እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 40 guests and no members online

ህግደፋዊ ዲፕሎማሲ ከም ቃሕታኻ’ዩ።

ዲፕሎማሲ ከም ኣተሓሳስባን ዕለታዊ ንጥፈትን ካብ 16 ክ/ዘመን ጀሚሩ ደረጃ ብደረጃ ቅርጺ እናሓዘ ከም ዝመጸ ታሪኽ ይሕብር። ዲፕሎማሲ ጠቕሙ ውልቀዊ ኮነ ሃገራዊ ሌላን ረብሓን ምርግጋጽ ኮይኑ፡ ኣብ ትሕቲኡ ብዙሓት ጨናፍራት ዝሓቖፈ ምዃኑ ምርዳእ ጽቡቕ’ዩ። ዲፕሎማሲ ብዙሕ ዝዓይነቱ’ዩ። ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ጸጥታዊ፣ ባህላዊ …ወዘተ ዝምድናታት ንምጥቃስ ይከኣል። ዲፕሎማሲ ሓደ ኣብ መንጎ ህዝብታትን ሃገራት ሰላም ንምስፋን ዘገልግል ሰላማዊ መሳርሒ’ዩ። ብሱል መፈትሒ ግርጭት እውን’ዩ። ስለዚ ዝኾነ ሰብ ምስ ካልእ ሰብ ክራኸብ እንከሎ፡ ዝኾነ መንግስቲ ምስ ካልእ መንግስቲ ዝምድና ክገብር እንከሎ፡ እንታይ ሂቡ እንታይ ክወስድ ከም ዘለዎ ኣብ ግምት ዘእተወ ንምዃኑ ዘካትዕ ኣይመስለንን። ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ግን ናይ በለጽን በለጸኛታትን መጻወቲ ሜዳ ኣይኮነን። ናይ ምፍጣጥ፡ ዝሓዝካ ሒዝካ ኣምልጥ ኮንትሮ ባንዳዊ ስራሕ ኣይኮነን። ሞያዊ ብቕሓት ዝሓትት ገዚፍን ኣገዳስን ዓውዲ’ዩ። ነገራት ብሰላም ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ኮፍ ኢልካ ብብስለት ምእላይ ወይ ምምሕዳር ማለት’ዩ። ብሓጺሩ ጥዕና ዘለዎ ዲፕሎማሲ ምልክት ብሱል ኣተሓሳስባን ምክብባርን’ዩ።

ዘለናዮ መዋእል፡ መዋእል ሳይንስ ቴክኖሎጂን’ዩ። ዘለናዮ መዋእል ውጹዓት ህዝብታት ዝያዳ ካልእ ግዜ ሓርነታዊ መሰላቶምን ቁጠባዊ ረብሓታቶምን ንምርግጋጽ፡ ኣንጻር ወጻዕቶም ዝቃለስሉን ከቢድ ዋጋ ዝኸፍልሉን ዘለው ታሪኻዊ እዋን እውን’ዩ። ዝበዝሑ ህዝብታትን ሃገራትን ነናይ ገዛእ ረብሓታት በይኖም ብከም’ቲ ዝድለ ከማልእዎ ስለዘይክእሉ፡ ኣብ ግልጽነት ሓባራዊ ተጠቃምነት ዝተመርኮሰ ዝምድናታት ዝፈጥርሉ ዘለው ምዕቡል ዘመን ድማ’ዩ። ስለዚ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ናይ እግረ መንገዲ ስራሕ ኣይኮነን። ብዊንታ ዝመሓደር’ውን ኣይኮነን። ጥበብ’ዩ። ድሌት ምስ ክውንነት ኣዛሚዱ ዝኸይድ፡ ስለዚ ከኣ ሃገራዊ ሰላም ኣውሒሱ ናይ ዜጋታትን ህዝብታትን መሰረታዊ ጠለባት ናይ ምምላስ ተልእኾ ዘለዎ ዓውዲ’ዩ። ክሳብ ክንድ’ዚ ረዚን ተልእኾ ዘለዎ ብምዃኑ ድማ ንኣተሓሕዛኡ ማለት ኣጠቓቕማኡ ሓላፍነታዊ ጥንቃቐ ይሓትት።

ዲፕሎማሲ ጸወታ’ዩ ኢሎም ዝገልጽዎ ሰባት ኣለዎ። እንታይ ዓይነት ጸወታ? ሕግን ስርዓትን ዘለዎ ወይ ከም ቃሕታኻ ኣብ ዝብል ግን መንገዱ ክንጸር ይግደድ። ዲፕሎማሲ ምስ ካልኦት ሰባትን መንግስታትን ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ተመስሪትካ ትገብሮ ዝምድና ስለ ዝኾነ ኣዝዩ ተሃዋሲ’ዩ። ነዚ ድማ’የ ጥንቃቐ የድልዮ ዝብል ዘለኹ። ነቶም ዲፕሎማሲ ጸወታ’ዩ ዝብሉ፡ ከም ቃርሳ፣ ኩዕሶ እግሪ፣ ኩዕሶ ሰኪዔት፣ ጓይላ …ወዘተ ቀሊል ክመስሎም ይኽእል ይኸውን። እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ኣይኮነን። እዚ ዓውዲ’ዚ ሰላም ኣብ ምስፋን፣ መሰረታዊ መሰላት ኣብ ምኽባር፣ ረብሓታት ኣብ ምልውዋጥ፣ ምዕባለ ኣብ ምስግጋር ፍቱን መሳርሒ’ዩ። ኣብ’ዚ ብገለ ሸተት እንተደኣ ኢልካ ወይ ካብ ውዑልን ስምምዕን ወጻኢ እንተደኣ ከይዳካ፡ እምነት እንተኣጉዲልካ ናይ ተነጽሎ ስብራት ዘኸትል’ዩ። ብዲፕሎማሲያዊ ክሳራ ዝበጽሕ ፖለቲካዊ ስብራት ድማ ብቐሊል ዝሓዊ ኣይኮነን። እቲ ስብራት ተነጽሎ’ዩ። ካብ ተነጽሎ ዝኸፍእ ቀዝሒ ድማ የለን። ብሽሾ ሰራዊት፣ ዝተራቐቑ ተተኮስቲ ዘይኮነ፡ ብርዕን ወረቐትን ዝምሳይሉ ብዝረቐቐ ኣእምሮ ዝዋሳእ ደረጃ ብቕዓት ሰባትን ስርዓታትን ዝምዘነሉ ዓውዲ’ዩ።

ስለዚ ዲፕሎማሲ ከም’ዚ ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራ ብመንግስታዊ ጉጅለ ህግደፍ ንሰምዖን ንዕዘቦን ዘለና ከም ቃሕታኻ ትኣትዎን ትበትኮን ኣይኮነን። ሕግን ስርዓት ኣለዎ። ካብ ፈለማ ኣትሒዙ ተኣማንነት ይሓትት። ብፍላይ እቲ ዝምድና ኣብ መንጎ ሃገራትን መንግስታትን ምስ ዝኸውን ሕጋውን ህዝባዊ ቅቡልነት ይጠልብ። እንታይ ሂብካ እንታይ ከም እትወስድ የነጽር። ነቲ ዝድለ ዕላማ ኣብ ምዕዋት ኣወንታዊ ተራ ዘለዎም ነገራት ምምላእ የድሊ። ኣብ ህዝብኻን ሃገርካን ሕጋዊ፣ ሰላማዊ፣ ደሞክራስያዊ፡ ተኣማኒ፣ ግልጽነትን ተሓታትነትን ምህላው ካብ’ቶም ኣብ ጥዕና ዘለዎ ዲፕሎማሲ ዘይተርፉ መዕቀኒታት’ዮም። ስለዚ ብመንጽር’ዚ ዝተገልጸ ኣገዳሲ ረቛሒታት ህደፋዊ ዲፕሎማሲ ኣበይ’ዩ ቦታኡ ምቕማጥ ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣብ ልኡላዊት ሃገር ኢደ-ወነናዊ ስልጣን ተቖጻጺሩ ስለዘሎ፡ መንግስቲ’የ ስለዝብል፡ ኣብ ቃሕ ዝበሎ ምስ እከለ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ፈጢረ፡ ዝምድናና ሓባራዊ ረብሓ መሰረት ዝገበረ’ዩ ኢሉ ፕሮፖጋንዳዊ ነፍሕታት ስለ ዘስምዕ እዚ መዕቀኒ ናይ ቅኑዕ ዲፕሎማሲ ኣይኮነን። መዕቀኒ ናይ ከም ቃሕታካ ዝምድና’ዩ። ናይ ህግደፍ ዲፕሎማሲ ሚዛን የብሉን። ህዝባውን መሬታውን ክብሩ ኣሕሊፉ ዝህብ፡ ግልጽነትን ተሓታትነትን ዘይብሉ ናይ ለኣኽን ተቐባልን ዝምድና’ዩ። ስለዚ ጥዕና ዘይብሉ ናይ መንግስቲ ኮትሮባንዳዊ ዲፕሎማሲ’ዩ።

መንግስቲ ኢሳያስ ምስ እከለ ዝተባህለ መንግስቲ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ገይሩ፡ ምስ እከለ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተፈራሪሙ፡ ምስ ክስቶ ድማ ጽቡቕ ዝምድና ኣለዎ እናበልካ ፕሮፖጋንዳ ምቅላሕ፡ ንውልቀ መላኺ ኢሳያስን ጸረ-ህዝቢ ስርዓቱን በቲ ዝጀመርዎ ጌጋ ክቕጽሉ ዘተባብዕ ክኸውን ይኽእል’ዩ። እንተ ኣብ ሓቂ መጺእካ ግን ብፊንታ ሓደሰብ ዝምስረትን ዝብተኽን ደኣምበር ህዝባውን ሃገራውን ረብሓ መሰረት ዝገበረ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ናይ በሃልቱ ፍኹሰት ዘረጋግጽ’ዩ። ምኽንያቱ ህግደፍ ገይረዮ ዝብሎ ዲፕሎማሲ ኣብ ምንታይ ዝተመርኮሰ’ዩ? ንሱ ስለ ዝበለካ ዘይኮነ፡ ካብ ባህሪኡን ታሪኻዊ ፖለቲካዊ ድሕረ ባይታኡን ተበጊስካ’ዩ ዝፍለጥ። ናተይ ዝብሎ ፍልስፍና የብሉን። ዝግዘኣሉ መትከል የብሉን። ዝፈርሖ ህዝብን ሕግን የብሉን። በለጽ መበገሲ ዝገበረ፡ ግን ከኣ ካልኦት ዝብለጽሉ ዝወደቐ ዲፕሎማሲ’ዩ።

ህግደፋዊ ዲፕሎማሲ ገንዘብ ነናብ ዝረኸበሉ ከም ሕብሪ ነፋሒቶ ዝቀያየር ምስ ህዝብታት ኤርትራ ከኣ ዘተኣሳሰር ዘይብሉ ጉጅላዊ ኮንትሮ ባንዳዊ ዲፕሎማሲ ምዃኑ ተረጋጊጺ ዝሓደረ’ዩ። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ሰብን ከም መራሕን ፈታዊ ስልጣን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ፈታዊ ገንዘብን ዕግርግርን ምዃኑ’ውን ብዙሓት ብኣብነት እናደገፉ ኣረጋጊጸሞ’ዮም። ነቲ ዝፈትዎ ፖለቲካዊ ስልጣን ብሓይሉ ኣረጋጊጽዎ ይርከብ። ናይ ገንዘብ ጻምኡ ኩሉ ቁጠባዊ ምንጭታት ሃገር ምስ ገበተ መሊስዎ’ዩ። ዛጊት ግን ኣይረወየን። ህዝቢ ኤርትራ’ውን ኣብዚስ ኣይተዳህለለን ካብ መጀመርያ ኣትሒዙ ገንዘብ ኣምላኹ ክብል’ዩ ሰይምዎ። እቲ ዕግርግር ድማ ንሱ ደቁን መቕርቡን ዝሳተፍሉ ኣይኮነን። ደቂ-ድኻታት ተገፊፎም ናይ ንእስነት ዕድሜኦም ኣብ ድፋዓት ዘብልይሉ፡ ኣካሎም ዝጎድልሉ፡ ህይወቶም ድማ ዝስእንሉ ዕግርግር’ዩ። ዕግርግር ምስ ናይ ቀረባ ህዝብታትን ሃገራትን። ዕግርግር ምስ ኣብ ዞባና ዝርከቡ ህዝብታትን ሃገራትን። ዕግርግር ኣብ ርሑቕ ርሕቀትና ምስ ዝርከቡ መንግስታት። ህግደፋዊ ዲፕሎማሲ መሰረቱ ተለኣኣኽነት፡ ዕሱብነት፡ ሓውን ሓረርን’ዩ ኢሎም ዝገልጽዎ ፖለቲከኛታት ኣለው። ኣይተጋገዩን ሓቆም’ዮም። ጉዕዞ 26 ዓመት ምስክር’ዩ። ብክለሰ-ሓሳብ ዘይኮነ ብተግባር። ስለዚ ከኣ ህግደፋዊ ዲፕሎማሲ ምስ ረብሓን መሰልን ህዝብታት ኤርትራ ዝኾነ ዘራኽብ ዘይብሉ ከም ቃሕታኻ’ዩ። ውጽኢቱ ከኣ እዚ ንሓልፎ ዘለና ሕሱም ህይወት’ዩ።

ኪዳነ ማርያም ኣስረስ

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 02-08-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel