እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 95 guests and no members online

ካብ 13-16 ሚያዝያ 2017 ክካየድ ዝተመደበን 600 ሰባት ክሳተፍዎ ትጽቢት ተገይርሉ ዝነበረ

ዋዕላ ደቂ ህግደፍ ኣብ ሆላንድ ብሳላ ሓያልን ውሁድን ጻዕሪ ደምበ ደለይቲ ለውጢ ተሰሪዙ

ብስመ ህዝቢ ኤርትራን ሃገረ ኤርትራን ዘደናግሩ፡ ግን ከኣ፡ ካብ ንቡር ወጻኢ ብመንእሰያት ህግደፍ ዝጽውዑን ንስለ ክብረ ዝና ሓደ ውልቀ ሰብ ንጥፍኣት ዝተወደቡን ናይ ፖለቲካ በሃማት ካብ 13-16 ሚያዝያ 2017 ኣብ ዝነበረ መዓልታት ከካይድዎ ዝመደብዎን ብዙሕ መወዓውዒ ክገብርሉ ዝወርሑን ዋዕላ፡ ብሰንኪ ኣረሜናዊ ጉጅለ ህግደፍ ሃገሮምን ስድራ ቤቶምን ገዲፎም ኣብ ሃገረ ሆላንድ ኣትዮም ፖለቲካዊ ዕቑባ ዝረኽቡን ኤርትራውያን ብዝገበርዎ ውሁድ ተቓውሞ፡ ከንቲቫ እታ ከተማ ብውግዒ ከም ዝሰረዞ ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ካብ’ታ ሃገር ሓቢሮም።

ኣብ’ቲ ናይ ጥፍኣት ዋዕላ መንእሰያት ኤርትራ ዘይኮኑስ 600 ደቂ ህግደፍ ክርከቡ፡ የማነ ገብረኣብ ዝተባህለ የማናይ ኢድ ውልቀ-መላኺ ኢሳያሳስ ድማ ኣብ’ቲ ዋዕላ ተረኺቡ ናይ ኣለና ኣይሞትናን መደረ ከስምዕን ናይ ጥፍኣት ውሳነ ከመሓላልፍን ተታሒዙ ዝነበረ መደብ፡ ተባዓት ኤርትራውያን ተወዳዲቦም ብዘሰምዕዎ ንተግባራት ህግደፍ ዘቃልዕ፡ ንፍትሒ ድማ ዝጽውዕ ሓያል ተቓውሞ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝነብር ህዝቢ፡ ማዕከናት ዜና እታ ሃገርን ዝምልከቶም ሰበ-ስልጣን ስሕበትን ተቐባልነት ረኺቡ፡ ብቅጽበት ደው ክብል ብዝተመሓላለፈ ትእዛዝ ብምቁራጹ፡ ሆታን ዕልልታን መጋበርያታት ብቕጽበት ከም ዝቐሃመን ብዕለት 15 ሚያዝያ 2017 ዝተላእከልና ሓበሬታ ኣረጋግጹ።

ነዚ ዋዕላ ንምፍሻል ኣብ ዝተገብረ ተቓውሞ ብዙሓት ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ብፖሊስ ተኣሲሮም ከም ዝነበሩ፡ እንተኾነ ግን ምኽንያት ተቓውሞኦም ብግቡእ ዝተገንዘቡ ሰበ-ስልጣን እታ ሃገር ቀልጢፎም ከም ዝፍትሕዎም፡ ደቂ ህግደፍ ስለምንታይ ዋዕላና ይስረዝ ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዝጠርዑ፡ ነቲ ጥርዓን ዝተቐበለ ቤት ፍርዲ ድማ እቲ ከንቲቫ ዝሃቦ ውሳነ ተቐቢሉ ብምጽዳቕ፡ ካብ’ቲ ዝሓዝዎ ሆቴል ቀልጢፎም ክለቁ ከም ዝኣዘዘን ኣረዲኦም።

መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ከባቢ ዳህላክ እትርከብ ደሴት ኖራ

ንወተሃደራዊ መደበር ክግልገለሉ ንመንግስቲ ግብጺ ከም ዘረከቦ ተፈሊጡ።

ጉጅለ ህግደፍ ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ስራሐይ ኢሉ ዝነጥፈሉ ዘሎ ሉኡላዊ መሬትን ባሕርን ኤርትራ ናይ ምክራይን ምሻጥን ተግባራት፡ ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ሚያዝያ 2017 ኣብ ከባቢ ደህላክ ትርከብ ደሴት ኖራ፡ መንግስቲ ግብጺ ወተሃደራቱ ከስፍረላ ከም ዘረከቦ፡ ረድዮ መድረኽ ብ13 ሚያዝያ 2017 ጸብጺባ።

መድረኽ እንታይ መሰረት ዝገበረ ምንባሩ’ኳ እንተዘይሓበረት ብ5 ሚያዝያ 2017 ብሓደ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ጀነራል ዝምራሕ ልኡኽ ግብጺ ናብ ኤርትራ ዑደት ገይሩ ከም ዝነበረ ኣብ ዜናዊ ጸብጻባ ጠቒሳ ኣላ።

ካብ ግጭት ወጻኢ ክነብር ዘይኽእል ጉጅለ ህግደፍ መንግስቲ ግብጺ ኣብ ኣጠቓቕማ ሩባ ኣባይ ንዘለዎ ዝንቡዕን ዘይቀዋምን ርእይቶ ብምብላሕ፡ ክጥቀም ዝገብሮ ፈተነታት ቀጻሊ ከም ዘሎ ይኹን ‘ምበር፡ እቲ ጉዳይ ብሰላማዊ መንገዲ ምዝዛሙ ስለ ዘይተርፍ፡ ህግደፍ ብክሳራ ክወጽእ’ዩ ይብሉ ነቲ ጉዳይ ብቀረባ ዝከታተሉ ተዓዘብቲ።

 

መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ህዝቢ ብተበግሶኡ ንዝገብሮ ተቓውሞ ካብ ምዕዛብ፡

ዝተዋህቦም ሓላፍነት ብግቡእ ተጠቒሞም፡ ተቓሊሶም ከቃልሱ ከም ዝግባእ ተሓቢሩ።

ብግፍዓዊ ተግባር ህግደፍ ዝሰከሐን ብሃገር ደረጃ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ክመጽእ ዝጠልብን ርእይቶታት፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸን ዝርገሐኡ እናሰፍሐን ይመጽእ ከም ዘሎ፡ እንተኾነ ቅኑዕ ዝተነጸረ መንገዲ ዓወት ዝኾነ ፖለቲካዊ ኣንፈት ዘትሕዞ ፖለቲካዊ ሓይሊ ብዘይምርካቡ፡ ብጥፍእ ውልዕ ይሳለ ምህላውን ስሞም ክገልጹ ዘይደለዩ ሓደ ኤርትራዊ ምሁር ገሊጾም።

ብግቡእ ዘይተወደበን ዝተነጸረ ፖለቲካዊ መስመር ዘይወነን ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዝነብር ኤርትራዊ፡ በቲ ስርዓት ካብ ዝበጽሖ ምረት ተበጊሱ ንተግባራት ህግደፍ ከቃልዕ ንመደባቱ ድማ ከፍሽል ዝገብሮ ተቓውሞ ዝምጎስ’ዩ። ንውጽኢት መጽናዕቲ መርማሪት ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ጸብጻብ ብምድጋፍ ኣብ ጀኔብ ዝገበሮ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብ13 ሚያዝያ 2017 ኣብ ሆላንድ ብመንእሰያት ህግደፍ ዝተታሕዘ መደብ ኮንፈረስን ኣብ ምስራዙ ዝተጻወቶ ተራን ንለውጢ ዘለዎ ድልውነት መረጋግጺ’ዩ።

ኣብ’ዚ መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ህዝቢ ብተበግሶኡ ንዝገብሮ ተቓውሞ ከም ተራ ሰብ ኮይኖም ካብ ምዕዛብ፡ ንዝተዋህቦም ሓላፍነት ብግቡእ ተጠቒሞም ናይ ገዛእ ርእሶም ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ኣስተኻኺሎም ተቓሊሶም ከቃልሱ ይግባእ ክብሉ መኺሮም።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 17-04-2017

Loading...

You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

መራሕቲም

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel