እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 64 guests and no members online

22 ቶን ካብ ኤርትራ ዝተለእከ ወርቂ ከም ዘጻረየ ሜታሎር ዝተባህለ ኩባኒያ ስዊዘርላንድ ሓቢሩ።

ህግደፍ ንባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብተራ ሓተታ ክገልጾ ምፍታኑ፡

ነዛ ክብርቲ ዕለትን ህዝቢ ኤርትራን ዘለዎ ትሑት ግምት ዘርኢ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ህግደፍ ንባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብተራ ሓተታ ክገልጾ ምፍታኑ፡

ነዛ ክብርቲ ዕለትን ህዝቢ ኤርትራን ዘለዎ ትሑት ግምት ዘርኢ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ባሕቲ መስከረም 1961 መበገሲት ናይ’ቲ ኣብ ውሽጢ 30 ዓመታት ኣብ ምድሪ ኤርትራ ዝተኻየደ ኩለንታዊ ቃልሲ፡ ዝተኸፍለ ሰብኣውን ነዋታውን መስዋእትን ዝተሓፍሰ ዓወትን ብምዃና፡ ካብ’ቶም ብድምቀት ክኽበሩ፡ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ሰኒድካ ናብ ተካኢ ወለዶ ክሰጋገሩ ዘለዎም ታሪኻውያን ሃገራውያን በዓላትን’ያ ዝበሉ ንከመይነት ኣበዓዕላ ባሕቲ መስከረም ኣመልኪትና ዘዘራረብናዮም ኤርትራውያን ህግደፍ ኣብ ክንዲ ብወግዒ መንግስታዊ መግለጺ ነዛ ዕለት ብተራ ሓተታ ገይሩ ምግላጹ፡ ባሕቲ መስከረም ኣይናተይን፡ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ኣበይ ከይበጽሕ ዝብል መልእኽቲ ዘመሓላልፍ’ዩ ኢሎም።

በቲ ሓተታ ገይሩ ከመሓላልፎ ዝፈተነ መልእኽቲ ንገዛእ ርእሱ፡ ማእከሉ ትማልን ሎምን ብርእሰ ሓያላን መንግስታት ተዘሪናን ንዝረ ኣለናን ብዝብል ጸረ-ህዝቢ ገበናዊ ተግባሩ ክሓብ ዝፍት ደኣምበር ብዛዕባ’ዛ ዕለትን ታሪኻውነታን ዘረድእ ኣይኮነን። ከም ኣጋጣሚ ናይ ሎሚ ዓመት ባሕቲ መስከረም 2017 መበል 56 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልስና ምስ ሃይማኖያዊ በዓልና ዒዳል ኣድሓ ብምግጣሙ ብፍሉይ ክደምቕ ፍሉይ ምድላዋት ክገበረሉ ዝግባእ ክሱ፡ ኮነ ኢሉ ትኹረት ስለ ዝነፈጎ ካብ’ቶም ካልኦት በዓላት ዝተሓተ ግምት ከም ዝተዋህቦ እቲ ኣብ ባይታ ዝነበረ ንጥፈታት ከም ዘረድእ ገሊጾም።

ባይቶ ሃገረ ጀርመን ኣብ ኤርትራ ንዝፍጸም ዘሎ ግህሰት መሰላት ኣመልኪቱ ዘካየዶ ዘተን ብዝተፈላለዩ ወከልቲ ሰልፍታት እታ ሃገር ዝቐረበ መረዳእታን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ብግቡእ ክከታተልዎ ከም ዝግባእ ተገሊጹ።

ሃገራዊ ባይቶ ጀርመን ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ ጥሕሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪቱ ዘካየዶ ዘተ፡ ወከልቲ ዝተፈላለዩ ሰልፍታት እታ ሃገር ሓደ ድሕሪ ሓደ እወ ኣብ’ዚ መዋእል’ዚ ይግበር ኢልካ ዘይትጽበዮ ኢ-ሰብኣዊ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ ብመንግስቲ ኤርትራ ይፍጸም ኣሎ ብዝብል ዘቕረብዎ መረዳእታ፡ ንጉጅለ ህግደፍ ዝያዳ ንምቅላዕን ንምንጻልን ሓጋዚ ስለዝኾነ፡ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ብግቡእ ክስዕብዎን ሓቢሮምን ተወሃሂዶምን ክወፍርሉ ከም ዝግባእን ንመድረኽ ባይቶ ሃገረ ጀርመን ዝተኸታተሉን ብኣድናቖት ዝገለጹን ወገናት ሓቢሮም።

ነናቶም መረዳእታ ብምቕራብ ንተግባራት ጸረ-ህዝቢ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኣዳራሽ ሃገራዊ ባይቶ ዘቃልዑን ዝኾነኑን ወከልቲ ዝተፈላለያ ሰልፍታት፡ ብፍሉይ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዘቕረቦ ጸብጻብ ከም ዝድግፉ፣ መርማሪ ኮሚሽን ሕጂ’ውን ናብ ኤርትራ ኣትዩ ዕማሙ ከሳልጥ ክድፈኣሉ ከም ዘለዎ፡ ብዝኾነ ምኽንያት ብስም ህዝቢ ኤርትራ ንመንግስቲ ኤርትራ ገንዘብ ምሕጋዝ ንህዝቢ ኤርትራ ምብዳል ምዃኑ፣ ብደረጃ ኤውሮጳ ሕብረት ንመንግስቲ ኤርትራ ክወሃብ ዝተወሰነ 200 ሚሊዮን ዩሮ ደው ክብል ከም ዘለዎ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ካልእ ብዝተፈልየ ምቅባል ቅኑዕን ሓፍነታውን ተግባር ምዃኑ፡ ኤርትራውያን ኣብ ሃገሮም ፖለቲካዊ ለውጢ ንምምጻእ ንዘካይድዎ ዘለው ቃልሲ ብወግዒ ክንደጋገፍ ኣለናን ክብሉ ዘቕረብዎ ርእይቶ፡ ናብ ተግባር ክሰጋገር ካልኦት መንግስታትን ሃገራትን ኣሰሮም ክስዕቡን ንምትብባዕ ውሁድ ወፍሪ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣድላይ ምዃኑን እቶም ግዱሳት ኣተሓሳሲቦም።

22 ቶን ካብ ኤርትራ ዝተለእከ ወርቂ ከም ዘጻረየ ሜታሎር ዝተባህለ ኩባኒያ ስዊዘርላንድ ሓቢሩ።

ኩባኒያ ሜታሎር ካብ 2011 ክሳብ 2013 ኣብ ዘሎ ናይ ክልተ ዓመት እዋን ካብ ኤርትራ ዝተላእከሉ ኣስታት ፍርቂ ቢሊዮን ዶላር ዝግመት 22 ቶን ወርቂ ከም ዘጻረየ፡ SRFዝተባህለ መደበር ቴሌቪዥን ብ30 ነሓሰ 2017 ኣረጋጊጹ ክትብል ረድዮ ኤረና ብ31 ነሓሰ 2017 ጸብጺባ።

እቲ ካብ ቢሻ ኤርትራ ዝፈረየ ወርቂ፣ ካብ ቢሻ ኣስመራ ብንኣሽቶ ነፈርቲ ድሕሪ ምብጻሑ፣ ካብ ኣስመራ ብመንገዲ ኣየር ሉፍታንዛ ናብ ፍራንክፈርት ካብ ፍራንክፈርት ድማ ናብ ስዊዘርላንድ ተሰጋጊሩ ብኩባኒያን ሜታሎር ምሉእ ምጽራይ ክግበረሉ ምጽንሑ ምርግጋጹን ሓቢራ።

ነቲ ዕደና ወርቂ ዘካይድ ካናዳዊ ኩባኒያ ነቭሰን ከም ዝኾነ፡ ኩባኒያ ነቭሰን ምስ ሓላፍነት ዘይስመዖ ጉጅለ ህግደፍ ብምዃን ብነጻ ጉልበት ወተሃደራት ህግደፍ ከም ዝጥቀም፡ ብዝተፈላለዩ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ቀጥታዊ ግዳያት ናይ ባርነታዊ ዕዮ ዝነበሩ ኤርትራውያንን ክሲ ተመስሪቱ ኣብ መስርሕ ምህላውን ብምጥቃስ፡ ሃገራዊ ባንክ ስዊዘላንድን ባንክ ዙሪክን ዝተባህላ ኩባኒያታት ስዊዘርላንድ ካብ’ዚ ብባርነታዊ ዕዮ ዝኽሰስ ዘሎ ነቭሰን ናይ 2 ሚሊዮን ዶላር ብርኪ ገዚአን ከም ዘለዋን ኣረዲኣ።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 04-09-2017

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel