒሱ ኢልካ ፖለቲካዊ ዕቑባ ምሕታት ተቐባልነት ዘለዎ፡ ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት’ውን ዝድግፎ ሰብኣዊ መሰል’ዩ ዝበለ እቲ ሓላፊ፡ እታ ሃገር ካብ ትኽተሎ ሕጊ ስደተኛታትን ካብ ዝምልከቶም ኣካላትን ተሓቢእካ ናብ ኤርትራ ምምላስ ግን ብሕጊ ዘሕትትን ዋጋ ዘኽፍልን’ዩ። ቅድሚ ሕጂ ብከም’ዚ ኣገባብ ከም ዝኸዱ መርተዖ ዝተረኽበሎም ዝተዋህቦም ናይ ዕቑባ መሰል ተሓዲጎም ክወጽኡ ከም ዝተገብረ ብምዝኽኻር፡ ኤርትራውያን ካብ ከም’ዚ ተግባር ክቑጠቡ ከም ዝተሓሳሰበን ኣረጋጊጾም።

ኣብ ሊቢያ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዝጸንሑ 28 ኤርትራውያን ካብ ዝነበርዎ ማእሰርቲ ወጺኦም ናብ ተዛምዳዊ ሰላም ከም ዝተሰጋገሩ ተገሊጹ።

ኣስማቶምን ትውልዲ ዓዶምን ዛጊት ዘይተነጸረ፡ መጀመርያ ብኣሽባሪ ጉጅለ ዳዕሽ ተታሒዞም ንነዊሕ ግዜ ሃለዋቶም ጠፊኡ ዝጸንሐ 28 ኤርትራውያን ኣብ መንጎ ወተሃደራት ሊቢያን እቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ብዝተኻየደ ውግእ ካብ ኢድ’ቲ ጉጅለ ከም ዘምለጡ ተፈሊጡ።

ይኹን ምበር መሊኦም ነጻ ኣብ ክንዲ ዝኾኑ፡ በቶም ካብ ኣሸባሪ ጉጅለ ዳዕሽ ዘገላገልዎም ወተሃደራት ካብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ 2016 ከም እንደገና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ከም ዝጸንሑ፡ ኣብ መጀመርያ ሰሙን ናይ ወርሒ ሚያዝያ 2017 ድማ ከም ዝተለቁ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ማሕበር ቀይሕ ወርሕን ተረኪበሞም ምህላዎምን ንምርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ።

እዞም 10 ናይጀርያውያን ዝርከብዎም 28 ኤርትራውያን ብፍላይ ብጉዳይ ጥዕና ኣዝዮም ተሃስዮም ከም ዝጸንሑ፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታትን ማሕበር ቀይሕ ወርሕን ናብ ሳልሳይ ሃገር ክሰጋግርዎም ቃል ኣትየምሎም ምህላዎምን ካብ’ቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 10-04-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel