እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 43 guests and no members online

ንገዛይ ሰለስተ ግዜ ተሳሊመ ተፋኒየያ

                                                     ሳልሳይ ክፋል

ብርሃነ፡ ወዲ ጋሽ-ባርካ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክሰግር ዘጋጠሞ ብደሆ፡ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ብወተሃደራት ኢትዮጵያ ዝተገብረሉ ምቕሉል ኣቀባብላን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ካብ መቐባሊ ኣጋይሽ እንዳባጉና ናብ መዓስከር ሕንጻጽ ምስ ከደ ዝተዓዘቦን ዝፈጠረሉ ስምዒትን’ውን በቲ ምቕሉል ኣቀራርባኡ ግርም ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። እንዳባጉና መቐበሊ ኣጋይሽ’ዩ። ግን ኣዝዩ ሕማቕ’ዩ። ስለምንታይ ኩሉ ሰብ ኣብኡ ስለ ዘዕርፍ። ኣነ ክልተ ለይቲየ ሓዲረ። ብትዃንን ቁማልን ድማ ከይደቀስኩ ሓዲረ ይብል ብርሃነ። ኣብ ሳልስቱ ግን ክልተ ኣውቶቡስ ተዳሊየናልና ብስምና እናተጸዋዕና ነፍስ ወከፍና ድማ 30 ብር ተዋሂቡና ናብ ቀዋሚት መዓስከር ስደተኛታት ሕንጻጽ ኣምራሕና። ሕንጻጽ ሓዳስ መዓስከር’ያ። ቅድመይ ዳርጋ ኣርባዕተ ኣዋርሕ’ያ ገይራ። ስለዚ ከኣ ንሕና ክንኣቱ እንከለና ሓደስቲ ገዛውቲ ይስረሐላ ነይሩ። ብዝኾነ ኣብኡ ምስኣተና መለለዪ ካርድ፣ 15 ኪሎ ስርናይ፣ ሓደ ኪሎ ዘይትን ሓደ ኪሎ ዓደስን ተዋሂቡና። ገዛ ኸ ኢልና እንተሓተትና፡ መምስ ደቂ-ዓድኹም ትቕመጡ በሉና። ኣነ ግን ኣይተሸገርኩን ደቂ ዓደይ ረኺበ ይብል ብርሃነ።

ብርሃነ ናብ ደቂ ዓዱ ምስ ከደ ፈጺሙ ዘይተጸበዮ ሓበሬታ ሰምዐ። ሓደ ካብ’ቶም ደቂ-ዓዱ ሓውኻ’ኮ ኣብ’ዚ ኣሎ ምስ በሎ ከም ዝሰንበደ፡ ሓው ብ2009 ሱዳን ኣትዩ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሽገራብ ምስ’ቶም ትሕቲ ዕድመ ይእለ ከም ዝነበረ፡ ብ2011 ናብ ኖርወይ ክኣቱ ዕድል ረኺቡስ ዝቕበሎ ሰብ ከም ዝሰኣነ’ኳ ሓበሬታ እንተነበሮ ካብ ዘይራኸቡ ሓሙሽተ ዓመት ከም ዝገበሩ፡ ስለዚ ከኣ ኣብ’ዚ ኣሎ ምስተባህሎ ሓጎስን ጓህን ከም ዝተፈራረቖ የዘንቱ። እቲ ዝደልዮ ከይሓሰብክዎ ረኺበዮ። ኩነታት ይጥዓም ይሕሰም ምቕባል’ዩ ካልእ ኣማራጺ የለን። ምኽንያቱ እታ ናይ ዕድል ትኬት ሓንሳብ ተገዚኣ’ያ ድማ ይብል፡ ንጥቅሲ ዊልያም ሸክሽፔር ብምጥቃስ። ብርሃነ ሓው እንተኾነ ኤውሮጳ ሰጊሩ ይኸውን እንተዘይኮነ ከኣ ኣብ ሱዳን ህይሉ ዝብል ደኣምበር፡ ኣብ’ዚ ክራኸቡ ኣይተጸበየን። ትጽቢት ስለ ዘይነበሮ ድማ’ዩ ንእሽቶ ሓው ብምርካቡ ኣብ ክንዲ ዝሕጎስ፡ ዝተደዋወሰ ስምዒት ዘንጸባረቐ። ሕጂ ዝኾነ ኮይኑ ኣሎ ካብ ዝብል ምስ ነብሱ ተረዳዲኡ ናብራ ስደት ናተይ ኢሉ ከም ዝጀመሮ ይገልጽ።

ኣብ’ታ ዝኣተኽዋ ቴንዳ 8 ኣወዳትን 4 ኣዋልድን ነይርና። ብመንጽር ናብራ ስደተኛታት ዘድልየና ከም መንጸፍ ኮቦርታን ካልእን ነናትና ስለ ዝነበረና ጸገም ኣይነበረን። ብዝኾነ ንጽባሐይቱ ካብ’ቲ ዝነበርናዮ መዓስከር ኣስታት ኣብ 500 ሜትሮ ርሕቀት ናብ ትርከብ ሓንቲ ዓዲ ከይድና። ኣብ’ታ ዓዲ ቅድሚ ምእታውና ግን፡ ናይ ወዲ ትኹል ድርዕቶ ታንኪ ከብዳ ቅደዳ ዝብል ደርፊ ሰማዕኩ። እንታይ ድኣዮም ናይ ኤርትራ ደርፊ ዝሰምዑ ኢለ ተገረምኩ። እቶም ፖሊስ ድዮም ስለያ ኸ እንታይ ይብልዎም ኢለ ድማ ሓተትኩ? እቲ ብጻየይ ስሒቑ። ቀጺሉ ድማ እዚ ከም ሃገርና መሲሉካ በለኒ። ኣብ ማእከል’ታ ዓዲ ምስ ኣተና ድማ፡ ኣብቲ እንዳ ሻሂ ብዙሓት መንእሰያት ዓቕሚ ገንዘቦምን ድሌቶምን ክንዲ ዘፍቀደሎም ጠሊቦም ክጻወቱ ጸንሑና። በዚ’ውን ተገሪመ። ኣብ ጥቓይ ንዝነበረ ሓደ ትግረዋይ እዞም መንእሰያት ብመንግስቲ ይድለዩ'ዶ? ወይ ግፋ የለን ድዩ? ማለት’ሲ ከምዚ ዓይነት ርእየ ስለዘይፈልጥ’የ ክብል ሓቲተዮ። ኣይ ኣብ’ዚ ዘሎ ፖለቲካዊ ምሕደራ ከም ናይ ሃገርኩም ኣይኮነን ክብል መለሰለይ ይብል ብርሃነ።

ብርሃነ ብዝሒ መንእሰያት ርእይ’ዩ ክግረም፡ ስለዚ ከኣ ከመይ ኢሉ ክሓትት ሓቁ’ዩ። ናብ ምድራዊ ሲኦል ኣብ ዝተቐየረት ኤርትራ ርእይዎን ሰሚዕዎን ዘይፈልጥ ነገራት ስለ ዘጋጠሞ’ዩ። ከም’ቲ እንግሊዛውያን እንግሊዝ ኣብ ዓለም ዘለዋ ጽልዋን ስልጣነኣን እንታይ ከም እትመስል ክትፈልጥ፡ ካብ እንግሊዝ ወጺእካ ረኣያ ኢሎም ዝምስሉ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፍጹም ጨካን ፈራሕ ብእኽብካብ በጋሚዶታት ዝምራሕ መንግስታዊ ምሕደራ፡ ካብ ኤርትራ ምስ ወጻእካ’ዩ ዝያዳ ዝበርሃልካ። ብፍላይ ብዕድሚኦም ካልእ ስርዓትን ምሕደራን ሪኦም ዘይፈልጡ ዜጋታት፡ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ምስ ናይ ካልኦት ሃገራት ምስ ዘነጻጽርዎ እቲ ፍልልይ ንምእማኑ ከም ዘጸግሞም ባህሪያዊ’ዩ። ኣበይ ድየ ይነብር ነይረ፡ ህዝበይ ኣበይ ከመይ ድየ ገዲፈዮ ኢልካ ክትሓስብን ኣብ ሓደ ውሳኔ ክትበጽሕ ምስ ነብስኻ ክትማጎትን ዝድርኽ’ዩ። እቲ ዝተሓተተ ትግረዋይ ዝሃቦ መልሲ’ውን ኣብ ቦታኡ’ዩ። ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ፖለቲካዊ ምሕደራ ፈጺሙ ኣይመሳሰልን። ኣይራኸብን።

ኣብ ኤርትራ ህዝባዊ ሃገራዊ ቅዋም የለን። ህዝባዊ ምርጫ ኣይካየድን። ብህዝቢ ዝተመርጸ መንግስቲ የለን። ህዝቢ ንመንግስቲ ዝቆጻጸረሉ ንቕሓት፣ ጥርናፈን ትካላዊ ሓይልን የብሉን። ስለዚ ከኣ መንግስቲ ካብ ህዝቢ ኣይፈርሕን። መንግስቲ’ዩ ንህዝቢ ዘፍርሕ። ብነጻነት ናይ ምዝራብ፣ ምውዳብ፣ ምንቅስቃስ፣ ምስራሕ፣ ተኣኪብካ ምዝንጋዕ ኣብ ኤርትራ ነበረ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ዓመታት ኣቚጺሩ’ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ብኣንጻሩ እዚ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት’ዚ፡ ምስ ኣብ ተግባር ክህልዎ ዝኽእል ሕጽረት ብሕጊ ዝተመለሰን ህልዊ’ዩ። ብወግዒ ድማ ህዝቢ ብመንግስቲ ክምለሰሉ ዘለዎ ሕቶታት ክሳብ ብሰላማዊ ሰልፍታት ከቕርብን ተጽዕኖ ክገብርን፡ መንግስቲ ድማ ካብ ህዝቢ ዝተረከቦ ስልጣን ብህዝቢ ከይሕደግ ጠልብ ህዝቢ ክምልስ ላዕሊ ታሕቲ ክብል ኣብ ሃገር ምሉእ ምስ ኩሉ ክፍልታት ሕብረተ-ሰብ ሰፋሕቲ ኣኼባታት ብምውዳብ ገምጋም የግብር ኣሎ። ሳላ ከምኡ ዝገበረ ድማ እነሆ፡ ኣድላይነት ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባን ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓን ኣብ ህዝቢ ሰሪጹ መዛረቢ ዕለታዊ ህይወቱ ኮይኑ። ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓንበበን እናሰፍሐን ድማ ይምርሽ ዘሎ።

ስለዚ ከም’ቲ ንብረሃነ ዝገረሞ ንኤርትራውያን መንእሰያት ብፍላይ ህዝባዊ ግንባር-ህግደፍ ኣብ’ቲ ብመግዛታዊ ስርዓት ተታሒዙ ዝነበረ ናይ ስልጣን ባዶነት ዝምለኣሉ ግዜ ትሕቲ 15 ዓመት ዝነበሩን ድሕሪኡ ዝተወልዱን ከም’ዚ ከኣ ኣሎ ድዩ ዝብል ኣግራሞትን ሕቶን ክፈጥረሎም ኣብ ቦታኡ’ዩ። ተሓታቲ ዝጀመሮ ዕላል ብምቕጻል ከም’ዚ ይብል፡ ኣብዚ ወተሃደር ክትከውን ኣብ ድሌትካ’ዩ ዝምርኮስ። ግን ደረጃ ትምህርትኻ ልዕሊ 10ይ ክፍሊ ክትከውን ኣለካ። ቑመትካ ይዕቀን። ስንኻ ንእሽቶይ ጭላፍ እንተኣልያታ ኣይትኣቱን። ውትህድርና ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሰናይ ፍቓድ ናይ ዜጋታት ኮይኑ፡ ነዚ ተማልእ ኣይተማልእን ዝተቐመጠ መዕቀኒታት ኣሎ። ነዚ መዕቀኒ እንተማሊእካ ኢኻ ትኣቱ ክብል ኣረዳኣኒ። ምስ ናትና ኣነጻጼረ ድማ ሰማይን ምድርን ኮይኑኒ። ብሓንሳብ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እናነበርና እሞ ብሓደ ኣብ ቃልሲ ዝነበርና ኢለ ምስ ነብሰይ የዕለልኩ። ካልእ ዝገረመኒ ድማ፡ እቶም ወተሃደራት፣ እቶም ስለያ ወይ ኣባላት ጸጥታ፣ እቶም ፖላይስ፡ ብዘይካ ብክዳኖም ካብ’ቲ ስቪል ህዝቢ ዘይፍለዩ ተሓዋዊሶም ክኸዱ እንከለው’ዩ። ከም’ቲ ናትና ስለያ ፖሊስ መጸእካ እናበልካ ቀልባዕባዕ የለን። ኩሉ ተረጋጊኡ ሰስርሑ ይሰርሕ።

እቲ ከም ኣጋጣሚ ዝተላለኽዎ ትግረዋይ ዳርጋ በቲ ዝጀመርናዮ ዕለል እናተላመድና ስለ ዝኸድና፡ ኤርትራውያን ኩሉኹም ዉጪ ኢኹም ይብለኒ። ንሜጀር ግረዝጊሄር ዓንደማርያም ውጩ ዝብል ዘሎ መሲሉኒ፡ ዋእ ኣበይ ትፈልጦ ኢለ ሕቶ ኣቕረብኩሉ። ኣይ ኣሕዋትኩም ውጪ ሃገር'ዮም ዝርከቡ ምስ በለኒ፡ እዋይ ኣቦይን ኣደይን በበይኑ ጸሎቶም ዝብልዎስ ለካ ከምዚ’ዩ ኢለ ይብል ብረሃነ ወዲ ጋሽ-ባርካ ኣብ’ቲ ኤርትራዊ ሓጎስ ንኽረክብ ኩሉ ጊዜ ኣብ ጉዕዞ ብዝብል ኣርእስቲ ብተኸታታሊ ናብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝርገሖ ጽሑፉ ኣብ ሳልሳይ ክፋሉ።

ብባዶ ትምክሕቲ ዝሰኸረ ጉጅለ ህግደፍ፡ ዕቤቶምን ውድቀቶምን ምስ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያንን ጥራሕ ኣላጊቦም ክገልጹ ላሕ ዝብሉ መን ከማና በሃልቲ ልኩማትን ኣምለኽትን ኢትዮጵያ ጽቡቕ ኣላ። ትዓቢ ኣላ። ሰላም ኣለዋ። ሕጊ ኣለዋ። ግፋ የለን። ኣባላት ጸጥታ፡ ፖሊስን ወተሃደርን ርእይኻ ቀልባዕባዕ ምባል የለን። ብዘይቡጥ ምኽንያትን ፍቓድ ቤት ፍርድን ኣይትእሰርን። ህዝቢ ንመንግስቲ ዘፍረሓሉ፡ መንግስቲ ካብ ህዝቢ ዝፈርሓሉ ሃገር’ዩ። ኣብሓደ ከባቢ እናነበርና ክሳብ ክንድ’ዚ ፍልልያ ምስተዓዘቡ ተገሪመ ዝብል ቅኑዕ ርእይቶ ከም ዘይወሓጠሎም ከይተሓልመ ዝተፈትሐ ጉዳይ’ዩ። ንዝዓርዓረ ይዓርዕሮ፡ ንዝመረረ ይምረሮ ግን እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ንሱ’ዩ። ኣብ ኤርትራ ንህዝቢ ዘኽብር ካብ ህዝቢ ዝወጸ መንግስትን መሓውር መንግስትን የለን። ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ግን ፍጹም ብኣንጻሩ’ዩ። ብርሃነ ወዲ ጋሽ-ባርካ ዝረኣዮ ዝሰምዖ ዝፈጠረሉ ኣግራሞት ብከም’ዚ ምግላጹ ከኣ፡ ዘይከም ሎሚ ኤርትራዊ ባህላዊ ክብረታት ብህግደፋውያን ከይተበረዘን ከይሃሰሰን እንከሎ፡ ከም ህዝቢ ከም ሃገር ንዝነበረና ንጽህናን ግልጽነትን ዘዘኻኽር ተባዕን ሃናጽን ርእይቶ’ዩ።

                                                       ራብዓት ክፋሉ ይቕጽል

ካብ ዓንደ-ብርሃን

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 12-04-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel