እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 32 guests and no members online

ዝተፈላለዩ ሰብ ሞያ ሕግን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ኤርትራ ካብ 1991-2016 ኣብ ዘሎ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ክብረት ገበን ዝፈጸሙ ሰባት ዝሕተትሉ ሕጋዊ ባይታ ንምፍጣር ዝዓለመ ኣኼባ ኣካይዶም

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ መበል 35 ስሩዕ ኣኼባኡ ብ14 ሰነ 2017 ኣብ ከመይነት ኣተሓሓዛ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ኣመልኪቱ ብፍልይቲ ልእክትን ካልኦትን ዝቐረበሉ ጸብጻባት ኣብ ዝሰምዐሉ ዝነበረ ወቕቲ፡ ምስኡ ጎና ጎኒ፡ ወከልቲ ኤርትራውያን ማሕበረ-ሰብ ሕግን መሻርኽቲ ማሕበራትን ብኤርትራዊ ዶ/ር ዳኒኤል ረዘነ ተማእኪሉ፡ ብዘይካ’ቲ ዓለም ለኻዊ ገበናዊ ቤት ፍርድን ዞባዊ መስርሕን ካልእ ፈጸምቲ ገበን ዝሕተትሉ ባይታ ንምፍታሽ ኣኼባ ኣካይዶም።

ኣብ’ቲ ሓያሎ ዝምልከቶም ኣካላት ዝተረኽብሉ ኣኼባ፡ ዶ/ር ዳኒኤል ረዘነ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡  ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብመርማሪ ኮሚሽ ሕቡራት ሃገራት ኤርትራ ዝተበጽሐ ውሳነታትን መፍትሒ ሓሳባትን ብመንገዲ ዓለም ለኻውን ዞባውን መድረኻት ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ግዜ ክወስድ ስለዝኽእል፡ ብኤርትራውያንን ካልኦት ግዱሳትን ካልእ ዝቐልጠፋ   ውጽኢት ከምጽእ ዝኽእል መንገዲ ምንዳይ እዋናዊ ዕማም ክኸውን ይግባእ ከም ዝበለ ቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሩ።

ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝፈጸሙ ጥርጡራት ሰባት ብደረጃ ዞባ ወይ ሃገር ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ቤት ፍርዲ ንምቕራቦም ከም ዘጠቓልል፡ መስርሕ ምጽራይ ኣብ ዘይህላወ ጥርጡራት ክሰላሰል ከም ዝኽእል፡ ኤርትራውያን ግዳያትን መሰኻኽር ዓይኒን ብጭብጢ ዝተደገፈ መርተዖ ክህቡ ይግባእ ዝብል ብኣኼበኛታት ሓሳብ ከም ዝቐረበ፡ ኣዳም ክንፉ ዝተባህለ መንእሰይ ኣቦኡ ኣብ 2002 ካብ ሰንዓፈ፡ ከመይ ተሰዊሮም ኣብ ቤተሰብ ዝተፈጸመ ግፍዕታትን ኣመልኪቱ ዝርዝር ሓበሬታ ከም ዝሃበን ቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ቲ 19 ሰነ 2017 ዝዘርገሖ ዜና ኣረጋጊጹ። 

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ንኤርትራን ጂቡቲን

ናብ ዘሰሓሕብ ዘሎ ቦታ ተዓዛቢ ክልእኽ ንዘቕረቦ ሓሳብ ከም ዝደገፈ ተገሊጹ

ብጀማርነት መንግስቲ ህግደፍ፡ ኣብ ዶባት ኤርትራን ጅቡቲን ካብ 2008 ዝጀመረ’ሞ ካብ ክልቲአን ሃገራት ብዙሓት ወተሃደራዊ ኣካሎም ዝጎደልሉን ዝሞትሉን ምስሕሓብ፡ ክልቲኦም መንግስታት ብዝተሰማምዕሉ መሰረት ሰራዊት ቐጠር ኣብ መንጎ ሰፊሩ ክከታተሎ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ንግስነት ቐጠር መንግስቲ ህግደፍ ምስኡ ዝነበሮ ዝምድና ምብታኹ ምኽንያት ብምግባር፡ ሰራዊቱ ካብ’ቲ ቦታ ምስ ሰሓበ፡ ህግደፍ ነቲ ተሓዚኡ ዝነበረ ቦታ ዳግማይ ወሪሩ ከም ዝሓዞ፡ መንግስቲ ጅቡቲ ድማ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ናይ ተወሪረ ክሲ ምቕራቡን ስዒቡ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ናብ’ቲ ቦታ ተዓዘብቲ ልኢኹ ከረጋግጽ ምውሳኑ፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ድማ ምቕባሉን ዝተፈላለየ ማዕከናት ይጽብጽባ ኣለዋ።

ባይቶ ጸጥታ ብዘይካ’ዚ ነቲ ብጅቡቲ ዝቕረበሉ ናይ ተውሪረ ክሲ ተቐቢሉ፡ ክልቲኦም መንግስታት ነቲ ዘሰሓሕቦም ዘሎ ጉዳይ ብሰላማዊ መንገዲ ክፈትሕዎ ብምጽዋዕ፡ ፍታሕ ኣብ ምንዳይ ካብኡ ዝድለ ምትሕብባር ክገብር ቅሩብ ምዃኑ ምግላጹን’ውን ወሲኸን ይገልጻ ኣለዋ።

ህዝቢ ኤርትራ ብሕጽረት መኣዛዊ መግቢ ኣብ ዝሽገረሉ ዘሎ ወቕቲ፡

ፍርያት ዓሳ ቀይሕ ባሕሪ ብካልኦት ሃገራት ይግፈፍ ምህላው ተፈሊጡ

ግብጽን ካልኦት ሃገራትን ገደብ ብዘይብሉ ኣገባብ ካብ ባሕሪ ኤርትራ ብቐጻሊ ዓሳ ገፊፎም ይወስዱ ከምዘለው፡ ብፍላይ ገፈፍቲ ዓሳ ግብጺ፡ መንግስቲ ህግደፍ ብ 5 ሚያዝያ 2017 ብጀነራል ሓምዲ ባዲም ምስ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ግብጺ ድሕሪ ዝገበሮ ስምምዕ፡ ዓሳ ምግፋፍ ብዝሓየለ ከም ዝቐጸለ፡ ሓይሊ ባሕሪ ህግደፍ ኣብ ክንዲ ዓገብ፡ ንግብጻውያን ገፈፍቲ ዓሳ ሓደጋ ከይበጽሖም ሓለዋ ከም ዝገብረሎምን እሪ መድረኽ ብ21 ሰነ 2017 ሓቢሩ።

ነቶም ኣብ ሓለዋ ዝተዋፈሩ ወተሃደራት ህግደፍ ካብ መንግስቲ ግብጺ 1200 ዶላር ከም ዝኽፈል፡ እንተኾነ እቶም ወተሃደራት ካብ’ቲ ካብ መንግስቲ ግብጺ ዝተቐበልዎ 1000 ዶላር ንመንግስቲ ህግደፍ ኣረኪቦም 200 ዶላር ጥራሕ ከም ዝወስዱን እቲ ዜና ኣረዲኡ። 

እዚ ዘይሕጋዊ ስምምዕ ምግፋፍ ዓሳ ንሉዓላዊነት ባሕሪ ኤርትራ ዝሸጠ ኣብ ርእሲ ሙኻኑ፡ ከም ኩሎም ኣብ ኤርትራ ዝውሰዱ ውሳነታት ብድሌት ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ውሑዳት ደቂ መዛሙርቱን ዝውሰድ ስጉምቲ ከም ዝኾነን ኣፍሊጡ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 23-06-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel