እዋናዊ ዜናታት

ኣብ መርበብ ዘለዉ

We have 15 guests and no members online

ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ) መኽፈቲ 2ይ ውድባዊ ጉባኤ፡

ልኣይውድባዊ ጉባኤ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ (ደግሓኤ)ብውድባዊ ሰሚናር ኣቢሉ፡ ዘብርሆን ዘጻፈፎን መደባት ኣቃኑዑ። ን2ይ ውድባዊ ጉባኤ ቅድመ-ተደላይነታቱ ኣዋዲዱ፡ ኣብ ዝተመደበሉ ግዜን ቦታን ሎሚ መዓልቲ 20 መስከረም 2017 ሰዓት 2 ድ.ቀ. ብናይ ዝኽሪ ስዉኣት መዝሙር ብጉጅለ ባህሊ ተሰንዩ ብክብ ዝበለ ድምቀትን ዓጀባን ተኸፊቱ

     

ቀጺሉ ዋና-ጸሓፊ ኣሰናዳዊት ሽማግለ ተጋዳላይ መምህር ገብረትንሳኤ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ኣቕሪቡ። ስዒቡ ድማ ኣቦ-መንበር ማእከላይ መሪሕነትን ፈጻሚት ሽማግለን ደግሓኤ ተጋዳላይ ጀማል ሳልሕ ቃል ውድብ ኣስሚዑ።

ብደቂ-ኣንስትዮና ዝተዳለወ ናይ ሕብስትን ዕንባባን መኽፈልቲ ኣብ ብዝተሳተፉ መራሕቲ ሃይማኖት ተባሪኹን ተቖሪሱን ንኩሎም ዕዱማት ኣጋይሽን ኣባላት ጉባኤን ብእልልታን ብጨብጨባን እናተሰነየ ተዓዲሉ።

ካብኡ ቀጺሉ ክሳዕ 19 ዝኾና ዝተፈላለያ ውድባትን ሰልፍታትን ማሕበራትን ናይ ሰናይ ደገፈን መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን። ኩሎም እቶም ዝቐረቡ መልእኽትታት ብጽማቝ ትሕዝቶታቶም ሓቢርካ ናብ ቀዳማይ ጸላኢ ጉጅለ ህግደፍ ምቕናዕ ዘተኮሩ ኢዮም ነይሮም። ካዚኣተን 8 ዝኾና ውድባት ብኣካል ክርከባ እንከለዋ፡ እተን ዝተረፋ 11 ከኣ ብኣካል ዘይተረኽባ እየን።

ኣብ መንጎቲ መደብ ብክፍሊ ባህሊ ደግሓኤ ዘዳለወቶ እዋናዊን መሳጢን ናይ መዛናግዒ ደርፊታትን ሙዚቃታትንን ቀሪቡ ኢዩ እቲ ናይ ቀዳማይ መዓልቲ 2ይ ጉባኤ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ተኻይዱ።

ውድቀት ንጸረ-ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ!

ዓወት ንካልኣይ ውድባዊ ጉባኤና!

ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና!

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንጀጋኑ ስዉኣትና!

ብክፍሊ ዜናን ሓበሬታን ካብ ቦታ ሰሚናር

ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ/ደግሓኤ/

ሞድ የማን Mod Right sample subtitle goes here

This is the right module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ሰላም 1 Mod Bottom1 sample subtitle goes here

This is the bottom1 module position, which is not using any module suffix.

To create a subtitle, separate the title input text in the module manager with an "|" character then enter your subtitle text.

ቃለ መጠይቕ

Show Panel