እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 47 guests and no members online

ኤርትራውያን ዝርከብዎም 183 ስደተኛታት ንስክላ ካብ ሞት ድሒኖም።

ኤርትራውያን ዝርከብዎም ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝኾኑ 183 ስደተኛታት፡ ብሓገዝ ሓይሊ ባህሪ ስፔን ንስክላ ካብ ኣፍ ሞት ከም ዝተረፉ፡ ዝበዝሑ ካብ’ቶም ስደተኛታት ህጻናት ከም ዝኾኑን ሓይሊ ባሕሪ ስፔን ብ6 ሓምለ 2017 ንዝሃቦ መግለጺ ብምጥቃስ ዝተፈላለያ ማኸናት ዜና ጸብጺበን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 50 ስደተኛታት ዝጸንዓነት ጃልባ ጥሒላ ሰለስተ ሰባት ጥራሕ ብህይወት ከም ዝደሓኑ፡ ሃገራት ኤውሮጳ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምቁጽጻር ኣይከኣለን ብዝብል ምኽንያት ንሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ዝወሃብ ዝነበረ ስልጠና፡ መሳርሒታትን ገንዘብን የተኣጓጉልዎ ስለ ዘለው ሓደጋ ክውስኽ ዝለዓለ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከም ዘሎ ረድዮ ኤረና ብ7 ሓምለ 2017 ሓቢራ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝተባህለ ኣህጉራዊ ትካል ነቲ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቀዋሚ መንግስቲ ካብ ዘይብላ ኣፍሪቃዊት ሃገር ሓገዝ ምጽባይ፣ ንስደተኛታት ሓደጋ ሞት ኣብ ባሕሪ ወይ ከኣ ኣብ ሊብያ መግረፍትን ስቅያትን ክበጽሖም ብሸለልታ ምርኣዩ ከም ዝበለን’ውን ገሊጻ።

ብካልእ ዜና፡ ሓደ ባህሪያዊ ሃብትን ምምሕዳራ ዓቕምን ዝከታተል ኣብ ኒው ዮርክ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል፡ ነዳዲ፡ ጋዝን ዝተፈላለዩ ማዕድናትን ኣብ ዘፍርያ 81 ሃገራት፡ ዘሎ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ፡ ኖርወይ ንእድቲ ተባሂላ ቀዳማይቲ፡ ኤርትራ ግልጽነት ዘይብላ ብብልሽውና ዝጠስጠሰት ኢሉ ኣብ መወዳታ ከም ዝሰርዓን ተፈሊጡ። ረድዮ ኤረና እቲ ኣህጉራዊ ትካል ዘውጸኦ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ብምጥቃስ ከም ዘቃለሓቶ፡ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዕደና ምሉእ ብምሉእ ብመንግስቲ ዝተወነነ ምዃኑ፡ ምስ መን ውዑል ኣሲሩ ከም ዘካየዶ፣ ክንደይ ፍርያት ተረኺቡ፡ ብጽሒት ኤርትራ ክንደይ’ዩ፡ ኣብ መንታይ’ከ ውዒሉ ንህዝቡ ዝኾነ ሓበሬታ ከምዘይህብ፡ ብነጻ ጉልበት ግዱዳት ወተሃደራቱ ከም ዘስረሖ ምርግጋጹን ኣረዲኣ።

ኣብ ምድሪ ኤውሮጳ ሃገረ ኢጣልያ ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ ህግደፍ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡

ካብ ውሽጢ’ቲ ህግደፍ ዝተበገሰ’ዩ ዝብል ግምታት ምህላው ይግለጽ ኣሎ።

Loading...

You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

    Print     
  Email

ኣብ ኢጣልያ ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ ህግደፍ፡ ማለት ኣምባሳደር ተስፋሃጼን ጴጥሮስን የማነ ገብረኣብን ብ5 ሓምለ ዝተኻየደ መጥቓዕቲ፡ ብኣባላት ህግደፍ ዝተፈጸመ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝለዓለ ግምታት ከም ዘሎ፡ እሪ መድረኽ ብ8 ሓምለ2017 ጸብጺባ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት በቶም ዝተጠቕዑ ሓለፍቲ ተመሪሑ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ብርክት ዝበሉ ኣኼበኛታት፡ ብዘይተፈጸሙ መደባትን ዘይትግበር ግን ከኣ ዝደጋገም መብጸዓ ተሰላችዮም፡ ድሕሪ ሕጂ ንመንግስቲ ንከላኸለሉ ሞራልን ድልውነት የብልናን ክብሉ ተስፋ ብዝቖረጸ ኣንደበት ኣመት ሂቦም ምንባሮም ኣረጋጊጻ።

ኣብ ሱዳን ካብ ዝርከብ ብወዲ-ሸርፈይ ዝፍለጥ መዓስከር ስደተኛታት 18 ሰባት ተጨውዮም

ሰለስተ ዕጡቓት ኣብ መጸበዪ መዓስከር ስደተኛታት ወዲ-ሸሪፈይ ኣትዮም ናብ መዓስከር ሸገራብ ክሰጋገሩ ተዳልዮም ዝነበሩ 18 ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት፡ ብ3 ሓምለ 2017 ከም ዝጨወዩ፡ ብቋንቋ ዓረብ ንእትሕተም “ኣልተቕዪር” ዝተባህለት ኤለክትሮኒካዊት ሱዳናዊት ጋዜጣ ብምጥቃስ፡ ቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ7 ሓምለ 2017 ገሊጹ።

እቶም ጨወይቲ ብዘይዕጥቂ ነቶም ስደተኛታት ይከታተል ንዝነበረ ፖሊስ፡ ምስቶም ስደተኛታት ጨውዮም ከም ዝወሰድዎ፡ ጨወይቲ ምሉእ ዕጥቂ ከም ዝነበሮም፡ ነቶም ዝጨወይዎም ቶዮታ ብዝዓነታ መኪና ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከምዝወሰድዎምን ኣረጋጊጹ።

መበል 29 ኣኼባ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያ ንዝነበሩ፡ ንጉስ ሃይለ ስላሴን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ መለስ ዜናውን ንስለቲ ዘበርከትዎ ቁም-ነገር ናይ መዘከርታ ሓወልቲ ክስረሓሎም ወሲኑ።

መበል 29 ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ 5-6 ሓምለ 2017 ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት እቲ ሕብረት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተሰላሰለ፡ ናይ ቀደም ንጉሰ ነገስት ኢትዮጵያ ዝነብሩ ሃጸይ ሃይለ ስላሴ ኣብ ምምስራት ሓድነት ኣፍሪቃ ዝተጻወትዎ ኣወንታዊ ግደ፡ ከምኡ’ውን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኣቶ መለስ ዜናዊ፡ ኣብ ምሕያል ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ምምስራት ሕብረት ኣፍሪቃ ከምኡ’ውን ኣብ ዓለማዊ መድረኻት ኣፍሪቃዊ ድምጺ ክስማዕ ብዝገበርዎ ልሉይ ኣስተዋጽኦ ዝተዋህበ መግለጺ ኣኽብሮት ምዃኑን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ህዝብን መንግስታትን ኢትዮጵያ ኣብ በበይኑ መድረኻት፡ ሓድነት ኣፍሪቃ ኣብ ምምስራትን ምጥንኻርን ዝተጻወትዎ ግደ ኩሉ ግዜ ብኣወንታዊ ጎኑ እናተዘከረ ዝነብር ምዃኑ ምግላጾም ኣረዲኡ።

መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኢትዮጵያውያን ሓድነትን ረብሓን ኣፍሪቃውያን ንምጉልባት ንዘበርከትዎ ዝሃብዎ ኣፍልጦ፡ መጻኢ ኢትዮጵያዊ ወለዶ ነዚ ሕጂ ዝተዋህበ ኣፍልጦ ብሓላፍነት ተቐቢሉ ኣብነታዊ ተግባር ክፍጽም ዘተባብዕ’ዩ ድማ ኢሉ እቲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዘውጸኦ መግለጺ።

ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ዝካየድ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ኬንያ

ናዕቢ ከይፍጠር ስግኣት ከም ዘሎ ይግለጽ ኣሎ።

ፕረሲደንታዊ ምርጫ ሃገረ ኬንያ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ክካየድ ምዃኑ፣ ቀንዲ ተወዳደርቲ ኮይኖም ዝቐርቡ ሃገር ኣብ ምምራሕ ዝርከብ ኡሁሩ ኬንያታን ራይላ ኦዲንጋን ከም ዝኾኑ፡ ብምኽንያት እቲ ዝካየድ ምርጫ ከም’ቲ ዝሓለፈ ህዝባዊ ናዕቢ ከየልዕል ናይ ብዙሓት ወገናት ስኽፍታ ከም ዘሎን ይሕበር ኣሎ።

እቲ ብኤውሮጳዊ ሕብረትን ካልኦት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝንጸባረቕ ዘሎ ስኽፍታ፡ ካብ’ቲ ኣስታት ቅድሚ 10 ዓመት ዘጋጠመን ህይወት ልዕሊ 1000 ሰባት ዝቐዘፈ ናዕብን ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ኣብ’ታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ዝነቐለ ቅቡል ስኽፍታ ምዃኑን ናብ’ቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ይገልጹ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 10-03-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel