እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 28 guests and no members online

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣሲርዎም ዝነበረ ክልተ ኤርትራውያን ንጉጅለ ህግደፍ ኣረኪብዎም።

ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ስፖርተኛ መርሃዊ ቅዱስ፡ ዘጋጥሞ ሓደጋ ንህይወቱ ዘስግእ ከምዘይኮነ ግዱሳት ሓቢሮም።

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዘንበሮ እገዳ ይጠሓስ ስለ ዘሎ ነዚ ተጻሪ ጉጅለ መዚዙ ክልእኽ’ዩ።

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዘንበሮ እገዳ ይጠሓስ ስለ ዘሎ ነዚ ተጻሪ ጉጅለ መዚዙ ክልእኽ’ዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2009 ንዘንበረሉ እገዳ ይጥሕስ ስለዘሎ፡ ባይቶ ነዚ ተጻሪ ኣካል መዚዙ ክልእኽ ምዃኑ፡ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ኣለም ብ24 ነሓሰ 2017 ( 18 ነሓሰ 2009) ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢሩ።

ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊኣ ንዘመሓላለፎ ናይ እገዳ ውሳኒ ብተደጋጋሚ ትጥሕስ ኣላ ክትብል ንኣባል ሃገራት ባይቶ ጸጥታ ክትሕብር ጸኒሓ’ያ ዝበለ ኣቶ መለስ ኣለም፡ በዚ መሰረት ባይቶ ጸጥታ ነዚ ተጻሪ ፍልይቲ ጉጅለ መዚዙ ክልእኽ ኣብ ውሳነ ከም ዝበጽሐን ገሊጹ።

ኢትዮጵያ ኣባል ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይና ትሰርሕ ከም ዘላ፡ ነቲ ባይቶ ብፕረዚደንትነት ንሓደ ወርሒ ትመርሖ ምህላዋ፡ ከም ልሙድ ኣብ ኒወዮርክ ዝካየድ ዝነበረ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ኣብ መጀመርያ ሰሙን ናይ ወርሒ መስከረም 2017 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክጋባእ መደብ ተታሒዙ ምህላው፡ 15 ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ምስ ቀዳመይ ሚኒስተር ኣቶ ሃ/ማርያም ደሳለኝ ተራኺቦም ኣብ ዝተፈላለየ ዛዕባታት ክዛራረቡ ምዃኖምን ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ መለስ ኣለም ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣረጋጊጹ።

ምንጪ ሰሙናዊ ኣብ ዕለተ ሰንበት ትዝርጋሕ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ሪፖርተር ብ27 ነሓሰ 2017 ካብ ዘስፈረቶ ዜናዊ ሓበሬታ ዝተወስደ።

ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ስፖርተኛ መርሃዊ ቅዱስ፡ ዘጋጥሞ ሓደጋ ንህይወቱ ዘስግእ ከምዘይኮነ ግዱሳት ሓቢሮም።

ኣብ ስጳኝ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቮልታ ስጳኛ ዝተሰምየ ውድድር ብሽክለታ ብ25 ነሓሰ 2017 ኣብ እዋን ቅድምም ብምውዳቑ ንብዙሓት ኤርትራውያንን ኣፍቀርቲ ስፖርትን ኣሕዚኑን ኣሻቒሉን ዝቐነየ መርሃዊ ቅዱስ፡ ዘጋጠሞ ሓደጋ ብመስበርትን ሞትን ዘሻቕል ከምዘይኮነ፡ ኣብ ኤውሮጳ ዝርከቡ ግዱሳት ኤርትራውያን ኣረዲኦም።

ስፖርተኛ መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣብ ቮልታ ስጳኛ ኣብ’ቲ ብ23 ነሓሰ 2017 ዝተኻየደ 175.7 ኪ/ሜተር ርሕቀት ዘለዎ ውድድር ሓምሻይ መድረኽ ካብ 193 ተወዳደርቲ መበል ካልኣይ ከም ዝወጽአ፡ ብደረጃ ኤርትራ ብኤርትራውያን ተታሒዙ ዝጸንሐ ናይ ግራንድ ቱር መድረኽ ከም ዝሰበረን ሓቢሮም።

መርሃዊ ቅዱስ ካብ ሞትን ኣካላዊ መስበርትን ይድሓን ‘ምበር፡ ኣብ ገጹ፣ እግሩን ኢዱን ዝበጽሖ ማህረምቲ ቀሊል ከምዘይኮነ፡ ስለዚ ኣብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ክትትል ክገብር ከም ዝቐነየ፡ ብሰንኪ’ዚ ድማ ኣብ’ቲ ብድሕሪኡ ዝተኻየደ ውድድር ከም ዘይተሳተፈን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብምኽንያት ኣብ ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ ምክልባት

ናብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ መልእኽቲ ከም ዝሰደደ ኣፍሊጡ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ፖሊስ ኢጣልያ ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ካብ ተዓቚቦምሉ ዝነበሩ ህንጻ ወጺኦም ኣብ መዕቆቢ ዘይብሉ ጎደና ክድርበዩ ብምግባሩ ዝተሰመዖ ቅሬታ ዝገልጽ መልእኽቲ ናብ ሚኒስተር ጉዳያት ኢጣልያ፡ ኣንቶኒዮ ኣልፋኖ ብ25 ነሃሰ 2017  ከም ዝሰደደ፡ ኣብ መልእኽቱ መንግስቲ ጣልያን ነዚ ጉዳይ ከም ሓደ ህጹጽ ተረኽቦ ግቡእ ቆላሕታ ክገብረሉ ከም ዝጸወዐን ኣፍሊጡ።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መልእኽቱ፡  ካብ ምስ ካለኦት ሃገራት ኤውሮጳ ዘሎ ዝምድና፡ ኣብ መንጎ ህዝቢታት ኤርትራን ኢጣልያን ዘሎ ታሪኻዊ ምትእስሳር ከም ዝዛየድ ብምጥቃስ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን በቲ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝተወስደ ስጉምቲ ኣዝዮም ከም ዝሓዘኑ፡ መንግስቲ ጣልያ ኣብ ርእስቲ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ንምኽባር ዘለዎ ግዴታ፡ ብዛዕባ ኤርትራውያን ብሓፈሻ ብጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከኣ ብፍላይ ክግደስ ሞራላዊ ሓለፍነት ከም ዘለዎ ዘዘኻኽር ምዃኑ ኣረዲኡ።

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣሲርዎም ዝነበረ ክልተ ኤርትራውያን ንጉጅለ ህግደፍ ኣረኪብዎም።

ብሰንኪ ዝኽተልዎ ሃይማኖት ክርስትና ብሓይልታት ጸጥታ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተው ዝጥርጠሩ፡ ዛጊት ድማ ኣስማቶምን ናይ ትውልዲ ኣድራሻኦምን ዘይተፈልጡ ክልተ ኤርትራውያን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ከም ዘረከቦም ረድዮ ኤረና ብ28 ነሓሰ 2017 ኣፍሊጣ።

ንስግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ብተመሳሳሊ ክሲ ዝቐየዶም ሓያሎ ኤርትራውያን በብእዋኑ ንህግደፍ ከረክቦም፡ ህግደፍ ከኣ ተቐቢሉ ናብ ቤት ማእሰርቲ ምዕጢር ወሲዱ ክዳጉኖም ምጽንሑ ዝገለጸት ረድዮ ኤረና፡ ሃይማኖት ክርስትና ክሰብኽ ጸኒሑ ንዝበሎ ኢዮብ ሙሴ ዝተባህለ ኤርትራዊ ኣብ 2011 ንሞት ፈሪድዎ ከምዝነበረ፡ ከም እንደገና ነቲ ናይ ሞት ፍርዲ ብምምሕያሽ ናብ ኤርትራ ከም ዘባረሮ፡ ህግደፍ ከኣ በቲ ዝተለምደ ተግባሩ ክሳብ ሕጂ ኣብ ምዕጢር ኣሲርዎ ኣሎ ኢላ።

ብካልእ ዜና፡ መንግስቲ ኢጣሊያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ብዝወሰዶ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ብዙሓት ካብ ስደተኛታት ኣካላዊ ጉድኣት ከም ዝበጽሖም፡ ነዚ ዝተመልከቱ ብሰብኣውነት ዝግደሱ ውልቀ ሰባት ኮነ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾኑ ትካላት፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ጣልያን ተሪር ነቐፊታ የስምዑ ከም ዘለው፡ ካብ’ቶም ነቐፌታ ዘስምዑ ውድባት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ህዩማን ራይትስ ዎችን ከም ዝርከብዎም፡ ከምኡ’ውን ኣባላት ጸገማዊ ሰልፊ ኢጣልያ ነቲ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ብምቅዋም ብ26 ነሓሰ 2017 ኣብ ከተማ ሮማ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱ፡ መንግስቲ ጣልያን ንከመይነት ምጥያስ ስደተኛታት ዝምልከት ሓድሽ ሕጊ ከውጽእ መደብ ከም ዘለዎን ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ብምጥቃስ ረድዮ ኤረና ወሲኻ ኣረጋጊጻ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 01-09-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel