እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 35 guests and no members online

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝቕመጡ ግዱሳት ኤርትራውያን መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ ንምጽንባል ይዳለው ከም ዘለው ኣፍሊጦም።

ክልተ ወተሃደራት ህግደፍ ብምንቅስቓስ ሑቲ ተቐቲሎም

ኣላዪ ኣልቦ ኣብ ምድሪ ኤውሮጳ ካብ ዝኣተው ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝበዝሑ ኤርትራውያን ምዃኖም ተገሊጹ።

ኣብ ዓመተ 2016 ጥራሕ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ምድሪ ኤውሮጳ ወይ ሃገረ ጣልያን ካብ ዝኣተው 25 ሽሕ ኣላዪ ኣልቦ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝበዝሑ ኤርትራውያን ምዃኖም፡ ንዝተፈላለየ ሓደጋታት ድማ ይቃልዑ ምህላዎም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምግላጹን ምንጭታትና ካብ ሆላንድ ሓቢሮም።

ጠንቂ ስደት ናይ’ዞም ኣላዪ ኣልቦ ኤርትራውያን ትሕቲ ዕድመ፡ ኣብ’ታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ምሕደራ ምዃኑ፡ ስድራ ቤታት ኤርትራ ብኽብሪ መንብሮ ኣዝየን ዝተሽገራ ከም ዝኾና፡ እቲ ደረት ግዜ ዘይብሉ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሓደ ካብ ምንጪ ቅልውላው እታ ሃገር ምዃኑ፡ እዞም ቆልሑ ደቅቶም ኣብ ውትህድርና ተታሒዞም ዘለው ወለዲ ኮይኖም፡ ኣብ ዘይበሰለ ዕድሚኦም ኣብ ኤውሮጳ ሰሪሖም ስድራ ቤቶም ብቑጠባ ንምሕጋዝ ዕላማ ዘለዎም’ዮም ከም ዝበለን ገሊጾም።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝቕመጡ ግዱሳት ኤርትራውያን

መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ ንምጽንባል ይዳለው ከም ዘለው ኣፍሊጦም።

ታሪኽ ህዝባዊ ቃልስናን ኤርትራዊ ሓርበኝነትን ብግቡእ ተዓቂቡ ናብ ውሉድ ወለዶ ክሰጋገር ብምሕሳብ፡ ኣብ ዓመተ 2016 ንመጀመርያ መዓልቲ ሓርበኛታት ተጸንቢሉ ከም ዝነበረ፡ ሰፊሕ ህዝባዊ ተቐባልነት ድማ ከም ዝረኸበን ሎሚ ዘመን ከኣ ብዝደመቐ ኣገባብ ኣብ ዕለት 5 ነሓሰ 2017 ንምጽንባሉ ምድላዋት የግበር ምህላውን ኣብ መርበብ ኣሰና ብ1 ነሓሰ 2017 ዝወጸ ዜናዊ መጸዋዕታ ኣረጋጊጹ።

ኣብ’ዚ 26 ዓመታት ሓርበኛታትና እንዝክረሉ ፍሉይን ወግዓውን መዓልቲ ኣይጸንሓናን ዝበለ እቲ መጸዋዕታ፡ ኣብ እዋን ነጻነታዊ ተጋድሎ ሃገራዊ ግቡኦም ዝፈጸሙ ጀጋኑና ኣብ ስደት ኮይና’ውን ክንዝክሮም ኣለና። ስለዚ ኣብ’ቲ ን5 ነሓሰ 2017 ተታሒዙ ዘሎ መደብ ተሳተፍቲ ናይ’ቲ ጽንብል ክትኮኑ ንዕድመኩም፡ ስእሊ ናይ ሓርበኛታት፡ ካልእ ሰነዳትን እንተለኩም ሒዝኩም ክትመጽኡን ተመክሮኹም ከተካፍሉን ድማ ነዘኻኽር ኢሉ ኣሎ።

Loading...

You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

ክልተ ወተሃደራት ህግደፍ ብምንቅስቓስ ሑቲ ተቐቲሎም

    Print      ምንቅስቓስ ሑቲ፤ ኣብ ልዕሊ መርከብ ኩናት ሕቡራት ኢማራት መጥቓዕቲ ኣብ ዝፈጸሙሉ እዋን ክልተ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ህግደፍ ከም ዝሞቱ፡ እቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ ወተሃደራት ኣብ ሓለዋ እታ መርከብ ተመዲቦም ዝነበሩ ከም ዝኾኑ፡ ካልኦት 5 ወተሃደራት’ውን ከም ዝቖሰሉን ብሄሊኮፕተር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብ ሆስፒታል ዓሰብ ከም ዝተወስዱን መድረኽ ብ1 ነሓሰ 2017 ጸብጺባ።

እቶም ኣብ ሓለዋ መርከብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተመደቡ ወተሃደራት ህግደፍ፡ ብመልክዕ ደሞዝ ወርሓዊ 1400 ዶላር ብኢማራት ከም ዝኽፈሉ፡ እንተኾነ ግዳ ተቐቢሎም ንወኪል ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ከም ዘረኽብዎን ገሊጻ።

ምስዚ ኣብ ዝተኣሳሰር ዜና ብዕለት 23 ሓምለ 2017 ክልተ ጃላቡ ሓይሊ ባሕሪ ህግደፍ ምስ ሰራዊት ሑቲ ወተሃደራዊ ግጥም ከምዘካየዳ፡ 3 ኣባላት ድማ ከምዝቖሰሉን መድረኽ ወሲኻ ኣረዲኣ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 04-08-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel