ሃገር ማለት ሰብ’ዩ። ኣብ ክሊ ሓደ ፍሉጥ ካርታ ዝርከብ ጎቦታት፣ ሩባታት፣ ጎላጉል፣ እምባታት፣ ቃላያት ( ባሕሪ) ማለት ኣይኮነን። ሃገር ማለት ኣብ ውሽጢ’ቲ ፍሉጥ ካርታ ዝተሓቑፈ ጸጋታት ማለት ኣይኮነን። እዚ

ኩሉ ጸጋታት ብዘይ ህላዌ ፍልጠትን ጉልበትን ወዲ-ሰብ ትርጉም ዘለዎ ነገር ኣይኮነን። ነቲ ኣብ ሓደ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘለዎ ንጹር ካርታ ዝሰፈረ ግኡዝ ነገር፡ ብኸምኡ ክቕመጥ ዝገበረ ወዲ-ሰብ፣ ዝውንኖ ወዲ-ሰብ፣ ዝጥቀመሉ ወዲ-ሰብ፣ እቲ ሓደ ካብ’ቲ ካልእ ብሓይሊ ከይውረር ከይምዝመዝ ዝከላኸለሉ፡ ዝዕቅቦን ዘኽብሮን ወዲ-ሰብ’ዩ።

ስለምንታይ’ሲ ወናኒን ኣማሓዳርን ናይ ግኡዝ መሬትን ጸጋታቱን ሰብ’ዩ። ስለዚ ከኣ ዋላ’ኳ ኣብ ክሊ ሓደ ንጹር ካርታ ዝሰፈረ መሬት በዓል ቤት ዘለዎን ልኡላውነት ዝብል ሕጋዊ ኣፍልጦን ዝተዋህቦን እንተኾነ፡ እቲ ቀንዲ መግለጺ ልኡላውነት ( ሃገር) ሲ ሰብ’ዩ። ብኹሉ ሽነኹ ማለት ፖለቲካውን ሕጋውን ልኡላውነት ዘለዎ ሰብ’ዩ ይብሉ ምሁራት ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት። ሓቆም’ዮም። ቅቡል ዝኾነ ተንታንን መረዳእታን’ዩ።

ነዛ ስፍሓት መሬታ፡ ክሊ ኣየራ፡ ማያዊ ባሕራ፡ በርባዕቲኡ መኣዝናት ምስ መን ትዋሰን ዶባታ ኣነጺሩ ዘርኢ ሕጋዊ ኣህጉራዊ ካርታ ወኒና ትርከብ ኤርትራ፡ ኣብ ከርሳ ዝነብር ሰብ’ዩ፡ ተቓሊሱ፣ ደምዩ፣ ኣካሉ ጎዲሉ፣ ክቡር ናይ ህይወት መስዋእትነት ከፊሉ ከምኡ ክትከው ገይርዋ። ግኡዝ መሬት ንኤርትራዊ ሰብ ኣይፈጠረን። ኣይፈጥርን ድማ። ሰብ’ዩ ንገዛእ ርእሱን ግዝኣተ መሬቱን ብሓደ ጠሚሩ ሃገራዊ ልኡላውነት ክኸውን ገይሩ። ኣብ’ዚ ዝተናወሐ መድረኽ ብረታዊ ቃልሲ ግኡዝ መሬት መከላኸሊ ዕርዲ ‘ምበር ተዋጋኣይ ኣይነበረን። ሰብ’ዩ ንነጻነቱ ንሓርነቱ፡ ንመንነቱ ተቓሊሱ። ስለዚ ከኣ ከም’ቲ ምሁራትን ተመራመርትን ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት፡ ጭቡጥ ኣብነታት ኣደጊፎም ዝህብዎ ኣስተምህሮ ሃገር ማለት ሰብ’ዩ። ቅድሚ ግኡዝ መሬት ሓደጋ ከየጋጥሞ ሓለዋ ክግበረሉ ዘለዎን ኩለንተናዊ ክብሪ ክረክብ ዝግባእን ኤርትራዊ ዜጋ’ዩ።

ንኤርትራዊ ሰብ ግቡእ ሓለዋን ክብርን ከይሃብካ፡ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉ ክብረት ልኡላውነት ሃገር እናበልካ፡ ምዝማር፡ ምጭራሕ፡ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ትሕቲ ሰብኣዊ ክብረት ዝወረደ ዝንቡዕ ኣተሓሳስባ’ዩ። ንወዲ-ሰብ ዘሳቒ ኤርትራዊ ፖሊሲ፣ ወይ በዓል ስልጣን ናይ ኣተሓሳስባ ሚዛኑ ዝወረደ’ዩ። ከምኡ’ውን ሰብ ዘሳቒ ፖሊስን መምርሕን ብቐጥታ ድማ ሰብ ዘሳቒ በዓል ስልጣንን እናረኣየን እናሰምዐን፡ ሰብኣዊ ምድንጋጽ፡ ሰብኣዊ ሓልዮት ዘይስመዖ ሰብ፡ ሃገር ሃገር ኢሉ እንተመደረ፡ ክበሃል ሰሚዑ ዝደግም ‘ምበር ሓቀኛ ትርጉም ሃገርነት ተረዲኡ ይብል ከም ዘሎ ኣየመልክትን።

ሕጋዊ ሕላዌኡ ኣብ ዘጥፈአ ህግደፍ ኣብ ዝብል ስም ኣጽሊሎም ኣብ ቅሉዕ ገበናዊ ተግባራት ዝነጥፉ ዘለው ወገናት ናይ’ዚ ካብ መስመር ሰብኣውነት ፍጮ ዝወጽአ ዝወደቐ ኣረኣእያ ጭቡጥ መረዳእታ’ዮም። ዝባኑ ዝቐልዐ ፖለቲካዊ ድንቁርና ዝበሃል ከኣ ከም’ዚ’ዩ። ህግደፋውያን ሰብኣዊ ክብሪ የብሎምን። ክብሪ ዜጋ’ውን የብሎምን። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝኽተልዎ ዘለው ኣድኪኻ፡ ከፋፊልካን ኣርዒድካን ግዛእ ፖሊሲ፣ ብተግባር ዝፍጽምዎ ዘለው ፋሽሽታዊ ተግባርን ንመንነቶም ኮለል ኣቢሉ ዘረድእ’ዩ። ብሰንኮም “ሞት ወይ ሕየት” ብዝብል ዓቕሊ ጽበታዊ ምርጫ ዝስደዱ ዘለው ወገናትና፡ ኣብ ጉዕዞ ዝበጽሖም ዘሎ ዝተፈላለየ ዝዓይነቱ ውርደት፡ ስቓይን መቕዘፍትን ነዚ ዝህብዎ ግብረ መልስን ፍጹም ዝወደቐ ትሕቲ ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ከም ዘለዎም ጭቡጥ መረጋገጺ’ዩ።

ህግደፈውያን ግዱሳት ወጻእተኛታት ካብ ዘለዎም ቅኑዕ ሰብኣዊ ኣገንዝቦን ሓልየትን ተበጊሶም፡ ካብ ማእከል ባህርን ማዕበል ባሕሪ ናብ ገምጋም ዝጋፈዖ ሬሳ ግዳያት ኣኪቦም፡ ብዙሕ ገንዘብ ሰሊዖም፡ ሓይሊ ሰብን መሳርሕን መዲቦም ኣብ ሳናዱቕ ሬሳ ኣብ ሓደ ቦታ ኣብ ዝኣከብሉ ሃገረ ኢጣሊያ ተጓዒዞም፡ ከይተሰከፉ ካብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ኣለው ዝበሃሉ ኣዳመቕቲ ኤርትራውያን ስነ-ጥበበኛታት ወዲቦም፡ ወጻእተኛታት ዓዲሞም ብደረጃ ሚኒስተራትን ኣምባሳደራትን ዝተሳተፍሉ፡ ብምኽንያት 40 ዓመት ፈስቲቫል በሎኛ ዘካየድዎ ሙዚቃዊ ምርኢት ሰብኣውን ኤርትራውን ኒሕ ከም ዘይብሎም ሓደ ኣብነት ምፍራስ ልኡላውነት’ዩ። ከም ኤርትራውያን ወትሩ እናሓፍረሉ ታሪኺ ኮይኑ ድማ ክነብር’ዩ።

እቲ ኣስካሬን ግዳያት ዛጊት ብንቡር ኣይተወገንን። ስድራ ቤት ግዳያት ሓዘኖም ኣይዓጸውን ኣይረስዑን። ስለምታይ’ሲ መሬት ኤርትራ ኣትዩ ብንቡር ክፍጸም’ዩ ትጽቢት ዝግበር ዘሎ። ሬሳ ኤርትራዊ ዜጋ ናብ ኤርትራ ከይኣቱ ምኽልካሉ ካልኣይ ኣብነት ምፍራስ ልኡላውነት’ዩ። ብምኽንያት ጃምላዊ መቕዘፍቲ ኤርትራውያን ንገብሮ ሃገራዊ መዓልቲ ሓዘን የለን። ንስለኦም ኢልና ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ፍሪቂ ፓሎ ኣይንሰቅልን ምባሎም ሳልሳይ ኣብነት ምፍራስ ልኡላውነት’ዩ። ኤርትራውያን ስድራ ቤታት፡ ገዛእን ዓጽየን ጠቕሊለን ካብ ሃገር ወጺአን እናተሰዳ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ከምኡ ዝገበረ ጸረ-ህዝቢ ፖሊሲ ኣሪምካ ንምዕጋቱ ምጽዓር፡ ጭካኔ ብዝተሓወሶ ዝግብርዎ ዘሎ ድፍኢት ራብዓይ ኣብነት ምፍራስ ልኡላውነት’ዩ። ግዝኣተ መሬት ኣሕሊፍካ ንወጽእተኛታት ምሃብ ሓምሻይ ኣብነት ምፍራስ ልኡላውነት’ዩ። ነዚ ኩሉ ምብትታን ስድራ ቤታትን ዘንጸላሉ ዘሎ ሓደጋ ምጽናትን ብወግዒ “ ኣይከሰርናን” ከም ህዝቢ ጽቡቕ ኣለና ኢልካ ምምዳር ሻድሻይ ኣብነት ምፍራስ ልኡላውነት’ዩ። ሰቡ ዘየኽብርን ልኡላውነት ዘፍርስ ሓይሊ ናተይ ኢልካ ክትረሩ ድማ ርእሰ ቅትለት’ዩ።

ስለዚ እዞም ብቐጥታ ኣብ’ዚ ህግደፍ ዝበሃል ሕጋዊ ህላዌን ህዝባዊ ቅቡልነትን ዘይብሉ ናይ ጥፍኣት ጉጅለ፡ ብኣባልነት ተሓቚፎም ሃገር ሃገር ዝብሉ ዘለው ወገናት እንስሳዊ ባህሪ ዝተላበሱ’ዮም። ሰብኣዊ ሕልናኦም ንኽብርን ዝናን ሓደ ሰብ ኣሕሊፎም ብምሃብ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ንምፍራስ ድግዲጊት ተዓጢቖም ይሰርሑ ከም ዘለው ምርዳእ የድሊ። ብዝተፈላለየ ኣስማት ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ጎረባብቲ ሃገራትን ተዋፊሮም ንህዝባዊ ስቓይ ከም ህዝባዊ ልምዓት ስራሕና ኢሎም ተታሓሒዘሞ ዘለው ንኸብዶም ዝሓደሩ ኣባላት ጸጥታን ስለያን ሃገራዊ ሰላምን ናይ ሕጊ ልዕልነትን ኣይኮኑን ዘኽብሩ ዘለው። ህዝባውን ሃገራውን ልኡላውነት ኤርትራ’ዮም ዘፍርሱ ዘለው።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ንሓደ ክልተ ሰብ ብምእሳርን ብምቕታልን ዝግለጽ ኣይኮነን። ብተራ ሕጊ ዘይምኽባር ዝግለጽ ተግባር’ውን ኣይኮነን። መሬት ብዘይሰብ’ዩ ዝተርፍ ዘሎ። ስድራ ቤታት ጠቕሊለን’የን ዝወጽኣ ዘለዋ። እዚ ምፍራስ ልኡላውነት’ዩ። ልኡላውነት እናፍረስካ ልኡላውነት የኽብር ኣለኹ ምባል ከኣ፡ ናይ ደንቆሮ ንዕቀት’ዩ። ሰባት ስለ ዘይተማእዘዙኻ ጥራሕ ህጻናት ኣዘኽቲምካ ክልተ ሰብ ሓዳር ምእሳር፡ ገዛ ከይትሰርሑ ከይተሐድሱ፣ ሓሪስኩም ድዩ ነጊድኩም ከይተትርፉ ከይትህብትሙ ዝብል ሓይሊ ጸላኢ’ዩ። ልዕሊኡ ጠንቂ ውድቀት ልኡላውነት ሃገር የለን። ነዚ ብወግዒ ኣብ ክንዲ ምዃናን ብተግባር ኣንጻሩ ምቅላስን፡ ከም’ዚ እንተዝኸውን ከም’ዚ እንተዝገብር እናበልካ ምስኡ ምድንጋጽ፡ ምምጽዳቕ፡ ቅድሚ ኩሉ ሃገር፡ ልኡላውነት እናበልካ ምጭዳር ብዝነኣሰ መግለጺ ፖለቲካዊ ባዶነት’ዩ። ንኤርትራ ኤርትራ ክትከውን ዝገበረ ሰብ ከየኽበርካ፡ ወገኑ ተመሲልካ ኣብ ዘዝኸዶ እናሰዓብካ ኣብ ምስቓዩን ምቕንጻሉን እናወዓልካ ልኡላውነት ሃገርነት ምባል ውድቀት ሰብኣዊ ክብረት’ዩ። ኤርትራውያን ስድራ ቤታት እኮ ይስደዳ ይበታተና ይፈርሳ’የን ዘለዋ። ምብትታን ምፍራስ ስድራ ቤታት ከኣ ብቐጥታ ምልክት ምፍራስ ልኡላውነት ሃገር’ዩ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 21-11-2019