ውዲተኛታት ብእዋኑ ክእለዩ

ህዝብና ጸላእቱ እንተ ዘየለልዩ

ቅሳነትን ራህዋን ኣይክርከብንዩ‘‘

ብ.ተ.ሐ.ኤ ዝቐረበ ንጉባኤ ኣዶባሐ

ንሐድነት ታሪኻዊ መጸዋዕታ ዘርጊሐ

ዝወደቐት ኦም ፋሳት ምሳራት ይበዝሐ

ጸረ ህዝቢ ብእንቢታ ኣጽፋራ ኣብሊሐ

ንኤርትራ ኣርዮስ ብኢዱ ምስ መርሐ

ከም ተልእኹኡ ንኢትዮጵያ ከርበሐ

ከም ኣቢዪ ነዓይ ነዓይ ዝብሉ ኣብዚሐ‘‘

ንክልተ ጎራሐት ሐሙኹሽቲ ስንቆም

ናብ ባሕሪ ኤርትራ ዊጥ ዘብሉ ኢዶም

ሱር ከይሰደዱ ብኣጋ ሕጂ ንመክቶም‘‘

እንዳና ከይኣትዎ ጓና

ቅድሚ ኣውራጃ ንሃገርና

ኤርትራ ይኹን ጭርሖና

ተሳኒና ንእለዮ ንጸላኢና‘‘

ሐሳብ ህዝቢ ኤርትራ ክሰምር

ካብ ዘረባ ናብ ግብሪ ንስገር‘‘

ናብ ናይ ታሪኽ ጉሐፍ

ዓጢቕና ንህግደፍ ንጉሐፍ‘‘

ቃልስና ግብሪ ምስ ጎዶሎ

ንህግደፍ ሲኢኑ ዝነቕሎ‘‘

ንኤርትራዊ ሃገራዊ ሕቶ

ድልድላት በዚሑ ዝዓግቶ‘‘

ቅድሚ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ክህሉ

ተሳኒና ንጉጅለ ህግደፍ ንእለየሉ

ኣውራጃታትና ክህሉ ኤርትራ ትሃሉ

ምፍልላይና ህግደፍ እዩ ዝረብሐሉ‘‘

ኣብ መኣዲ 8ተ ጠፊኡ ምትሕልላይ

ኣቱም ደቂ ሰራየ ሐማሴን ኣከለጉዛይ

ደንከል ሰንሂት ሰምሃር ባርካ ሳሕላይ

ንጠቕሚ መንዩ እዚ ኹሉ ምፍልላይ

ህግደፍ ጀሃድ እንዳ ኣጠመቑ ነስላማይ

ንተዋህዶ ኣብ ክልተ መቒካ ምድምማይ

ብስኒት ንበገስ ኣስላማይ ምስ ክስታናይ‘‘

ውዲታዊ ጭርሖ ንሕናን ዕላማናን

ኣብ መንጎና ፈጢሩ ምትፍናን

ኤርትራዊያን ገና ኣይለበምናን‘‘

ኣቃላልሳና ኣንፈቱ ምስ ሰሐተ

ህግደፍ ሕድ ሕድና እና ናቒተ

ካብ ብኣውራጃይ ኣውራጃኻ ዘመተ

ቃልሲ ጸረ ማፍያዊ ጉጅለ ገበተ

ብግብሪ ኣብ ባይታ ይኹን መኸተ

ነዚዩ ጨሪሑ እቲ ኣብ ኣዳል ዝከተተ

ሐርበኛ ስዉእ ሐምድ እድሪስ ዓዋተ‘‘

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ;ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና፣ስዕረት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን፣ ብኣባል ተሐኤ በርሀ ዑቅባዝጊ ሃገር ጀርመን።