እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 23 guests and no members online

መዓልቲ ሓርበኛታት ተኸቢሩ ውዒሉ

ካብ ካለ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክሰግር ዝፈተነ ኤርትራዊ ብሓደጋ መኪና መይቱ ተባሂሉ።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት ጅቡቲ፡ ኤርትራ፡ ሶማልያ ልኡላዊ ግዝኣተን ናብ ወተሃደራዊ መደበራት ሰብ ገንዘብ ይቕየር ምህላው ተገሊጹ።

ቅድም ክብል ብመዓስከር ወተሃደራት ፈረንሳ ጥራሕ ትፍለጥ ዝነበረት ንእሽቶ ሃገር ጅቡቲ፡ ቀስ ብቐስ ናብ ዓለማዊ ወተሃደራዊ መዓስከር ትቕየር ምህላዋ፡ ኤርትራን ሶማልያን ድማ ኣሰራ ተኸቲለን ዝተፈላለያ ሃገራት ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣብ ሃገራተን ክኸፍታ ብምፍቃድ ህዝባውን መሬታውን ልኡላውነተን ኣብ ሓደጋ ይወድቕ ከም ዘሎን ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ጅቡቲ፡ ናይ ፈረንሳ፣ ኣመሪካ፣ እንግሊዝ፣ ስዑዲያ፣ ኣብ ኤርትራ ናይ ግብጺ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ስዑዲያ፣ ኣብ ሶማልያ ናይ ኣመሪካ፣ እንግሊዝ፣ ስዑዲያ፣ ቱርኪ ወተሃደራዊ መዓስከራት ገለ ተደኪኑ ስራሕ ጀሚሩ ገለ ድማ ንኽምስረት ኣብ ውጥን ከም ዘሎን ዝሓበራ ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና፡ ተስፋ ተነቢርሉ ዝነበረ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብቐሊል ናብ ዘይፍታሕ፡ ኣንፈቱ ድማ ዘይፍለጥ ጸገም ይኣቱ ምህላው፡ ልኡላውነት ግዝኣት ናይ’ዘን ዝተጠቕሳ ሃገራት ከኣ ካብ ኢድ ዋናታቱ ይወጽእ ምህላው ከም ዘመላኽትን ጸብጺበን።

ካብ ካለ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክሰግር ዝፈተነ ኤርትራዊ ብሓደጋ መኪና መይቱ ተባሂሉ።

ካብ ሰሜናዊ ፈረንሳ፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝሓለነ ኤርትራዊ ምዃኑ ዝተገልጸ መንእሰይ፣ ብሓደጋ መኪና ህይወቱ ከምዝሰኣነ፡ እቲ መንእሰይ፣ ኣብ ሓንቲ ናይ ጽዕነት መኪና ተሓቢኡ ድሕሪ ምስቓሉ፣ እታ መኪና፣ ኣብ ክንዲ ናብ ብሪጣንያ ናብ ቤልጁም ተቕንዕ ከምዘላ ምስ ፈለጠ፣ መካይን ብናህሪ ኣብ ዝሕንበባሉ ኣውራ ጽርግያ፣ ዘሊሉ ክወርድ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፡ ብ 4 ነሓሰ 2017 ብካልእ መኪና ተረጊጹ ህወይቱ ከም ዝሓለፈ ረዲኦ ኤረና ንምንጭታታ ብምጥቃስ ብ9 ነሓሰ 2017 ጸብጺባ።

እቲ ግዳይ ኤርትራዊ ምዃኑ ዝሓበራ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ መንነቱ ግን ዛጊት ብንጹር ከምዘይሓበራ ዝገለጸት ኤረና ኣብ’ቲ ዝተጠቕሰ መስመር ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን ሱዳናውያንን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ዝገብርዎ ፈተነ ብዙሓት ህይወቶም ከም ዝሰኣኑን ኣረዲኣ።

Loading...

You are here:  Home  >  Tigrigna  >  Current Article

መዓልቲ ሓርበኛታት ተኸቢሩ ውዒሉ

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ከተማ ለንደን ዝቕመጡ ኤርትራውያን ብ 5 ነሓሰ 2017 ኣብ ለንደን ኣዳራሽ Initiatives for Change፡ ድሙቕ መዓልቲ ሓርበኛታት ኤርትራ ኣኽቢሮም ከም ዝወዓሉ፡ ኣብ ቃልሲ ኤርትራ ንሃገራዊ ነጻነት ብኣካል ዝተሳተፉ፡ ድሒሮም ዝተወልዱ ሓደሽቲ መንእሰያት፡ ከምኡ’ውን ወጻእተኛታት ኣዕሩኽ ኤርትራ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፣ ንታሪኽ ሓርበኝነት ኤርትራውያን ዝገልጹ ዝተፈላልዩ ንጥፈታት ቀሪቦም ነቲ መድረኽ ፍሉይ ድምቀት ከም ዝህብዎን መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ብ8 ነሓሰ 2017 ኣፍሊጣ።

ኣብ’ቲ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ዝካየድ መዓልቲ ሓርበኛታት ኣብ ስደት፡ ዝተፈላለዩ ኣብ’ቲ ቃልሲ ብኣካል ተሳቲፎም ኣካሎም ዝጎደሉን ዜጋታት ዝርከብዎም ነቲ ዘሕብን ታሪኽ ቀዳሞት ኣያታቶም ብግቡእ ክምርምርዎን ከመሃርሉን ከም ዘዘኻኸሩ፡ ኣወንታዊ ታሪኽ ህዝብናን ሃገርናን ታሪኽና ብምዃኑ ንምዕቃቡ ብሓላፍነት ክንሰርሕ ከም ዘለና ብኣብነታት እናደገፉ ዓሚቕ መልእቲ ከም ዘመሓላልፉን ኣረዲኦም።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 11-08-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel