እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 45 guests and no members online

ብዙሕ ሓይሊ ጉልበት ዘለዎ በብዓይነቱ ማሽነሪታት ተማሂዙ ኣብ ተግባር ኣብ ዝወዓለሉ መዋእል፡ ጽርጊያ ብጉልበት ሰብ ብጭዃሮን ባዴላን ይሰርሕ ኣለኹ ማለት ኣሽካዕላል ምዃኑ ተገሊጹ

ፖሊስ ኢጣልያ ኣስታት ሓደ ሽሕ ንዝኾኑ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ካብ ዝነብርዎ ህንጻ ኣብ ጎደና ክሓድሩ ገይሩ።

ነታ ብሰንኪ እምነታ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተሳቕያ ዝሞተት ኤርትራዊት፡ በዓል ቤታን ብኲሪ ወዳን’ውን ብሰንኪ እምነቶም ገና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዘለው ተፈሊጡ

ሓደ ህዝባዊ መንግስቲ ቅኑዕ ናይ ልምዓት ስትራተጂ ቀሪጹ፡ ህዝቢ ብጉልበቱ፡ ብፍልጠቱ፡ ብገንዘቡ ክሳተፍ ምግባር ክተባብዕ ዝግበኦ ሰናይ ተግባር’ዩ፡ ይኹን ግን፡ ኣብ ክንዲ ብዘመናዊ ማሽነሪታት ተጠቒምካ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ደረጃኡ ዝሓለወ ጽርጊያ ብምስራሕ ጸገም መራኸቢታት ምቅላል፡ ብዝደኸመ ጉልበት ሰብ፡ ብዝኣረገ መሳርሕን ገይርካ ህዝቢ ዓዲ ክስቶ ክንዲ ኪ/ሜትር ጽርጊያ ሰሪሖም ሽግሮም ፈቲሖም እናበልካ ፕሮፖጋንዳዊ ነፍሒ ምክያድ ሓላፍነት ዝጎደሎ ኣሽካዕላል’ዩ ክብሉ ንፈነወ ተለቪዥን ኤርትራ ዝተኸታተሉ ወሃብቲ ርእይቶ ሓቢሮም።

እዚ ከም’ዚ ዓይነት ንፕሮፖጋንዳዎ ሃልኪ ዝግበር መደባት መጀመርያኡ ከምዘይኮነ፡ ኣብ መጀመርያ ተስዓታት፡ ብዕድመ ኣዝዮም ዝተዳኸሙ ግን ሰብ ኒሕ ነጻ ጉልበት ተጠቒሙ፡ ዝኣረገ ሓጻውን ባቡር ኣራርእዩ ነዛ ኣብ መስኮት ቴሌቭዥን ዘቐልቅላ ናብ ጠቐር ዝተቐየረት ምዕባለ ዝሰገራ ኣረጊት ባቡር ክትንቀሳቐስ ብምግባሩ፡ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ምውዕዋዕ ይገብር ምንባሩ ብምዝካር፡ እዚ ከም’ዚ ዓይነት ኣካይዳ፡ ብሓቂ ብውጥን ዝምራሕ ሃገራዊ ልምዓት ዘይኮነስ፡ ጉልበት ናይ ምስኪን ህዝቢ ምምጻይ’ዩ ኢሎም።

ናይ ሰላምን ልምዓትን ባህሪ ዘለዎ መንግስቲ እንተዝኸውን፡ ዘመናዊ መስመራት ባቡር ኣብ ሓደ መስመር ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ብዙሕ ቦታት ኤርትራ ምገበረ። ነቲ ፈጣሪኡን መራሒኡን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ምስተሰርሐ ጽገና ዘይተገብረሉ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ዝኾነ ጽርጊያ ክብል ዝገለጾ፡ ህዝቢ ድማ ዘማርረሉ ዘሎ ሕቶ ዘመናዊ መጎዓዝያ ሞያተኛታት ኣሳቲፉ፡ ዘድሊ ባጀት ሰሊዑ፡ ዘመናዊ ማሽነሪ መዲቡ ትርጉም ዘለዎ ስራሕ ምሰርሐ ነይሩ። ሕጂ ዝብሎን ዝገብሮን ዘሎ ግን ግብራዊ ልምዓት ዘይኮነ ተራ ፕሮፖጋንዳ’ዩ። ብጉልበትን ህይወትን ህዝቢ ምጽዋት ድማ’ዩ ክብሉ ትዕዝብቶም ገሊጾም።

ፖሊስ ኢጣልያ ኣስታት ሓደ ሽሕ ንዝኾኑ  ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ካብ ዝነብርዎ ህንጻ ኣብ ጎደና ክሓድሩ ገይሩ።

 

ኣብ ዓዲ ጣልያን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታት፡ ኣዝዮም ብዙሓት ስደተኛታት ብግዝያውነት ተዓቚቦም ከም ዘለው፡ ሓደ ካብ’ቲ ዝበዝሑ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ዝተዓቕቡሉ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ህንጻ ምዃኑ፡ ፖሊስ ኢጣልያ ብ19 ነሓሰ 2017 ብዝወሰዶ ሃንደበታዊ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ፡ ነብሰ ጾራት፡ ህጻነትን ሕሙማትን ዝርከብዎም ኣስታት ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ስደተኛታት ካብ ዝነብርሉ ዝነበሩ ህንጻ ወጺኦም ኣብ ጎደናታት ክሓድሩን ንዝኸፍአ ሕማም ክቃልዑ ገይርዎም ከም ዘሎ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ንሓለፊ ፖሊስ ከተማ ሮማ ብምጥቃስ ከም ዝጸንጸባ ካብ’ቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

መንግስቲ ጣልያን ባሕሪ ሜዲትራኒያን ሰንጢቖም ንዝመጽእዎ ስደተኛታት፡ ንህይወት ሰብ ምቹእነት ኣብ ዘይብሉ ካብ ምቕባል ሓሊፉ፡ ከም’ቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ዝግበር ንስደተኛታት መጽለሊ ዝኸውን ኣባይቲ ከምዘሃነጸ፡ እዚ ሕጂ ስደተኛታት ዝተባረርሉ ኣረጊት ህንጻ ኣስታት ንኣርባዕተ ዓመት ስደተኛታት ዝነብርሉ ዝነበሩ ምዃኑ፡ ፖሊስ ኢጣልያ ከም’ዚ ዝበለ ዘይቅቡልን ዘይሰብኣውን ተግባር ምፍጻሙ ንብዙሓት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣገሪሙን ኣቖጢዑን ምህላዎን’ውን ጸብጺበን።

ነታ ብሰንኪ እምነታ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተሳቕያ ዝሞተት ኤርትራዊት፡ በዓል ቤታን ብኲሪ ወዳን’ውን ብሰንኪ እምነቶም ገና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዘለው ተፈሊጡ

ብሰንኪ ትኣምኖ ሃይማኖት ጴንጤ ቆስጠ ምስ ደቂ ማሕበራ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት 2017 ብጸጥታ ህግደፍ ተኣሲራ ክትሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ነሓሰ 2017 መትከል ኣብዮት ኣብ ዝተባህለ መዳጎኒ ህይወታ ከም ዝሓለፈ ዝተገልጸት ኣደ፡ ገና በዓል ቤታን በዂሪ ወዳን ምስ ከቢድ ሓዘኖም ኣብ’ቲ መዳጎኒ ይማስኑ ምህላዎምን ረድዮ ኤርና ብ21 ነሓሰ 2017 ኣረጋጊጻ።

ኣዲኦም ብሞት ኣቦኦም ብማእሰርቲ ስኢኖም ኣልቦ ኣላዪ ዝተረፋ ቆልዑ ኣብ መሪር ሓዘንን ስቓይን ወዲቖም ከም ዘለው፡ ነዚ ኢ-ሰብኣዊ ተግባር ኣብ ዝሰምዑ ወገናት ኣዛራቢ ኮይኑ ምህላው ኣረዲኣ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 25-08-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel