እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 36 guests and no members online

ሶማለ ላንድ ኣብ’ቲ ንኤርትራ ጅቡትን ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ መርገጸይ ኣብ ጎኒ ጅቡቲ’ዩ ከም ዝበለት ተገሊጹ።

ህግደፍ ዘውጸኦ መጠን ኣካራይን ተካራይን ዝምልከት መምርሒ

ዝምድና ኣካረይትን ተኸራይትን ከየቀሓሕር ስግኣት ምህላው ተገሊጹ

ብሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ዝተጸወዐ ሰሚናር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ተቓኒዑ።

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ፡ ኣብ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ፡ ጠንቁ፡ ሳዕቤኑን መፍትሒኡን ንምዝርራብ ዘዳለዎ ሰሚናር፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት እቲ ሰልፊ፡ ኣመራርሓን ካድራትን ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ካብ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ካልኦት ውልቀ ግዱሳትን ኣብ ዝተረኽብሉ ብ22 ሓምለ 2017 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ብምውቕ ናይ ህንካን ሃባን ኣገባብ ከምዝተሰላሰለ ብኣካል ዝተሳተፉ ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ሓቢሮም።

እቲ ሰሚናር፡ ታሪኻዊ ኣመጽጻኣ ኤርትራዊ ሃገርነት፣ ተበራራይቲ ግዳማውያን ገዛእቲ ዝፈጸምዎ ግፍዕን ህዝቢ ኤርትራ ዘርኣዮ ጽንዓትን መኸተን፣ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ጠንቁ፣ ሳዕቤኑን ከመይነት ኣመኻኽታኡን፣ ኣተሓላልዋ ደምበ ተቓውሞን ብደሆታቱን መጻኢ ዕድላቱን ብዝብል ኣርእስቲ ዝተዳለወ ፍሉይ ጽሑፍን ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ከም ዝተመያየጠን ገሊጾም።

ተሳተፍቲ ሰሚናር ዝበዝሑ መንእሰያት ከም ዝነበሩ፡ እቲ ዝቐረበ ዛዕባ ብሕቶን መልስን ዝሃብተመ ምንባሩ፡ ብፍላይ ኣብ 40ታት ዝነበረ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት፡ ሓደ ካብ’ቲ ናይ’ቲ መድረኽ ዉሩያት ተዋሳእትን መራሕትን ካብ ዝነበሩ ስውእ ዓብደል ቃድር ከቢረን ውዕሎታቶምን ዝተዘከረሉ ምንባሩን ኣረዲኦም።

ኣቦ-መንበር ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ሓው ዓብዱ ሩሑማን ጠሃ፡ ካብ ተሳተፍቲ ሰሚናር ንዝቐርቡ ዝነበሩ ካብ ዝተታሕዘ ዛዕባ ወጻኢ ክኸዱ ዝደናደኑ ርእይቶታት፡ ብትኹረት ኣብ ምክትታል፣ ኣብ ምእላይ፣ ኣብ ምግራሕን ምምራሕን መድረኽ ብዝነበሮ ብቕዓት፡ ሰሚናር ብልኡም ኣገባብ ጀሚሩ ብልኡል ኣገባብ ክዛዘም ልሉይ ግደ ከም ዝነበሮ፡ ቅኑዕ ተበግሶን ኣብነታዊ ናይ ምምህሃር መድረኽ ምንባሩን ኣፍሊጦም።

ህግደፍ ዘውጸኦ መጠን ኣካራይን ተካራይን ዝምልከት መምርሒ

ዝምድና ኣካረይትን ተኸራይትን ከየቀሓሕር ስግኣት ምህላው ተገሊጹ።

እቲ ካብ ሓደ ነሓሰ ናይ 2017 ኣብ ተግባር ክትርጎም ክጅምር’ዩ ተባሂሉ ዝዝመረሉ ዘሎ መምርሒ፡ ኣብ መንጎ ኣካረይትን ተኻረይትን ዝጸንሐ ዝምድና መሊሱ ብኣሉታ ከይጸልዎ ስግኣት ምህላውን ይግለጽ ኣሎ።

ህግደፍ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ናይ 2017 ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ መምርሒ፣ መጠን ክፍሊት ክራይ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ብዓቐንን ስፍሓትን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብዝርከበሉ ቦታ’ውን ፍልልይ ከም ዘለዎን ረድዮ ኤረና ብ19 ሓምለ 2017 ጸብጺባ።

ሶማለ ላንድ ኣብ’ቲ ንኤርትራ ጅቡትን ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ መርገጸይ ኣብ ጎኒ ጅቡቲ’ዩ ከም ዝበለት ተገሊጹ።

ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ እታ ሃገር፡ ንሕና ኣብ ጎኒ ጅቡቲ ደው ንብለሉ ምኽንያት፡ ምስ ህዝብን መንግስትን ሃገረ ጅቡቲ ካብ ዘለና ቅርበት ዝብገስ’ዩ፡ ጅቡቲ ካልኣይቲ ሃገርና’ያ። ስለዚ ኣብ ልዕሊኣ ዝግበር ዝኾነ መጥቃዕቲ ኣብ ጎና ክንስለፍ ግዴታ ኣለና ምባሉ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ሚኒትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማሌ ላንድ ስዒድ ዓሊ ሽረ ከም’ዚ ክብል ዝገለጸ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ካብ’ዚ ከይወጻእና ቻይና ኣብ ሃገረ ጅቡቲ ወተሃደራዊ መሰረት ተንጽፍ ከም ዘለና፡ ኣብ’ቲ ኤርትራ ጅቡትን ዘሰሓሕብ ዘሎ ቦታ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ከተዋፍር ሓቲታ ምህላዎን ተፈሊጡ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 24-07-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel